- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- Eritrea: President Isaias’s aims in Sudan
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- Eritrea: National Service is inextricably linked to practices similar to slavery – Dr Mohamed Abdelsalam Babiker
- Der Nationaldienst in seiner jetzigen Form ist untrennbar mit Zwangsarbeit und der Sklaverei ähnlichen Praktiken verbunden
- Eritrea’s missing Swiss Ambassador tracked down
- ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡ ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- Eritrea’s Diplomatic Missions are Instruments of Extortion and Intimidation
- Eritrean riots in Norway ‘unacceptable’ – Prime Minister
We have 155 guests and no members online
ሓተታ
- Written by: ብርሃነ ሃንጀማ
እዛ ዕለት'ዚኣ ክዝክራ እንከሎኹ፡ ብሕልና ናብ'ቶም ክልተ ብሉጻት መራሕትና ዕዝር እብል። ኩሉ'ቲ ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ጅግንነታዊ ዕዮ፡ ብልሒ ኣማራርሓ፡ ኣብነትነት እዝክር። ንቕኑዕ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምስ ወሰኑ፡ ንቕድሚት'ምበር ንድሕሪት ግልጽ-ምልጽ ከይበሉ፡ በጃ ህዝቦም ዝኾኑ መራሕቲ ደምሓኤ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር፣ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ም/ኣቦ-መንበርን ናይ ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ።
Read more: ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.
- Written by: ዛራ ማና
ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኮነ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ፍትሓውነት ጸገም የብሉን። መሰልካ ንምኽባር ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ምቅላስ ፍትሓዊ’ዩ። ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ’ውን ከምኡ ቅቡልን ንፍትሓውን’ዩ። ስለዚ ናይ ዝቐደመ ኮነ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሕቶ ፍትሓውነቱ ድንግርግር ዘብል ነገር የለን። እቲ ፍትሓዊ ሕቶ በየናይ ፖለቲካዊ -ስነ-ሓሳብ ክምራሕ ከም ዘለዎ ግን፡ ቅድሚ 1991 ብሩህ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።
Read more: ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።
- Written by: ኣሮን በሩሀ
መሰረት ገድልን ተጋዳላይን ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ። ኣድላይነት ትምህርቲ ድማ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽነትን ምንጋፍ’ዩ። ኣንጻር ወጻዒ ምግዳል ኮነ ምምሃር ከኣ መሰል’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ዘቤታዊ ድዩ ካብ ግዳም ዝመጽአ ብዘይገድስ ነቲ ብፖለቲካ ዝዕፍነካ፡ ብቑጠባ ዝምዝምዘካ፡ ብባህልኻን ቋንቋኻን ከይትጥቀም ዝዕንቅጸካ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ብወግዒ ኣይግዛእን እምቢ ኢልካ እንተዘይተቓሊስካዮ፡ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮነካ ድሕረኻ ዝመጽእ ወለዶ ‘ውን ኣብ ባርነት ክነብር’ዩ። ስለዚ ካብ’ቲ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰናይ ፍቓዶም ንሳቶም ርሂጾም፣ ደምዮም፡ ኣካሎም ተቖሪጾም፡ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም በጂዮም ንዝተረፈ ክሕሾ ዝተጋደሉ ህልዋትን ስውኣትን ኤርትራውያን ልዑል ክብሪ ይግበኦም።
Read more: ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።
- Written by: ዛራ ማና
ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ውልደት ዘመናዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ’ዩ። ናይ ደሞክራሲ ኣብነት ነይሩ። ምዕቡል ነይሩ ኢሎም ኣፎም መሊኦም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።
Read more: ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና፡ ብንጹር ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብቑዘማን ጣሕመሽመሽን ኣይፍወስን።
- Written by: ዛራ-ማና
ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ እዋን ግዝያዊ ሞግዚታዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ከም ዝጀመረ’ዩ ታሪኽ ዝምህረና። ካብ መጀመርያ 40ታት ድማ ውልደት ፖለቲካዊ ስለፍታት ምዃኑ’ዩ። ካብ 1941 ዓ.ም ክሳብ’ዚ ዘለናሉ እዋን ክንደይ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን።
- Written by: ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ
Read more: ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ድማ ካልእ ሓቂ’ዩ፤
ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ከም ህዝቢ ኣተሃላልዋና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና ዝብል ቃል ብልክዕ ኣይገልጾን፤ ኣብ ሕማቕ ኣለና ዝብል ቃል ይንእሶ’ዩ። ከም ህዝቢ ዝጠምረና ዝነበረ ክብርታት ተሰባቢሩ፡ ኣተሓሳስባና ተዘሪጉ፡ ካበይ፣ ናበይ፣ ብኸመይ ንኸይድ መኣዝና ኣብ ዘጥፋእናሉ ኩነታት ስለ ንርከብ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ባህሪያዊ ቦታና ንምምላስ ወይ ድማ፡ ተበታቲና ክብሪ ኣልቦ ሃገር ኣልቦ ናይ ምዃን ኣብ ወሳንን ኣሰካፍን ፖለቲካዊ ኩነታት ኣለና ዝብል ሚዛን’ዩ ዝምጥኖን ዝገልጾን።