•  ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኪዋግኡ ካብ ዝጅምሩ ኣትሕዞም ነቲ ብሰንኪ ዓመጽቲ ገዛእቲ ዝወርዶም ዝነበረ ኣደራዕ፡ ብፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን፡ ቀጺሉውን ብብረታዊ ቃልሲ ጸረ ኩሎም ገዛእቲ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ጭቆና ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ፡ ኤርትራውያን ኣደዳ ኵናትን ስደትን ኰይኖም ኢዮም። ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ‘ሃገራዊ ናጽነት’፡ ናህሪ ስደት መንእሰይ ወለዶ ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሃገረ ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን ክውሕዝ ተራእየ።

ኩሉ ሳዕ፡ ቃልሲ ንነጻነት ኣንጻር ባዕዳዊ ይኹን ሃገራዊ መላኺ እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ነቲ ንስደት ዝጐዓዝ ዜጋ ዘጋጥሞ ግድላት ንምቅላል ብማለት፡ ዘይመንግስታውያን ሓገዝቲ ማሕበራት ይምስረታ ነበራን ኣለዋን። ሽግራት ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ብመጠኑ ንምቅላል ካብ ዝብል ሓሳብ፡ ብነገራውን ስነ-ኣእምራውን ሕክምናውን ይኹን ብትምህርታውን ባህላውን ሸነኻት ንህዝበን በብዓቕምታተን ኪሕግዛ ዝተላዕላ ማሕበራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተመስረታ ከም ዝመጻ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ’ተን በብእዋኑ ዝተመስረታ ናይ ረዲኤት ትካላት ንምጥቃስ ዝኣክል ንኣብነት፡ ማሕበር ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ መንሰያት ኣብ ጀርመን ጸኒሑ ስማ ናብ “ማሕበር ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ሓድነት ኣብ ጀርመን” ዝለወጠት፣ ሕጋውን ዕላውን ፍቓድ ካብ ዝነበረን ማሕበራት ሓንቲ ኮይና፡ ካብ 1984 ኣትሒዛ ትዋሳእ ዝነበረት እያ። ካልእ’ውን ኣብ ስካንድናቭያ ሃገር ሽወደን ዕላዊ ፍቓድ ዝነበራ መጸውዒ ስማ፣ “ቀይሕ መስቀልን ህጻናት ይተዓቖቡ” ብዝብል ካብ ዕለት 03. ወርሒ ግንቦት 2004 ክትንቀሳቐስ ዝጀመረት እያ። ገለ ካብ’ዘን ማሕበራት እዚኣተን ድማ እቲ ዝፍጽምኦ ሰናይ ተግባራት ዝለዓለን ዝተመሓየሸን ኪኸውን ምእንቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ብናይ ሓባር ዕላማ ኪጐዓዛ ኣድላዪ ኰይኑ ተረኽበ። ካብ’ዚ መሰረተ-ሓሳብ’ዚ ዝተላዕለ ከኣ ካብ ኤውሮጳ ጀሚሩ ብሓደ መደብ ኪነጥፋን ስርሓተን ኣብ ትሕቲ ሓደ ስም ተጠርኒፈን ከሰላስላ ጀመራ። ከምዚ’ሉ ድማ ጉባኤታት እተን ትካላት ኣብ ትሕቲ “ማሕ ረድኤት ምዕባለን ኤርትራ ዝብል ስም፡ ብሕጋውን ወግዓውን መልክዕን ንክሰርሑ ስለ ዝተሰማምዑ፡ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ)፡ ካብ ዝዀነ መንግስታዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ነጻ ዝዀነ፡ ኣብ ሰብኣዊ ርህራሄ ዝተመርኰሳ ናይ ረድኤት ማሕበራት ኰይነን’ውን ተመስረታ።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ስካንድናቭያ፡ ቤት-ጽሕፈታ ኣብ ሽወደን ስቶኮሆልም ዝዀነ፡ ብዕለት 25፡ ወርሒ ሕዳር፡ 2008 ዓ. ም. ፈ. ሕጋውን ዕላውን ፍቓድ ዝረኸበት ትካል ኢያ። ቀጺሉ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ቤት-ጽሕፈታ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ዝዀነ ተመሳሳሊ ትካል፡ ብዕለት 23፡ ወርሒ ሓምለ 2009 ማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ ኰይና ተመስረተት። ነ’ዚ ቅኑዕ ዕላማ’ዚ፡ ዘሎ ጽቡቕ ተቐባልነትን ኣድማዒ ተሳትፎን ብምርኣይ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንምስፍሑ ድማ  ተመሳሰልቲ ትካላት ክቖማ ኣድላይነቱ ዕዙዝ ነበረ።

ብዕለት 4፡ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ. ም. ፈ. (ብዕለት 25፡ የካቲት 2002 ዓ. ም. ግ.) ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ብተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ትሕቲ ‘ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ’ ዝብል ስም ሕጋውን ዕላውን ፍቓድ ዝረኸበት ትካል ተመስረተት። ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ብመሰረት ናይ ሰብኣዊ ርህራሄን እምነታን ዕማማታን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ኪከኣል ምእንቲ፡ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኢትዮጵያ (ፈደረኢ)፡ ከም ወጻእተኛ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር መጠን ተቐባልነት ንኽትረክብን ንኽትምዝገብን፡ ብዙሕ ጻዕሪን ጊዜን ዝወሰደ ድኣ ይኹን እምበር፡ ከም ዘይመንግስታዊ ግብረ-ሰናይ ትካል ተፈልጠትን ኣብ መዝገብ ማሕበራት ኢትዮጵያ ክትሰፍር ከኣለትን።

ስዒቡ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንተመሳሳሊ ዕላማ ብዕለት 07፡ ወርሒ ግንቦት 2019 ኣብ ትሕቲ ‘ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ’ ዝብል ስም ኣብ ፈደራላዊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  ሕጋውን ዕላውን ፍቓድ ዝረኸበት ካብ ቀረጽ ነጻ ትካል ኮይና ተመስረተት።

ስራሓቲ ማሕበር ረድኤት (ማረምኤ) ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎ ንክሰላሰሉ ከኣ ኣዝዩ ሓገዘ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደስቲ ንግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዝምልከቱ ነናሻዕ ዝመሓየሹ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ኣገባባትን ገና ኣብ መስርሕ በብግዚኡ ዘጋጥሙ ፈተንቲን በዳህትን መድረኻት እንዳሓለፈ ዕዉታት መደባት ጀሚሩን ኣሳሊጡን ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ነዛ ገና ኣብ ዕሸል ደረጅኣን ኣብ እግሪ ምትካላን ዘላ ማሕበር ረድኤት ንክትዓብን ብዓለም-ለኻዊ ማሕበረ-ሰብ ኣፍልጦ ኪረክብን ክንሰርሓሉን ዝጸናሕና።

እዛ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዋ ማሕበር’ዚኣ፡ በ’ታ ቀንዲ ቤት-ጽሕፈታን ናይ ምምሕዳር ማእከላታን ኣብ ሽወደን ስቶኮሆልም ዝዀነ “ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ ስካንድናቭያ” ብእትህቦ ሕጋዊ ደገፍ መሰረት እናተንቀሳቐሰት በተን ኩለን ኣሓት ትካላት ድማ ምስ’ዛ ማሕበር’ዚኣ ብምትሕብባር እየን በብዓይነቱ ደገፈን ከበርክታ ዝጸንሓን ዘለዋን። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ከኣ ነተን በብዘለውኦ ሃገራት ነናተን ኣብያት ጽሕፈትን ሕጋዊ ተቀባልነትን ነናተን ርእሰ-ናጽነትን ዘለወን ትካላት ዘማእክል ቦርድ ዳይረክቶራት ንምቛም ኣድላይነቱ ስለ ዝተራእየ መስራቲ ጉባኤ ተኻየደ። ነቲ ብምትሕብባር ዝካየድ ቀጻሊ ስርሓት ብዘጠናኽርን ኣማእኪሉ ብዘስርሕን መንገዲ ንክኸውን እዩ’ቲ መሰረታዊ ዕላምኡ።

ናይ ደገፍ ስርሓት ካብ 1984 ኣትሒዙ ይካየድ እኳ እንተነበረ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ስም ‘ማሕበር ረድኤትን ምዕባለ ኤርትራ’ ብምጥርናፍ ካብ 2006 ዓ/ም ፈረንጂ ጀሚራ ከይተሓለለት ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ-ሓረሽን ማይ-ዓይንን ሽመልባን ድሒሩ ከኣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ፡ ዓቕማ ዘፍቅዶ ናይ ማተሪያልን ሞራልን ገንዘባውን ሓገዝ ክትህብ ከም ዝጸንሐትን ዘላን ዝፍለጥ እዩ።

ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት 4 - 5 ዓመታት ትሕዝቶን ዓቕምን ማረምኤ ኣዝዩ ትሑትን ዉሱንን ስለ ዝነበረ፡ ናብ ኩለን ናይ ስደተኛታት ቦታታት ክትበጽሕ ትኽእል ኣይነበረትን። ብተወሳኺ ድማ ካብ ገለ ስደተኛታት ጸገም የጋጥማ ብምንባሩ ንኡስ ዕንቅፋታት የጓንፋ ነበረ። እዚ ጸገም እዚ፡ ገና መሊኡ ዘይተፈትሐን ዉንዙፍን ዘሎ ይኹን’ምበር፡ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ በዓል መዚ ስደተኛታት ብዝህቦ ዝነበረ ናይ’ቲ እዋና’ቲ ጸብጻብ መሰረት፡ ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ህግደፍ ዝኣክል፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ንስደት ዘምርሐ መዓልታዊ ብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ምንባሩ፡ ንማረምኤ ኩሉ ግዜ ረዲኤት ንተዘናበልቲ ዓብይን ክፍታሕ ዘለዎን ብምንባሩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

እቶም ማረምኤ ንምፍታሕ እትጋደሎም ዝነበሩን ዘለዉን ብድሆታት ከምዞም ዝሰዕቡ ይርከብዎም!!!

  1. ንብዝሒ ሰደተኛታት ከዕግብ ዘይክእል ናይ ዝዕደል ረዲኤት ሕጽረት!!
  2. ልዕል ኢሉ ከም ዝተተንብሀ፡ ኣብ ስርሓት ማረምኤ እምነት ዘየንበሩ ባእታታት ዘስዕብዎ ዝነበሩ ዕንቅፋታት!!
  3. ምስ ማረምኤ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ውሽጢ እቶም ስደታኛታት ንገዛእ ርእሶም’ውን ከይተረፈ ምትእምማን ብዘይምንባሩ!!
  4. ወጻኢ ካብ መዓስከራት ብዛዕባ ማረምኤ ብዝተፋላለዩ ኤርትራውያን ባእታታት ጉጉይ ሓበሬታታት ይፍኖ ብምንባሩ!!
  5. ነቲ “ነዊሕ ኢድ ህግድፍ” ዝብል መፈራርሒ ዘይምስዓሮምን ብኡ ብምድሃሎምን!!
  6. ኣብ’ቲ መጀመርታ እዋናት ናብ ስደተኛታት ንምብጻሕ ብርኡይ ጸጥታዊ ምኽንያታት ፍቓድ ንምርካብ ቀሊል ብዘይምንባሩ፡ (ምኽንያቱ ስደተኛታት ተመሲሎም ልኡኻት ሰለይቲ ይመጹ ብምንባሮም)!!

ነዞም ግድላት እዚ’ቶም ብሓጺር ግዜ ንምሽናፎም ቀሊል ኣይነበረን፡ ነዊሕ ዓመታት’ዩ  ወሲዱ።  ኣብ ሞንጎ ማረምኤን ስደተኛታትን ጥጡሕ ሃዋሁው ንክህሉ፡ ናይ ተቐባልነትን ምርድዳእን ምትእምማንን ምትሕብባርን ከማዕብል ዘኽእል፡ ማረምኤ ንመዓልታዊ ጸገም ስደተኛታት ንምቅላል ብዓቕማ ክትረድእ ዝመጸት ካብ ዝዀነ መንግስታዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ነጻ ዝዀነ ኣብ ሰብኣዊ ርህራሄ ዝተመርኰሰት ምዃና ሰባት ምእንቲ ክርድኡ ምግባር፡ ንዝብል ህሉው ኩውንነት ብምርዳእ፡ ኣባላት ማረምኤ ከይሰልከዩ፡ ብዝናኣድ ትዕግስትን ተጸማምነትን ንዓመታት ዕቱብ መደባቶም ኣካይዶም እያቶም። ብዝምድናዊ ኣዛራርባ ዝነበሮም ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ፈቲሖም፡ እቲ ጸገም ንታሪኽ ክሓልፍ ኰይኑ እዩ። ብደረጃ ውልቀ ሰባትን፡ ዉሱን ቁጽርን፡ ንመላእ ስደተኛታትን፣ ሰፊሕ ኣስቶምህሮን ምኽርን፡ ብሰሚናራትን መልክዕን ብኻልእ ኣገባብን ብምሃብ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕሪ ተቐባልነትን እምነትን ክርከብ ተኻኢሉ።

ዝተፋላለዩ ድሕረ ባይታን ማሕበራዊ-ምዕባሌን ዘለዎም ስደተኛታት እዮም ዘለዉ፥ ንሶም ከኣ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሕብርተሰባዊ ቀጸላታት ዝመጹ ኣረጋውያን፡ ደቀኣንስትዮን፡ መንእሰያትን፡ ብዘይ ወለዶም ይኹን ብዘይ ኣላዪ ዝተሰዱ ትሕተ ዕድመ ቆልዑትን፡ ኣብ ውሽጦም ድማ ስንኩላን፡ ሕሙማት ኣእምሮን፡ ሽኮርያን፡ ኤችኣይቪን ወዘተ. ይርከብዎም። ማረምኤ ዓቕማ ብዘፍቅዶ ትማልን ሎምን ትሕግዞም እያ። ንኣብነት: ናይ ኣዒንትን ኣስናንን ካልእን ሕክምናዊ ኣገልግሎት! ካብ’ቲ መሰረታዊ መምርሒ ማረምኤ፡ ምዕባለን ነብሰ-ምኽኣልን ስለ ዝዀነ ድማ ነብሶም ንኽኽእሉ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደጋጊማ ንማሕበራቶም ንኣሽቱ ንግዲ ተኺሎም ንመማዕበሊ ዝኸውን ኣበርኪታትሎም ኢያ።

ብተወሳኺ መደባታ ንምስፋሕ፡ ማለት ካብ ረዲኤት ናብ ምዕባለ ንምስግጋር፡ ማረምኤ ኣብ መደባታ ብዉዕዉዕ ዝሳተፉ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝልግሱ ዝተፋላለዩ መሓዙትን ተሻረኽትን ከም ዝሕግዝዋ ክትገብር ክኢላ ኢያ። ገለ ካብቶም ክጥቀስ ዝፈቐዱ ናይ ነዊሕን ዕቱባትን መሓዙትን መሳርሕትን ከም ንኣብነት ካብ ኣመሪካ ስታር ፎር አ ስታር፡ ኣመሪካውያን ሓካይም ስኒ፡ ኣደ ኬር ዝበሃላ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር ካብ ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝመደበሮም ፒስ ኤንድ ራይት ዝተባህሉ መሃንድሳት፡ ዩናይተድ 4 ኤርትራ፡ ከም’ኡውን ዓለምለኻዊ ናይ ፓል-ቶክ ተስተፍቲ ስመር ሩም ቁጽሪ 1 ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ወዘተ. ።

ናይ ቀረባን ርሑቕን ዓላማ ማረምኤ ኣብ ረዲኤት ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነስ ቀንዲ መጻኢ መዳባት መንእሰያት ብኸመይ ናብሮኦም ክመርሑን ተጸበይቲ ረዲኤት ከይኮኑን ብዝተፋላለየ ሞያ በብደረጀኦም ክስልጡኑን ክመሃሩን ምግባር’ውን እዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ዝካየድ ናይ ረዲኤት ስራሓት ማረምኤ ኣብ ክኒንን ቅኒቶን ጽሩይ ማይ ንምርካብ ብዘመናዊ ኣገባብ ምዅዓት ዔላታትን፡ ምስራሕ መባኣታዊ ቤት ትምህርታት ክስራሕን ዘድልዮ ብምቕራብን፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 120 ተማሃሮ ክጽሕፉን ከንብቡን በቒዖም፡ እዮም። እቲ ናይ ኣዒንትን ኣስናንን ካልእን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምርካቦምን፡ ናይ ጹሩይ ማይ ምስታይን፡ ኣብ ዓዶም ቤት ትምህርቲ ምህላውን ኣብ ታሪኾም ንፈለማ ግዜ ብማረምኤ ተደጊፉ ጉልበቶም ተሓዊስዎ ኪስራሕ ዝረኣዩዎ ምዃኑ እዩ።

ኣብ’ተን ዓድታት ምህናጽ ኣብያተ ትምህርታትን ብዘመናዊ ኣገባብ ምዅዓት ዔላታትን፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን፡ ከምኡ’ውን በብማሕበራቶም ንዝተደራጀዉ ስደተኛታት ድማ ንመትከል እግሪ ዝኾኑ መበራትዒን ምሕጋዝን፡ ንገለ ብስነ ኣእምሮ ዝተጠቕዑን ዝሰንከሉን ኤርትራውያን ሓገዝ ዘከበርክታ፣ ምስ’ተን ድሮ መሳርሕቲ ኰይነን ዝጸንሓ በብዞባታተንን ከባቢታተንን ዘለዋ፡ ኣብ ስካናዲናቭያን፡ ማእከል ኤውሮጳን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ቀጥታ ህላዌአን ዘመስከራ፡ ሓደ ዝማእከለን ዝጠበቐን ኣሰራርሓ ኪህነጽ ኣብ ምርድዳእ ተበጽሐ።

ካብ’ዚ ነቒሉ ድማ እዘን ተልእኮታተን ብግቡእ ከሰላስላ ዝጸንሓ፡ ተመሳሳሊ ዕላማታት ዝኽተላ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕደን ጽኑዕ ምትሕብባር ዝጸንሐን፡ በብዘለውኦ መንግስታት ሕጋዊ ተፈላጥነት  ዘለወን ኣሓት ማሕበራት እዚኣተንን ነተን ብሕጂ ኣብ ካናዳን ኣወስትራልያን ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወዘተ. ክምስረታ ዝሕሰባ ዘለዋ እውን ዝሕውስ ሓደ ንዅላተን ኣጣሚሩ ዝኣሊ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ዝቖመ ምምሕዳር ዓለም-ለኽዊ ቦርድ ዳይረክቶራት ክቕጽል ንኣሰናዳዊት ሽማግለ ንቀዳይ ጉባኤ ዓለም-ለኻዊ ማሕ ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ዝሰመያኣ ኣካል ሓላፍነት ኣሸከማ።

ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብከበድቲ ብድሆታት፡ ናይ ኮሮናን ቀጺሉውን ናይ ከባብያዊ ሽግራትን ስራሓ ክትዓናቐፍን ክናዋሕን ይኹን እምበር፡ ብጽዑቕ ናይ ማዕዶ-ማዕዶ (ዙም) ኣኼባታት ብምክያድ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ብ18 መስከረም፡ 2021 ዕዉት ቀዳማይ ጉባኤ ዓለም-ለኻዊ ቦርድ ዳረክተራት ማሕ ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ተቓኒዑ። ጉባኤ ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ተመያይጥሉ። ብምሉእ ዕግበትን ስምምዕን ድማ ተዛዚሙ።

  • ናይ ስምምዕን መሳርሕን ሰነድ ማረምኤ ብምሉእ ድምጺ ጉባኤኛታት ጸዲቑ።
  • ቅርጻ ዓለም-ለኻዊ ቦርድ ዳረክተራት ማረምኤ ብናይ ጉባኤኛታት ምሉእ ድምጺ ጸዲቑ።
  • ጉባኤ 15 ኣባላት ዓለም-ለኻዊ ቦርድ ዳረክተራት፡ 2 ተጠባበቕትን፡ 2 ትቖጻጸርትን መሪጹ።
  • ዓለም-ለኻዊ ቦርድ ዳረክተራት፡ ካብ ውሽጡ 5 ኣባላት ፈጻሚ ኮሚተ መሪጹ።

ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ

18 መስከረም፡  2021