ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ  እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡

ንሰፊሕ-ሃገራዊ ሓይልታትና ኣብ ሓባራዊ እምነትን መደባትን ረጊጹ ዓቕምታቱ ኣላፊኑ ብጽንዓትን ተኣማምነትን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ገና ክቃለስ ዘይበቅዐ ስለ ዘሎ እዩ፡፡እዚ ካኣ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ቃልስና መራሕቲ ውድባት ኤርትራ ልፍንቲ መስሪቶም ክቃለሱ ይበቕዑ ብዘይምንባሮም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ንዝነበሮም ዘይመሰረታዊ / ካልኣዊ / ፍልልያት ብዘተን ምርድዳእ ክፈትሑ ዘይኽእሉ ስለ ዘነበሩ ዘይኮነ ብጎነጽ ክፈትሕዎ ቀዳማይ ምርጭኦም ገቢሮም ብምውሳድ፡ንነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ውግእ-ሕድሕድ የዘውትሩ ስለዝነበሩ እዮም፡፡

ኣብዚ እነካይዶ ዘለና ካላኣይ ደረጃ ቃልስና ድማ ተቓወምቲ ሓይልታትና ዋላ እኳ ዘለዎም ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከምቲ ናይ ቀዳማይ መስርሕ ቃልስና ፍልልያት ብዓመጽ ክፈትሕዎ ይፈትኑ እንተዘይሃለዉ ፡ዘለካ ሃገራዊ ዓቕምታት ወዲብካን ኣዋሃሂድካን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ መ / ህግደፍ /ኣብ ዝሓዝዎ ሓባራዊ እምነትን ዝተሳማምዕሉ መደባትን ኣትኪሎም ኣብ ምቕላስ ይኹን ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምፍጣርን ተወፍዮም ኣብ ምቅላስን ከቢድ ጸገም ስለዘለዎምን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እዩ ካኣ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ምቅላሱ መራሕቱ ካብ ዘይምትእምማን ተላፊንካ ብጽንዓትን ምእዙዝነትን ምቅላስ ዘይምብቃዕን፡ኣብ ዓውደ-መስርሕ ልፍንታዊ ቃልሲ ዘርእይዎ ምዕጥይጣይን፡ተጉላባነትን ክላቐቑ ስለ ዘይካኣሉ፡ ክኸብድን ካብ ዝተፈላለየ ድኽመታትን ጸገማት ተናጊፉ ክካየድ ስለ ዘይተኻእለ ኣብ ሓጺር ግን ካኣ ብዘተኣማምንን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ እናተሸገረ ዝመጽእን ዝቅጽልን ዘሎን፡፡

ደምበ-ተቓውሞና ካብ ቀይዱ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ኣራኣእያን ኣሳራርሓን ዓንቃፈቲ ጸገማት ተላቒቑ ክቃለስ ከበቅዕን፡ተቓሊሱ ክዕወትን እንተዳኣ ኮይኑ፡ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፡ምንጪ ናይ ጸገማቱን ድኽመታቱን ዝኾነ ጠንቂ ፈቲሹ ክፈትሕን ፍልልያቱ ብግቡእ ከማሓድርን ክቃለስ ኣለዎ፡፡እዚ መፍተሒ ጸገማት እዚ ከይገበረ፡ኣነ ተቓላሳይ እየ ተቓሊሰ ክዕወት እየ፡ ዝብል ሓሳብን ናይ ቃለሲ ኒሕን ሒዙ ክቃለስ እንተመሪጹ ግን ሓሳብ ካብ ምዃን ሓሊፉ ስጉሚ ዘይብሉ ምንቅስቓስ /ጋም- ማን / እናበለ ኣብ ታኼላ ጉድለታቱን ጸገማቱን እናተሰወኤ ግዜን ዕድልን ናይ ቃልሲ ካብ ምግታእን ምብልሻውን ሓሊፉ ናብ ልዳት / ኣፍ -ደገ / ዓወት ክበጽሕ ዝካኣል ኣይኮነን፡፡

እሞ ዘለዉና ኩሉ መዳያዊ ጸገማትን ድኽመታትን ብኸመይ ፈቲሕና ኢና ስሉጥ ቃልሲ እናኣካየድና ናብ ዓወት ክንበጽሕ እንኽእል ዝብል ሕቶኣዊ ሓሳብና መፍትሒ ዝርከብ ብኸምዚ እዩ፡-

* መጀመርያ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ / ህግደፍ / ብሓባር ክታሓዝ ዘለዎ ፖለቲካዊ መርገጺ ዝተነጸረን ብሩሁን ብዝኾነ ኣገባብን ገምጋምን ተራእዩ ጸፊፉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡ምኽንያቱ ኣብ ኣንጻር ጸላኢ ክታሓዝ ዘለዎ መርገጺ ዙርያ ብገለ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ኣባላት ግንባር ዝመስረቱ ውድባትን ኣብቲ ሓባራዊ እምነትና እዩ ዝብልዎ ዝተሓሞዘቐ ርእይቶታት ዝንጸባሩቁ ስለዘለዉን፡ ክሳብ ንጸላኢ ከም ጸላኢ ዘይኮኑ ዝገልጹስ «ንሓደ ወዲ ሃገር ጨቋኒ እንተኾይኑ ዲክታቶር’ምበር ጸላኢ ኣይባሃልን እዩ»ብምባል ሓሳቦም ዘገልጹን ዝጣበቑን ከምኡ’ውን መ/ህግደፍ /ጸላኢ ናብ ልዕሊ ጎራባብቲ ሃገራት ከካይዶ ዝጸንሐ ገና ዘይቋረጾን ንዘሎ ወራር፡ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ቅትለትን ዕንወትን ህልቂትን፡ ዝምታን ስርቅን ዝተፈላለየ በደላትን ከም ንሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትንንምኽባር ዘካይዶ ቅኑዕ ተግባራት ኣምሲሎም ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ተዳናገጽንትን ደገፍትን ናይቲ ገባቲ መንግስቲ ብምምሳል እምነቶም ዝገልጹን ስለዘለዉን፡እዚ ተግባራት እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ክታሓዝ ዘለዎ ንጹር ፖለቲካዊ እምነት ዝተደዋወሰን ንስም ዝተታሕዘን ከምስል ስለ ዝገብር ኣብ ዓውደ-ተግባር’ውን ንስም ዝተታሕዘን ካብዚ እምነት እዚ እናተበገስካ ዝስራሕ ናይ ቃልሲ ክተዓናቀፍን ተፈጻምነት እናሳኣነ ተሳናኺሉ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ክለምስ ዝገብር እዩ፡፡ መሰረታዊ ጸገም ናይ ደምበ-ተቓውሞና ድማ ካብዚ ነጥቢ ዘበገሶ ዝብገስ ስለ ዝኾነ ኣሉታዊ ኣበርክትኡ ግንባራትና ናብ ደውታ ክሳጥሑ ዝገብር ዘሎ እዩ፡፡

* እቲ ካልኣይ ግብራዊ ጸገም ድማ፡ካብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ዝብገስ ንኣብነት ዝተቐበልካዮም መደባትን ውሳኔታትን ኣብ ዓውዲ ንምትግባሮም ኣብ ዝግበር መስርሕ ነጺህካን ዓጊብካን ተወፊኻ ኣብ ምቕላስ ዝረኤ ዘሎ ዘይኣድማዒ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እዩ፡፡ብሓጺሩ ካብቶም ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ዝረኣዩ ዘለዉ ብዙሓት ጸገማትን ድኽመታትን እቶም ዝዓበዩን መሰረት ናይ ኩሉ ጸገማት ዝኾኑን እዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣብ ንጹር እምነት ምሓዝን ተግባራዊ ኣብ ምግባሮምን ዝራኣዩ ዘለዉ ዓንቀፍትን ተርእዮታትን እዮም ኢልካ ክቕመጥ ዝካኣል እዩ፡፡

* እቲ ሳልሳይ ናይ ፖለቲካዊ ግቡእ ኣረዳድኣ ጸገም ድማ፤ ዝተፈላለዩ ስሙር ግንባራት ዓቕምታትካን ቃልሲ ዓወት ኣብ ምቅልጣፍን ዘለዎምን ዘይስገር ኣበርክቶ ብጉቡእ ካብ ዘይምርኣይን ዘይምቕባልን ዝብገስ፡ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣብ ክንዲ ተጠሚሩ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ከይቃለስ ዝዕንቅፍን፡ዝተበታተነ ኣገባብ በበይኑ ክሃልኽ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ጉጉይ ፖለቲካዊ እምነት ብምሓዝ ዝግበር ኣገባብ ቃልሲ ህልዊ ብምዃኑ’ውን እዩ፡፡

*እዞም ሰለስተ ነጥብታትን ካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ዘይተጠቕሱዓበይትን ናኣሽቱን ነጥብታትን ተደሚሮም ሰውራና ካብ ዓንቀፍቀፍ ምባልን ደውታን ከይላቐቕ ቀይዶም ዝሕዝዎ ዘለዉ መሰረት ናይ ጸገማትናን ድኽመታትናን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ኣጸገምቲ ነጥብታት ብቃልሲ ኣወጊዱ ክሳብ ዘይተኻእለ ካብዚ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣጋጢምናን ቀዩዱናን ዘሎ ጸገማት ብምውጻእ ኣድማዒ ቃልሲ ከነካይድ ከምዘይንኽእል ናብ ዘተጨበጠን ዓወት ክንበጽሕን ከምዘይንኽእል ብቐሊሉ ምርዳእ ዝካኣል እዩ፡፡ ስለዝኾነ እምባኣር፡ደምበ-ተቓውሞና ብሓፈሻ ብፍላይ ካኣ እቶም ግንባር ፈጢሮም ተማሓዝዮም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ / ህግደፍ / ክቃለሱ ዝነጥፉ ዘለዉ፡ኣብ ውሽጦም /ሞንጎኦም /ዝተነጸረ ፖለቲካዊ እምነትን፡ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘለዎም እምነትን ገምጋምን /መርገጺ/ን ዝተነጸርን ክኸውን ንምግባር ምቅላስ የደሊ፡፡

ምኽንያቱ ንጹር ፖለቲካዊ እምነትን፡ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝህሉ እምነትን መርገጽን ሓደ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ካበይ እናተበገስካ፡ኣብ ልዕሊ መን ትቃለስ ስለዘይካኣል፡፡እዚ ሓቂ ስለዝኾነ እዩ ኣብቲ ብሓባር ንምቅላስ ብምስምማዕ ኣብ ልዕሊ ጸላኢንምቅላስ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ናይ ቃል ጸገማት ዝበዝሖን ዕንቅፋታት ዘይተፈለዮን እናኾነን ኣብ ዘየድማዒ መስርሕ ቃልሲ ክህሉ ዘግደድ ዘሎ፡፡ ካብዚ ናይ ዕንክይክይ ምባል ክልቐቕ ድማ ደምበ-ተቓውሞ ናይ ምጽራይ ቀዳምነት ሂቡ ክስርሕ ኣለዎ፡፡ብተወሳኺ፡ካብ ኣባላቱ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ሕቑፍኡ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዘርእይዎ ዘለዉ ተወላወልቲ ተዓራቕን ፖለቲካዊ መርገጽ መንገዱ ክሕዝን እቲ ግንባር ይኹን ዉድብ ዝተነጸረ እምነት ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ / ህግደፍ / ካብ ምውልዋልን ምድንጋጽን መርገጽ ፖለቲካዊ እምነትን ተግባርን ብምልቓቕ ሓባራዊ ዕቱብን ንጹርን ቃልሲ እናኣካየደ ክቃለስ ክበቅዕ ኣለዎ፡በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ክሳዓር ዝኽእል ኣብ ኣድላይነትን ስሙር-ግንባራትን ኣብ ግንባራት ተወዲብካ ምቅላስ ይኹን ግንባራት ምስ ተመስረታ ኣብ እምነት ኣሳራርሓን ኣማራርሓን ዝረኤ ዘሎ ናይ እምነትን ዝረኤ ዘሎ ናይ እምነትን ተግባርን ዕንቕፋታት ዝፈጠሮ ንምፍታሕ ክካኣል ድማ፡ኣብ ህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ቃልስና ብዝሒ’ቶም ህላወን ተሳትፎን ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት /ሓይልታት /ህልዊ ብምዃኑ፡ካብ ምምስራት ግንባራት ወጻኢ  በብውልቅኻ ዝግበር ቃልሲ ኣድማዕትን ናብ ዓወት ዘብጽሕን ስለዘይኮነ ናይ ብዙሓት ውድባት ዓቕምን ትሕዝቶን ኣዋሃሂድካ ጥራሕ ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ / ምውጋድ ስለዝካኣል ግንባር ብምምስራት ተዋሃሂድካን ተሓባቢርካን ምቅላስ መወዳድርትን መተካእታን ስለዘይብሉን ፡እቲ ኣብ ልዕሊ ስሙር ግንባራት መትከላትን ጠቅምን ዝንጸባረቕ ዘሎ ግጉይን ዓንቃፍን እምነታት ብግሉጽን ልዝብን (ሓላፍነታዊ ) ፖለቲካዊ ቃልሲ እናኣካየድና ንምእራሙ ይኹን ንምስዓሩ እናጻዓርና ሃገራዊ ዓቅምታትና ፖለቲካዊ እምነቱን ተሳትፍኡን ቅቡልን ውሑሱን ብዝኾነ ተማሂርናን ኣዋሃሂድናን ክንቃለስ ቀዳማይ ምርጫና ብምግባር ክንራባረብ ዝህልወና፡፡

ስለዚ ጸገማትን ድኽመታትንናን ናይ ደምበ-ተቓውሞና ንምውጋድን መንገዲ ዉሑስ ዓወት ተኸቲልና ክንምርሽን ኣብ ዓወት ክንበጽሕን መታን ክንክእል «ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል፡ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ ጥራሕ እዩ» ዝብል ጽኑዕ ፖለቲካዊ እምነት ብምሓዝ ተወፊኻ ምቅላስ ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ናይ ደምበ-ተቓውሞና ድኽመታት፡ዕንቅፋታትን ዘይቁናዓት ኣራኣእያታትን ንምዕራይ / ምእራምን / ንምውጋድን ክንጽዕርን ክንቃለስን እዩ ዝህልወና፡፡

እዚ ከይገበርና ብክንመጾ ዝጸናሕና  ልምድን ካብ ዕንቅፋታት ድኽመታት ከይተላቀቕና ቃልሲ ክንቅጽል እንተመሪጽና ግን ፡ ብወድዕነቱ ንጸላእን ተጻባእትን ዘገልግል ዕድል እናፈጠርና ካብ ምውሳእ ሓሊፍና ጸላኢና ስዒርና ህልውናን ድሕነትን ናይ ህዝብታትና ከነረጋግጽ ኣይክንኽእልን ኢና ፡፡

                ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና !!