21  ጥሪ 2024 ብጅግና ስዉእ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝምራሕ ስርሒት ፎርቶ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ኮይኑ፡ ነቲ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምብዳህን፡ ከምኡውን ኣብ ጎኒ እቲ. ሓርነትን ፍትሕን ዘጠቓለለ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ 

ኣብዛ ዕለት እዚኣተባዕ ጅግናወድ ዓሊን” ጀጋኑ ብጾቱን፣ ኣንጻር እቲ ብዓረርን ሓውንህዝብና ዝገዝእ ዘሎ ጃንዳ ኢሳይያስ ዝመከቱላ ታሪኻዊት መዓልቲ ኢያ ነይራ።

ኣካል ሰራዊት ኤርትራ ዝኾኑ ሃገራውያን ሓርበኛታ፣ ነቲ ክቡርን ታሪኻውን ጅግንነት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ከምኡ’ውን ኩሎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰውራናን ዘኪሮም፣ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክለዓሉን ምስ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቦም ክውግኑን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ብቐጻሊ ጽውዒት ክቕርቡ ጸኒሖም ኢዮም።

ብመስዋእቲ ጅግና ወድ ዓሊን ጀጋኑ ብጾቱን ዝተሰማዓንና ክብርን ሓበንን ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብ 2013 ኣትሒዞም፣ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ተሳቲፍኩም ብዝብል ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ገባቲ ጕጅለ ተዳጒኖም ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላታን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነጻ ንክልቀቑ ወይ ድማ ሃለዋቶም ንክፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ግቡእ ጸቕጢ ከካይዱ ኣቲርርና ንጽውዕ።

ከምኡ`ውን ንህዝብን ሃገርን ክብሉ ንህይወቶምወፈዮ  ቅሩባት ዝኾኑ ሃገራውያን ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናብ እቶን ትርጉም ኣልቦ ውግኣቱ ዝሸሞም ዘሎን፣ ንህዝቦም ንምዕፋን ከም መሳሪሒ ዝጥቀመሎም ዘሎን ኣሬሚናዊ ጉጅለ ብግቡእ ኣለሊዮም፣ ኣሰር ናይቶም ዝተሰውኡ ብጾቶም ብምስዓብ፣ንገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ይኣክል ንምባል ምስ ኩሎም ሃገራውን ሓይልታት ኣብ ሓደ መሳርዕ ብምስላፍ ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ምድሓንን፣ ሃገርና ኤርትራ ካብ ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ተላቒቓ ህዝብና ፍትሕን ማዕርነትን ረኺቡ ብስኒትን ዝነብረሉ ሃለዋት ንክሰጋገርን፣ ሃገራዊ ተራኦም ክጻወቱ ታሪኽ ይሓቶም ኣሎ።

መብዛሕቲኦም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ በቲ ኣዕናዊ መርሆ ስርዓት ህግዲፍ ዝያዳ ዝተሃሰዩ ምዃኖም ዕግበትና ስለ ዝኾነ፡ ባህግታት ህዝቦም ንናጽነትን ሓርነትን ንምርግጋጽን ሃገርና ኤርትራ ናብ ትስፉው ወጋሕታ ንምስግጋርን፣ ኣንጻር ምልኪ ክለዓሉ ተስፋ ንገብር።

ስርሒት ፎርቶ ዋላ ኩሉ ዕላማታቱ ክወቅዕ እንተዘይበቕዐ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣንጻር ጃንዳ ህግዲፍ ክዋሳእ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ንኹሉ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ሞራል ናይቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሃገራውያን ክብ ኣብ ምባልን፡  ደገፍቲ ጃንዳ ህግደፍ ዘሰንበደ ተረኽቦ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራን ዞናናን ዝሓልፎ ዘሎ ተሃዋሲ መድረኽ እናጎልሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንሃገርና ኣካል ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ዝገብር ተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንከታተል ኣለና። ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ፣ እዚ ሃላሊ ስርዓት’ዚ፣ ንዑጡቓት ሓይልታት ሱዳን ንምስልጣንን ንምምልማልን ሓሙሽተ መደበራት ኣቚሙ ምህላዉ ተፈሊጡ። ቀዳማይ መደበር ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዶብ ሱዳን ምምሕዳር ከሰላ ኣብ ዝርከብኣቕማይትዝተባህለ ቦታ ሓይልታት ምብራቓዊ ግንባር ዝርከብዎ ኮይኑ፣ ካልኣይ መዓስከር ኣብብዳጥቓ መዓስከርሳዋሓይልታት ስሙር ህዝባዊ ግንባር ዝርከብዎ፡ ሳልሳይ መዓስከር ንሓይልታት ሓርነት ምብራቕ ሱዳን፣ ራብዓይ መዓስከር ድማ ኣብለኩይብ” ጥቓ "ሓምሽኩረብ" ኮይኑ ብሸኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ዝምራሕ ሓይልታት ይርከብዎ። እንተ እቲ ኣብ ከባቢሆሚብዝርከብ ሓምሻይ መዓስከር ግን ንሓይልታት ኣቶ ምኒ ኣርኮ ሚናዊ ዝተመደበ ኢዩ። ብዘይካ ኣብ ከባቢዓላኪብኣብ ጥቓ ሱዳናዊት ከተማ ቃሩራኣሞራ ምብራቕዝበሃል ሓይልታት ዓስኪሩ ኣሎ። እዞም ሓይልታት ብኤርትራውያን መኮንናት ዝስልጥኑ ዘለዉ ምኺኖ’ውን ተፈሊጡ።

ስርዓት ህግዲፍ፡ መዛግብቲ ገበናቱን እከይ ተግባራቱን ከም ዘረጋግጾ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተባሪዑ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ደው ብምባልን፡ ሓይልታት ሱዳን ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ክብሉ ብምሕጋዝን፡ ሓው ህዝቢ ሱዳን ካብዚ ኣቲይዎ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ንምውጻእን፣ ካብ ጽባሕ ናጽነቱ ኣትሒዙ ዘጋጥሞዘሎ ቀጻሊ ሽግራት፣ ነባሪን ፍትሓዊን መዋጽኦ ንምርካብን፣ ስርዓት ህግዲፍ ኣበርክቶ ክገብር ድሌት ኣለዎ ዝብል ግምት ፈጺሙ የብልናን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ወጥሪ፡ እቲ ዝተበላሸወ ምስሊ ስርዓቱ ንምምሕያሽ፡ ነዞም ሓይልታት ከም ናይ ጸቕጢ መሳሪሒ ክምዝምዞም ክፍትን ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና። ነቲ ምስ ሓው ህዝቢ ሱዳን ዝኣስረና ነባሪ ዝምድና ኣብ ግምት ብምውሳድን ሃገራዊ ምርጫታቶም ናይ ምኽባር ዘሎና ነቕ ዘይብል መትከላዊ እምነትና ምዃኑ ብምርግጋጽን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ካብ ውዲታዊ ኣተሓሳስባ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክጥንቀቑን፡ ከምኡውን ናጻ ሃገራዊ ውሳኔኦም ሓልዮም፣ ሓድነትን ልኡላውነትን ሱዳን ንምዕቃብፍትሕን ናጽነትን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገርምህናጽ ናብ ዘኽእል መድረኽምስግጋርን፡ ኩሎም ሃገራዊ ሓይልታት ሓቢሮም ክሰርሑ ሕውነታዊ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ስርሒት ፎርቶ ተጠቒምና ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝርከብ ሓፋሽ ህዝብናን ሃገራዊ ሓይልታቱን ጻውዒትና ደጊምና ብምቕራብ፣ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ንምዕዋት፣ ካብ መሰረታዊ ዕላማና ዝኣልዩና ጉዳያት ብምርሓቕ ቃልስና ከነኻዕብትን ዓቕምታትና ብሓባር ክንጸምድን፣  ታሪኻዊ ግዴታ ከም ዘሎና ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

ክብርን  መጎስን ንስዉእ ስዒድ ዓሊ ሕጃይን ንጀጋኑ ብጾቱን !!

ዓወት ንቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን !!

ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

21 ጥሪ 2024 ዓ.ም.ፈ.