- Destabilization as Modus Operandi: Eritrea and the Sudan Conflict
- ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
- US pauses all pending green card applications from 19 'countries of concern'
- Eritreans lose their Norwegian citizenship for falsely claiming they fled from the Eritrean regime
- ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
- ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
- ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
- No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
- Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
- ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
- ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
- Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
- Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
- US State Department Report on Human Rights in Eritrea
- ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
- This African country has no mobile internet access; here’s the surprising truth behind its digital blackout
- News: Eritrean Afar National Congress says ready armed struggle from Ethiopia, opens office in Semera
- ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
We have 223 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ፖለቲካ ኤርትራ ሎሚ ንለባማት ኣብ ዘየደቅስ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ዝጠልብ ከም ጥሙር ህዝቢ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ዝውስን ኣሰካፊ መድረኽ ከም ዝርከብ ኣየከራኸርን። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዓጺፍካ ናብ ንቡርን ውሑስን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንኮ መፍትሒ፡ ንቑሕን ዝተወደበን ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ’ውን ኣየካትዕን። ካብ ሕሰምና ዘናውሕ ትምክሕታዊ፡ ጸቢብ፡ ስምዒታዊ ሃላልነት፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ዝናን ግዝያዊ ነገራዊ ጠቅምን ዝደሓነ፡ ብሓባራዊ ረብሓን መሰል ህዝብን ዝተቓነየ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ ካብ’ቶም ምሩጻት ሜላታት ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሓቂ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ወኒና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብናን ተኸባቢርናን እንተተቓሊስና እዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ንስዕሮ’ምበር ኣይስዕረናን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብምርጫና ድዩ ተለኪምና ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና “ቆልዓ ውለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት ብጣሕመሽመሽ እንተቐጺልና ግን፡ ናይ ውድቀትና ተሓተቲ ባዕልና ደኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘይናትና ምዃኑ ብኣረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ተግባሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብዘሓ ህዝቢ ከይቀበጾ፡ ባዕሉ ኣይናትኩምን ቅበጹኒ ዝብል መልእኽቲ ብተግባሩ ኣሕሊፍሉና እዩ።
Read more: ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡ ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ ኣይግባእን።
Read more: ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- Details
- Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
21 ጥሪ 2024 ብጅግና ስዉእ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝምራሕ ስርሒት ፎርቶ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ኮይኑ፡ ነቲ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምብዳህን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎኒ እቲ. ሓርነትን ፍትሕን ዘጠቓለለ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ
Read more: ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ።
- Details
- Written by: Super User

ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።
Read more: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
- ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:
- ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።
- ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ
- ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-
- ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
- ተርእዮ ዘይንቡር ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡
