ጋዜጣዊ መግለጺ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ካንቶን በርን ሩፈንናኽት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንባሕቲ መስከረም ተጸጊዑ ንዕለት 2 መስከረም 2023 ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ዓቢ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል መደብ፣ እቲ ብፕላን ኤን ቢን ተጠርኒፉ ክቃለስ ዝጸንሐ መንእሰይ ብርጌድ ንሓመዱን፣ ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ገዳይም ተቃለስትን ንሕጋዊን ሰላማውን መንገዲ ቀዳምነት ሂቦም “ወፍሪ ንስለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ጭርሖ ኣንቂሎም ንምፍሻሉ ብንጥፈት ክንቀሳቀሱ ቀንዮም። እቲ ዝተዋሃሃደ ቃልሲ ድማ ፍረ ሂቡ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣዘዝቲ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ እቲ ዕግርግር ክኣጉድ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል ከምዘይካይድ ብጽሑፍ ኣፍሊጦምና ኣለው።
እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ስለ ዝነብር፣ ፍልልያት ፈጢሩ ከይኣኽሎ ዓመት መጸ ናይ ጽልእን፣ ዓሌትነትን በንዚን እንዳወሰኸ ከጓሃህሮ ስርሐይ ኢሉ ሒዝዎ ስለ ዘሎ፣ ኩሎም ንስለ ሰላምን ስኒትን ህዝቦም ዝሓልዩ ተቃለስቲ፣ ካብ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃሳት ምስ ዝርእዩ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ንኣብ ቀረብኦም ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብኣጋ ከፍልጡ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ


ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡