ብዝተነጸረ ስነ-ሓሳብ፡ ብሕጊ፡ ብግብሪ ዝተጠርነፉ ሰባት ( ኣባላት) ዘቖምዎ ውዳቤ’ዩ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ነይሩ ወይ ኣሎ ዝበሃል። ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዝበጽሖ ዝተዋህለለ በደል ዘንቀሎ  ብመጽናዕቲ ዘይኮነ ብስምዒት ዝተኣኻኸበ ብግቡእ ተናቢቡ ዘይወፈረ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ፡ ክንዲ ዝኾነ ቀልቢ ህዝቢ ዝስሕብ ግዝያዊ ንጥፈታት የርኢ፡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝረአ ፖለቲካዊ ድዩ ግብራዊ ውቅዒት የዕርፍ፡ ምሉእ ቁመና ዘለዎ ሓደ ውድብ’ዩ ኢልካ ክትገልጾ ርትዓዊ ኣይኮነን።

ብርጌድ ንሓመዱ፡ ከም ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ካብ ዝብገስ ነዊሕ ግዜ ኣይገበረን። ጌና ኣብ ፖለቲካዊ ታታ ዝርከብ ተልመደን’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ዕሸል ዕድሜኡ ብዘርኣዮ ግብራዊ ንጥፈታትን ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎ ክቡር መስዋእትን ቀልቢ ህዝቢ ስሒቡ፡ ኣብ ሓውሲ ድስካለ ንዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ኣበራቢሩ፡ ንጸላኢ ኣርዒዱ፡  ፖለቲካ ኤርትራ ጠመተ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክረክብ ናቱ ኣወንታዊ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ነዚ ኣወንታዊ ተግባሩ ዋላ ግዴታኡ ይኹን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ግቡእ ክብርን  ፖለቲካዊ ደገፍን ክወሃቦ ይግባእ።

ይኹን ግን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣስታት ዛጊት፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ የብሉን። ብደረጃ ጉባኤ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን የብሉን። ብጉባኤ ዝተመርጸ ተሓታትነት ዘለዎ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣይፈጠረን። ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ ኣንፈት፣ መሰል ኣባላት ዝሕልወሉ፣ ገንዘብን ንብረትን ብግቡእ ይኸይድ ኣሎ የለን ዝቆጻጸር ትካል (ኦዲት) የብሉን። እዚ ኩሉ ሕጋውን ፖለቲካውን ሃጓፋት ዘለዎ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ሆ ኢሉ ዝተበገሰ  ሓሳብ ብሓሳብ ተናቢቡን ተኸባቢሩን ዝሰርሓሉ ባይታ ዘይመድመደ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ሓደ ነይሩ ክልተ ከም ዝኾነ ጌርካ ምግላጽ ኣይቅኑዕን። ስለምንታይ? ካብ መጀመርታኡ ሓደ ኣይነበረን። “ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል ተስፋ ዝተነብረሉ ብርጌድ ንሓመዱ ባህሊ ቀዳሞት ናይ ፖለቲካ ኣቦታቱ ተኸቲሉ ኣብ ክልተ ተፈናጭሉ እናበልካ፡ ንዘይነበረ ከም ዝነበረ ኣምሲልካ ምቅላሕ መሰረታዊ ጌጋ ስለ ዝኾነ ክእረም ኣለዎ። ምኽንያቱ ብጥንቁቕ ሕጋውን ፖለቲካውን መዕቀኒ ገና ሓደ ሙሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ንኽኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ።

ብርጌድ ንሓመዱ ክሳብ ሎሚ እከለ ካብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብና፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራምና፡ ሕገ-ህንጻና ወጺኣ/ወጺኡ ኢሉ ብኣረኣእያ ኮነ ብሕጊ ዝተሓታተሉ ብጉባኤ ዝጸደቐ ዝተሰነደ ኣሰራርሓን ኣመራርሓን የብሉን። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ “እናጎየዩ ዝተዓጠቕዎ ኣናጎየዩ ይፍታሕ” ዝበሃል ምስላ፡ ርሑቕ ከይሰጎመ ዕንቅፋት እንተጋጠሞ፡ ረስኒ ግብራዊ ንጥፈታቱ ዝዘሓለ እንተመሰለ፡ ኣንፈት ጠፊእዎ ዕኒይ ኒይ ክብል እንተተራእየ፡ ኣብ ክልተን ልዕሊኡን ናይ ምክፍፋል ግዝያዊ ጸገማት እንተጋጠሞ ኣቐዲሙ ብፖለቲካዊ ገምጋም ዝተበጽሐ ውጽኢት ‘ምበር ሃደበታዊ ተርእዮ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ከመይ ዝጎደሎ ሕጋውን ፖለቲካውን ሕቶታት መሊሱ፡ ውሽጣዊ ሽግራቱ ፈቲሑ፡ ናይ ምትግባር ባህሉ ዓቂቡ ምስ ኩሎም ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ተናቢቡን ተኻባቢሩን ይቃለስ፡ ሓጋዚ ሓላፍነታዊ መፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብ ጥራሕ’ዩ ክሕገዝ ዘለዎ።

እዚ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ኣብ ዝኾነ ጀማሪ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘጋጥም ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዓንቀፍቀፍ’ዩ ኣጋጢምዎ ዘሎ። ብወሳኒ መልክዑ ክሳብ ሕጂ ካብ ግብራዊ ንጥፈታቱ ከም ዝተዓዘብናዮ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ዝበቆ ጉልበት፡ ገንዘብ፡ ህይወት ከም ዘይብሉ ኣመስኪሩ’ዩ። እዚ ተወፋይነት’ዚ ንደምበ ተቓውሞና ጸጋ፡ ንዘቤታዊ ጸላኢ ከኣ ዘየደቅስ ሕማም ርእሲ ምዃኑ ብንቕሓት ተረዲእና፡ ንኣወንታኡ ዓቂብና፡ ጉድለቱ ንምእራም ከም ናይ ርሑቕ ፈተውቲ ዘይኮነ፡ ከም ዋኒና ወሲድና ሃናጺ ሓሳባት ብምቕራብ ከነተባብዖ ኣለና።

 ነቶም ክልተ ኢና ዝብሉ ዘለው፡ ሓደ ሕጋውን ፖለቲካውን ውድብ ከም ዝነበርኩም ግሎባል ብርጌድ ንሓመዱ፣ ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ተባሂልና ኣብ ክልተ ተመቒልና ኣለና እንተበልኩም ነገራት ኣብ ምምዛን ከከም ኣረኣእያኻን ዓቕምኻን ስለ ዝኾነ ንዓኻትኩም የዕግበኩም ይኸውን፡ ንዓና ግን፡ መግለጺ ተራ ምትህልላኽ ‘ምበር፡ ምኽንያታውን ቅቡልን ኣይኮነን። ክልቲኹም ብጥሕሰት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን ክትካሰሱ ኣይሰማዕናን። ትካሰስሉ ዘለኹም ቀዳማይ፡ ኣነ ብግሎባል ብርጌድ ንሓመዱ ዝተመረጽኩየ፡ ኣነ ንግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ዝውክልየ ዝመንቀሊኡ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝመስል’ዩ። ካልኣይ፡ ኩሉኹም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ቀሪብካ ምቅላስ ተቐቢልኩም፡ ዝምድናና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣነ ዝብሎን እንከለ ዝኽተሎን ፍልልይ ኣለዎ። ኣነ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩን። እከለ ግን ንልኡላውነት ኤርትራ ትሕተ ግምት ዝህብ መግለጺ ሂቡን ግብራዊ ወስታ ኣርእዩን ዝብላ’የን። እዚ ብመንጽር እቲ ሒዝክሞ ዝተበገስኩም ጭርሖን ብተግባር ትኸፍልዎ ዘለኹም መስዋእትን ክምዘን እንከሎ፡ ብዘተ ዝፍታሕ ደኣምበር ኣብ ክልተ ክልትክፈሉ ዘገድድ ኣይኮነን ዝብል ሚዛናዊ ርእይቶ ብምልጋስ ናብ ንቡር ዝምለስሉ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ክግበረሎም ይግባእ።

ኣባላት ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብሓፈሻ፡ ብደረጃ መሪሕነት ነብስኩም ኣላሊኹም ትዋስኡ ዘለኹም ኣካላት ከኣ ብፍላይ፡ ካብ ተራ ህልኽ ሓራ ውጽኡ። ኣብ ፖለቲካ ትዋስኡ ስለ ዘለኹም ብሓቂ ናይ ፖለቲካ ሰባት ናይ ፖለቲካ ውድብ ኩኑ። ውድቀት ቅድሜኹም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ከይትደግሙ ተጠንቀቑ። እንታይ ስለ ዘጉደልና ኢና ከም’ዚ ኮይና ኢልኩም ገዛእ ርእስኹም ገምግሙ። ካብ  ህዝብን ፈተውትን ዝወሃበኩም ሓላፍነታዊ ምኽሪ ብጸጋ ስምዑን ብተግባር ተጠቐምሉን።

 ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከነምጽእ ኢና እናበልኩም፡ ተፈጥሮ ብዝሃበኩም ጽባሕ ነበረ ዝኸውን ባህሪያዊ ህያብ ንእስነትን እርጋንን ፖለቲካ ክትሰርሑ ኣይትፈትኑ። ንልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ነታ ተንበልብልዋ ዘለኹም ሰማያዊት ሰንደቕ ዕላማ ዘረከብኹም ቀዳሞት ተቓለስቲ ኣኽብሩን ተረዳድኡን’ምበር ኣይትርሓቑ። ብከባብያዊ ኣውራጃዊ ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣይትጸለው። ፖለቲካዊ ብቕዓት ንህዝቢ ዝጠቅም ዝሓሸ ኣማራጺ ወኒንካ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር ‘ምበር ብዘመን ኣምጸኦ ማሕበራዊ ሜድያ ቃላት ምኩርባብ ከምዘይኮነ ተገንዚብኩም ባዕልኹም ጸገምኩም ንምፍታሕ ተበገሱ። ሓደ ሕጋውን ፖለቲካውን ውድብ ከም ዝነበርኩም ክልተ ኢና ኣይትበሉ። ናብ ሓደ ሕጋውን ፖለቲካውን ውድብ ዘብጸሓኩም ባይታ ብእሂን ምሂን መድምዱ።

                                                                  ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                                   25 መስከረም 2025