ሃገራዊ ነጻነት ዝተደልየሉ መሰረታዊ ሕቶ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ሰብ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ብሕግን ብተግባርን ተሓልዩ፡ ብህይወት ንምንባር ዘድልዮ መሰረታዊ ጠለባት ረኺቡ፣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ወሳኒ ልኡላዊ ህዝባዊ ስልጣን ኣረጋጊጹ፡ ምዩቕ ከይበለ ብመስተርሆት ንኸነብር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ካብ መጀመርታ 40ታት ክሳብ ሎሚ ከይረብረበ፡ ግን ከኣ ብምልኣት ሕቶኡ ከይመለሰ ብዓይነቱ፡ መልክዑን ዓቐኑን ዝፈላለ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ኣካይዱን ዛጊት የካይድ ኣሎን።
ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ብዙሕ ኩለ-መዳያዊ መስዋእትን ኣንጻር ቀዳሞት ባዕዳውያን ገዛኢት ዝተኻየደ ሰላማውን ደማውን ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1991 ብሓይሊ፡ ኣብ 1993 ከኣ ብሕጊ መደምደምታ ረኺቡ። ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ በቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ሃገርነት መዕቀኒ ቅቡል ኮይኑ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ክብሪ ወዲ-ሰብን ልኡላዊ ናይ ምውሳን ስልጣን ህዝብን ዘይተረጋገጸሉ ክሊ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንበይኑ ግን ምሉእ መልሲ ኣይኮነን። ስለምንታይ? ብዘቤታዊ ሸነኹ ጎደሎ’ዩ።
እቲ ብዓለም ለኻዊ ናይ ሃገርነት መምዘኒ ሓሊፉ ቅቡል ዝኾነ ኤርትራዊ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ብዘይርብርብ ጽኑዕ ህዝባዊ ቃልስን ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ዝተረኽበ ዓወት’ዩ። ሓያላን መንግስታትን ንሳቶም ዝዝውርዎም ዓለማውን ኣህጉራውን ውድባትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓን ሕቶ ነጻነትን ክሰምዑ፡ ውጽኢት ህዝበ ውሳኔ ብጸጋ ክቕበሉን ዝገበረ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ደኣምበር ግኡዝ መሬት ኤርትራ ኣይኮነን።
ስለዚ ከኣ፡ ከም ኤርትራውያን ብዛዕባ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ክንሓስብ እንከለና ቀዳምነት ንድሕነትን ክብረትን ህዝቢ ክንህብ ይግባእ። ኣብ ወግዓዊ መድረኻት ዝወሃብ ውድባዊ መግለጺታት ኣብ ፖለቲካን ጸጥታን ጥራሕ ክሕጸር የብሉን። ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ፣ ምንጪ ቁጠባ ህዝቢ ኤርትራ ሕርሻን ጉስነትን ስለ ዝኾነ፡ ባህሪያዊ ልግሲ ክራማት ኣጽጋቢ ድዩ ኣይኮነን፣ ሓደጋ ድርቅን ዓጸቦን እንተሃልዩ ህይወት ሰብን ጥሪትን ንምድሓን እንታይ ቅድመ ምድላው ክግበር ይከኣል፣ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝጋጥሞም ዘሎ በብዓይነቱ ሽግራት ንምቅላልን ንምፍታሕን ዘኽእል ሓሳባት ኣመት ብምሃብ ክጅምር ኣለዎ። ቀዳምነት ኣብ ድሕነት ሰብን ህዝባዊ ልኡላውነትን ትኹረት ዘይገብር፡ ሃገር፡ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ዝብል ተረድኦ፡ ኣብ ቀደም ሰዓብ ኣሰራርዓኡ ክእረም ኣለዎ። ጭቡጥ ሃለዋት ህዝቢ ብምሕባር፡ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ውድቀት ብምትሕልላይ፡ ምክብባር ከመይ ተቓሊስና ክንሰግሮ ንኽእል መፍትሒ ሓሳብ ዘቐምጥ ክኸውን ይግባእ።
እዚ ማለት ንግዝኣታዊ ልኡላውነትና ትሑት ግምት ንሃቦ ከስምዕ የብሉን። ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ንምጉባጥ ዝበሃል ድዩ ዝግበር ወስታ፡ ሓቂ ድዩ ወይስ ተራ ፕሮፖጋንዳ? ጭቡጥ መንቀሊኡ እንታይ’ዩ? ብዓይኒ ዓለማዊ ሕጊ ተሰማዕነት ኣለዎ’ዶ የብሉን? ንሕና ኸ ካብ ዝተበታተኸ ቁጠዐ ዝዘለለ እንታይ ቅድመ ምድላው ክንገብር ኣለና ዝብሉ ወሰንቲ ረቛሒታት መሰረት ብምግባር ብንቕሓት፡ ብተንታን፡ ብዲፕሎማስያዊ ብስለት፡ ብዝተወደበን ዝተናበበ ወፍርን ብዘተኣማምን ክንብደሆ ዘኽእለና ባይታ ክንፈጥር ኣለና። ኩሎም ምሁራት ብሓፈሻ፡ ናይ ፖለቲካ፣ ታሪኽ፣ ሕጊ፣ ዲፕሎማሲ ሞያተኛታት ከኣ ብፍላይ ነዚ ጉዳይ ከም ተወሳኺ ስራሕ ዘይኮነ ካብ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ሰሪዖም ብዝተወደበ ኣገባብ ክዛተይሉን መፍትሒ ከቐምጥሉን ይግባእ። ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝዋስኡ ዘለው ናይ ፖለቲካ ኤሊት ከኣ፡ ብዘይካ ውድቀት መኽሰብ ካብ ዘይብሉ ዓዘቕቲ ፖለቲካዊ ድሕረት ሓራ ኮይኖም፡ ዝተበታተነ ዓቕሚታቶም ወዲቦም ብዝለዓለን ዝጸፈፈን ኣገባብ ክሰርሕሉ ግዴታ ኣለዎም።
ሎሚ ብሰንኪ ድኹምን ድሑርን ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ምሕደራናን ስልጣን እንኮ-ውድብ ዘይኮነ፡ ስልጣን ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዘይብሉ እንኮ-ሰባዊ መግዛእቲ’ዩ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ። ነዚ ብስንፍናና ዘምጻእናዮ ፖለቲካዊ ውድቀትን ውርደትን፡ ካልኦት ተዓዘብቲ ማዕረናን ልዕሌናን ከም ዝከታተልዎን ከም ዝፈልጥዎን ክንጠራጠር የብልናን። ንሰምዖ ዘለና ወይ ብሰላም ወይ ብሓይሊ ዝብል ትዕቢት ዘበገሶ ሓደጋ ወራር ሕጋዊ መሰረት ስለ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ውድቀትናን ዝተዘርገ ሓድነትናን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ንረዳእ። ነዚ ብዘተኣማምን ንምምካት ድማ፡ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ንምውጋድ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ድሕረት ብኣረኣእያን ኣሰራርሓን ንምእራም ብግዜ የለን ሓላፍነታዊ ስምዒት ክንረባረብ ኣለና። ፈጣርን ኣሳሳይን ህልዊ ኤርትራዊ ጸገማት ዝኾነ እንኮ-ሰባዊ መግዛእትን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተፈጢሩ ዘሎ፡ ብውጥን ዘይምራሕ ፖለቲካዊ ድሕረት ዝመንቀሊኡ ሱር ዝሰደደ ጉጅላውን ወገናውን ምትህልላኽ ከይገራሕካን ከይኣለኻን ካብ ግዳም ንዝመጽእ ጎቦጣ ብኣድማዕነት ንምምካት ኣይከኣልን።
ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ልኡላዊት ሃገር ወኒና ክንስና፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ተኺልና፡ ህዝባዊ ልኡላውነትን ወሳንነት ህዝብን ኣረጋጊጽና፡ ንኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ንምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ተማእዚዝና ክንከይድ ኣይበቓዕናን። ከም ሰባትን ዜጋታትን ግሉጽ ምቕሉል ምድምማጽን ምክብባርን ርሒቑና፡ ብኸባብን ወገናውን ድሑር ፖለቲካዊ ሕሜታ እናተጎጃጀልና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ንምለስ ኣለና።
ካብ’ዚ ኣብ ጸለመ ምጥቕቓዕን ምጉጅጃልን ዝተመሰረተ ፖለቲካዊ ድሕረት ብንቕሓት ከይተላቐቕና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብና ከይተኸባበርና፡ ዓቕሚታትና ኣላፊና ድዩ ኣወሃሂድና ብዝተነጸረ ኣንፈት ከይተበገስና ካብ ወዲቕናዮ ዘለና ፖለቲካ ንወጽእ ማለት ዘበት’ዩ። ዝተበላሸወ ፖለቲካ ብዝማዕበለ ስነ-ሓሳብን ተሳትፎ ህዝብን ‘ምበር፡ ብቤላ ቤሎ ፕሮፖጋንዳ ኣይፍታሕን። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝተወደቡ ኣባላት፡ ንዝቖምሉ መትከላት ብግቡእ ተረዲኦም ካብ ፍንውነት ብዝደሓነ፡ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ተገሪሖም ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ከምኡ’ውን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ተናቢቦም ዘይኸዱ እንተደኣ ኮይኖም፡ ህዝቢ ምድሓን ዝብል ድምጺ ትርጉም ኣይህልዎን። ዘይትግበር ኣሰልቻዊ ድምጺ ኮይኑ በኒኑ’ዩ ዝጠፍእ። ምኽንያቱ “ ኣብ ዓይኒኻ ዘሎ በሰር ከየውጻእካ ኣብ ዓይኒ ካልእ ዘሎ በሰር ከተውጽእ” ኣይከኣልን። ሓደ ያታዊ ብሂል ክገልጽ፡ ዕስለ ህበይ ኣናህብ ኣብ ዝጸግብሉ ወርሓት መስከረም ቆፎ ንህቢ ከፊታ፡ ቆፎኡ ዝተሰብሮ ዕስለ ንህቢ ድማ ኣጥቂዕዋ፡ ተበታቲና ክትሃድም፡ ገለ ከኣ ኣብ ሓመድ ከተንገርግር ዝተዓዘበ “ እዞም ኩሎም በራሓት’የ ዘይብሎም ጎራሓትየ ህበየ ህበየ ናብ ማይየ ናብ ማይየ” ክብል ምኽሪ ሃባ ይበሃል። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰብ ጸጋ ዕድመ ጥራሕ ዘይኮነ ዕድሜኦም ምሉእ ኣብ ፖለቲካ ክዋስኡ ዝጸንሑ በራሓትን ሰያባትን ኣይወሓዱናን። ልቦናዊ ሓላፍነታዊ መፍትሒ ሓሳባት ዘምጽኡን ዝገርሑን ግን ዛጊት ኣይረኽበናን።
ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ንቑሕ ኣባልን ዘለዎ ውድብ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ተናቢቡ ስለ ዝሰርሕ፡ መጻኢኡ ብሩህ’ዩ። መድረኽ ክንዲ ዝተረረ ይትረር ተዓዋቲ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ኣብ ምድሓን ህዝብን ምርግጋጽ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ንምሕዝነት ድዩ ንሓድነት ተበሃጊ ውድብ’ዩ ዝኸውን። ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነትን ብመሻርኽቲ ተበሃግን ተኣማንን ኮይንካ ምርካብ ፖለቲካዊ ጸጋይ’ዩ። ፖለቲካ ጸጋ ግን፡ ብህያብ ወይ ብዕድል ዝመጽእ ኣይኮነን። ብፖለቲካ ነቒሕካ፣ ህዝባዊ ውግንናኻ ኣነጺርካ፣ ተጸዋርነት ኣማዕቢልካ፣ ካብ ገበረኒ ክገብር ድሑር ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ብሓሳብን ብተግባርን ሓራ ኮይንካ፡ ተወዲብካ ብስጥመት ብምስራሕ ዝርከብ ዓወት’ዩ።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም’ዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ሕጋዊ ትከላዊ ተሓታትነት፡ ተግባራዊ ዕዮ ስለ ዝጠፍአ ኢና ኣብ ኮለል ንነብር ዘለና። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ዘለዋ ብዙሓት ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ውሽጣዊ ሓድነታዊ ምቖቱ ዓቂቡ ንካልኦት ብኣወንታ ዝጸሉ ውድብ ወይ ግንባር ዛጊት የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ነዚ ነብስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ፡ ውድቡ ኮነ ግንባሩ ጀሚሩ ብምግምጋም መደምደምታ ክበጽሓሉ መሰረታዊ እዋናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ’ዩ።
ምኽንያቱ መሰረታዊ መድሕን ህዝቢ ዝኾነ ፖለቲካ ለውጢ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብዝለዓል ፕሮፖጋንዳዊ ንፋስ ኣይረጋገጽን። ኣብ ህዝቢ ዘይወረደ ግን ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ቅኑዕ ዕላማ’ውን ባዕሉ ኣይዕወትን። ኣዋርሕ እናተጸበኻ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝቐርብ ኩነኔን ንምሕዝነትን ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ዝወጽእ መግለጽን ድሕነት ህዝቢ ኣየውሕስን። ምድሓን ህዝቢ ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ክለሰ-ሓሳብ፣ ካብ’ዚ ዝብገስ ውሽጣዊ ውድባዊ ሓድነት፡ ሕጋዊ ተሓታትነት፡ ኣብ ወግዓዊ ኣፍልጦን ምክብባርን ዝምስረት ምሕዝነትን ሓድነትን ጥራሕ’ዩ ዝረጋገጽ።
ስለዚ ነፍስ ወከፍ ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ ንመሰረታዊ ለውጢ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ጉጅለ፡ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ፡ ውድብ፡ ሓባራዊ ግንባር፡ ማዕከን ዜና፡ ስቪክ ማሕበር ልኡላዊ ግዝኣትና ከይድፈር፡ ኣብ’ዚ ድኹም ጎኒ ዘውደቐና እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ንምውጋድ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ንምስባር ንረባረብ።
ካብ ክብሮም ከሰተ
ዕለት 5 መስከረም 2025