ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ናብ ቃልሲ ንነጻነት በረኻ ክወጽእ እንከሎ ናይ ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተልእኾ ከም ዝነበሮ፣ ኣብ ቃልሲ ምስተጸምበረ ምስ ስርዓት ሃ/ስላሰን ትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲ ኣይ ኤ)ን ብዝነበሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ደገፋት ይግበረሉ ምንባሩን፣ ምስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሕቡእ ዘተ ሰላም ትሕቲ ሃገራዊ ነጻነት ክቕበል ይሸማገል ምንባሩ፡ ግዜን ቦታን ብምጥቃስ ብወግዒ ዝውቀስ ሰብ ምዃኑ ይዝከር። እንተኾነ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ወይ ሓቂ ዝብል መልሲ ሂብሉ ኣይፈልጥን። ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት ግን ኢሳያስ ኣባል ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ሲ ኣይ ኤ’ዩ ዝብል ርእይቶኦም ብሰነዳት ኣደጊፎም ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለው።
ድሕሪ ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ድማ ስማዊ ሃገራዊ ባይቶ ብኣካል ነይሩ ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ከይተረፈ፡ ብዘይ ዘተን ውሳኔን ሃገራዊ ባይቶን ወግዓዊ ሓበሬታ ንህዝብን ክሳብ ምዝዛም ብዶብ ዝተመኽነየ ኣብራሲ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ነይርዎ፡፡ “ ወይ ጎቦ ኩን ወይ ናብ ጎቦ ተጸጋዕ” ከም ዝበሃል ንሕና ውሑድ ህዝቢ ዘለና ንእሽቶ ሃገር ኢና፡ ጎረባብትና ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎም ዓበይቲ ሃገራት ስለ ዝኾኑ ጸግዒ ናብ ዝኾነና ሓያል ክንጽጋዕ ኢና” ይብል ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን። ኣመሪካ’ውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ቢልክሊንተን “ዓለም ደሞክራሲ ካብ ኤርትራ ክትመሃር ኣለዋ” እናበሉ ብዘይናቱ ይንእድዎን ይጥብርዎን ነይሮም። ብጉልባብ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን የዋፍርዎ ምንበሮም ይፍለጥ። ምስ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ኣዕራብን ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓደ መድረኽ ምስ’ቲ ሓደ፡ ኣብ ካልእ መድረኽ ከኣ ምስ’ቲ ካልእ እናተጋላበጠ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይኲናቱ ኣእትዩ ዋጋ ከኽፍሎ ጸኒሑን ዛጊት የኽፍሎ ኣሎን።
እቲ ክውን ሓቂ እዚ ክንሱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ብሕቶ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከም ዘይዋገ፡ ናይ ዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ ጸጊዕነትን ተጽዕኖን ከም ዘይቕበል’ዩ ደጋጊሙ ክገልጽ ዝስማዕ ነይሩ። ምንጪ ስእነት ሰላም፡ ውሽጣዊ ሓድነትን ድኽነትን ህዝብታት ኤርትራ ለኣኺት ኣመሪካን ተቐባሊ ትእዛዝ ስርዓት ወያኔን’ዮም ዝብል ንልዕሊ 20 ዓመት ብዘይዕረፍቲ ኣብ ጽልኢ ዝተመስረተ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ከካይድ ጸኒሑ።
ብ19 ሓምለ 2025 ምስ ቲቪ ኤረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ግን፡ “ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ” ከም ዝበሎ ድምጻዊ ነብስሔር ኪሮስ ኣለማየሁ፡ ውሽጣዊ ተርባጽ ከም ዘለዎ ብዘመልክት መግለጺ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ዓለማዊ ፖለቲካ እቲ ሓደ ንብዙሓት ዝውክል፡ እቲ ካልእ ከኣ ዕማኾ ንዝኾኑ ዝውክል’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓደ ቀጽራዊ ልዕልነት መጺኡ። እቲ ልዕልነት ሕጂ ብተግባር የለን። ብፍላይ ድሕሪ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ተጸንቂቑ’ዩ። ትራምፕ ነቲ ዝወደቐ ፖለቲካ ንምዕራይ ይፍትን ኣሎ። ግን ኣይክእልን። ብቁጠባ፡ ብተክኖሎጂ፡ ብዲፕሎማሲ ካብ ኣመሪካ ቻይና ትዓቢ።
ናይ መግደፍ ፖለቲካ ቀንዲ ሕማም ኣፍሪቃ’ዩ። ጸገም ኤርትራ ኮነ ኣፍሪቃ ካብ ደገ ዝመጸ’ዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግደፍን ድጎማን ከይተገላገላ ጸገም እዚ ኣህጉር ክፍታሕ ኣይኽእልን። ኣብ ገድሊ ዘእተወና ዋጋ ዘኽፈለና ኩሉ ካብ ደገ ዝመጸዩ ኢልና ኢና ንኸስስ። ኣብ ኩሉ መድረኻት ግን ከምኡ ዓይነት ክሲ ኣየዋጽኣናን። ንሕና ኸ ኢልና ክንሓትት ኣለና።
ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ለውጢ በኒኑ’ዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዶ መስኮት ቀይሕ ባሕሪ ክንረክብ ኣለና ዝብል ነዓይ ዕብዳን’ዩ። ዕሸልነት’ዩ። ኣመሪካ ደጋፊትና’ያ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ምሳና’ዩ። ኢማራት ዓረብ ፈታዊትና’ያ ዘመናዊ ኣጽዋር ድሮናት ሸሚትና ኣለና። ብዓሰብ ብኦም ሓጀር ክንኣቱ ኢና ዝብል እዚ’ዩ ክትብሎ ዘጸግም ዕንደራ ኣሎ።”እቲ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት ናይ በሃልቱ ኣይኮነን” እቲ ዝበሃል ዘሎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ንምጉልባብ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኢማራት ከም መንግስቲ ይሕግዞም ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ናይ ሓደ ንጉስ ውልቃዊ ዕንደራ’ዩ። ንሱ ገንዘብ ኣለኒ ኢሉ ኣብ ኩሉ’ዚ ዞባ ተጽዕኖ ክፈጥር’ዩ ዝነጥፍ ዘሎ። እዚ ጽላሌ’ዩ። ዕንደራ’ዩ ..ወዘተ ክብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንጉስ ኢማራትን ካብ ጭኑቕ ኩነተ ኣእምሮኡ ዝብገስ ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡ ዝወረደ ተራ ጸርፊ ከዝንበሎም ኣምስዩ።
ሓንቲ ሓቂ ግን ኣምሊቑ። ኣንጻር ወያኔን ኣመሪካን ብቀጻሊ ክነዝሖ ብዝጸንሐ መሰረት ዘይብሉ ዝኸሓነ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒታት ኣእምሮኦም ተሰሊቡ፡ ኣብ ነብሰ ምርሳዕ ዝበጽሑ ኣምለኽቱ ብግቡእ ክርድእዎን ክጥቀምሉን እንተኺኢሎም፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ክሕመየሉ ዝጸንሐ ድጉል “ጽምዶ” ምስ ኣመሪካ ከም’ዚ ክብል ደርጒሕዎ ኣሎ። ኣብ ቀዳመይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ምስ ኣመሪካ ዝምድናና ንምምሕያሽ ተፈቲኑ ነይሩ። ግን ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክጸንሕ ኣይከኣለን። 3 ዓመት ናይ ትራምፕ 4 ዓመት ናይ ባይደን ብድምር 7 ዓመት ባኺኑ’ዩ። ሕጂ ግን ምስ ምምሕዳር ትራምፕ “ጽምዶ” ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ጽምዶ ኣብ’ዚ ዓመተ 2025 ብዙሕ ዝረአ ስራሕ ኣይክህሉን። ካብ ዓመተ 2026 ክሳብ ዓመተ 2028 ኣብ ዘሎ 3 ዓመታት ግን ብተግባር ክንሰርሓሉ ኢና። “ቅድሚት ስርዑና ኣይንብልን። እዛ ዓመተ 2025 ንዓና ትጽነሓልና። ቀዳምነታት ስለ ዘለዎም ነቲ ቀዳምነታቶም ከኣ ነኽብረሎም” ኢሉ።
እዚ ብሕቡእ ክስረሓሉ ዝጸንሐ’ሞ ሕጂ ለኣኽን ተለኣኸን ማዕረ ሚዛን ከምዘለዎም ከምስል ብ“ጽምዶ” ኣጎልቢቡ ዘግሃዶ ናይ ዕሱብነቱ ሓቂ፡ ነቲ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ክከታተል ዝጸንሐ ተቓላሳይ ሓድሽ ሓሳብ ኣይኮነን። ነቶም ብምምሕዳር ኣመሪካ ስርዓት ወያነ ፕሮፖጋንዳዊ ስብከቱ ካብ ሚዛን ሰብኣዊ ሕልና ወሪዶም ዝጸንሑ ዘይቀበጹ ኣምለኽቱ ግን መርድእ’ዩ። እዚ ንሱ ዝብሎ ዘሎ፡ ኤርትራን ኣመሪካን ከም ልኡላውያን ሃገራት፡ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራን ምምሕዳር ትራምፕን ከም መንግስታት ንክልቲኣቶም ህዝብታት ኣብ ዝጠቕም ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተመስረተ ወግዓዊ ዝምድና ኣይኮነን፡፡ ብከምቲ ዝጸናሕክዎ ብሕቡእ ዘይኮነ ብግህዶ ዝበልክሙኒ ክፍጽምየ ስልጣን ኣድሕኑ ልመና’ዩ። ብሽፋን ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ስልጣን ከደት ኣድሕኑ ልመና ምዃኑ እዘን ዝስዕባ ልቢ ኢልካ ምስትውዓል የድሊ። “ቅድሚት ስርዑና ኣይንብልን”። “እዛ ዓመተ 2025 ንዓና ትጽነሓልና”። “ ቀዳምነታት ስለ ዘለዎም ነቲ ቀዳምነታቶም ከኣ ነኽብረሎም” ዝብል ቃላት ሓቚፍዎ ዘሎ ሓሳባት ብጽሞና ንዝግምግም ሰብ ንህዝቢ ኤርትራ ሃገረ ኤርትራን ዘዋርድ ሕሱር መልእኽቲ’ዩ።
እቶም ብንቕሓት ብተግባር ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ንመሰረታዊ ለውጢ ክቃለሱ ዝጸንሑ ኣካላት ደምበ ተቓውሞ፡ ኢሳያስ ብሕመቕናን ዘይምስምማዕናን ነባሪ መሲሉ ዝጸንሐ ኢደ-ወነናዊ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ሓቂ ከም ዘሙለቐ ተገንዚቦም፡ ዝያዳ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ብምብራኽ ኣሰራርሓኦም ትካላዊ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣቀራሪቦም ናብ ምሉእ ዓወት ክምርሹ ይግባእ። ኣብ ኣፍጹም ኣምልኾ ዘይበጽሑ ልኩማት ደገፍቲ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ከኣ ነዚ ኣብ መወዳእታ ሰፊሩ ዘሎ “ቅድሚት ስርዑና ኣይንብልን” ግን ኣይትረስዑና ዝብል ምሕጽንታ ሓቀኛ ትርጉሙ ተረዲኦም፡ ብወግዒ ዝህብዎ ዝነበሩ ደገፍ ኣቋሪጾም ኣንጻሩ ንመሰረታዊ ለውጢ ክስለፉን ኣለዎም። ስለምንታይ? ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ህዝቢ ዘዋርድ ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን ስለ ዝኾነ።
ካብ ክብሮም ከሰተ
28 ሓምለ 2025
መብርሂ፡- ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ ክድምናን መግደፍን ዝብል ቃላት፡ ካብ መግለጺ ኢሳያስ ዝተወስደን ደኣምበር፡ እምነት ጸሓፊ ከምዘይኮነ ኣምባቢ ክርደኣኒ ኣቐዲመ እላቦ።