መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጸገም ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እናበኣሶ መጺኡ ደኣምበር ኣብ’ዚ ቀረባ  ግዜ ዝጀመረ ኣይኮነን። ነዊሕ ሰረት ዘለዎ’ዩ። ካብ’ቶም  ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ መጀመሪያ 40ታት ዘመናዊ ፖለቲካዊ  ከተኣታትው ዝጀመሩ ሰልፍታት’ዩ ፈሊሙ። ኣብ ፖለቲካ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ምኽሳቱ ብኣሉታ ዝግለጽ ኣይኮነን። እቲ ፍልልይ  ካብ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዝብገስ ድዩ ወይስ ናብ ሃይማኖታውን ከባቢያውን ስምዒታት ዝዘንበለ ድሑር ናይ ስልጣን መን በሓተ ውልቃውን ጉጅላውን ውድድር ዝብል ግን ክረአ ዝግበኦ ወሳኒ ሕቶ’ዩ። ነቲ ፍልልይ ንምፍታሕ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ ከ ፖለቲካዊ መልክዕ ዶ ነይርዎ ወይስ ማሕበራዊ ሽምግልና? ኣብ መወዳእታ ዘመዝገብዎ ውጽኢት ከ ...ወዘተ ሓድሽ ወለዶ ትምህርቲ ብዝረኽበሉ ኣገባብ እንተዝረአ።

ፍትሓዊ ናይ ነጻነት ሕቶና ብሰላማዊ ኣገባብ ምጅማሩ ቅኑዕን ቅቡልን’ዩ። ብሰለማዊ ፖለቲካዊ መልክዕ መልሲ ምስተነፍገ፡ ተገዲዱ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስግጋሩ’ውን ከምኡ ዘየጣዕስ ቅኑዕ ውሳኔ’ዩ። ሰለማዊ ኣገባብ ቃልሲ ብንሕና ንበዝሕ ድሑር ትዕቢታዊ እምቢታ ሰማዒ ምስ ሰኣነ፡ ብረታዊ ቃልሲ ምጅማሩ ኣማራጺ ዘይነበሮ እንኮ መረጋገጺ ህዝባዊ ሕቶ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ብስለትን ትብዓትን የመልክት። ይኹን ‘ምበር እቲ ኣብ ግዳማዊ መግዛእትን ኣገጣጥማኡን ዝተራእየ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ ትኹረት ክወሃቦ ዝነበሮ ምፍታሕ ውሽጣዊ ካልኣዊ ፍልልይን ምርግጋጽ ሓድነትን ክትግበር ኣይተራእየን። እቲ ብ1961 ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ 20 ዓመት ሰላማዊ ቃልሲ  ብግቡእ ስለ ዘይተማህረ ነቲ ጉድለታት ብዝኸፍአ መልክዑ ክደግሞ’ዩ ተራእዩ።

ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ክምልስ ዝተወለዐ ብረታዊ ቃልሲ ደሞክራስያዊ መርሖን ደሞክራስያዊ መሪሕነትን ስኢኑ፡ ብቕሉዕን ብስውርን ሃማኖታውን ከባቢያውን መልክዕ ሒዙ ክራጋሕ ጀሚሩ። ነቲ ቀንዲ ዘውፈሮ ዛዕባ ንጎኒ ገዲፉ መን ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ ኣብ ምቅድዳም ኣትዩ። ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ዝተራእየ ዘይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ፣ ዘይ ህዝባውን ዘይ ደሞክራስያውን ካባ ሃገራዊ ነጻነት ዝተጎልበበ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ድሕረትን ሰብኣውነት ዝጎደሎ ጭካኔን ጽዑቕ መግለጺ’ዩ። ብሰንኩ ዘጋጠመ ሰብኣዊ፡ ሞራላዊ ኮነ ነዋታዊ ዕንወት’ውን ከምኡ።  እዚ ባህሪ ፖለቲካ ኤርትራ፡ መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራን እንታይ ከም ዝመስል ብኽፉት ኣእምሮ ክርዳእ ንዝደሊ ሰብ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ።

ሰውራ ኤርትራ ካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስግጋሩ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ዝላ ዘርኣየ’ዩ ዝመስል። ብዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ገምጋም እንተዝፍተሽ ግን እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን።  ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን  ኣወዳድባን ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ መለሳ ቆሎ ጥጥቖ ዓይነት ፍልልይ’ዩ ነይርዎ። እቲ ድሑር ምትህልላኽ፡ ኣብ መድረኽ ሰላማዊ ቃልሲ ገዛኢ ነይሩ። ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ’ውን ገዛኢ ኣተሓሳስባ ኮይኑ’ዩ ቀጺሉ።

ብዘይ ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ኣብ ባሕሪ ድሕረት ጥሒሎም ዝራግሑ ዝነበሩ መራሕቲ ተሓኤን ህግሓኤን ግዜ ንምሽማት ድዩ ብባዕላውን ወድዓውን ተጽዕኖ ናይ ምሕዝነትን ሓድነት ቃና ዘለዎ ድምጺ የስምዑ ነይሮም። ኣብ ክስቶ ዋዕላ ኣካይድና፡ ኣብ ክስቶ ቀዳማይ ዙር ዘተ፡ ኣብ ክስቶ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣካይዳና ...ዝብል ልሙድ መግለጺታት የስምዑ ነይሮም። ኣብ’ቲ ከም ፖለቲካዊ ውድባት ዘግልጾም ኣለና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ መሰረት ዝገበረ ብዘይምንባሩ ግን ቁም-ነገር ከምጽእ ኣይተራእየን።

መሰረታት ማለት ታሕተዎት ተዋጋእቲ ሰራዊትን ሓፋሽ ውድባትን ንዕርቂ ይደፍኡ ከም ዝነበሩ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ’ውን ንውግእ ሕድሕድ ይኹንን ሓዲኹም የማናይ ዓይኒና ሓዲኹም ጸጋማይ ዓይኒና ኩልኹም ደቅና ይብል ነይሩ። ብንጹህ ሕልናን ንስለ ህዝባዊ ሕቶ ክብሉ ህይወቶም ክኸፍሉ ዝወፈሩ ታሕተዎት ተጋደልትን ብኹለንተንኡ በዓል ቤት ናይ’ቲ ሕቶ ዝኾነ ህዝብን ካብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ወጻኢ ዝምነይዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ስለ ዘይብሎም ከምኡ ክብሉ ኣብ ቦትኡ’ዩ። ኣብዘይ ቦታኡ ዝኸውን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ንዝተፈጥረ ግርጭት ኣብ ክንዲ ብዝምርሕሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራም መን እንታይ ባህሪኡ?  ኣበዩ እቲ ዘሰሓሕብ? ንህዝቢ ዝጠቅም ድዩ ዝጎድእ ብግቡእ ከይመዘኑን ከይተረድኡን ከምኡ ምባሎም’ዩ። እቲ ህይወት ሰብ ዝበልዕ ድሑር ናይ ስልጣን ውድድር ገለ ብጉርሒ ገለ ብገርሂ ኣፍኲሶም ምርኣዮም፡ ነቶም ፈጠርቲ ጸገም ፈታሕቲ ጸገም ክኾኑ ምጽዋዖምን’ዩ። እዚ ኤርትራውያን ብደረጃ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ መሰረታት ኮነ ህዝቢ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦና ገና ዘይማዕበለን ብዙሕ ዝተርፎን ምዃኑ’ዩ ዘመልክት። ምስ’ቲ ኣንጻር ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ዝምዝገብ ዝነበረ ዘሐብን መስተንክራዊ ወተሃደራዊ ጀግንነታዊ ፍጻሜታት ዘይሰማማዕ ዓሚቕ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድኽነት ምንባሩ’ዩ ዘርእየና።

ፖለቲካዊ ኣገንዝቦና ካብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ኣርሒቑ ዝጥምት ብዘይምንባሩ፡ ኤርትራ ብተግባር እነሆ መጣልዒ ውሑዳት በለጸኛታት ኮይና። ብቕኑዕ መርሖን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ዝተገርሐ ተጽዕኖ ፈጣሪ ውድብን መሪሕነትን ስለ ዘይረኸበ፡ ቅድም ክብል ዝነበረ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒታት ኣብ ክንዲ ዝተርር መመሊሱ ይልሕልሕ ኣሎ። ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ከባብያዊ፣ ዘመደይ ዘመድካ፣ መማህርተይ መተዓቢተይ፣ ኣባል ውድበይ መጋድልተይ ናብ ዝብል ድሑር ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ኣንቆልቚሉ ከም ህዝቢ ሰላም ስኢና ንሕመስ ኣለና። ሃምን ቀልብን ህዝቢ ተኸፋፊሉ። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ድኹዒ ናይ ውሑዳት ተበለጽቲ መሪሕነታዊ ኣካላት ኮይኖም። ስለዚ ከኣ ህዝቢ  ከም በል ዝተባህሎ ዝደግም፡ ግበር ዝተባህሎ  ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ዝፍጽም ተዛራቢ ኣቕሓ ተቖጺሩ ብባርነት ከገልግል ተፈሪዱ ይርከብ።

ኣብ ሎሚ ኮይና ካብ ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፍታት መጀመሪያ 40ታት  ክሳብ ምውጻእ ባዕዳውያን ገዛእቲ 1991 ዝነበረ ካልኣዊ ፍልልይ ስለምንታይ ካብ መሰረቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ፡ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ክግራሕን ክመሓደርን ኣይተኻእለን? ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ መድረኽ ሰላማዊ ቃልሲ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ጨሪሱ ዘይራኸብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ስለ ዝነበረ ድዩ? እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ውድባት ከ ብዛዕባ ክልተኣዊ ዘተ፡ ዋዕላ፡ ምሕዝነት፡ ስምረት  ብዙሕ መግለጽን መደረን ተሰሚዑ ክንሱ ስለምንታይ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ቅሂሙ፡ እቲ ጸገም ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋጊሩ፡  ድሕሪት ተመሊስካ ምግምጋም ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ምውሳድ የድሊ።

 ፖለቲካዊ ፍልልያት ክትፈትሕ ገዛእ ርእስኻ ካብ ክልተ ናይ ድሕረት ጫፋት ማለት ትምክሕትን ጽበትን ነጻ ምዃን የድሊ። ንከተምስል ዘይኮነ ብእምነት ብንቕሓት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ክትውንን ይግባእ። ካብ ፍትሓዊ መትከላዊ ኣረኣእያ ሸታሕታሕ ከይበልካ ብድፍረት ግን ከኣ ብግሉጽ ኣገባብ ንግጉይ ግጉይ ንቕኑዕ ቅኑዕ  ክትብል ብቕዓት ይሓትት። ኣብ ፖለቲካ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልይ ማለት ናይ ርሑቕን ቀረባት መደባት፣ ጠንቅን ሳዕቤንን፣  ፖሊስን ኣፈጻጽማን ....ወዘተ ብግቡእ እንተዘይተፈሊጡ ዝግበር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኩሉ ፍረ ኣልቦ’ዩ ዝኸውን።  ዝተበላሸወ ፖለቲካ ብሃታሃታ ኣይዕረን። ፖለቲካ ሓሳብ ስለ ዝኾነ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ዘረጋግጽ ቅኑዕ መስመርን መትከላዊ ጽንዓትን ይሓትት። ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ልዕልነት ስለ ዘይሓዘ’ዩ ካብ መጀመሪያ 40ታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባትን ሰፍልታትን ዝነበረ ፍልልያት ዘይተፈትሐ። ቅድሚ 1991 ካልኣዊ ፍልልይ ብዘተን ደሞክራስያዊ ኣገባብን ከይመሓደር ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይ ኤርትራውያን ውሽጣዊ ባዕላዊ ጸገም ደኣምበር፡ ተጽዕኖ ቀጥታዊ ግዳማዊ መግዛእትን ዓንገልቱን ኣይኮኑን። ሎሚ እቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ወገናት፡ ብሓባር ዘስረሓናን ዘየስረሓናን ኣነጺርና፡ ዝተበታተነ ዓቕሚታት ኣላፊና ብሓደ ኣንፈት ወፊርና ኣድማዒ ስራሕ ከይንሰርሕ ሓሊኹ ሒዙና ዘሎ ባህሪና’ዩ። ፖለቲካዊ ብልሕን ፋሽሽታዊ በትርን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣይኮነን። ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ ናብ ዓመጽን በለጽን ዝዘንበለ ኣዕናዊ ባህርን  ሃንቀውታ ሕሉፍ ድሌት ስልጣንን’ዩ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር ብዘይ ወዓል ሕደር ልኡላዊ ህዝባዊ ስልጣን ክረጋገጽ ነይርዎ። ግን ኣይተረጋገጸን።  ብኣንጻሩ እቲ ክኸውን ዘይነበሮ ኮይኑ። ልኡላዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብእንኮ-ሰባዊ  መንግስታዊ ጉጅለ ተወሲዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ  ደበ ተቓውሞ ብዓቐን ወሲኹ።  ተቓውሞኡ ንምግላጽ ዝኽተሎ ኣንፈተ ፖለቲካ፣ ውሽጣዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ኢሉ ዝገብሮ ፈተነታት ግን ካብ ምግራም ሓሊፉ ዘሕፍርን ዘቖጥዕን’ዩ። ስለምንታይ ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ፈታውን ጸላእን፣ መሰረታውን ዘይመሰረታውን፣  ጠንቕን ሳዕቤንን፣ ስትራተጂን ስልትን፣  ሓሳብን ተግባርን ...ወዘተ ፈላልዩ ዝርኢ ዝምህር ኣይኮነን።

ብሰንኪ’ቲ እንኮ-ሰባዊ ኣገዛዝኣ ዝተወልደ መሰል ዝጠልብ ውዳቤታት ኣብ ሕድሕዱ ኣፍልጦን ምክብባርን የብሉን። እቲ ዝበዝሕ ብባህሪ ደረጃ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህሪ የብሉን። መብዛሕቲኡ ንክብሪ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ቅድሚት ሰሪዑ ክዋሳእ ኣይረአን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡  በቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ባዶ ናይ ብድዐን ጸረ-ህዝብን ቋንቋ ክጥቀም ይስማዕ። ቀዳምነት ልኡላውነት ሃገር ይጭርሕ። ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ኣልዒሎም ንዝቃለሱ ዜጋታት ግቡእ ኣፍልጦን ክብርን ኣይህብን። ሃገረ ኤርትራ ንበይኑ ከም እትብጸሖ ብትሕቲ ሃገርነት ይኸስስ የቆናጽብ። ኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ንዝኾኑ እኩባት ሰብ ብረት ሕጋዊ ኣፍልጦ ይህብ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንሕና ምስ ሰራዊትና ይብል። እዚ ኩሉ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። መግለጺ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ድኽነትን’ዩ።

ፖለቲካ ኤርትራ ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ዘይዘራእካዮ ስለ ዘይትዓጽድ ግን እነሆ ዝዘራእናዮ ንዓጽድ ኣለና።  ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕሉፍ ጉድለታትን ካብ ካልኦት ዕውታት ተመክሮታትን ኣብ ክንዲ ንመሃር ኣብ ጋም ማን ንነብር ኣለና።  መብዛሕቲኡ እቲ ውድባት ፖለቲካ መርገጹ ዘይንጹር  ናተይ ንዝብሎ ሕጊ ተማእዚዙ ዘይኸይድ፡ ሕድሕዱ እናተመናጨተ ኣብ ሰንፈላል ይነብር ኣሎ።  እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቑ ካብ ቤቱ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ሓራ ክወጽእ ናይ ሰላም ኣየር ከስተንፍስ ንስደት ይቀዳደም ኣሎ። ወድኹም ወይ ጓልኩም ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራሊያ ስለ ዝኣተወ/ዝኣተወት እንቋዕ ሓጎሰኩም ሓጎሰና ክበሃሃል ንሰምዕ ኣለና። ኣዳራሻትን ገበላን ኤርትራውያን ርሑስ ጋማ ዝብል ድምጺ ዕልልታ፡ ዝንስነስ ሰትን ዝብተን ዕምበባን ሓሪምዎ፡ ሆቴላትን ጎደናታትን ኣዲስ ኣበባን ካምባላን ብዘይ ምቁራጽ ብዓርከ መርዓዊ ኤርትራውያን ብሆታን ዕልልታን ክደምቕ ንዕዘብ ኣለና።  ኢትዮጵያውያንን ኡጋንዳውያንን ንስለቲ ምቕሉል  ኣቀባብላኦምን ኣተሓሓዛኦምን ክብርን ምስገናን ይግበኦም። እንተ ንለባማት ኤርትራውያን ግን ኣእምሮ ዘናውጽ ከቢድ ሕማም’ዩ።

ካብ’ዚ ውድቀት’ዚ ኣይንትስእን ኣኺሉና ፈሽልና ኢና ማለት ግን ኣይኮነን። ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክንረዳዳእ ፍቓደኛታት እንተደኣ ኮይና፡ ነዚ ገጢሙና ዘሎ ዝርገተ ፖለቲካ ኣሪምና ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ክንምለስ ንኽእል ኢና። ቀሊል’ዩ ማለት ድማ ኣይኮነን። ብምክብባር ‘ምበር ብምንጽጻግ ኣይብዳህን። ብብሩህ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ‘ምበር ብሰናይ ትምኒት ብስምዒት ብማሕበራዊ ሽማግልና ኣይልወጥን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ብዙሓት ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንቃልስ ዝብሉ ተበግሶታት ተራእዮም’ዮም። ትርጉም ዘለዎ ናይ ሓባር መቃለሲ ግንባራት ኮይኖም ክርከቡ ግን ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ተመስሪቶም ዝተባህሉ ግንባራት ኣብ ሓጺር ግዜ ተፈናጭሎም፡ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ዘይብሉ ክራብሑ’ዩ ህዝቢ ክዕዘብ ጸኒሑን ዘሎን። እቶም ግንባራት ይኹኑ ውድባት ስለምንታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ይሰባበሩ፡ መሊሶም ፈጠርቲ ሽግር ይኾኑ ኣለው ብግቡእ ብግልጺ መልሲ ክረክብ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። መልሱ ሰባት ‘ምበር ሓሳባት ቅድሚት ሰሪዖም ስለ ዘይብገሱ’ዩ።  ኣብ ሓሳብ ከይተሰማምዑ ብኣካል ይተኣኻኸቡ’ሞ፡ ኣካል ብዝኾነ ኣጋጣሚ  ይራጸም  ገራሒ ሓሳብ ስለ ዘይብሉ  ክበታተን ይግደድ።

ካብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ዝርገተ ሓሳብ ወጺእና ወነንቲ ፖለቲካዊ ስልጣና ክንከውን ‘ምበኣር ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ሰልፍታት ብኣካላዊ ግዝፊ (ዓንቐናዊ ብልጫ) ዘይኮነ ሓሳበን ብሓሳብ ክፍተሽ ክግምገም ኣለዎ። መን እንታይ ዓይነት ውድብ ወይ ግንባር’ዩ ብዝሓዛኦ ርእይቶ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብድፍረት ክምዘና ኣለወን።  እቶም ሓቀኛ ናይ ሓባር መቃለሲ ግንባር ንምጥያስ ተበግሶ ዝወስዱ ወገናት ቀዳማይ፡ ገዛእ ርእሶም ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ርትዓውያን ክኾኑ ይግባእ። ካልኣይ ኣብ ኤርትራ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ዓፈናን ንሱ ዝወለዶ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተደዋወሰ ስምዒታት ብግቡእ ዝተገንዘቡ ክኾኑ የድሊ። ሳልሳይ ፖለቲካዊ ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ሓሳብን ተግባርን ናይ’ቶም ኣብ ግንባር ክሕቆፉ ዝደልይዎም ውድባት ፈሊጦም ክብገሱ ኣለዎም። ራብዓይ  ነዚ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብተብተብ ዘይኮነ ግዜ ወሲዱ ዝተደኽመሉ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምድላው፡ እንተተኻኢሉ ክሳብ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሰሚናር ድዩ ካልእ ናይ ዘተን ክትዕን ፖለቲካዊ መድረኻት ምውዳብ የድሊ። ኣብ’ዚ ብዝፍጠር ምትእምማን ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት  ተሓታትነት ዘለዎ ተቓሊሱ ዘቃልስ ደረጃ ብደረጃ እናዕበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ሓቀኛ  ሓባራዊ ግንባር ክፍጠር ይከኣል።

እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ግንባር ስትራተጂካዊ ክኸውን ይኽእልን ስልታዊ ክኸውን ይኽእል። ኩሉ ግን ድሕሪ ግቡእ ልዝብ ኣፍልጦን ምክብባርን ክብገስ ኣለዎን ይግባእን። ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክበሃል ውድባዊ ፕሮግራምካ፡ ስነ-ሓሳባዊ መርሆኻ፡ ኣደስክል ወይ ቅተል ዝበሃል ዘይሰርሕን ዘየስርሕን ሓሳብ ፈጺሙ ክመጽእ የብሉን። እዚ ባህርን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ውድባት መሰረት ዘይገበረ ኩነታታዊ ናይ ሃታሃታ ተበግሶ ቅድሚ 1991 ተፈቲኑ ኣይሰርሐን። ድሕሪኡ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ፍረ ኣየምጸአን። በዚ ፕሮግራምካ ኣደስክል ቅተል ተደጋጊሙ ዝተግብረ ፈተነታት ነቲ ፍልልያት ኣጋዲድዎ ‘ምበር ኣይፈትሖን። ምቖት ኣይሃቦን። ነቲ ሽግር ኣናዊሕዎ ደኣምበር መፍትሒ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ብሓቂ ፖለቲካዊ ውድባት ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም። ስትራተጂካዊ ድዩ ስልታዊ ግንባራት ከኣ በብደረጃኦም ናይ ብሓቂ ፖለቲካዊ ግንባራት ኮይኖም ተቓሊሶም ከቃልሱ ዝኽእልሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ ንምጥርናፍ  ተበግሶ ዝወስዱ ወገናት፡ ንህላዌ ውድባት ከም ውድባት ኣፍልጦ ዝህብን  ዘኽብርን ሓባራዊ ግንባራት ንምምስራት ማእከል ገይሮም ክነጥፉ ኣለዎም። ጸገምና ፖለቲካዊ ‘ምበር ማሕበራዊ ስለ ዘይኮነ ነቕርቦ መፍትሒ ሓሳባት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ኣረኣእያን ‘ምበር ማሕበራዊ ሽምግልና ክመስል የብሉን። እዚ ኣብ ፕሮግራም ውድባት ምሉእ ኣፍልጦን ክብርን ዘይብሉ ብዝተፈላለየ ባዕላዊ ድዩ ወድዓዊ ተጽዕኖታት ብንግባር ንግበር ዝግበር ምትእኽኻብ ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ ገለ ኣብነታት ንምቕራብ ይከኣል’ዩ።

ኣብ 1992 ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረቢያ በኣርባዕተ ውድባት ተመስሪቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተበታተነ ኤርትራዊ ምሕዝነትን ንሃገራዊ ቻርተር (ኤምሃቻ)፣  ኣብ1999 ኣብ ሱዳን ዝተመስረተ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ 2007 ዝተመስረተ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ኣብ2011 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ጀርመን ዝተመስረተ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ምንቅስቕስ ተዳሙ፣ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ነበርን ተሓኤ ሰ/ባይቶ ነበርን ዝተመስረተ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብወዲ ባክሮ ዝእለ ዝነበረ ብህዝባዊ ማዕበል ዝተስመየ ተበግሶ፣ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ (ግራስ ሩትስ)፣  ብሓሙሽተ ውድባት ዝተጣየሰ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፣ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፣ ምንቅስቓስ ይኣክል ...ወዘተን ካልኦት ዘይተጠቕሱን ተመስሪትና ኢሎም ደኣምበር  ፍሩይ ለውጢ ኣየመዝገቡን። ብጉልባብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብዘይ ግቡእ ኣፍልጦን ምክብባርን ብዘይንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ኣረኣእያን ኣብ መሬት ተዘሪኡ ብዘይበቁል ብተብተብ  ቅልቅል ኢሎም ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቐሃሙ ወይ ኣብ መስርሕ ምቕሃም ዝርከቡ ምትእኽኻባት ብጭቡጥ ትምህርቲ ካብ ውድቀት ክኾኑና ይግባእ።

እዞም ኩሎም ግንባራት ምንቅስቓሳት ትርጉም ዘለዎ ቁም ነገር እንተዘየምጺኦም መመሊስና ነቲ ንሳቶም ዝፈሸልሉ ምድጋም ዘይኮነ ደው ኢልና ክንሓስብን ካልእ ኣማራጺ ክንርእን ኣለና። እቲ ዘየዐወተ ምኽንያት እንታይ’ዩ ፈትሽና  ናብ ዓወት ዘብጽሕ መንገዲ ክንቅይስ ኣለና። ናይ ባህርን ትሕዝቶን ፍልልይ ዘይብሉ ናይ ቃላትን ማሕተምን ለውጢ እናገበርና ኣብ’ቲ ዝተለምደ ኣብ ኮለል ክነብር የብልናን። ካብ ግዝያዊ ስምዒት፡ ግዝያዊ ጠቕሚ፡ ንሓፍነት፡  በለጽ፡ ተጸባይነት፡  ሓራ ዝኾነ፡ ካብ ሓጹር ማሕበር መሪሕነት ድማ ዝወጸ ብምሉእ ተሳተፎ ደለይቲ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ዜጋታት እምነትን ክንክን ዝግበረሉ ናይ ሓባር ዘተ ዋዕላ ምትእኽኻብ ንምውዳብ ብሓድሽ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ክካየድ ይግባእ። ናይ ሓሳብ ንጹርነት ተሓታትነትን ፖለቲካዊ ማሕበራዊ መሰረቱ ዘይፍለጥ ምትእኽኻብ መሊሱ ናይ ቃልሲ ኒያት ዝቕትል ደኣምበር ንዝደቀሰ ዘበራብር ዘቀራርብ  ኣይኮነን’ሞ ኣይደገም። ፖለቲካዊ ጸገም ብዝሓሸ ፖለቲካዊ ኣንፈት ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ስትራተጂን ስልትን፣ ፈታውን ጸላእን፣ ኣለሊናን ኣነጺርናን ንቀራረብ ንውደብ። ኣብ ርሱን ምንቅስቓስ ዝርከብ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ካብ’ዚ ዝተጠቐሰ ውድቀታት ትምህርቲ ወሲዱ ዝጎደሎ ነገራት ኣለልዩን መሊሱን ተልእኾ ብዝለዓለን ዝጸፈፈን ንምፍጻም ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ።

                                                                           ክብሮም ከሰተ

                                                       ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                            17 ጥቅምቲ 2023