ስልኪ ንዝዓጽፎ ልውይ-ልውይ ሳዕስዒት ንዝኽእሎ ጥውይ-ጥውይ
መድረኽ ምስግጋር ኣዚዩ ሕልኽልኽ ዝበለን ኣደናጋርን ምዃኑ ደጋጊመ ዝጸሓፍኩዎን ኣጋጣሚ ክርከብ ከሎ ክኣ ዝመደርኩሉን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ተራ ስለዝጻወት ዳርጋ ኲልና ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ኣብኡ ከነተኲር ዘይስገር እዋናዊ ዕማም ኰይኑ’ሎ። “ኣንቲ መን ሽምኪ? ገመል! እንታይ ድኣ ነነይ ትብሊ? ኣመል!” ዝበሃል ኣዘራርባ ስለዘሎ፡ ኲላትና ኣኣመልናን ዘዝምባሌናን ከነዐውት ንቀዳደም ኣለና። ኲላትና ድማ ኣብ ጭንቀት ንርከብ (stress).
ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)
ዝኽረ ስውኣት
"....ስድራ ስውኣት ጋር (ጋር ነብሲ) ደቆም ክበልዑ ኣይኮኑን ተፈጢሮም...."
"....እዚ ህዝቢ፡ ሰንበት ሰንበት ኣብ ገዝኡ ኬድና በጊዕ ክንሓርደሉ ድዩ ደልዩ?...."
እዘን ክልተ ብሂል ካብተን ገለ "ወርቓዊ ቃላት” ኢሰያስ አፈወርቂ ኣብ ዝተፋላለዩ አጋጣምታት ዝተዛረበን'የን።
ኤርትራዊት ስድራ ቤት ኣሽንኳይዶ ጋር ደቓ ክበልዕሲ፡ መስዋእቶም ዝምለስ እንተ ዝኸውን፡ እታ ዝደኸየት ስድራ’ውን ዝኽፈለት ከፊላ፡ ውላዳ ንምድሓን ከም እትብጆ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ህዝብ
Weiterlesen: ብመኽንያት 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ብደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት (ደግሓኤ)
ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!! ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!
ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና’ና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ
ማሕበራዊ ፍጮ ብገንዘብ ይቋመሩ፡ ናይ ፖለቲካ ፍጮ ብህይወት ሰብ ይቋመሩ
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግጭት ዘይፍለዮ ዞባ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ግርጭት ከኣ፡ ሓቚፍዎ ዘሎ ዕቁር ባህሪያዊ ጸጋታት ዘይኮነ፡ ዘለዎ ጂኦግራፊካዊ ዓለማዊ ኣገዳነት ምዃኑ፡ ብዙሓት ምሁራት ብመርተዖ ኣደጊፎም የረድኡ። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝግደሱ ድማ ካብ’ቶም ዋናታት ናይ’ቲ ዞባ ዝኾኑ ህዝብታትን መንግስታትን ወጻኢ፡ ፍልጠት፣ ገንዘብ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ቴክኖሎጂ ሒዞም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ፡ ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ስርዓተ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዙሕ ዝብሉን ዝመጻደቑን ሰብ ፍሉይ ረብሓ’ዮም።
ንኢሳያስ ካብ ሰንዓፈ ጅማ ኢትዮጵያ ትቐርብ፡ ካብ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሳሃ ዎ ደስታ ይህቦ፡
ኢሳያስ ብሕጋዊ ዓይኒ መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ባህሪኡ’ውን ምስ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቃዶን። ብፖለቲካዊ መዳይ ህዝባዊ ኣረኣእያ የብሉን። ከምኡ ምዃኑ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ምስክር’ዩ። ንስሙ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋደላይ’ዩ። ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋዳላይ ህዝቢ ከኽብር፡ ንስለ ህዝቢ ብዙሕ ውልቃዊ ባህግታቱ ብጸጋ ክኸፍል’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ኢሳያስ ግን፡ ስለ ድሕነት፡ ክብረትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ ኣእምሮ፡ ዝስከፍ ሞራል ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግን ጎሮሮ ፖለቲካ ኤርትራ ዓትዒቱ፡ ምስትንፋስ ህዝቢ ዓጽዩ ዘጨንቕ ዘሎ ንሱ’ዩ። ጎሮሮ ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ዓትዒቱ ብምሓዝ ክሻድን ዕድል ካብ ዝሃቦ ኣጋጣሚ ሓደ ድማ፡ ምስ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕጋዊ ውሕስነት ዘይተገብረሉ ንጹህ ፖለቲካዊ እፎይታ ዝፈጥሮ ምዝንጋዕ’ዩ።
መልእኽቲ ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡-
ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣሰካፊ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ፡ ንለባማትን ሓላፍነታውያንን ኤርትራውያን ብሩህ’ዩ። ንዓኻትኩም ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ግን ገና ኣይተሰቆረኩምን። ከም’ቲ “ብዘመነ ውቤ ዝጸመመ ውቤ ክብል ይነብር” ዝበሃል ምስላ፡ ብራዕዲ ድዩ ብምድንጋር ሓንሳብ ኢሳያስ ህግደፍ ዝብል ኣስማት ኣብ ኣእምሮኹም ከም ሓወልቲ ምስተቐርጸ፡ ፖለቲካዊ መግለጺ ብዘይብሉ ኢሳያስ መራሒና ህግደፍ መንግስትና ትብሉ ኣለኹም።