ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ሂወት ናይ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ፡ ወድዓዊ ማሕበረ-ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ኩነታቶም ዝፈጥሮም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዉ ባህርያውን ውሁብን እዩ፡፡ እዞም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት/ዕላማ ፍልልይ ክህልዎም ትጽቢት ዝግበረሉ ወድዓዊ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም/ጨቋኒኦም/ በበይኖም ተቓሊሶም ብግዜ ኣንጻር ከድምዑን ክዕወቱን ስለ ዘይክእሉ፡ ናይ ርሑቕ ፍሉይ እምነቶም ዓቂቦም ብሓላፍነታዊ ናጻነት እናገለጹ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘራኽቦም ዕላማታት ተመስሪቶም ግንባር ፈጢሮም፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸለኢኦም ክቃለሱ ግድን እዩ ዝኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ህዝባዊ ዓወት ኣብ ምቅልጣፍ‘ውን ዘይትካእ ተራ ዘለዎ እዩ ፡፡

ስለ ዝኾነ፡ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ዘለዎም ብሕታዊ መማረጺ ሃገራውን ህዝባውን ዓቕምታት ኣላፊኖም፡ ክቃለሱ ምስ ዝበቕዑ፡ እቲ ዝመስረትዎ ልፍንታዊ ግንባር ከም ኣሳለጢ ቃልሲ ኮይኑ ካብ ምግልጋል ሓሊፉ፡ እቲ ቃልሲ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክዕወትን ዝኽፈል መስዋእትን ስንክልናን ክውሕድ፡ ዘጋጥም ዕንወትን ህልቂትን ክንኪ፡ ናይ ሓሳረ-መከራ ኩነታት ክሓጽር ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፡፡ እቲ ናይ ኩሉ-መዳያዊ ወጽዓን ምዝመዛን ጠንቂ ዝኾነ ሓበራዊ ጸላኢ ስርዓት ድማ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገድ/ክለግስ ብዘይ ጥርጥር ክብቃዕ ይካኣል እዩ፡፡ እዚ ይረጋገጽ ማለት ግን እቲ ልፍንታዊ ግንባር፡ ብስምምዕ ናይቶም ተላፈንቲ ሓይልታት ስለ ዝተመስረተ ጥራሕ ናብ ኣፈናዊ ናይ ሓባር ዓወት ይበጽሕ ማለት ኣይኮነን፡፡

እቲ ልፍንታዊ ግንባር ምምስራቱ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኮይኑ፡ እቶም ተላፈንቲ ሓይልታት ናብ  ጭቡጥ ዓወት ክበጽሑ ክኽእሉ ግን፡ ኣብቲ ዝተሰማምዑሉ ዕላማታት ናይቲ ግንባር ተሰሪቶም መምርሒ ናይቲ ግንባር ተቐቢሎምን ተማእዚዞምን፡ ነቶም ግንባራዊ መደባት ንምትግባር ብትረትን ሓላፍነታዊ ኣገባብን ተወሃሂዶምን ተደጋጊፎምን ክቃለሱን፤ ካብ ውልቃውን ጉጅላውን ፍሉይ ጠቕምታት ንምርካብ ምፍታን ክዕቀቡን፡ ናይ ውልቀ ውድባቶም ዕላማን ዕማማትን ምስ ናይ ልፍንታዊ ግንባሮም ዕላማን ዕማማትን ኣዛሚዶም ብሓላፍነት ምስራሕ፡ ከም ባህሊ ናይ ቃልሲ ገቢሮም ብምውሳድ፡ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ተጠቒሞም ክቃለሱ ምስ ዝበቕዑ ምዃኑ፡ ነዚ ግቡኣት እዚ ዓቢ ትኹረት ብምሃብ ክቃለሱ ምስ ዝበቕዑ እዩ፡፡

እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታትን ግቡኣትን ናይ ቃልሲ ከይፈጸምናን፡ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥሙ ጸገማት ብሓላፍነትን ንቕሓትን ክንፈትሕ ከይበቓዕናን፡ ኣብ ዝበለጸን ኣቃላስን ዕላማታት እንተተሰማማዕናን ኣብ መስርሕ ተግባር ክፍጸሙ ዘለዎም ግቡእን ሓላፍነታትን ክሳብ ዘየሳላሰልና፡ ዝኾነ ዝምስረት ልፍንታዊ ግንባር፡ ክዕወት ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምጽባይ ጌጋ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ናይዚ ኣሉታዊ ተሞኩሮ‘ዚ ብኣብነት ከረዳኣና ዝኽእል ኣብ እናመስረትናዮም ዝመጻናን ገና እንጥቀመሎም ዘለናን ስሙር ግንባራት፡ እናጋጠሙና ዝመጹን ዘጋጥሙና ዘለውን ድኽመታትን ጸገማትን ብልቢ ክንመዝን እንከለና፡ ልፍንታዊ ግንባራትና ክምስረትሉ ዘኽእሉ ወድዓዊ ኩነታትን ሓባራዊ ዕላማታትን ነይሮምን ኣለዉን እዮም፡፡

 

እቲ ጸገም ግን ልፍንታዊ ግንባራት ምስ ተመስረቱ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማታት ኣብ ምትግባር ብሓላፍነት፡ ተወፋነትን ውህደትን ኣብ ምቅላስን ግቡእካ ኣብ ምፍጻምን ርኡይ ጉድለታት ብምንባሮምን ብምህላዎምን ግን ኣብ ዘዝመስረትናዮም ልፍንታዊ ግንባራት ኣድማዕነት ዘለዎ ግንባራዊ ስራሓት እናበኾረ ስለ ዝመጸ፡ ታሪኽ ግንባራትና ሕመቓትን ጸገማትን ዘይተፈልዮ፡ ናይ ምንጽጻግን ምፍልላይን እናኾነ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡ ናይዚ ፖለቲካዊ ክሳራ እዚ ተሓተትቲ ድማ እቶም ግንባራት እናመስረትና ዝመጻናን እንቕጽል ዘለናን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኢና፡፡

እዚ ድኽመታት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና‘ዚ ድማ ኣብ ውጹዓት ህዝብታትና እምነትን ተስፋ ናይ ቃልስን ከይህልዎም ዝገብር ዘሎ ከዊልካ ዘይክወል ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ሓቂ እዩ፡፡

ካብዚ ዘጋጥመና ዘሎ ፖለቲካዊ መሰናኽላትን ሕመቓትን ተላቒቕና ኣብ መስርሕ ቃልስን ዓወትን ክንምርሽ ክንበቅዕ እንኽእል ድማ፡ እዞም ኣብ ቀጽሪ ደምበ-ተቓውሞና ዝራኣዩ ዘለዉ መልከዐ‐ብዙሕ ድኽመታትን ጸገማትን ብከፊሉ ይኹን ብዓብይኡ ብዘየገድስ፡ ንነፍስ ወከፍ ኣባላት ልፍንታዊ ግንባራት ዝብጽሑና ምዃኖም ክንኣምንን፤ ጉድለታትና ናብ ካለኦት ኣካላት ንምጽጋዕ ምፍታን፤ ነብስና ከም ንጹህ ኣምሲልና ካብ ምግላጽ ክንቁጠብን ኣለና፡፡ ካብዚ ወድዓዊ ሚዛንን ናይ ተኣሪምካ ክትቃለስ ድሉውነትን እዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣብ ቃልስና ካብ ዘጋጥሙና ዘለዉ ድኽመታትን ጸገማትን ንምንጋፍ መታን ክንበቅዕ ተኣማሚንናን ተደጋጊፍናን ናብ ናይ ሓባራዊ ግንባራዊ ዕማማትና ንምስልሳል ክንወፍርን ከንቃለስን ግድን እዩ ዝኸውን፡፡

ነቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እናሃለና ዝርአ ዘሎ ህርፋን ናይ ሰልጣንን፡ ንሱ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕንቅፋታትን ንምውጋድ ቆሪጽና ክንላዓልን ናብ ውሁድ ቃልሲ ክንዋፈርን ክህልወና እዩ፡፡ ካልእ ኣብ ቀጽሪ ደምበ-ተቓውሞና ዝረኤ ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ጉጅላውነትን ጃንዳነትን ኣብ ናይ ቃልሲ ግቡኣትና ሕድሕድና ምጥርጣር እናፈጠሩ ዝኽሰት ዘሎ ዓንቃፊ ተርእዮ፡ ናይ ተቓላሳይ ዓቕምና ምድኻምን ምፍልላይን ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ንምውጋዱ ወዓል-ሕድር ብዘይብሉ ኣገባብ፡ ዓቕምታትና ኣወሃሂድናን ኣዋዲድናን ንምእራሙ ክንረባረብ ክንበቅዕ ኣለና፡፡ ካልእ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይ ተስፋ ምቝራጽ፡ ተሳዓርነትን ተዓራቕነትን ኣሉታዊ ፖለቲካዊ መንፈስ፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ኣሉታዊ ጽልውኡ ቦታ ንከይረክብን ንከይዓብን ዝገብር ንጹርን ቀጻልነት ዘለዎን ዕቱብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከነካይድ ኣለና፡፡

 

ብቀንዱ ነቲ ኣብ ዝተሰማዕናሎምን ንምትግባሮም ቃል ዝኣተናሎምን ሓባራዊ ግንባራዊ ዕላማታት ኣብ ምትግባር እነርእዮም ዘለና፡ ተጉላባነት፡ ዘይምእዙዝነትን ምግድዳዕን ሕድሕድ ምንጽጻግን ምትንዃላትን ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘይቅቡላት ፖለቲካውን ስነ-ምግበራውን ባህልታት ንምውጋድ ክንቃለስን ከነወግዶምን እንተዘይክኢልና ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ከነወግድ ስለ ዘይንኽእል፡ ካብዚ ድኽመታትናን ጸገማትናን‘ዚ ክንላቐቕ ዓቲብና ክንቃለስን፡ እቲ ናብ ልዕሊ ጸላኢና ክካየድ ዝግበኦ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ንምግባር ከይተሓለልና ክንረባረብን ኣለና፡፡

እዞም ብመጠኑ ዝጥቀሱ ዘለዉ ግቡኣት ናይ ቃልሲ እናኣተግበርና ናይ ሓባር ዕላመታትና ንምዕዋት ግንባራዊ ዕማማትናን መምርሒታትን ኣኽቢርናን ተኸቲልናን ተወሃሂድናን ተደጋጊፍናን ክንቃለስ እንተበቒዕና ዘይንዕወተሉ ምኽንያት የለን፡፡ ጭቡጥ ጸገምና ኣብ እንኣምነሎም ሓባራዊ ዕላማታትና ዘይምትግባር‘ምበር ካልእ ምኽንያት ከምዘይኮነ ግቡእ ተረደኦ ብምሓዝ ካብ ድኽመታትናን ጸገማትናን ንክንላቐቕ ክንጽዕርን ክንረባረብን ኣለና፡፡ እዚ ከይገበርና ብዝጸናሕናዮን ዘለናዮን ዘየድማዒ ኣገባብ ቃልሲ ክንቅጽል እንተዳኣ መሪጽና ግን፡ ጸላኢና ደምሲስና ናይ ህዝባዊ ቃልስና ዓወት ብግዜ ኣንጻር ከነረጋግጽ ማለት ዘበት እዩ ዝኸውን፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ፈሊጥና ዘዐውተና ኣገባብ ቃልሲ ተኸቲልና ጸገማትናን ድኽመትናን ፈሊጥናን ተረዲእናን ካብኣቶም ከላቕቐና ዝኽእል ሜላ ናይ ቃልስና ኣጠናኺርና ናብ ዘይተርፍ ህዝባዊ ዓወትና ንመርሽ!   

 

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                     28 ግንቦት 2024