ጀርመን ንኤርትራውያን ዝምልከት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገደስቲ ሰነዳት መገሻ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ውዱቕ ከምዝገበሮ ተገሊጹ።
መንግስቲ ጀርመን፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣትዮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ብመስርሕ 'ምትእኽኻብ ስድራቤት' ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ስድራኦም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፖስፖርትን ካልእ መሰነይታ ሰነዳትን ከምጽኡ ከምዘለዎም ከገድድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ጀርመን’ውን እንተዀነ፡ እቶም እታ ዓዲ እትደልዮ ግቡኣት ኣማሊኦም ዜግነት ናይ ጀርመን ክወስዱ ዝግባኦም ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ከምዘለዎም ስለዝሕበሮም፡ ንጉዳዮም ብጠበቓ ንኽማጐቱ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክቃልዑ ምጽንሖም ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ጀርመን ብዝኽተሎ ተሪርን ዘየድልን ሕግታት ኣብ ጸገም ብምውዳቘም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅድሚኡ’ውን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራዊ ክኢላ ሕጊ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብሓባር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም ነይሮም።
ምምስራት ሃገረ ትግራይን ብድሆታቱን፡
ካብ መጀመርታ ህወሓት ቓልሲ ኣብ ዝጀመሩሉ ከምዚ ሽሞም ዝሕብሮ ዘሎ ንምሉእ ነጻነት ትግራይ ኣንቂዶም እስትራተጂኦም ከም ዝሓንጸጹ የረጋግጸልና ። እዚ ናይ ህወሓት መርገጽ ግን ኣብ ህዝባዊ ግምባር ብፍላይ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተቀባልነት ኣይነበሮን ። ካብዚ ዝነቀለ ከኣ ኣብ እተፈላለየ ግዜ ክዋቁዑን ክዕረቁን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ከባቢ 1986 ነቶም ናይ ውሽጦም ፍልልያት ከይተፈትሑ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ዝኾነ ንደርግ ብሓባር ክሃርሙ ተሰማሚዑ ። በዚ ከኣ ኣብ 1991 ብናይ ሓባር ቓልሲ ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ ፣ ሲዒቡ ኤርትራ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ሃገር ከትህሉዎ ዝተቓለሶ ብዘይ ድልየት ኢሳያስ ኣፈውርቂ (ፈደረስሽን ኮንፈደረሽንን እናበለ እንከሎ) ህወሓት ህዝቢ ኤርትራ ሕቡራት ሃገረት ኣብ ዝተረክቡሉ ብመስሪሕ ረፈረንዱም ነጻነቱ ክእውጅ ኩሉ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ እዩ ፣ ሓደ ስብ ግን ሕጉስ ዘይነበረ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነይሩ ። እዚ ከኣ ከምቲ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝበሎ ኣብ ሜዳ እንከለዉ ዝሓስቦ ዝነበረ ስለ ዘይኾነሉ ፡ ምኽንያቱ እቲ ዝነበረ ዱልዱል ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዶው ክብሎ ኣይክኣለን ፣ እዚ ከኣ መደባቱ ገዲፉ ማለት ዘይኾነ ግዜን ኩነታትን ከጠዓዕም ጸኒሑን ኣሎን።
ናይ ሓዘን መግለጺ
ሓርበኛ ብጻይና ተጋዳላይ ዓለም ገብረሚካኤል ብ02.10.1951 ካብ ወለዱ ገብረሚካኤል ገብረኣብን ተበርህ ግደይን ኣብ መብረድ እገላ ሓጺን ተወልደ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሔ እዋን ኣብ ድቀምሓረ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እምነት ምስዮን (Faith Mission) ተማህረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንእስነቱ በሊሕን፣ ተሪርን፣ ንጡፍን፣ ቅልጡፍን ዕላምኡ ከም ዕዀት ዘይስሕትን ስለ ዝነበረ ዕዀት ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ዕድሚኡ ዓቕመ ኣዳም ምስ ኣኸለ ፖሊስ ተኸትበ። ኣብ አዋን ትምህርቱ ይኹን ድሒሩ ፖሊስ ኣብ ዝተኸተበሉ፣ ኣብ ስፖርት ከም ጉያን ካልእን ንጡፍ እዩ ዝነበረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተማህረን ድሒሩ ፖሊስ ምስ ተኸትበ’ውን ኣብ ናይ ፖሊስ ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ ኣብ’ታ ከተማ ምንባሩ ቀጸለ። እታ ፖሊስ ትብል ቅጽል ስም ግን ድሕሪ እዚ ግዜ እያ ለጊባቶ።
ዝኸበርኩም ጥርናፈ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
ብቀዳምነት ነቲ ምእንቲ ሓርነት ጭቁናት ወገናትኩም ነታ ዘይትድገም ሂወት ኩም ንሞባእ ህዝብኹም ብምውፋይ ትገብርዎ ዘለኹም ፍትሓዊ ቃልሲ ኣድናቖትና ብኣንክሮ ክንገልጽ ንፈቱ::
ኪዳ ሓዲስ ኤመራ 2022ዓም ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊናዂ ኤርትራ/ሆደ
ይና ዓዋዲትል ኤመራ ሓዲስ መስቐል ግን ንሺብታዂ። መስቐል ወክት ሽቕ ደኮ መሽዉል ቱናዂ ግን። መስቐሊ ሱርዲ ሸብዲ ስነዲ ሰኸርዲሲ በለል ያዂ ኣኽነዲን ራድቕር ሓግልኽር መጡ ኮፍ የናዂ ወክት ግን። ኣዳም ክድመትድማ እንሽክድ ኒ ኮልድ ሺሮ ሰጘን እና ግርጋ ኒሂትል ወንተርዶ ሳድሰኩ። ወሲዲ ኤሪ ተባብዲ በረኸዲ ጊትዲትል ውሪ ቑሾትል ሽቅረሪ መስቐል ኩንጝል ናዉክ ከሌብል ሓየብሰቲ። ኩንጝ መስቐሊ ዋዲክ ሓዲስ ኤመርል ጋእ ስትና ዩኖ ና ዓዋዲር ድርብድ ኢረር ይነኩ።
መግለጺ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ንዓወት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ
መግለጺ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ በቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ማለት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን ናይ ትግራይ ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህዝብታት ኢትዮጵያውያንን ብፍላይ ከኣ ትግራዎትን ስደተኛታት ኤርትራውያንን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ናይ ግብረ-ሰናያት ማሕበራትን ሓካይም ብዘይ ዶባትን ሰራሕተኛታት ኣብ ህይወት ንምድሓን ንዝተዋፈሩ ወሪዱ ዘሎ ምጥፋእ ህይወታት መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዓና ንገልጽ። ንኩሎም ህይወቶም ዝጠፍኡ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንኩሎም ስድራ-ቤታቶምን ትካላቶምን ድማ ጽንዓት ይሃብ ንብል።
Weiterlesen: መግለጺ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ንዓወት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ