ፖለቲካ ኤርትራ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ይኹን ግን ማዕረ ዕድሜኡ ይስጉም ይሰፍሕን ይምዕብልን የለን። ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ሽውላለ ክብል’ዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ኣስታት ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዕድመ ንእስነት፡ ኣካላዊ ጉድኣት፡ ናይ ህይወትን ነዋትን መስዋእቲ፡ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ተራ ሞት ኣውሪዱ ባዶ ዘትርፍ ክፉእ ውድቀት’ዩ። እዚ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቅጽበታዊ ምህማም ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ምስክር’ዩ። ንድሕነቱ ብናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ቅልጽም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተዘይተገይሩ፡ ነቲ ዝነበረ ክብርታት ኩሉ ናብ ነበረ  ዝቕይር፡ ከም ህዝቢ ህልውናና ዘስእን ዘይተለመደ ደወል መርድእ ቅድሚ ሞት’ዩ ዘስመዐና ዘሎ።

እዚ ሎሚ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ኣሰካፊ ምህማም ፖለቲካዊ ተርእዮ፡ ካበይ ይብገስ ኣገንዝቦ ምውሳድ ፍታሕ ንምርካብ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ኣብ’ቲ ጸገምን መበገሲኡን ግቡእ ኣገንዝቦ ከይሓዝካ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ምድካም ውጽኢት ኣየምጽእን። ብናይተይ ገማጋም እዚ ከም ህዝቢ ንሓልፎ ዘለና ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኣይኮነን። ማለት ምስ ውልደት ህዝባዊ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ህግደፍ፣ ምስ’ቲ ብምሉእ ወተሃደራዊ ስዕረት ዓንዳሪ ኢሳያስን ናይ ጥፍኣት ጥሪቱን ተዛዚሙ፡ ካብ ዓመጻዊ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ዝተሰጋገረን ገና መሊኡ ዘይተፈትሐን ብዶብ ዝተመኽነየ ኣብራሲ ኲናት 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ፣ ካብ’ቲ ብኢሳያስ ምማቱ ዝተሓበረና ብ1997 ጸዲቑ ዝተባህለ በይናዊ ህግደፋዊ ቅዋም፣ ኣብ 2001 ኣብ ማይ ቤት እንኮ-ሰባዊ ገዛእ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ጽገና ክተኣታቶ ዝጠልብን፡ ንውልቀ ምልክነት ኣደልዲሉ ክቕጽል ዝደልን ዝተፈጥረ ቅሉዕ ፖለቲካዊ ምንጋዕ፣ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ግልጽነትን ሕጋዊ ተሓታትነትን ዘይነበሮ ዝምድና ....ወዘተ  ንበይኑ ከም ቀንዲ ጠንቂ ዝውሰድ ኣይኮነን።

 እዚ በብመድረኹ ዝተራእየ ክስተታት ጠንቂ ምህማም ፖለቲካ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ደኣ መን’ዩ ተሓታቲ ወይ እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእልን’ዩ። ክለዓል ድማ ግቡእ’ዩ።  እዞም ኣብ ላዕሊ ተገሊጾም ዘለው ካብ ውልደት ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝተፈጸሙ ፖለቲካዊ ምንጋዓትን ገበናዊ ተግባራትን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድቀት ቀሊል ዘይኮነ ብጽሒት ከም ዘለዎም ኣየከራኸርን። እዚታት ብርግጽ ብሕግን ብሕልናን ዘሕትት ከቢድ ጉዳይ’ዩ። ግን ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ድኽመት መቐጸልታ’ምበር፡ ናይ መጀመርያን መወዳእታ ጠንቂ ውድቀት ፖለቲካ ኤርትራ ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ዘብጸሓና ደኣ እንታይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ምሉእ መልሲ ንምርካብ ‘ምበኣር ድሕሪት ተመሊስና ከም ህዝቢ ወይ ሕብረተ-ሰብ ባህሪና ፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ብስለትናን እንታይ ይመስል ርግእ ኢልና ነገራት ምምዝዛን የድሊ። ብሓቂ ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ዲና? ብሓቂ ውሽጣዊ ሓድነት ክህልወና ንደሊ ዲና? ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብትናን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብሰላማዊ ሓባራዊ ተጠቃምነትን ምክብባርን ንምንባር ዘኽእል ሰረተ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ባህሊ ጽሮትን ትዕግስትን ኣለዶ? ካብ ትርጉም ዘይብሉ ነብሰ ምክልኻል ዝደሓነ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታና ክንፍትሽ ክንግምግም ይግባእ።  ኣብ 40ታት ዝጀመረ ዘመናዊ ፖለቲካ ኣብ 1961 ዝተወለዐ ብረታዊ ቃልስን ክኒዮቲ ቅቡል ሓባራዊ ባህጊ ሃገራዊ ነጻነት፡ ንግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ዕድል ዝህብ ዝነበረ ውሽጣዊ ክፍተት፡ ከም ውጽኢቱ ዝተራእየ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ኣብ’ዚ ዝተኸስረ ናይ ቃልሲ ኒያት ዝተኸፍለ ናይ ህይወትን ነዋትን ዋጋ፡ ጠንቁ ድኽነት መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካ  ዝፈጠሮ ባዶነት’ዩ።

ስለዚ ከም ህዝቢ ኣብ ባህሪና፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትና ተጸዋርነትና ልክዕ ዝኾነ ገምጋም ከይገበረካ፡ ብመን ከማይ፡ መን ከማና ባዶ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮንካዮ መሲልካ ንምቕራብ ምፍታን ካብ ውድቀት ናብ ውድቀት ጥራሕ’ዩ ዝወስድ። ብ ውዕሎ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ተንጠልጢልካ፡ ሕጂ መፍትሒ ካብ ዝጠልብ ዘሎ ምህማም ፖለቲካ  ብኣቋራጭ ክትድሕን ምሕላን ውጽኢቱ ከንቱ ምልሕሓጽን ሞትን ጥራሕ’ዩ ዝኸውን። ካብ ንርከበሉ ፖለቲካዊ ሕማም ክንድሕን እንተደኣ ኮይና ጠንቂ ኩለ መዳያዊ ጸገምና ነለሊ። እዚ ሎሚ ብተግባር ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለንተናዊ ውድቀት፡  ድሕሪት ተመሊሱ ዝመጽኣሉ ዘይርኢ፡ ብይበሃል ኣሎ ዝምራሕ፡ ብባዶ ኣነነት ካብ ዝንየት ባህሪናን ካብ ልክዑ ንላዕሊ ዝተመጠ ምቅንጃው ገድልን ተጋዳላይን ዝዓብለሎ ፖለቲካዊ ማዕበይና ከም ዝብገስ ክንኣምን ኣለና። ኣብ’ዚ መደምደምታ’ዚ ንምብጻሕ ብስምዒት ብይበሃል ኣሎ ዘይኮነ፡ ብመጽናዕቲ ብርድኢት ብሓላፍነታዊ ስምዒት ክኸውን ይግባእ።

 ሰውራ ኤርትራ ካብ ተመክሮ እናተማህረ፡ ንህዝባዊ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ፡ ኣብ ንጽር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዝተሰረተ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን መልክዕ ውደባን እናተማጎተ ሓሳብ ምስ ተግባር እናመዛዘነ እንተዝመጽእ ነይሩ፡ ብዘይ ጥርጥር ንቕሓት ህዝቢ ምጎልበተ። ስሰዐ ጻምእ ስልጣን ውልቀ ሰባት ድማ ምተገርሐ ነይሩ። ህዝቢ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ፖሊሲታት፡ ፈታውን ጸላእን ፈላልዩ ዝመዝን ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝሰረቱ ድልዱል ዕርዲ ምተፈጥረ’ሞ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ከይወደቕና ብኣጋ ዋሕስ ምኾነና ነይሩ። ኣብ’ዚ ዝተናወሐ መስርሕ ቃልሲ፡ ኣብ ሓጹር’ቲ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሃገራዊ ሕቶ፡ ብጉልባብ ጸረ መግዛእቲ ናይ ውልቀ ሰባት ጻምእ ስልጣን ዘረጋግጽ ጸረ-ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝዓብለሎ’ዩ ክኹስኮስ ጸኒሑ። ልኡላውነት ህዝብን ግዝኣተ ሕግን ዘንግስ ህዝባዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምስፋሕን ንምዕማቕን ከም’ቲ ዝድለ ኣይተሰርሓሉን።

ዕድመ ናይ’ቲ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ካብ ምጽብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብዝነበረካ ተሳትፎ ከተጉልሕ ካብ ምሕላን ወጻኢ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ብሓፋሻ፡ ኣብ ህንጸት ተካኢ ወለዶ ድማ ብፍላይ እዚ ዝበሃል ኣወንታዊ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣይተዘርአን ኣይተሰጋገረን። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ክነብር ተፈሪድና ንርከብ። ምኽንያቱ’ሲ ከም’ቲ እንጣጢዕ ዘሪእካ ስርናይ ወይ ጣፍ ዘይሕፈስ ናይ ግድን ዝዘራእናዮ ኢና ንዓጽድ ዘለና። ኣእምሮኻ ብፖለቲካዊ ድሕረት ተደፊኑ፡ ንጨፍላቒ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እናተባባዕካን እናደገፍካን ህዝቢ ዝቖጻጸሮ ፍትሓዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ ክትረክብ ምምናይ፡ ከም እግርን ከበሮን በበይኑ ዓይነት ከንቱ ትምኒት’ዩ።

ብርግጽ ኣብ’ዚ ክፍለጥ ዘለዎ ዘይስገር ጉዳይ ኣሎ። ምዕሩይ  ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ዘነጸረ ብስትራተጂን ስልትን ዝምራሕ ህዝባዊ ንቕሓት ስለ ዝተደልየ ጥራሕ ኣብ ሓደ ረፋድ ወይ እዋን ዝውነን ዕጥቂ ዘይምዃኑ’ዩ። ግዜን ዘይርብረብ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ስራሕን ዝጠልብ’ዩ። ደረጃ ብደረጃ ብመልክዕ ስሩዕ ኣኼባታት፣ ጉባኤታት፣ ሰሚናራት፣ ፖለቲካዊ ኮርሳት፣ ጽሑፋት ብምንባብን ብምክታዕን ዝንጸርን ዝውነን ንቕሓትን ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ኣብ ኣጠቓቕማኡን ምሕደራኡን ብግቡእ እንተተመሊኹ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ምጉልባት ዘይስገር ልሉ ተራ’ዩ ዝጻወት።

ካብ ኣካላዊ ወይ ጎነጻዊ ረጽሚ ብዝደሓነ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ሓሳብ ብሓሳብ ክካትዑ እንከለው፡ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን፣ ፈታውን ጸላእን፣ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ይንጸር። ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ክመሃር ይሕግዝ። ንፖለቲካዊ ምቅርራብ ወይ ምትእምማን ጥጡሕ ባይታ የንጽፍ። ህዝቢ ድማ ካብ ይበሃል ኣሎ ዝተዛበዐ ሓበሬታን ተጎታቲ ምዃንን ይድሕን። ኣብ መድረኽ ወጺኡ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ይኾነኒ ይጠቕመኒ ንዝብሎ ኣንፈትን ውድብን ይመርጽ። ኣድላይነት ህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ትርጉሙን ብግቡእ ተረዲኡ ናተይ ዝብሎ ዝምረሓሉ ዝመሓደረሉ ቅዋም ክህልዎ ይቃለስ። ንኹሉ ነገር ብመንጽር’ቲ ባዕሉ ተኻቲዑ ዘጽደቖ ቅዋም ብምዕቃን፡ ቅዋመይ ዋሕሰይ ኢሉ ይተኣማመን። ቅዋም ብዝፈቕዶ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ብዝካየድ ህዝባዊ መረጻ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ብናይ መረጻ ካርድ ተጠቒሙ መራሕቱ ይመርጽ።  ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣብ ቅዋም ብዝሰፈረ ዓንቀጻት መሰረት ብዝሒ ድምጺ ዝረኸበ ሰብ ወይ ውድብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ይርከብ። ድምጺ ዘይረኸበ ስዕረቱ ብጸጋ ተቐቢሉ ይምራሕ። ኣብ ቀጻሊ ሃጓፋቱ ኣለልዩን ኣሪሙን ንምርጫ ይዳሎ። እዚ ዓይነት ንቕሓትን ኣካይዳን’ዩ ህይወት ህዝቢ ዘለምልም። ካብ ኲናት ወረ ኲናትን ዘውጽእ። ዘየቋርጽ መንገዲ ምዕባለ ዘጣጥሕ። ብሱልን ሕጋውን ፖለቲካዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣለና ኢልካ ክትንየት ዘድፍር። ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ብውሽጣዊ መንነትካ ክትተኣማመን ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ክትዋሳእ ዕድል ዝህብ።

ስለዚ ሰውራ ኤርትራ ካብ መድረኽ ሰላማዊ ቃልሲ ማለት መጀመሪያ 40ታት ከምኡ’ውን ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ክሳብ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ 1991 ከመይ መጺኡ? እቲ ጉዕዞ ነዊሕን ጎርብታት ዝበዝሖ ምንባሩ ኣየካትዕን።  ሕሉፋትን ህልዋትን ናይ’ቲ መድረኽ’ቲ ወለድና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነዊሕ ዓመታት ከይረብረቡ ኣብ ቃልሲ ምቕጻሎም ንውዕለኦም ዝምጥን ግቡእ ክብርን መጎስን ይግበኦም። ቀዳሞት ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዘመራስሕ ኢሉ’ውን ክድምምስ ዝህቅን ወስታ ፈጺሙ ባይታ ክረክብ የብሉን።

እንተኾነ ግን እቲ ዝወሃብ ክብርን መጎስን ዘይወዓልዎ ዘይሰርሕዎ ብባህሪኦም ዘይውክልዎ ብድኽመቶም ዝሕተትሉ፡ ክኽፈል ዘይነበሮ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ጉድለት ከም ዝነበረ፡ ዛጊት’ውን ገና የኽፍለና ከም ዘሎን ዝዘንገዐ ወይ ብሸለልታ ክሓልፍ ዝፍትን ክኸውን የብሉን። ከም’ቲ ንሕልናኦም ንሕግን ተማእዚዞም ብዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕጊ ወይ ደያኑ ዝወሃብ ብይን ጠንቅን ሳዕቤንን ዘገናዘበ ምስ ዝኸውን ፍትሓዊ ብይን ተዋሂቡ ዝበሃል፡ ፖለቲካዊ ፍርዲ’ውን ንነገራት ብጠንቅን ሳዕቤንን ባህርን ተግባርን ብምንጽጻር ምስ ዝወሃብ’ዩ ሚዛናዊ ዝኸውን። ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ገለ ወገናት፡ ካብ ዝኣተውዎ ፖለቲካዊ ድሕረት ክወጽኡ ኣብ ክንዲ ዝጽዕሩ፡ ትማሊ ብትምክሕቲ ድዩ ብጽበት ዝግለጽ ዕንቅፋት ከም ዘይነበረ፡ ዓሚቕ ንቕሓትን ንጹር ሕጋዊ ፍትሓዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከም ዝነበረ ከረድኡ፡ እዚ ሎሚ ንርከበሉ ሓደገኛ ምህማም ፖለቲካ ውጽኢቱ ምዃኑ ንዘይምቕባል ከዕገርግሩን ኣብ ተራ ጸርፊ ክኣትው ይረኣዩ።

ከም’ቲ “ኣብ እንዳ ኣምበሳ ስጋ እንተዘይተረኽበ ዓጽሚ ኣይሰኣንን” ዝበሃል ምስላ፡ ኣብ’ቲ ዝተናወሐ መስርሕ ቃልሲ ንኣወንታዊ ጎኑ ዓቒቡ ንጉድለታቱ ህዝቢ ኣሳቲፉ ዝግምጋም ዝእርም መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ እንተዝርከብ ነይሩ ኣብ’ዚ ወዲቕና’ዮ ዘለና ኣይምበጻሕናን። ዋላ ከም’ቲ ዝድለ ምሉእ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣይኹን ካብ’ዚ ንርከበሉ ዘለና ኢደ እግሩ ዘይፍለጥ፡ ሰብኣዊ ሕልናኡ ዘጥፈአ፡ ኣብ ጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ተሓጺሩ ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ዘምልኽ ዘሕፍር ፖለቲካዊ ውድቀት ዘድሕን ተጽዕኖ ፈጣሪ ህዝቢ፡ ውድብን መንግስትን ምረኽብና ነይርና።

ትማሊ ክስራሕ ዝነበሮ፡ ትማሊ ክጸፍፍ ዝነበሮ፡ ትማሊ ክንጸፍ ዝነበሮ ህዝባዊ ንቕሓት ዝዋሕሱ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመር ኣብ ሎሚ ኮይንካ እንተዝኸውን እንተዝግበር ነይሩ ምባል፡ ትርጉም ዘይብሉ ግዜ ዝሰገሮ መሊሱ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ ኢሎም ዝገልጽዎ ወገናት ከም ዘለው ኣይዘንጋዕኩን። እንተኾነ ድሕረ ባይታ ብግቡእ ከይፈላጥካ ዝፍወስ ፖለቲካዊ ሕማም ስለ ዘየለ፡ ድሕሪት ተመሊስካ ዝመጻእካሉ ምፍታሽ ኣማራጺ የብሉን።  ደቂ-ሰባት ካብ እንስሳ ዝፈልየና ካበይ መጺኣና? በየን መጺእና? ቅድሜና ዝነበሩ ሰባት እንታይ ኢሎም? እንታይ ሰሪሖም? ኣበይ ቅኑዓት ነይሮም? ኣበይከ ተጋግዮም? ካብኡ ክወሰድ ዝግባእ ትምህርቲ ንምርካብ ስለ ንጽዕር’ዩ። ምልኣት ዘለዎ ይኹን ኣይኹን ዘለናዮ መድረኽ ስለ ነንብብ ንልግሲ ተፈጥሮ ናብ ረብሓና ንምቕያር ስለ ንቃለስ’ዩ።  ብተግባር ንነብረሉ ዘለና ወድዓዊ ኩነታት ንምርዳእ፡ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ናይ ቀረባ ማእከላይ ነዊሕ ርእይቶ ወኒና ብተስፋን ኒሕን ናይ ምግባር ፍሉይ ተውህቦ ስለ ዘለና’ዩ።

እሞ ንሕና ኤርትራውያን ኣወንታን ኣሉታን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይ ቃልስና ብግቡኦ’ዶ ተረዲእና ኣለና? ብተግባር ንነብረሉ ዘለና እህህታ ዘይተፈልዮ ፖለቲካዊ ውድቀት ጠንቁ እንታይ’ዩ?  ወይ መን’ዩ?  ብግቡእ ተረዲእና ዲና ካብ ውልቀ ምልኪ ሓራ ክንወጽእ ንቃለስ ኣለና ንብል ዘለና? መጻኢና ካብ’ዚ ዘለናዮ ዝሓሸን ዝለምለመን ክኸውን ዝድርኽ ህዝባዊ ራእይ፡ ህዝባዊ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ዝተነጸረ ኣረኣእያ ዝተሰረተ ስጡም ውደባ፡ ነዚ ዝስከም ንቕሓትን ተወፋይነትን ወኒና ዲና? እዚ ፈጺሙ ዘይስገር ነብስ ወከፍና ክንምልሶ ዘለና መሰረታዊ መድረኻዊ ረቓሒ’ዩ። ነዚ ረቓሒ’ዚ ኣብ ግምት ከየእተና ካብ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ሕማምና ክንፍወስ ንሓስብ እንተለና ተጋጊና። እዚ ካብ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝረሓቐ ብስምዒት ዝጋልብ ኣካይዳ ኣየዋጽእን።

 ንኣብነት እተን መንኮርኮር ለውጢ ብምዃን መሪሕ ተራ ክጻወታ ትጽቢት ዝግበረለን ፖለቲካዊ ውድባት መብዛሕቲአን እንታይ ይደልያ ከም ዘለዋ ኣይኮነን ህዝቢ ከረደኣን ክመርሓን ንገዛእ ርእሰን ኣበይ ከመዘለዋ ብልክዕ ዝርዳኣ ኣይመስላንን። ምኽንያቱ ከም ተራ ዘይተወደበ ዜጋ ኣብ መዓልታዊ ሓበሬታ ክህውትታ ‘ምበር ብፕሮግራምን ብስትራተጅን ስልትን ክዛረባ ክምህራ ክካታዓ ኣይስመዓን። እተን ብስም በርጌስ ማሕበራት ተወዲብና ዝብላ’ውን ከከም ኩነታቱ ጥፍእ ውልዕ ዝብላ’ምበር ህላወአን ኣረጋጊጸን ካብ ኣተን ዝግበር ትጽቢት ብከምቲ ዝድለ ክፍጽማ ይረኣያ የለዋ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣንፈተ ፖለቲካ ጠፊኡና ኣብ ሰንፈላል ንነብር ኣለና። ሓሳብ ብሓሳብ ንካታዕ ንረጋረግ ዘይኮና ዘለናስ፡ ኣንጸላልይና ንዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ግምት ዘየእተወ ማሕበራዊ ቆየቋ ኢና ተጸሚድና ዘለና ክበሃል ይከኣል። ብርግጽ ግቡእና ንገብር ኣለና ንቕድሚት ንስጉም ኣለና ንጹር ራእይ ኣለና ውሽጣዊ ሓድነት ኣለና ዝብል ድምጺ ይስማዕ’ዩ። እዚ ግን ነቲ ዘሎ ድኽመት ዘርኢ ኣይኮነን። 

እሞ ካብ’ዚ ክንወጽእ እንታይ ክንገብር ኣለና? ክንገብሮ ዘለና ከም ህዝቢ ናይ ዕዳጋ ሚስጢር ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውድቀትና ብናይ ዓስረሞት ፍሽኽታ ብምሽፋን ባዕልና ናብ መቃብር ካብ ንወርድ፡ ሕሉፍና ህልዊ ኩነታትና ብግቡእ ገምጊምና ሸቶና ኣነጺርና ተቐራሪብናን ተናቢብናን ክንቃለስ ኣለና።  ወዲ ዓድና፣ ወዲ ኣውራጃና፣ ወዲ ኣሃዱና፣  ነባር መቓልስትና፣ መማህርትና፣ መተዓቢትና ..ወዘተ ዝብል ዘይመሰረታዊ መዕቀኒታት ገዲፍና፡ ኣብ ዝተነጸረ ህዝባዊ ፖለቲካዊ መስመር ንምዕሳል ንበገስ። ማሕበራዊ ዝምድና ዘይኮነ ቅድሚት ክንሰርዕ ዘለና ዘስርሕ ዘዐውት ሓሳባት ይኹን።  ፖለቲካ ሓሳብ’ዩ። ቃልሲ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ  ሓሳብ ንምዕዋት’ዩ። ስለዚ ምቅላስስ ንቃለስ ኣለና ሓሳብ ዲና ነቐድም ዘለና ወይስ ሰብ ገዛእ ርእስና ንፈትሽ።

 ከም ህዝቢ ካብ ኣቲናዮ ዘለና ደልሃመትን ቁዘማን ንምውጻእ ኣነ እንታይ ክገብር ኣለኒ፡ ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ?  ጉልበተይ ገንዘበይ ፍልጠተይ ኣብ ናይ መን ረብሓይ ይውዕል ኣሎ? ካብ ነብሰ ምትላል ዝደሓነ ስምዒታዊ ኣካይዳ ወጺእና  ብዓይኒ ህዝባዊ ረብሓን መሰል ንሕሰብ ንመራመር። “ብሓቂ እንተሓዚናካ ንብዓት ኣይኣብን” ከም ዝበሃል ብልቢ ምስ ነብስና ክንራኸብ ድልዋት እንተደኣ ኮይና ልኡላውነትን ረብሓን ህዝቢ ዝሰረቱ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣበይን ምስ መንን ከምዘሎ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ብዘይተነጸረ ፖለቲካዊ ኣንፈት ብጣሕመሽመሽ መሰረታዊ ለውጢ ከነምስጽእ ንሓስብ እንተለና ግን መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። ተስፋ ናይ ዝቖረጹ ቁዘማ’ዩ።  ቁጸማ ድማ ካብ ምንቁልቋልን ሞትን ኣይድሕንን። ስለዚ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ብሳላ ተባዕ ግብራዊ ተበግሶ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ስለ እንርከብ ከየምልጠና ብንቕሓትን ተወፋይነትን ኣብ ረብሓና ንምውዓል ንጠቐመሉ።

                                                   ካብ ክብሮም ከሰተ

                                         ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                          6 ጥቕምቲ 2023