ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ።

ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።

ምኽንያቱ ውልደት ኤርትራዊ ሃገርነት ብግቡእ ምፍላጥን ምቕባልን ፖለቲካዊ ሚዛን ገዛእ ርእስኻ ብምስትኽኻል፡ ተካኢ ወለዶ ዝተዛበዐ ታሪኽ ከይሕዝ ይሕግዝ። ኣብ’ቲ ዝተናወሓ ጸረ-ሰንሰላታዊ መግዛእታውያን ስርዓታት ዝተራእያ እምቢታ፡ ዝተኻየደ ውዱብ ቃልሲ፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝማዕበለ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ኣብ መወዳእታ  ንጠቕምን መሰል ህዝቢ ዘቐድም፡ ንህዝቢ ዝፈርሕን ዘኽብርን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘለዎ ቀላሲ መሪሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምፍጣሩ ዘሎ ሃጓፍ ከይዘንጋዕና፡ ግን ከኣ ናብ ሓደ ነጥበ መቐይሮ ዘሰጋገረ ሓባራዊ ታሪኽና ምዃኑ ክንርዳእ  ይሕግዘና።

እቲ ካብ መጀመሪያ 1940ታት ክሳብ 1993 ዝተኻየደ ዘሕዝንን ዘሕብንን ታሪኽ ዝሓቖፈ ተመክሮ ኣብ መወዳእታ እታይ ወሊዱ፡ ልኡላውነት ህዝቢ’ዶ ወይስ ዘቤታዊ መግዛእቲ? ደሞክራስያዊ ሃገርነት’ዶ ውልቀ ሰባዊ ኣምልኾ?  ዝሓለፉ ግዳማውያን ገዛእቲ ዝፈጸምዎ ግፍዓዊ ተግባራት ዘረስዕ፡ ንመሰልና ንሃገራዊ መንነትና እንቋዕ ተቓለስና መስዋእቲ ከፈልና እንብለሉ ሓቀኛ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ’ዶ ወይስ ከም ዜጋ ዝርከብ ደሞክራስያዊ መሰላት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ሰብኣዊ ነጻነት ዝገፍፍ ዘስካሕክሕ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ገበናት፡ ብጽሞና ምምዛን የድሊ። ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ንምስትኽኻል ከኣ፡ መጀመሪያ ፖለቲካዊ ንቕሓትካ ምዕባይ፡ ነብስኻ ብምፍታሽ፡ መርገጽካ ምንጻር ዘይስገር ዛዕባ ክኸውን ይግባእ።  መዓስ ሎሚ።  ስለምንታይ?  ብዓይኒ ዝረአ ብጭቡጥ መርተዖ ዝተደገፈ ከም ጥሙር ህዝብን ሃገራዊ ልኡላውነትን ህልውናን ቀጻልነትናን ኣብ ኣሰካፊ ሓደጋ ምብትታን ስለ ዝርከብ።

ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ገምገም ገደል ከም ዘለና፡ ስለምንታይ ኣብ ከም’ዚ ወዲቕና፡ ብግቡእ እንተዘይገምጊምና፡ መን ጠንቂ ብንቕሓት እንተዘይፈሊጥና፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ፡ ኣብ ዙርያ ዝተነጸ ብሓባር ከቃልስ ዘኽእል ፖለቲካዊ መትከላት፡ ፍልጠትና፣ ጉልበትና፣ ገንዘብና፣ ግዜና ኣወሃሂድና እንተዘይወፊርና ቅድሚና ሓደጋ’ዩ። ፖለቲካዊ ሩሕ ዘለና መሲሉና ከም’ቲ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝረኸብናዮ ወርቃዊ ዕድላት እንተሓሽሽናዮ፡ ውጽኢቱ ተጣዒስካ ዘይምለስ ርኡይ ነብሰ ቅትለት’ዩ። ስለዚ “ውሕጅ እንዳሰሓቕካ ይወስድ” ከም ዝበሃል “ሃገር” ዝብል ቃል ልዕሊ ክብረትን ህይወትን ወዲ-ሰብ ሰሪዑ ዝንዛሕ ዘሎ ተራ ፕሮፖጋንዳዊ ዑብታ፡ ናበይ ይወስደና ኣሎ ብግቡእ ክንርዳእ ኣለና።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ’ቲ ዝመጻእናሉ ዘገምታዊ ጉዕዞን ናይ ኣረኣእያ ጣሕመሽመሽን ወጺእና፡ ጎደና ዓወትን ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ለውጥን ክንጅምር እንተደኣ ኮይና፡ ካብ’ቶም ብዙሓት ረቛሒታት ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ነጥብታት ብኣንክሮ ክንሪኦምን ኣብ ባይታ ብተግባር ክንሰርሓሎምን ኣለና።

  1. ሃገር፣ ምኽባር ልኡላዊ መሬት፣ ስውኣት፣ ወያነ፣ ኣመሪካ ዝብል ጸላኢ ሓቂ ብምዝባዕ መደንዘዚ ኣእምሮ የወሃት ዝጥቀመሉ ዘሎ ቃላት ብግቡእ ብምግንዛብ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዝርከብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ ውድቀትን ተነጽሎን ዘቤታዊ ምዃኑ ምቕባል። ሃገረ ኤርትራ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ሃገር ‘ምበር፡ ዓባይ ድኳን ናይ ሓደ ሰብን ኣምለኽቱን ስለዘይኮነት፡ ጉዳይ ሃገርና፡ ብዓይኒናን ፖለቲካዊ መነጽርናን ‘ምበር፡ ብዓይኒን ፖለቲካዊ መነጽርን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘይምርኣይ። ሃገር ዝብል ኣምር ልዕሊ ህልውናን ክብረትን ኤርትራዊ ሰብ ኣብ ኣእምሮና ቦታ ክሕዝ ዘይምፍቃድ። ብቐዳምነት ንኤርትራዊ ሃገርነት ብሓይልን ብሕግን ክውን ዝገበረ ኤርትራዊ ሰብ ይከበር። ብዓመጽ ኣይተኣሰር፣ ኣይፈናቐል፣ ኣይሰደድ፣ ኣይድከ፣ ኣይቀተል፣ ኣብ መሬቱ ተኣማሚኑ ይርገጽ፣  ከይተሸቑረረ ይንቀሳቐስ፣ ይመሃር ይመራመር፣  ሃብቲ የጥሪ ይውንን፣ ከይተሰከፈ ሓሳቡ ይግለጽ፣ መራሕቱ ይምረጽ፡ የደይብ፡ የውርድ፡ ይቆጻጸር፡  ዝብል እምነትን ተግባርን ኩልና ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ይኹን።

ልኡላውነት ተኸቢሩን ክኽበር ኣለዎን ዝበሃል ብተመሳሳሊ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ምስ ዝረጋገጽ ምዃኑ ንረዳእ። ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት በተሓሳስባ፡ ብሕጊ ኮነ ብተግባር ልኡላዊ ስልጣን ህዝብታት ኤርትራ ብኣጉል ትዕቢት ክጭፍለቕ ደኣምበር ክኽበር ኣይተራእየን። ንልኡላዊ ስልጣን ህዝብታት ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ዝጨወየን ንሃገራዊ ነጻነት ናብ ባርነት ብምቕያር ኣብ ጉጅላዊ ረብሓኡ ዘውዓለን ከኣ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ‘ምበር፡ ዶብ ሰጊሩ ዝኣተወ ግዳማዊ ሓይሊ ኣይተራእየን። ኤርትራ ከም ሃገር ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ከይህልዋ፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ዘፍቅዶ ብሕጊ ዝተቐርጸን ዝቖመን ቅርጻ መንግስትን  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስትን ኣልቦ ክትከውን ዝገበረ መግዛእቲ ኢሳያስ’ዩ። ኣብ ኤርትራ  ናይ መናእሰያት ደርቂ፡ ጥሕሰት ሃማኖታዊ ነጻነትን ማሕበራዊ ክብርታትን ክድፈር ዝገበረ፡  ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዝኾነ ብንቕሓት ምግንዛብ የድሊ።

 ገዛ ከይትሰርሑ ዝተሰርሐ ከይተሐድሱ፡ ካብን ናብን ከይትንቀሳቐሱ፡ ኣነ ካብ ዝበልክኹም ወጻኢ ከይትሓስቡ ከይትሰምዑ፡ ዝኾነ ውሽጣዊ ጸገም የጋጥም ክሳብ ሕልፈተ ህይወት ተጸመሙ፡ ቀዳምነት ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ብዝብል ብልኡላውነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝጣላዕ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ደኣምበር፡ ካልእ ብዓይኒ ዝረአ ካብ ርሑቕ ኮነ ቀረባ ዝመጽአ ግዳማዊ ወራሪ ሓይሊ የለን። ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ እቶት ጭቡጥ ድርኺት ክፈጥር ዝኽእል ባህሪያዊ ማያዊ ባሕርናን  ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ቦታ ዝተደኮና ውደባትናን ንክንድዚ ዝኸውን ዓመታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ዝገበረ፡ ምንጪ ራዕድን ድኽነትን ዝኾነ ብኢሳያስ ዝምራሕ ገዛኢ ጉጅለ ምዃኑ ብግቡእ ክንርዳእ ይግባእ።

ጀጋኑ ስውኣትናን  ስድራ ቤት ስውኣትናን  ንመለዓዓሊ ናይ ጥፍኣት ኲናት፡ መእከቢ ገንዘብ፡ መትሓዚ ስምዒታውያን ናይ ፖለቲካ ግሩሃትን’ዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ። ዘይከም ሎሚ ቅድሚ 1991 ንስለ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ሃገርነትን  ህዝባዊ ሓርነትን ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታትና፡ ወትሩ ብቕኑዕ ሕልና ክዝከሩን ክኽበሩን ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ዋኒና’ዩ። ውዕለኦም ብግቡእ ተሰኒዱ መምሃሪ ወለዶታት ክኸውን ይግባእን ኣለዎን። እቲ ብሰላምን መስተርሆትን ኣብ ቤቱን ሃገሩን እፎይ ክብል ዋጋ ዝኸፈልሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ደቆምን ደቂ-ደቆምን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ክነብሩ፡ ኣብ ምኹዓት መቓብርን ምህናጽ ኣብያተ ማእሰርትን ሓመድ ድፋጭኡ ክሰትዩን እናገበረን ብስሞም እናነገደን፡ “ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና” ምጭራሕ፡ ካብ ተራ ላግጺ ወጻኢ ካልእ መልእኽቲ የብሉን።  ውዕሎ ጀጋኑና፡ ህዝቢ ብቐጥታን ብወከልቱ ኣቢሉን ኣብ ዘይተዛተየሉ ሓደ ሰብ ንዕኡ ኣብ ዘገድሶ ዕለት 20 ሰነ ዕለተ ሰማእታት ተባሂሉ ክዝከር፡ ግዝያዊ ስምዒት ብዘረሳስን መደረ፡ ግጥምታትን ጭርሖታትን ዝተወረቐ ቃላት፡ ጥዋፍን ሽምዓን ሒዝካ ኣብ ጎደናታት ወጺእካ ብምስትንታንን ምቑዛምን ኣይግለጽን። ሓቀኛ ደበስን ክብርን ጀጋኑ ደቂ-ህዝቢ ምስፋን ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም’ዩ። ምኹስኳስ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ምህናጽ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ትካላትን’ዩ። ምርግጋጽ ህዝባዊ ሃገራዊ ቁጠባዊ እቶት፡ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ በተሓሳስባ፡ ብሕግን ብተግባርን’ዩ። ኣብ ኩሉ መዳይ ልኡላውነት ህዝቢ ተኸቢሩ፡ ምስ ጎረባብትን ዓለምን ኣብ ግሉጽ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ዝምድና ፈጢርና ክንነብር ምስ እንበቅዕን’ዩ።

ስድራ-ቤት ጀጋኑ ሰማእታትና ዓቕሚ ዘለዎም ብማዕረ ምስ’ቲ ካልእ ዜጋ ብጉልበቶም፡ ብፍልጠቶም፡ ብገንዘቦም፡ ብነጻነት ዝዋስእሉ፡ ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ኣብ ጉዳይ ሃገር ናቶም ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ዘበርክትሉ ጥጡሕ ባይታ ምስ ዝረኽቡ’ዩ። ብባህሪያዊ እርጋንን ሕማምን ከፍርዩ ንዘይኽእሉን ቀረባ ጠዋሪ ንዘይብሎምን ከኣ፡ ካብ ናይ ተመጽዋትነትን ተጸባይነትን ኣሉታዊ መንፈስ ዝፈጥር ኣሰራርሓ ብዝደሓነ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽርራፍን ምጉንዳብን  ብዝተወደበ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብህዝብን መንግስትን ክሕብሐቡ ምስ ዝግበር’ዮም ካብ እህህታ ወጺኦም ብሓጎስ ክነብሩ ዝኽእሉ። እዚ ከይገበርካ ኣብ ቃሕ ዝበለካ እዋን “ዓወት ንሓፋሽ” ፡ “ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና” እናጨራሕካ ነቲ ብሉጽን ክቡርን ውዕለኦም ብወራር ወያኔን  ውዲት ኣመሪካ እናመሳመስካ ዘይትርጉሙ ክትህቦን ከተራኽሶን ኣይነፍቅድን ክበሃሎ ኣለዎ።

ሃገር፡ ልኡላውነት፡ ስውኣት ከም ተራ ናይ ሽቐጥ ኣቑሑት ዋንነት ናይ ሓደ ጠላም ጉጅለ ኣይኮነን። ስለዚ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ምስ ናይ ንግዲ መወዓውዒ ዝመሳሰል ብባዶ ቃላት ዝተኸሸነ፡ ንፈተውቲ ጸላእቲ ገይሩ ዘቕርብ መሰረት ኣልቦ ፕሮፖጋንዳ ብንቕሓት ክህረም ኣለዎ። ቀዳማይ ጸላኢና ኢሳያስን ኣምለኽቱን ‘ምበር ንሳቶም ጸላእትኹም ዝበሉና ህወሓት (ህዝቢ ትግራይ) ን ኣመሪካ ኣይኮኑን። ሃገራዊ ልኡላውነትን ህዝባዊ ልኡላውነትን ንምርግጋጽ ንቕኑዕ ህዝባዊ ፍትሓዊ ዕላማ ዝወደቑ ሰማእታትና ዝሃቡና ሕድሪ ከይተዛበዐን ከይተራኸሰን ብተግባር ክንፍጽም ኢና ዝብል ሓባራዊ ዕጥቅናን መልስናን ክኸውን ይግባእ።

  1. ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብናይ ወለዶታት ምትኽኻእ’ዩ ቀጻልነቱ ዘረጋግጽ። እዚ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዝሰርሕ ባህሪያዊ ሕጊ’ዩ። ሕብረተ-ሰብ ብናይ ወለዶታት ምትኽኻእ’ዩ ዝቕጽል ማለት ግን፡ እቲ ቀዳማይ ወለዶ ወሊዱ ይሓልፍ፡ እቲ ዳሕረዋይ ከኣ ቦትኡ ይትክእ ብዝብል ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኮነን። ታሪኽ’ውን ይወራረስ ይተኻኻእ’ዩ። ብዛዕባ ከመይነት ምዕሩይ ኣነባብራን ምሕደራን ህዝቢ፡ ካብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ድዩ ብትምህርቲ ዝተረኽበ ብሉጽ ዓቕሚታትን ተመክሮን’ውን ካብ ናብ ይሰጋገር’ዩ።

እቶም ቀዳሞት ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ዘጋጠሞም ዓንቃፊ ብደሆታት ካበይ መጺኡ? ከመይ ከ ኣልየሞ? ነቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ምሕደራን ከ  ከመይ ወኒነሞን ኣቐጺለሞን ንስለ ገበርናን ጃህራን ዘይኮነ፡ ምእንቲ ካብ ዘለናዮ ኣሰካፊ ናይ ህልውና ሓደጋ ብዓወት  ክንወጽእ፡ ብንቕሓት ብሓላፍነታዊ ርድኢት ብዝተወደበን ዝተወሃሃደን ኣገባብ ናብ’ቲ ተካኢ ወለዶ ቀሪቦም ከሰጋገርዎ ኣለዎም። ኣነ ብዙሕ ዝረኣኹ በዓል ጸጋ ዕድመ’የ፡ ኣነ ምሁር’የ፡ ኣነ ዕድመ ንእስነተይ ኣብ ገድሊ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት ዘብለኹ ዋጋ ዝኸፈልኩ’የ፡ ኣነ ትማሊ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብጉልበተይ፡ ብገንዘበይ ከምዚ ዘበርከትኩ’የ ...ወዘተ ዝብል ብግቡእ ክዕቀብን ክሰጋገርን ዘለዎ ዘሕብን ተመክሮ፡ ናይ ዕጹው ገዛ ወይ ተራ ናይ እንዳ ሻሂ ዕላል ኮይኑ ክተርፍ የብሉን። ኣብ መድረኽ ክወጽእ ኣለዎ። ኣብ ኣእምሮ ተካኢ ወለዶ ተቐሪጹ ናይ ሞራልን ብልሕን ዕጥቂ ኮይኑ ከገልግል ኣለዎን ይግባእን።

ፖለቲካ ብመስርሕ ምቅብባል ስለ ዝሓልፍን ዝምዕብልን ኣሉታዊ ተመክሮና ነዚ ይመስል፡ ኣወንታዊ ተመክሮና እዚ ይመስል፡ ጠንቂ ናይ ፖለቲካዊ ውድቀትና ካብዝን ካብዝን ይብገስ፡ መፍትሒ ጸገምና ከም’ዚ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሃናጺ ኣስተምህሮ ብዝተወደበ ኣገባብ ክሰጋገር ክስረሓሉ ይግባእ። ጉድለትካ ከይረኣኻን ከይኣረምካን ካባኻ ዝጥለብ ከየማላእካን ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ንዝረአ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዓንቀፍቀፍ ኣብ ምንቃፍን ምግምጋምን ጥራሕ ምድሃብ ግን፡ ነቲ ክመጽእ ዝድለ ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣይሕግዝን። ብርግጽ ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ መናእሰያት ዝረአ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ዘይንጹርነትን ገልበጥበጥን ኣየሰክፍን ማለት ኣይኮነን። ብወሳኒ መልክዑ ጸላኢ ሃገር፡ ምውሓስ ልኡላውነት ግዝኣት፡ ሓደራ ስውኣትና፡ ወራር ስርዓት ወያነ፡ ባርኾት ማእከል ስለያ ኣመሪካ፡ እናበለ ዝደጋገሞ መሰረት ዘይብሎ ተራ ፈጠራዊ ሓሶት ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ሃሰያ ከቢድ’ዩ። ብሓቂ ንለባማት የስክፍ’ዩ።  ግን  መጀመሪያ ናትካ ጉድለት እናገምገምካን እናኣረምካን ዝፍጠር ሓቀኛ ስኽፍታን ነቐፈታን ክኸውን ኣለዎ።

ንካልእ ክትመክር ክትገርሕ ብቐዳምነት ምስ ግጉይ ኣተሓሳስባኻ ዕርቂ፡ ምስ ዘይእርኑብ ኣሰርራሓኻ ዳግመ ምትዕርራይ ምግባር የድሊ። ዘይንጹር ፖለቲካዊ መርገጽን ዘይተገርሐ ባህርን ሒዝካ 40-50 ዓመታት ኣብ ገድሊ ስለ ዘቑጸርካ፡ ዶክተር፡ ፕሮፌሰር ስለዝተበሃልካ፡ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ስለ ዝኾንካ ጥራሕ፡ ንካልኦት ኣወንታዊ ምኽሪ ክትልግስ ክትገርሕ ምሕሳብ ኣይቅኑዕን። ሰማዒ ከኣ ኣይረክብን። ስለዚ እቲ ክእርም ዘለዎ ቀዳማይ ወለዶ መጀመርያ ካብ’ቲ ብጸላኢ ሃገር፡ ልኡላውነት፡ ስውኣትና፡ ወያነ፡ ኣመሪካ፡ እናተባህለ ዝንዛሕ ተራ ፕሮፖጋንዳ ገዛእ ርእሱ ሓራ ይኹን።   ስለምንታይ’ሲ ፍትሓዊ ርእይቶ ከይሓዝካ ፍትሒ ኣይጥለብን። ኣብ ዓይኒኻ ዘሎ በሰር ከየውጻእካ ኣብ ካልእ ዘሎ በሰር ከተውጽእ ኣይከኣልን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ከይወነንካ ደሞክራስያዊ መሰለይ ተነፊገ ኣይበሃልን።  ንጸረ-ህዝብነት፡ ንውልቀ መልኪ ዝጽየን ንልኡላውነት ህዝቢ ዘኽብር ኣተሓሳስባ ከይተዓጠቕካ፡ ኣነ ጸረ ምልኪ’የ ክትብል ንዝተጋገዩ መናእሰያት ክትእርምን ምፍታን ኣይከኣልን።

ስለዚ በተሓሳስባን ተግባርን ኣራሚ ክትከውን ገዛእ ርእስኻ ተመክሮኻ፡ ኣረኣእያኻን ኣሰራርሓን ብዘይምሕረት ገምጊምካ ምዕራይ የድሊ።  ብርእሰ ተኣማንነት ኣብ መድረኽ ውጻእ። ብሓሳብን ብተግባርን መርኣያ መሪሕ ቀላሲ ንምዃን ተዳሎ። ወስን ብተግባር ውፈር። ሓሳብካ ብመንእሰያት ክስማዕ፡ ክውነን ናብ መንእሰያት ቅረብ። ቅቡልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ውጽኢት ስልጡን ምቅብባል ስለ ዝኾነ ክትብል ድፈር። ክበሃለካ ድማ ተጻወር። ብሓሳብካ ተፈታዊ ተኣማኒ ደኣምበር ደሃሊ ኣይትኹን። ብሓሳብ ካልኦት ድማ ኣይትደሃል። ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ምሉእ ፖለቲካዊ ሰብ ንምዃን ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ወንን። ኣብ ባይታ ንምትርጓሙ ተረባረብ።  ምኽንያቱ ዝተነፍገ መሰል ብዘይ ዋጋ ብዘይመስዋእቲ ስለ ዘይርከብ።

  1. መንእሰይ ወለዶ ብግቡእ ይገንዘቦ ኣይገንዘቦ፡ ኩለንተናዊ ጾር ህዝብታት ኤርትራ ክስከም ባህሪያዊ ግዴታ ኣለዎ። ታሪኻዊ ጾር ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ዘሎን ወለዶ ተቐቢሉ ናብ’ቲ ድሕሪኡ ዝስዕብ ወለዶ ዝተመሓየሸ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝነባበር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ነገራት ብግዝያዊ ስምዒት ዘይኮነ ብብስለት ክርእን ከመዛዝንን ይብቃዕ። ኤርትራዊ መንእሰይ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝውስን ሓደጋ፡ ጠንቁ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝወለዶ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ንህዝቢ ዘኽብርን ዝፈርሕን ህዝባዊ ፖለቲካዊ መስመር ንምዕጣቕ የንብብ። ይካታዕ። ንህዝቢ ዘየኸብርን ዘይፈርሕን ፖለቲካዊ ዕንደራ እዚ ብተግባር ኮይናዮ ዘለና ስለ ዝኾነ፡ ናይ ግድን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ንቕሓት ንምውናን ብውነ ብውሳኔ ይረባረብ። ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩን ዘለውን ኣወንታዊ ልምዲ ክወስድ፡ እንተተጋግዩ ክምከር፡ ክግሰጽ፡ ብመንፈስ ሓባራዊ ዋንነትን ምቅብባልን ሓቢሩን ተኸባቢሩን ክሰርሕ ክዳሎ ኣለዎ። ኣብ ውሽጡ ባህሊ ደሞክራስያዊ ክትዕን ገምጋምን ከማዕብል፡ ፈታውን ጸላእን ከነጽር፡ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጹ ንህዝቢ ኣብ ንጹር ዕላማ ኣሰሊፉ ክቃለስን ከቃልስን  መጀመሪያ ኣብ ገዛእ  ርእሱ  ድልው ክኸውን ኣለዎ።

 ስልጣን መሰልን ረብሓን ህዝቢ ምርግጋጽ ማእከሉ ብዝገበረ፡ ካብ  ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ዝምባሌታት ዝነጽሀ፡ ስልጡን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ገዛእ ርእስኻ፡ ውድብካ፡ ሰልፍኻ፡ ምንቅስቓስካ፡ ማሕበርካ ክሰርጽ ምግባር የድሊ።  ገዛእ ርእስኻ ብሕጋውን ደሞክራስያውን ጉባኤ ዝተቐርጸን ዝተወሰነን ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ሕገ-ህንጻን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ከይጨበጥካ፡ ከምኡ’ውን ንውሳኔኻ ብሓሳብን ብተግባርን  ምእዙዝ ከይኮንካ ንካልኦት ሕጊ ኣኽብር ኣኽብሩ ኢልካ ክትወቅስ ኣይቅኑዕን። ሰማዒ የብሉን። ሰማዒ ዘይብሉ ሓሳብ ከኣ ፍረ የብሉን።  ተመክሮ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ዝነግረና ሓቂ ድማ ንሱ’ዩ። ብፍላይ ድሕሪ 2001 ብብዝሒ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ምንቅስቓሳት ርኢናን ንርኢ ኣለናን ኢና።  ኣንፈቱን ውጽኢቱን ግን ኣይግድን።  ናብ ሚዛን ፍትሒ ዝዛዘወ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ሰሪሑ ዘድምዕ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዝዓስሎ፡  ብኩለንተንኡ ዝድግፎን ሓያል ፖለቲካዊ ውድብ ዛጊት ኣይተጠርየን።

መንእሰይ ወለዶ ናቱ ኣወንታ ጥራሕ ዘይኮነ ናቱ ኣሉታ’ውን ብግቡእ ክንግዘብ ኣለዎ። ዕድመ ንእስነት ዕድመት ትምህርትን ስራሕን ደኣምበር መመክሒ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ናይ ወለዶታት ሰንሰላታዊ ምትእስሳር ብስምዒት ክስበር ኣይክእልን። ኣወንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ናይ ቅድመኻ ዝነበረ ታሪኽ ክትሰምዕ ውዴታ ዘይኮነ ግዴታ’ዩ።  ናይ ተፈጥሮ ግዴታ። ዝሰማዕካዮ ኣወንታዊ ድዩ ኣሉታዊ ታሪኽ ናይ ምምዛን ጉዳይ ናትካ ብቕዓት’ዩ ዝውስኖ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንእሰያት ብዙሕ ፖለቲካዊ ኣነፈቱ ዘይፍለጥ ዘይእርኑብ ክሳብ ንሕጊ ተፈጥሮ ዝጻረር ብሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብስነ-መጎት ሓይሊ ንነብሱ ፍሉይን ዝማዕበለን ገይሩ ዝርኢ፡ ብኣካል ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኮይኑ በተሓሳስባ ንደምበ ጸላኢ ዘገልግል ስምዒታት ስሚዕናን ዛጊት’ውን ንሰምዕ ኣለናን ኢና። ዝሓሸ ኣማራጺ ሓሳብ ከይሓዝካ ኣብ’ቲ ቃልሲ ብተግባር ኣቲኻ ከይተዋሳእካ፡ መስዋእቲ ‘ምበር ዝና ኣብዘይጠልብ መድረኽ ስልጣን ምድላይ፡ ብዕድመ ምልጋጽ፡ ናይ ኣረግቶትን መንእሰያትን ውድባት እናበልካ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ፍልልይ ክትፈጥር ምምጥጣር፡ እዚ ምስላጥ ምስ ኣበይካ ኮርነፍነፍ ምባል፡ ክሳብ “ናይ ጣዕሳ ፎርም” መሊእካ ናብ ደምበ ጸላኢ ምግዓዝ፡ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ንፍልልያትካ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ምብታን ተዓዚብና ኢና። እዚ ብትረት ክእረም ዝግባእ ግጉይ ኣረኣእያን ኣሰራርሕን’ዩ። ስለዚ መናእሰያትና መጀመርያ ብቕልጽሞም ዘይኮነ ብርእሶም ይሕሰቡ። ናይ ዝሓለፈ ጉድለቶም ኣሪሞም ምስ ኩሉ ተቐራሪቦም ንምስራሕ ነብሶም የዳልው። ኣረጊት ሓሳብ ዝበሃል ስለዘየለ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ግጉይ ኣረዳድኣ ሓራ ይውጽኡ።

  • ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ ዝውለድ። ፖለቲካዊ ድኽነት ከኣ ካብ ስእነት መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝወነኑ ብቑዓት መሪሕነትን’ዩ ዝመጽእ። እዚ ብተግባር ኣብ’ዚ ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፉ 32 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ዝተራእየ ሓቂ’ዩ። ብዝተናወሐ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ መጺእካ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ምስ ነብሰ ቅትለት ክነጻጸር ዝኽእል ፖለቲካዊ ድኽነት ምውዳቕ ንሰማዕን ንታሪኽ ኣይጥዑምን።  ሕጂ’ውን ግን “ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” ከም ዝበሃል ብሰንኪ ፖለቲካዊ ድኽነት፡ ኣተሓሳስባና መጥመሪ ተሳኢንዎ ኣብ ከቢድ ፈተነ ወዲቕና ከም ዘለና ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ተቐቢልና ንሓቀኛ ምትእርራም ድልዋት እንተደኣ ኮይና ይስገር’ዩ።

ኣብ ልኡላዊ መሬትና ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጥና ብሕግን ብተግባርን ወሰንቲ ክንከውን ደሞክራስያውያን ምሁራት ሓላፍነቶም ይዋጽኡ። ብድሕሪት ኮይኖም ዘይኮነ ቅድሚት ተሰሊፎም ደሞክራስያዊ መድረኻት እናኸፈቱ ኣብ ምጽራይ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይረባረቡ። ጸላኢ ብዝጥቀመሉ ዘሎ ንግዳዊ መወዓውዒ ዝመስል ሃገር፡ ልኡላውነት፡ ስውኣትና፡  ወራር ወያነ፡ ውዲት ኣመሪካ ...ወዘተ ዝብል ትሕዝቶ ኣልቦ ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒ ንዝጋገዩ ዜጋታት ብሃናጺ ኣተሓሳስባ ይግርሑ።  ይኣርሙ። ሓቀኛ ትርጉም ምኽባር ሃገራዊ ልኡላውነት ዘረድእ ካብ ጸረ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ናብ ሓቀኛ ህዝባውነት ደሞክራስያውነት ዘሰጋግር ናይ ባህሪ ለውጢ ዘምጽእ ዝተደኽመሉ ዝተጸንዐ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ይምሃሩ።

ገዳይም ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ’ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝርገተ ሓሳብ ናቶም ኣሉታዊ ብጽሒት ከም ዘለዎም ይእመኑ ይቀበሉ። ዝዓዘዘ ሚዛኑ ብዘይካ ጥፍኣት ኣወንታዊ ትምህርቲ ካብ ዘይርከበሉ ዝመጽእሉ  ብተራ ምትህልላኽ  ዝግለጽ ጉዕዞ 32 ዓመት ወጺኦም ኣብነት ናይ ምትእርራም ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ይኹኑ።  መናእሰያት በቲ ንሳቶም ዝወደቕሉ መንገዲ ከይብገሱ ቀሪቦም መንገዲ ህዝባዊ ዓወት ከመላኽቱ፡ ንህዝቢ ዝኣተውዎ ቃልን ካብ ሰማእታት ዝተቐበልዎ ሕድርን መሰረት ገይሮም ብግዜ የለን መንፈስ ብቀጻሊ ክምህሩ፡ ብተግባር ይበገሱ። ኩሉ ግዜ ኣረምቲ ደኣምበር፡ “ከላእ” ዝብል ዘይሓጋዚ ቃል ኣይጠቐሙ።  ምኽንያቱ እዚ ሎሚ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ዘሎ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ጣሕመሽመሽ  ብወሳኒ መልክዑ ብቐዳሞት ዝተዘርአ’ዩ።

ትካላት ሃይማኖትን ስነ-ጥበብን ኣብ ደቂ-ሰባት ዝረአ ዝርገተ ሓሳብ ኣብ ምእራም ምጽራይ ዘለዎም ኣወንታዊ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብውነን ብመደብን እንተተሳቲፎም፡ ርኡይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ምምጻእ፡ ንባህርን ተግባርን ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ምቅላዕን ምብርዓንን ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሳቶም’ውን  ከም’ቲ ካልእ ኣብ ኣረኣእያን ኣፈጻጽማን ዝነበሮምን ዘለዎምን ጉድለታት ብንቕሓት ወጊኖም ደምበኦም ፈልዮም ክረባረቡ ምትብባዕ።

 እዚ ትካላት’ዚ ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ’ዩ። ተልእኾኡ ድማ ኣብ ህዝቢ ዝረአ ጉድለታት ብምእራም፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ  ምትብባዕ’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ኩሉ ደላዪ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝጥለብ፡ ፖለቲካ ብዘይ ጸረየ ስነ-ሓሳብ፣ ብዘይ ሕድሕድ ኣፍልጦ ምውህሃብ፡ ብዘይ ምክብባር፡ ብዘይ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ መሪሕን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ውህደት፡ ትርጉም ዘለዎ ፈታሒ ጸገም ዝኾነ ቃልሲ ምክያድ ከምዘይከኣል ምርዳእ’ዩ።  ስለዚ ናይ ግድን  መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ምትግባር ዓቕሚ ዘለዎ ሓይልን ተዛሪቦም ከስምዑ ሰሪሖም ከድምዑ  ይናበቡ ይተሓባበሩ።

 

                                                           ክብሮም ከሰተ

                                        ኣባል  ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                               21 ነሓሰ 2023