Start
ናብ መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግ፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም/ክን
Welcome to Mekaleh-Eritra.Org

መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግ ኣባል መርበብ ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት ኤውሮጳ እዩ። Mekaleh-Eritra.Org is a member of the Network of Eritrean Civil Societies in Europe (NECS-Europe)

 
ሓበሬታ ንበጻሕቲ ወብሳይትና

ወብሳይትና ሳላ ተሳትፍነት ብዙሓት ግዱሳት ሰባት ብፍላይ ድማ ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይፈቐዱልና ኣብ ተክኒካዊ ሸነኽ ዓብይ ኣዝዩ ዓቢይ ሓገዝ ዘበርከቱልና ኣሕዋት፡ መቓልሕ ኣብ'ዚ ዘለዎ ደረጃ ንምብጻሕ እነሀ በቒዑ ንርኢ ኣሎና። ብዝተለገሰልና ኣበርክቶ እናመስገንና ንቐጻሊ እውን እቲ ዘይሕለል ተሳታፍነትካትኩም/ክን ቀጻሊ ኪኸውን ሓደራ እናበልና እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ንህብ።

Read more...
 
ሓገዝ ንበጻሕቲ መቓልሕ ኤርትራ.ኦርግ PDF Print E-mail
Monday, 29 December 2008 12:31

ብዙሓት ኣንበብት ጸሕፍትን ተሓባብርትን መጽሔት መቓልሕን ናይ ኢንተርነት ማዕከን መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግን ብዘቕረቡልና ናይ ሓገዝ ሕቶ መሰረት ነቲ ብሰንኪ ናይ ፕሮግራማት ፍልልይ ዘጓነፎም ዘሎ ናይ ፊደላት ትግርኛ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ፡ ኣመሓደርቲ መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግ እነሆ እዚ ፍታሕ'ዚ የቕርቡ።

Read more...
 
ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ PDF Print E-mail
Wednesday, 19 November 2008 12:44

    ሃገራዊ ዋዕላ

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

 National Conference

  for Democratic Change

 


እዋናዊ ዜና

መብዛሕቲኦም ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከቡ ሓረስቶት ብምኽንያት ኽብሪ መነባብሮ ዕዳጋ ከምዘይኸዱ ገሊጾም

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ትካላት

 ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንምእታው ይሰርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

መንግስቲ ህግደፍ  ነተን ብልዑል ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ብፍላይ ከኣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን  ዝምወላ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርታት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻሩ ንምእታው ክጽዕር ከም ዝጸንሐ፡ ሕጂ ድማ  ኣብ ካርቱም

Read more...
 
ኣብ ህዝባዊ ስራሓት ንዝተዋፈሩ ተጋደልቲ ህደግኤ፡ ኣብ ከበባ ኣእትዩ ንምጥቃዕ ዝተነቀሳቐሰ ስለያ ጸላኢ ተጸፊዑ

ኣብ ህዝባዊ ስራሓት ንዝተዋፈሩ ተጋደልቲ ህደግኤ፡

ኣብ ከበባ ኣእትዩ ንምጥቃዕ ዝተነቀሳቐሰ ስለያ ጸላኢ ተጸፊዑ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ

ዕላማታት ህደግኤ ዘላልዩ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ንምዝርጋሕን፡ ህዝቢ ኣኪቦም ንምስትምሃርን ናብ ኮሎት ገራዓናን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዓድታትን ተንቀሳቒሶም፡ መደቦም ኣብ ምስልሳል ንዝነበሩ ተጋደልቲ ህደግኤ፡ ኣብ ከበባ ኣእትዩ ንምጥቃዕ ዝተንቀሳቐሰት ስለያ ጸላኢ፡ ዘይተጸበየቶ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠማ፡ ንሓጺር ግዜ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምግባር ሃዲማ ከም ዝተመልሰት ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

 

ተጋደልቲ ህደግኤ ብዕለት 19 ን 20 ነሓሰ 2010 ኣብ ኮሎት ገራዓናን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን  ተነቀሳቒሶም መደቦም ከም ዘሳለጡ፡ እታ ናይ ስለያ ኣሃዱ ድማ፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ጽሑፋት ህዝቢ ከየንብቦ ካብ ኢዱ መንጢላ ንምእካብን፡ ነቶም ተገደልቲ ኣብ ከበባ ኣእትያ ንምጭፍላቕን ብዕለት 20 ነሓሰ 2010  ሰዓት 11፡30 ቅድሚ ቀትሪ ቦታ ንምዕጻው ከም ዝፈተነት፡ እንተኾነ እቶም ምስ ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎም ተጋደልቲ፡ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ስለ ዝረኸቡ፡ ብዝፈነውዎ ናይ ጸረ-መጥቃዕቲ ተዂሲ፡ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ነዊሕ ከይትከለት ጉድኣት’ውን ከየውረደት ብህድማ ናብ ዝመጸቶ ከም ዝተመልሰትን ኣመልኪቱ።

 

ከም’ቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ከኣ፡ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ እታ ተጸፊዓ ዝተመልሰት ናይ 29 ክ/ሰራዊት ስለያ፡ ንህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዓድታት፡ ስለምታይ ኣቐዲምኩም ዘይሓበርኩም፡ ብናትኩም ምትሕብባር’ዮም ኣትዮም፡ ዝወሰድኩሞ ጽሑፋት ኣምጽእዎ፡ መንግስቲ መንነት ናይ’ቶም ተሓባበርቲ ንምፍላጥ ኣየጸግሞን’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ድማ መርኣያ ክንገብሮም ኢና፡ እንዳበለት ገዛገዛ እንዳዞረት ከተፈራርሕ ከም ዝወዓለት እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

 

መንነት ናይ’ቶም ኣብ ወርሒ ጉንበት 2010 ናብ ሱዳን ዝተላእኩ

ናይ ዓፈና ጉጅለ ተፈሊጡ

 

ብሃገራዊ ድሕነት ዝጽዋዕ ትካል ስለያ ህግደፍ፡ ነቶም ካብ ዝወርዶም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ንምላጥ ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ዘለው መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራትን መንግስቲ ስራሕተኛታት ከኣ ብፍላይ፡ ካብ ሱዳን ዓፊንካ ንምምላስ ወይ ንምቕንጻል ዝብል መደብ ተዋሂብዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2010 ናይ ዝተላእከት ጉጅለ ኣባላት ናይ ገሊኦም መንነት ክፍለጥ ከም ዝተኻእለ ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

እታ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምሕላው፡ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ዘዝኸድዎ እንዳሰዓበት ንምዕፋንን ንምቕንጻልን፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ህዝቢ ንምርዓድ ተንቀሳቒሳ ዘላ ጉጅለ ስለያ፡ መራሒኣ ሜጀር ኢብራሂም መሓመድ ከም ዝበሃል፡ ሜጀር ዳኔኤል ብርሃነን ተለንተ መሓመድ ዑስማንን ዝተባህሉ ብደረጃ ሓላፍነት ከም ዝርከብዎ፡ ካብ ናይ ስለያ ምክልኻል ከኣ ተለንተ ሓድጉ ብርሃነን ተለንተ ዑስማን መሓመድን ዝተባህሉ ከም ዘለውዋን ኣረዲኦም።

 

እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምንቁልቋል  ናይ ስርዓቶም ተረዲእዎም፡ ብዝተፈላለየ ኣስማትን ምኽንያትን ውልቃዊ ናይ ቁጠባ ትካላት ንምውናን ኣብ ኣዕዝይና ጥሒሎም፡ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ዝብልሉ ዘለው ወቕቲ፡ ገና ካብ ድቃሶም ዘይተበራበሩ መጋበሪያታት፡ ካብ ዕለታዊ ከብዶም ምዕንጋልን  ስኽራንን ዘይሓልፍ  ትካቦ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ ጥፍኣት መደብ ክወፍሩ ምርኣይ ከም ዘገረሞም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ህዝብን ናይ ለውጢ ሓይልታትን  ነዞም ኣብ ከምዚ ዝዋፈሩ መጋበርያታት መንነት ንምፍላጥን ፈሊጥካ ንምቅላዕን ብደቂቕ ክከታተልዎም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

 

                        ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ብስመ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ

ብድሑር ፖለቲካዊ ጎስጓስ ንመጋበርያነት ክውደባ ይግበር ኣሎ።

 

መሪሕነት ናይ’ታ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ እትሽቅጥ ሃ.ማ.ደ.ኤ.  ምስ ትካል ስለያ ህግደፍ ብምትእስሳር፡ ካብ ናይ ንእስነት ዕድመ ንዝዘለላ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ብጉልባብ ኣባልነት ኣብ ማሕበር፡  ኣብ ዘይፈልጣኦ መደባት ኣትየን ድሌት ናይ ወልቀ ሰበስልጣን ንምፍጻም ኣብ ገበን ክቆማጥዓ ይግደዳን ይውደባን ከም ዘለዋ ተገሊጹ።

 

 መሪሕነት ህግደፋዊት ሃማደኤ፡  ዝጥቀማሉ ዘለዋ ሜላ ድማ፡ ትማሊ ብጽንዓት ተቓሊሳ ነጻነት ዘምጸአት ኤርትራዊት ኣደ፡ ብሂወት ክሳብ ዘላ ነጻነት ኣብ ምዕቃብን ልዑላውነት ኣብ ምኽባርን ብምሉእ ዓቕማ ክትረባረብ ኣለዋ። እዘን ናይ ሎሚ መንእሰያት ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝሓለፎ መድረኽ ስለዘይፈልጣኦ ኣሚንካ መደብ ክትህበን ኣይትኽእልን። ብዘይ መጠበሪ ዝሰርሓ ኣይኮናን። እቲ መንግስቲ ብዓድን ብበረኻን ተቓሊስክን ዘምጻእክናኦ ናትክን’ዩ። እምነት መንግስቲ’ውን ኣባኽን’ዩ።

 

ስለዚ ኣንጻር መንግስቲ ዝግበር ዕላላት ኮነ  ወስታታት፡ ኣንጻርቲ ትማሊ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍልክናሉ ታሪኽን፡ ቀጻልነት ሃገርን ምዃኑ ተገንዝቢክን፡ ካብ ማይ ቤትክን ጀሚርክን  መን እንታይ ይብልን ይገብርን ክትከታተላ ኣለክን፡ ብዝብል መደናገሪ ምህዞታት ክውደባ ይግበር ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ሃማደኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።

 

መሪሕነት ሃማደኤን ትካል ስለያ ህግደፍን፡ ኣብ መንጎ እተን ንነዊሕ ዓመታት ሓቢረን ዝነበራ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ ንምፍጣር፡ ብኣውራጃ፡ ብግዝያዊ ረብሓ፡  ብታሪኽን ግድምና ገድልን፡ ኣዝዩ ድሑር ጎስጓሳት ከም ዝገብሩ፡ ኣንጻር መንግስቲ ህግደፍ ‘ዮም ምስ ዝበሃሉ ኤርትራውያን ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ከይርከባ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ምውቕ ሓዳረን ዝብትንን ሰላም ቤተን ዝዘርግ ሓሶታት ከም ዝምህዙ፡ እንተኾነ እንትርፎ ውሑዳት እተን ዝበዝሓ ነቲ ዝበሃለን ብዓይኒ ጥርጠራ ከም ዝምልከታኦን እቲ ካብ ውሽጢ  ሃማደኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 

እዚ ድሑር ጎስጓሳት’ዚ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ኩሉ ኢምባስን ማሕበረ ኮማትን ህግደፍ ኣብ ዘለዎ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከኣ ብፍላይ ብጻዕቂ ይስረሓሉ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።

 

ሓንቲ ትዮታ ዝዓይነታ ንብረት ጸላኢ

ከም ዝተሓምሸሸት ተገሊጹ

 

ጀጋኑ ተጋደልቲ ደምሓኩኤ ብዕለት 8 ነሓሰ 2010 ኣብ መንጎ ጎኘን ባረንቱን ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ፡ ሓንቲ ትዮታ ዝዓይነታ ናይ ሓለፍቲ መኪና ከም ዘቃጸሉን ኣብ ውሽጢ እታ መኪና 8 ሰባት ከም ዝነበሩን ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ደምሓኩኤ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

 

ብዕለት 23 ሓምለ 2010 ብተመሳሳሊ ኣብ መጎሎ ብዲቢያ ሓንቲ ፐትሮም ዝሓይነታ መኪና ኣቃጺሎም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 25 ሓምለ ድማ ኣብ መጎሎ ነቚጣ ኣብ ርእሲ ዝነበረ ስለያ ጸላኢ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከም ዘውረዱን ሓቢሩ።

 

ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ብስሩዓት ከተርቲ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ-ኩናማ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምርሳይ ተግባራት ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽለሉ ከም ዘሎን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

 

                       ድ.ሰ.ደ.ኤ.

                      ዕለት 25.08.2010

 
ዜና ዓወት

ዜና ዓወት

ሓንቲ ናይ ሓለፍቲ ህግደፍ ቶዮታ ዝዓይነታ መኪና ዓኒያ

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዕለት 08/08/2010 ናይ ምሸት ሰዓት 7፡20 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ሓለፍቲ ቶዮታ ዝዓነታ መኪና ኣብ መንጎ ጎኘን ባረንቱን ብኣርፒጂን ክላሽንን መጥቃዕቲ ብምኸፋት ኣብ ልዕሊኣ ንዝነበሩን ነታ መኪና ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝገበሩዋ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

Read more...
 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ህሉው ሓድነት ኤ.ደ.ኪ. ዘደልድልን ዝቆጻጸርን ክኸውን'ዩ ዶ ትብሉ/ላ
 

ኣብ መርበብ Online

We have 89 guests online

ኣድላዪ ቆጸራታት

ህዝባዊ መጸዋዕታ ንተቀማጢ የቶቦርን ከባቢኣን

ህዝባዊ መጸዋዕታ ንተቀማጢ የቶቦርን ከባቢኣን


ንዕለት 4 መስከረም  2010  አብ  ከተማ የቶቦሪ  አቶ አማኒኢል ሳህለን  አቶ ካልድ ዓብዱን ብዛዕባት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ አብ  ኢትዮጵያ  ብምብጻሕ ናብ ዝተፈላለዩ  መዓከር ስደተኛታት  ኤሪትራውያን ዑደት ብምግባር  ዝተዓዘብዎን ብዛዕባ ሃገራዊ  ዋዕላ

Read more...
 
መጸዋዕታ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሽወደን ዝነብር

መጸዋዕታ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሽወደን ዝነብር

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡

Read more...
 
ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ!! ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣብ እስቱትጋርት

ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ!!

ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣብ እስቱትጋርት።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዉጹዓት ተቓላስቲ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ንዕለት 11/09/2010 ኣብ እስቱትጋርት ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ንኽግበር ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ብዓቢ ኣኽብሮት ትዕድም። ልና ብዝተፋላለየ መራኸቢታት ክንካታተሎን ክንቃለሰሉን ከም  ዝጸናሕና መጠን ድሕሪ ነዊሕን ሕልኽላኽን ዝመለኦ ናይ ውረድ ደይብ ሓጎጽጎጻት ብጽንዓትን መኸተን ተቓለስቲ

Read more...
 
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ኣብ በይ ኤርያ   ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ኣብ በይ ኤርያ እትነብሩን እትነብራን መፍቀርቲ ህዝባዊ ሓርነትን ፍትሕን ማሕበረ-ሰብኣዊ ማዕርነትን ብመጀመርያ ዝለዓለን ዝሞቘን ሰላምታና ተቐበሉ። ቀጺልና ንኹሉኹም ብህዝብን ብሃገርን እትግደሱን እትግደሳን ኤርትራውያን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ብጉዳይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተኻየደ ዋዕላን

Read more...
 
ERITREAN YOUTH FOR CHANGE ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ኩሉኩም ጉዱሳት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣባላት ማሕበር ድማ ብፍላይ ንክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። ዛዕባታት ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ እዮም You are cordially invited to attend Eritrean Youth for Change (EYC)[1] general body meeting.

 
ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍን ሰዓብቱን

 ናብ ዝኸበርኩም ተቓለስቲ ውድባት, ሰልፍታት, ሲቪካዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን።

 

ጉዳዩ፡

ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍን ሰዓብቱን ንዕለት 31 ሓምለ/31 july/ in Egbygård between Tensta and Husby ካብ ሰዓት 11፡00—19፡00

Gathering place at Shell.

Read more...