- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- The Disappearance of the Eritrean Cabinet of Ministers? – Part 2
- The Disappearance of the Second Eritrean Cabinet of Ministers? Part One
- ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም
- Today: Bologna protest march demanding human rights in Eritrea
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- በወርሒ 10 ሓምለ 1952 ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ብዛዕባ መለይ እንታይ ይብል
We have 62 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።
Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ። ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።
Read more: እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ባህግታትን ዝኸፈሎ ኩለ-መዳዊ መስዋእትን’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ። ኢደ ወነናዊ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ስቓይን መከራን እናተሰጋገረ፣ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ብጨካን ፋሽሽታዊ በትሪ ብጭውያን ቅንጸላን ብዙሓት ወገናት እናኸፈለ 32 ዓመት ተጓዒዙን ገና ይቕጽል ኣሎን።
Read more: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን። እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።
Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- Details
- Written by: ደግሓኤ
ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡
Read more: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡ ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን
- መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
- ናብ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ ስርሒታት ብ ብርጌድ ንሓመዱ ” ዝተ ፈጸሙ ቅያ ታት ህዝቢ
- ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
- ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
- ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃዋሁ ተኣምር'ዩ! እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀሚሩ'ሎ
- ናይ ሓዘን መግልጺ፡ ንዕረፍቲ መምህር ተስፉ ዘውደ