ሎሚ ሎሚ እቲ ንዓመጽን ኣድልዎን ዝጽየንን ዝኹንን ሚዛን ሓቅን ፍትሕን ዝሕሉ ፋሪሓ እዝግኣብሄር መሰረቱ ዝገበረ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልና፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ ኣእምሮ ደቂ-ሰባት ዝርሕቕ ዘሎ ይመስል። ዋሕስን ጠበቓን ውሑዳት፡ ድኹማትን ድኻታትን፡ ጸረ-ዓመጽን ዓመጽትን ኮይኑ ከገልግል  ዝቖመ ዓለማዊ ትካላትን ሕግታትን ብተመሳሳሊ፡ ተልእኾኡ ክፍጽም ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ኣንቆልቊሉ ይርከብ። ከም ናይ’ዚ ውድቀት መግለጺ ከኣ፡ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ዝሓዙ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ያዕ ዝብል ሕጊ ስኢኖም ተሓቢኦም ዘይኮነ ብወግዒ፡ ብጌጋ ዘይኮነ ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ፍጹም ዕንወትን ምጥፋእ ዘርኢ ወዲ-ሰብን ክነጥፉ ይረኣዩ ኣለው።

 ኣብ ምህዞ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን መጽናዕትን ዝነጥፉ ገለ ወገናት፡ ንጹርን ቀያድን ሕግታት ተገይርሎም ምሉእ ተልእኾኦም፡ ጸገማት ወዲ-ሰብ ኣብ ምቅላልን ምፍታሕን ኣብ ክንዲ ዘትኩሩ፡ ዓለምና ብደርቂ ዋሕዲ ሰብ ከም ዝተጠቕዓት፡ ብምህዞ ሰብ ከፍርዩ፡ ኣብ ምቅይያር ኣካላት ስርዓተ መፍረ፣ ኣስተምህሮ ከመይነት ኣፈጻጽማ ስጋዊ ርክብ፣ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ ዝቖርጽ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ዝወጸ ስርዓተ መውስቦ፣ ኣብ ደቓይቕ ህይወት ሰብን ኣባይትን ናብ ነበረ ዝቕይር ብብዙሕ ቶናት ዝቑጸር ክብደት ዘለዎ ቁምቡላን መርዛም ጋዝን ዝተሰከመ ምሳይላትን ኣብ ምፍራይ ክቀዳደሙ ንዕዘብ ኣለና።

ምድኻም ዓለማዊ ሕግታት፡ ምህዞ ኣብ ጥፍኣት ወዲ-ሰብ ዘገልግል መጽናዕትን ምርምርን ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰበስልጣንን ሃብታማትን ስለ ዝኣተወ ድማ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብዙሓት ብሓሳብን ብተግባርን ግዳያት ይኾኑ ኣለው። ቅንዕና ወዲ-ሰብ ብሰንኪ ውሑዳት ዝኽተልዎ ዘለው ልጓም ኣልቦ ጸረ-ሰብ ፖሊስን ዝፍጽምዎ ዘለው ጃምላዊ ፋሽሽታዊ ህልቂትን ይዛባዕ ኣሎ። ምስ ዕለታዊ ዝፍጸም ዘሎ መቕዘፍቲ ኣውያትን መርድእን ሕልና ደቂ-ሰባት ካብ ሰብኣውነት ክርሕቕ፡ ናብ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓ ትኹረት ክገብር፡  ጭካኔ ክለማመድ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ’ዚ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ብህይወት ንምንባር ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ረኺብካ፡ ብሰላም ሓቢርካን ተኸባቢርካን ናይ ምንባር ራእን ተስፋን ኣብ ፈተና ወዲቕሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ብገለ ሰብ ሕልናን ራእን ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጃምላዊ ህልቂት ምፍጻም ደው ይበል ዝብል ድምጺ ምስማዕ ዝድነቕ’ዩ። እዚ ህይወት ሰብ ይድሓን ሕጊ ይከበር ዝመበገሲኡ ድምጺ  ኩነታት ክንዲ ዝተረረ ይትረር ጸኒዕካን ሓቢርካን እንተተቓሊስካ ዘይሰዓር ሓይሊ የለን ናብ ዝብል ይወስደካ። መደብ ዓመጽቲ ንምስባርን ንምስዓርን ሕልናኻ ዘይምዕራብ፡ ኩሎም ሰብ ቅኑዕ ሕልናን ግዳያት ዓመጽን ዝኾኑ ወገናት ብትኹረት ክሪእዎ ዝግባእ፡ እንኮ መድሕን ግፉዓት’ዩ።

 ገለ ካብ’ቶም ቀልቢ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝሰሓቡ ጃምላዊ ዕንወትን ህልቂትን ዝተፈጸመሎም ውግኣትን፣ ሰብ ቅኑዕ ሕልና ዝኾኑ ውልቀ ሰባት፡ ውድባት ፖለቲካን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝወሰድዎ ዘይሻራዊ ታሪኻዊ መርገጽን ከም ኣብነት፡-

ሀ. ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅሉዕ ገበናዊ ተግባራት፡  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕዳር 2020 ዝጀመረን ንክልተ ዓመት ኣብ ዝቐጸለን ኲናት፡  ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምጽናት ኩለ-መዳያዊ ፋሽሽታዊ ተግባር ፈጺሙ’ዩ፡፡ ብስመ ምኽባር መሬታዊ ልኡላውነት “ ንሕና ምስ መንግስና ምስ ሰራዊትና” ዝብል ዕሙት ዘርኣዊ ደገፍ ካብ ኣምለኽቱ ከም ዝረኸበ ድማ ይፍለጥ። ከምኡ ከም ዝገበረ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተመስጊነ ተናኢደ ክብል ድሒሩ ብወግዒ ኣረጋጊጽዎ’ዩ።

 ሰብ ቅኑዕ ሕልና ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ፋሽሽታዊ ፍጻሜ ብሕቡእ ዘይኮነ ብወግዒ፡ ብመትከልን ብተግባርን ኮኒነሞ’ዮም። ኣብ’ቲ  ጸልማት መድረኽ ኣብ ጎኒ’ቲ መስተንክራዊ ሓድነትን ጽንዓትን ዘመስከረ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ምህላዎም ዘረጋገጹ ኤርትራውያን፡ ፈጺሙ ዘይሃስስ ታሪኽ ዝሰርሑ፡ ጀጋኑ ናይ ቅኑዕ ሕልና። ጀጋኑ ናይ ሰብኣውነት። ጀጋኑ ናይ ፍትሒ። ጀጋኑ ናይ ፖለቲካዊ መርገጽ። ጀጋኑ ናይ ክብረት ልዕልና ሕጊ’ዮም። ኣብ’ዚ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ማዕከናት ዜና፣ ስነ-ጥበበኛታት ብዝወሰድዎ ቅኑዕ መርገጽን ዘርኣይዎ ሰብኣዊ ሓልዮትን ወትሩ ታሪኻዊ ሓበን ክስመዖም ይግባእ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ወርቃዊ ኤርትራዊ ታሪኽ ከኣ ክንመሃረሉ፡ ክንዕቅቦን ከነቐጽሎን ኣለና።

 

ለ. ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኩሬን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር ብሰብኣውነት ኮነ ብሕጊ ተቐባልነት የብሉን። ሩስያ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ዩኩሬን’ውን ልኡላዊት ሃገር’ያ። ሩስያ ዘለዋ ሓይሊ ተኣማሚና ኣብ ልዕሊ ዩኩሬን ቅሉዕ ወራር ፈጺማ ከቢድ ሰብኣውን ነዋታውን ዕንወት ኣብጺሓን ገና ትቕጽል ኣላን።  ነዚ ትምክሕታዊ ዕንደራ  ህዝቢ ዩኩሬን  ጥራሕ ኣይኮነን ተቓዊምዎ። ብርሑቕ ዝዕዘብ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ኮኒንዎ፡፡ ሰብ ቅኑዕ  ሕልና ዜጋታት ወራሪት ሃገረ ሩስያ’ውን ንዓማጺ ንተግባራት መንግስቶም ብቕሉዕ ኮኒኖሞ’ዮም። ብመትከል ኮኒነሞ ጥራሕ ዘይኮነ ንስለ ሓቂ ክብሉ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለው፡ ኣንጻር መንግስቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዩኩሬን ዝተሰለፉ፡ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ካልእ ሃገር ዝተሰዱ ብዙሓት’ዮም። ቅኑዕ ሕልና፡ ቅኑዕ መርገጽ ዝበሃል እዚ’ዩ። ፍትወተ ሃገር፡ ምኽባር ሕጊ ዝበሃል እዚ’ዩ። ነዚ መድሕን ውጹዓትን ግፉዓትን ዝኾነ ፍትሓዊ መርገጽ ኩሉ ግዱስ ከመሃረሉን ክኽተሎን ይግባእ።

ሐ. መንግስቲ እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ 2023  ንዝጀመሮ ኩኑን ተግባር ጉልባብ ጌይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ  ብምድርን ብኣየርን ጃምላዊ ህልቂት ይፍጽም ኣሎ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ህይወት ፍልስጤማውያን ከም ቆጽሊ እናረገፈ ስሙር ተቓውሞ ከስምዕ ኣይከኣለን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ሓላፍነት ተጠቒሙ ደው ከብሎን ፈጸምቲ ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብን ኣይተራእየን። ህይወት ሰብ ብጭካኔ እናተጨፍጨፈ መንበሪ ህንጻታት ናብ መቓብ ኣዴታትን ህጻናትን እናተቐየረ ትርጉም ዘለዎ ዝተናበበ ተቓውሞ ዘይምስማዕ ብርግጽ ብርሰት ልዕልና ሕግን ሞራላዊ ውድቀት ማሕበረ-ሰብ ዓለምን’ዩ ዘመልክት።

እንተኾነ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወትን ህልቂትን ይኹን፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ሃገረ ጀርመን ብኣዶልፍ ሂትሌር ኣብ ልዕሊ ኤስራኤላውያን ከም ዝተፈጸመ ዝንገረሉ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ገበን ዘዘኻኽር፡ ሎሚ ብመንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዘርኢ ምጽናት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ካብ እስራኤላውያን ምስማዕ ዝድነቕ’ዩ። ብዜጋታት እስራኤል መንግስቲ እስራኤል ብዝተጸዐ ኣገባብ ዘርኢ ፍልስጤማውያን ናይ ምጽናት ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ ዝብል ብወግዕን ብሰነድን ምቕራቡ  ኣብ ምድረባዳ ሰሃራ ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ከም ምርካብ ዝቑጸር ተኣምር’ዩ።

“ቤት ሰሌም” ን “ፊዚሻንስ ፎር ሂውማን ራይትስ እስራኤል” ዝተባህሉ ክልተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝኾኑ  እስራኤላውያን ኣብ ዝሓለፈ 21 ኣዋርሕ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት ኣመልኪቶም ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጽእዎ በዓል 88 ን 65 ገጻት ዘለዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍን ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለጽን መዛረቢ ኮይኑ ቀኒዩ ኣሎ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ ዘርኢ ናይ ምጽናት ስጉምቲ ትወስድ ኣላ ክብሉ ምምስካሮም  ቅኑዕ ፖለቲካዊ መርገጽን ሰብኣዊ ሕልናን ተዳኺሙ ደኣምበር መሊኡ  ከምዘይጠፍአ ይሕብር።

እቶም ትካላት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ህዝቢ ፍልስጤም ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ  ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፣ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፣ ስበስልጣናትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ዝህብዎ ዘለው መግለጺ፣ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት፣ ናይውቲ ሕክምና ናብ ወሽመጥ ቓዛ ከይኣቱ ምክልኻል፣ ሰብ ሞያ ሕክምና ኮነ ኢልካ ምእሳር፡ ምቕታል፣ ኣጽኒዕናን ዝበጻሕናዮ መደምደምታ፡ መንግስቲ እስራኤል ዘርኢ ህዝቢ ፍልስጤም ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ ንምጽናት ኮነ ኢሉ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ይሰርሕ   ምህላው’ዩ ክብሉ ገሊጾም። እዚ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበናዊ ተግባራት ብህጹጽ ደው ክብል ከኣ ጸዊዖም። “ኣብ’ዚ ጸልማት ግዜ ነቲ ተግባር ብስሙ ምጽዋዕ መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ፡፡” “ ዘርኢ ምጽናት ክፍጸም እንከሎ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ስቕ ምባል ኣማራጺ ኣይኮነን” ድማ ኢሎም። ሓቆም’ዮም። ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን፡ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኹሉን ኣብ ኩሉን  ይጠጥዕ።

                                                                 ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                                  9 ነሓሰ 2025