- Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
- ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading
- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
We have 61 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ኣብ ፖለቲካ ስትራተጂካዊ ፈታውን ጸላእን ብግቡእ ዘይምልላይ እንተሃልዩ መግለጺ መርሆ ምጥፋእ’ዩ። ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መርሆ ዘይብሉ ጉዕዞ ከኣ ጣሕመሽመሽ’ዩ። ሳዕቤን ፖለቲካዊ ደንበርበር ድማ መዘዙ ከቢድ’ዩ። ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ንሕና ብሰላም ክነብር ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል መርሆ ኣልቦ ፖለቲካ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፡ ዘተኣማምን ፈታዊ ደኣምበር ተጻባእን ጸላእን ኤርትራዊ ረብሓታት ዝኾነሉ ታሪኽ የለን። ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝወጽአ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ’ውን ከምኡ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተመሰረተሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝሓዞ ፍትሓዊ መትከላዊ እምነት ሸታሕታሕ ዝበለሉ ታሪኽ ኣይተራእየን። ንመሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ተጻሪሩ ደው ዝበለሉ መድረኽ’ውን ኣይፍለጥን። ኣብ ጽልእን ኲናትን ‘ምበር ኣብ ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ክነብር ዘይኽእል እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ፡ ብሓሳብ፡ ብሕጋዊ ኣካይዳ፡ ብልምዓት ስለዝተበልጸ ግን፡ ውሽጣዊ ጸገሙ ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ትማሊ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም’ዚ በሉ ገበሩ ሰፊሕ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ብምክያድ ዘርኢ የጽንት ኣሎ።
Read more: ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ከም ሰብ ብህይወት ንኽነብር ዝውስኑ መሰረታዊ ነገራት ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝሰኣነ ህዝቢ’ዩ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ የብሉን። መጽለሊ ወይ ገዛ የብሉን። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣይርከብን። ጽሬቱ ዝሓለወ ማይ የብሉን። መብራህቲ የብሉን። መጎዓዝያ ዳርጋ የብሉን። ካብ ማያዊ ባሕርን ወደባትን ክረኽቦ ዝነበሮ ረብሓ ይረክብ የለን። እዚኦም ኩሎም ክህልው ዝነበሮም ብቐሊል ድማ ክርከቡ ዝኽእሉ ክንሶም፡ ቀጻልነት ስልጣን ሓደ ሰብ ንምርግጋጽ ብዘይ እውጅ ግን ከኣ ብመደብ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ከይህልው ዝተኸልከሉ’ዮም። ዝያዳ ብሩህ ንምግባር ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፡-
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ እንዳወዓለ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ይገድድ ኣሎ። ብቐዳምነት ውሽጡ ኣብ ክንዲ ዝርኢ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ተማሂዙ ቀልቡ ናብ ግዳም ከተኩር ይስራሕ ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ክመሃር ክእርነብ ኣብ ክንዲ ዝስራሕ መሊሱ መላሊሱ ንዕኡ ከኮማስዕ ብመደብ ክስራሕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘሪጉ፡ ብቑጣባ ኣዳኺሙ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱን በታቲኹን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ወለዶ መዓስ ‘ምበር ክኽፈል ምዃኑ ዘየጠራጥር ናይ ደም፣ ህይወት፣ ጥሪት፣ ንብረት፣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ተግባር ይፍጽም ኣሎ። እዚ ህዝቢ ቅድም ክብል ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ ክብሪ ሚዛን ክወርድ፡ ህይወቱ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ብኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
መጀመሪያ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ናብ’ቶም ንጹር መርገጽ ዘይብሎም ተንሳፈፍቲ ፖለቲከኛታትን መሰልቶምን ጥራሕ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ምስ’ቶም ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌና ዝፈጠሮ ሰበኽ-ሳግማዊ (ዘላን) መነባብሮ ዘሕልፉ ወገናትና ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ ኣንበብቲ ብቕንዕና ክትርዱኡለይ ኣዘኻኽር። ቀጺለ ናብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-
ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ተግባሩን ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክግጠም ኣለዎ? ብኩለመዳያዊ ቃልስ’ዶ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ? ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ኸ መሰረታዊ ለውጥዶ ዶ ጽገናዊ ለውጢ? ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተዎ ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከ መን’ዩ? ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገፊዕና ተዋሲና መሰልና ተነፊግና ኢሎም፡ ናቶም ውደባ ፈጢሮም ምስ ዝቃለሱ ዘለው ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ዝምድና ‘ኸ ከመይ ይኹን ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ’ቲ መን እንታይ ባህሪኡ ንመንከ ውግንናኡ ዝግለጸሉ መፍትሒ ከይተገብረሉ ዝቐጸለ ኣዛራቢ ጉዳይ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።
Read more: ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ከም ዘረጋግጽዎ መበገሲ ናይ’ዚ “ባርነት” ዝብል ኣምር ዋንነት ትሕዝቶ ነገራዊ ሃብቲ’ዩ። ምንጪ ዕለታዊ መግቢ ናይ ቀደም ሰባት ካብ ሃደን እንስሳ ዘገዳምን ፍረታት’ዩ ዝርከብ ነይሩ። ነቲ ማእሪሮም ዝረኸብዎ እቶት ኣብ ምክፍፋል ድማ ይጋጨው ነይሮም። ኣብ’ቲ ግጭት ሰዓርን ተሰዓርን ይኾኑ። ዝሰዓረ ጎይታ ዝተሳዕረ ኣገልጋሊ ወይ ጊላ ይኸውን ስለ ዝነበረ፡ ባሪያ (ባርነት) ብኸምዚ ከም ዝጀመረ ይሕብሩ። እቶም መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ነዚ ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ግዱድ ባርነት ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ፖለቲካ ኤርትራ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ይኹን ግን ማዕረ ዕድሜኡ ይስጉም ይሰፍሕን ይምዕብልን የለን። ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ሽውላለ ክብል’ዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ኣስታት ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዕድመ ንእስነት፡ ኣካላዊ ጉድኣት፡ ናይ ህይወትን ነዋትን መስዋእቲ፡ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ተራ ሞት ኣውሪዱ ባዶ ዘትርፍ ክፉእ ውድቀት’ዩ። እዚ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቅጽበታዊ ምህማም ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ምስክር’ዩ። ንድሕነቱ ብናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ቅልጽም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተዘይተገይሩ፡ ነቲ ዝነበረ ክብርታት ኩሉ ናብ ነበረ ዝቕይር፡ ከም ህዝቢ ህልውናና ዘስእን ዘይተለመደ ደወል መርድእ ቅድሚ ሞት’ዩ ዘስመዐና ዘሎ።
- መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን
- ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡
- ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።
- ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።