ሓድነት ዝብል ቃል ንዝተፈላለዩ መዓላታት ክለዓል ዝኽእል ዝውቱር ኣምር እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣተኲርና እንተርኢናዮ ድማ፡ ሓድነት ናይ እምነት/ዕላማ/ን ተግባርን ውህደት ዘድልዮ ምዃኑ ኢና እንርዳእ፡፡ እዚ ማለት ካኣ ፖለቲካዊ እምነት/ዕላማ ምውናን ሓደ ነገር ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግን ንዝሓዝካዮ ዕላማ ተኣማኒ ብምዃን ግብራዊ ንምግባሩ ቃልሲ ዝሓትት ጉዳይ  ምዃኑ ምርዳእ‘ውን ኣገዳሲ እዩ፡፡

ካብዚ ወጻኢ እምነትካ ንምትግባር መትከላዊ እምነትካ መበገሲ ብምግባር ግብራዊ ስራሓት ምስ ዘይትገብር ወይ እምነት ጥራሕ ብምሓዝ፡ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ምስ እትደልን እትነጥፍን፡ እቲ ምስ ዝዀነ ሓይሊ ሓድነት ንምግባር ዝብገስ ውራይ/መደብ/ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ስለዚ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት/ሰልፍታት/ ናብ ሓድነት ክበጽሑ እንተዳኣ ኮይኖም፡ ናይ ግድን ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎምን እዚ እምነት እዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ሓድነት ንምብጻሕ ተግባራዊ ስራሕ ከካይዱ ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ እምነት መረጋገጺ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ፡፡

ብካልእ ኣዘራርባ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ተመሳሳሊ እምነት ምህላውን ንዕኡ ግብራዊ ንምግባር ሓባራውን ኣተኣማማንን ቃልሲ ብምክያድ እዩ ኣብ ሓድነት ዝብጻሕን ሓደ ውደባን እስትራተጅን መሪሕነትን ምውናን ክብቃዕ ዝካኣል ማለት እዩ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ብስም «ሓደ ዓይነት እምነት ኣለና፡ናብ ሓደ ክንመጽእ ንኽእል ኢና» ብምባል ብተግባር ዘይተሰነየ ንጥፈታት ምክያድ ወይ ሓደ ዓይነት እምነት ብምልኣት ከይተረጋገጸ ብድሌትን ባህግን ጥራሕ ተደፋፊእካ ናብ ግብራዊ ሓድነት ክትበጽሕ ምፍታን መርሖ ዘይብሉ ፈተነን ቃልስን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሓድነት ክብጻሕ ኣይካኣልን እዩ፡፡ ብተስፋ እንተተፈተነ‘ውን ውጽኢቱ ሽትኡ ከይሃረመ ተሰናኺሉ ዝተርፍ እዩ ዝኸውን፡፡

ናይ ከምዚ ዓይነት ፍሽለታት ምስክር ኣብ ኣባላት ደምበ ተቓውሞና ብዙሕ ክጥቀስ ዝካኣል እዩ፡ እዚ ካኣ ካብቲ ናብ ሓድነት ከብጽሕ ዝኽእል ነጥብታት ከየማልኡ ሓድነት ክገብሩ ስለ ዝፍትኑ፡ ማለት ውሕስነት ዝህብ ፖለቲካውን ግብራውን ረቛሒታት ከየማልኡ ስለ ዝኣትውዎ ናይ ሓድነቶም ኣዋጅ መሊኡ ከይተሰምዐ እንከሎ ዝፈናጨሉ ምዃኖም ብተግባር እናተራእየን ኣሉታዊ ስምዒት እናንጸባረቐ ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ተሞኩሮ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና እዩ፡፡

እዚ ጉድለታት እዚ ክኽሰት ዝኸውን ዘሎ ድማ፡ ሓድነት ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ምዃኑ ግቡእ ፖለቲካዊ ግንዛበ ከይተታሕዘሉ ንቕሎ ናይ ሓድነት ዘስዓቦ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮይኑ፡ ብካልእ ወገን ካኣ ሓደን ዝተማለአን ሓባራዊ እምነት ከይወነኑ ዝተፈላለየ ጥቕምታት ንምርካብ ዝዓለመ ወይ ንዝዀነ ሽግራት ብግዝያውነት መፍትሕን መዋጸኦን ገቢሮም ብምውሳድ ክፍተኑ ዝጸንሑ ናይ ሓድነት ፈተነታት‘ውን እንተኾኑ ካብ ዘይምዕዋቶም ሓሊፎም ናይ ምፍንጫልን ምቅሕሓርን ፖለቲካዊ መንፈሳት እናፈጠሩ፡ ጉዳይ ሓድነት ትርጉም፡ ጠቕምን ተቐባልነትን ንከይረክብ ዝገብሩ ኣሉታዊ ተርእዮታት እዮም እናተንጸባረቑ መጺኦምን ገና ዝቕጽሉ ዘለዉን፡፡

 

እዚ ፖለቲካዊ ወድዕነት እዚ ኣብ ቃልስና ዓቢ ቦታ ስለ ዝሓዘ እዩ ድማ፡ ናይ ፖለቲካዊ እምነት/ዕላማ/ ፍልልይ ዘይብለን ብዙሓት ውድባት በበይነን ብምዃን ክቃለሳን ክሃልካን ዝረኣያ ዘለዋ፡፡ እዚ ጭቡጥ ኣተሃላልዋ ናይ ውድባትና‘ዚ፡ ዓቕምታተን ካብ ምድኻም ሓሊፉ፡ ኣብ ትርጉም ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን ዝተዛበዐን ዝተደዋወሰን ኣረኣእያ ክህሉ ዝገብርን፡ንናይ ውጹዓት ናይ ቃልሲ መንፈሳት ዝፈታተን ዘሎ‘ውን እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ንሓድነት ዘብቅዕ እምነት/ዕላማ/ ኣለና እናተባህለ ኣብ ተግባር ዘይስነ መግለጽን ንቕሎን እዚ ግብራውነት ክስእን ዝገብር ዘሎ ኣብ ትርጉም ሓድነትን ግብራውነቱን ዝተማለአ ፍልጠትን ግብራውነትን ዝበዀረ ስለ ዝኾነ እዩ ሓድነት ግብራዊ እናኾነ ከይዕወትን ከይስራሓሉን ዝኸውን ዘሎ፡፡

እዚ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ተርእዮ‘ዚ ዘረጋግጾ ሓቂ እንተሃለወ፡ ዝተፈላለያ ውድባት/ሓይልታት ሓድነት ንምርግጋጽ ስለ ዝሓመቓ ጥራሕ ዘይኮናስ፡ ብርክት ዝበላ ውድባት ብስም ምርግጋጽ ሓድነት ካብ ውልቀ ውድባውን ጉጅላውን ጸገማት ንምልቓቕ ወይ ብስም ሓድነት ካብቲ ክቀራረበን ዝኽእል ሓይልታት ሰብኣዊ ጉልበትን ንዋታዊ ሃብትን መንዚዕካ ንምጥቃም ወይ ካኣ ኣብቲ ብስም ሓድነት ዝግበር ምጽንባር ናይ ውድባት፡ ልዕልነተይ ከረጋግጽ ይኽእል እየ ዝብል ኣጉል ናይ ምዕብላል መንፈስ ብምሓዝ ናብ ሓድነት ክእቶ ስለ ዝምረጽ‘ውን እዩ ተወሳኺ ቀሊል ዘይኮነ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ሓድነት ብመትከላዊ እምነትን ኣተሓሕዛን ተታሒዙ ኣብ ክካየድ ዝግበኦ መስርሕ ቃልሲ፡ ብስም ናይ ውልቀ ውድባዊ እምነትና /መደብ ዕዮና/ ፍልልትና ኣደስኪልና ኩሉ ሃገራዊ ተቓዋሚ ሓይልታት ኣብ ሓደ ሰ/ሃ/ግንባር ዓሲልና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ/መ/ህግደፍ/ ተቓሊስና ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል፡ ኣህራፊ ግን ካኣ ዘይመትከላውን ዘይክውንነታውን ግጉይ ርእይቶ ብምሓዝ ክንጸባረቕ ዝጸንሐን ገና ዘንጸባርቕ ዘሎን ፖለቲካዊ ርእይቶ ኣብ ጉዳይ ሓድነትን ምሕዝነትን ግጉይን ሓላለኽን ፖለቲካዊ ተራ ዝጻወት ስለ ዘሎ፡ ሓደ መልክዕ ናይ ኣሉታዊ ብደሆ ተገይሩ ክውሰድ ዝካኣል እዩ፡፡ ሓድነት ናይ ሓደን ተመሳሳልን ዕላማ ዘለዎም ሓይልታት ከይረጋገጽ ዕንቅፋት ካብ ዝዀኑ ዘለዉ ነጥብታት ዝተወሰኑ ብጽሟቕ ንምጥቃስ ዝኣክል፤

1. ሓድነት ናይ ተመሳሳሊ እምነት/ዕላማ/ን ተግባርን ውህደት ምዃኑ ዝተማለአ ፍልጠትን ኣገንዝቦን ዘይምህላው፡፡

2. እምነት ጥራሕ ብምሓዝ፡ እምነትካ ንምዕዋት ግብራዊ ንጥፈታት ኣብ ምግባር ዓቢ ብኩራት ምህላዉ፡፡

3. ኣብ ሞንጎ ሓድነትን ምሕዝነትን ዘሎ ኣፈላላይን ዝምድናን ኣነጺርካን ፈላሊኻን ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ብኣንጻሩ ዝተደዋወሰ ኣገንዝቦ ብምህላዉን፡ በዚ ግጉይ ኣገንዝቦ‘ዚ እናተመራሕካ ምስራሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ይፈጥር ምህላዉ፡፡    

4. ኣብ ክረጋገጽ ዘለዎ ሓድነት፡ ናይ ውልቀ ወይ ጉጅለ/ጃንዳ/ ጠቕምን ልዕልነትን ብዘረጋግጽ ኣገባብ ንክዕወት ዓንቃፊ ኣታሓሳስባታትን ተግባራትን ህሉዋት ብምዃኖም፡፡

5. መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕላማታትካ/ፕሮግራምካ/ ብምድስካል ኣብ ሓደ ስልታዊ ግንባር ዓሲልካ ቃልሲ ክካየድን ክዕወትን ይካኣል እዩ ዝብል ግጉይ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብምህላዉን ..ወዘተ ምጥቃስ ይካኣል እዩ፡፡

እዞም ብመጠኑ ዝተጠቕሱ ዘለዉ ነጥብታት ኣብ መስርሕ ሓድነታዊ ቃልስና ምህላዎምን ተረኦም ዓቃፊ  ምዃኑን ምእማን ኣገዳስን ሓጋዝን እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ጸገማትናን ድኽመታትናን ኣነጺርና ምፍላጥ ንክንእርሞም ዘኽእል ስለ ዝኾነ፡፡ ድኽመታትና ምፍላጥ ጥራሕ ግን እኹል ስለ ዘይኮነ ካብ ድኽመታትና ንክንናገፍን ዝጭበጥ ሓድነት ከነረጋግጽን ጉድለታትና ናይ ምእራም ጽዑቕን ቀጻልን ቃልሲ ከነካይድ‘ውን እዩ ዝህልወና፡፡ ካብ ሕሉፍን ህልውን ጉድለታትና ተማሂርና፡ ተመሳሳሊ እምነት/ዕላማን መልክዕ ውደባን ዘለዎም ሓይልታት ብዘተኣማምን ኣገባብን መስርሕን ናብ ሓደን ዝተወሃሃደን ሓይሊ/ውድብ እናበጽሑ/እናበጻሕና ክንቃለስ እንተዘይበቒዕና ግና ንገዛእ ርእስና እናተዳኸምና፡ ህዝባዊ ቃልስና ክዳኸምን ንብዙሓት ብደሆታት እናተቓለዐ ህዝባዊ ዓወትና ክድንጉን፤ ክንከፍሎ ዘለና ዋጋ ናይ ቃልሲ ክኸብድን ጸላኢ ካብዚ ድኽመታት‘ዚ ተረባሒ ዝኾነሉ ዕድልን ኩነታትን ክፍጠር እዩ ዝኸውን፡፡

 

እዚ ሕሱም ኩነታት‘ዚ ብኣጋ ከነበርዕኖ እንተዘይክኢልና ግን ኩሉ-መዳያዊ ሕሰምና ዘዕብን ቀጻልነት ክህልዎ ዝገብርን እዩ ዝኸውን፡፡ ዕላማ ናይ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ህዝብታትና ካብ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ካብ ኣድልዎን ፍትሒ ምጕዳልን፡ካብ ከበባን ድህከትን ንምልቓቕን፤ካብ ስእነትን ድኽነትን ዓጸቦን ስደትን ምፍንቓልን ንምድሓንን፤ ፖለቲካዊ ልዑላውነቶም ንምርግጋጽን፤ህዝብታትናን ሃገርናን ሰላምን ደሞክራስን ረኺቦም ኣብ መንገዲ ልምዓትን ምዕባለን ክምርሹ ንምግባርን፤ሀዝብታትና ኣብ ውሽጦምን ምስ ጎረባብቶምን ሰላም ረኺቦም ተኣማሚኖምን ተደጋጊፎምን ዝነብሩሉን ዝዓብይሉን ፖለቲካዊ ኩነታት ንምርግጋጽን ንምውሓስን ..ወዘተ ስለ ዝኾነ፡ እዞም ብመጠኑ ዝጥቀሱ ዘለዉ ዕላማታት ካብ ድኽመታትናን ጸገማትናን ከይተላቐቕና ክዕወቱ ከም ዘይክእሉ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ፡፡

 

ስለዚ እቲ ዘይስገር እዋናዊ ዕማም ቃልስና ክኸውን ዝግበኦ፡ ኣብ ክሊ ሓድነታውን ምሕዝነታውን ዝምድናታትና ሰፊኖም ዘለዉ ድኽመታትን ጸገማትን ንምውጋድ ክካየድ ዘለዎ ዕማም ናይ ቃልስና ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ ዝኸውን ዘሎ፡፡ ብእምነት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ሓድነት፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ስለ ዝኾነ፤ ካብ እምነትካ ተበጊስካ ኣብ እምነትካ ጸኒዕካ ክዉን ንምግባሩ ተግባራዊ ቃልሲ ብምክያድ ዝዕወት ምዃኑ እዩ ዝኣምን፡፡ ካብዚ ፖለቲካዊ እምነቱ‘ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ምስ ዝኾነ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ እምነት/ዕላማ ዘለዎ ሓይሊ ክዛተን ተዛትዩ ናብ ሓደን ዝተሓናፈጸን ውድብ ንምብጻሕ፡ ብመተኣማማኒ መድረኽን ሓባራዊ ስራሕን ምክያድ ኣቢሉ ናብ ምሉእን ውሑስን ሓድነት ክብጻሕ ከም ዝካኣል ዘየማትእ እምነቱ ምዃኑ ይገልጽ፡፡

 

ካብዚ መትከላዊ እምነቱ‘ዚ ብምብጋስ ድማ ምስ ዝኾነ/ዝኾኑ ተመሳሳሊ እምነት/ዕላማ ዘለዎም ውድባት፡ ሓይልታት ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ክፉት ዘተ ከካይድ፡ ኣብ ክሊ ናይ ሓድነታዊ ቀልሲ ዝረኣዩ ህሉዋት ድኽመታትን ጸገማትን ብዘተን ምርድዳእን ተዳህሲሶም ክፍትሑን፡ ናብ ሓደን ዝሰመረን ሓይሊ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ናይ ምትእምማን ፖለቲካዊ መንፈሳት ዝፈጥር መድረኽን መደባትን ብምጥቃም ናብ ሓደን ዝተሓናፈጸን ሓይሊ ምብጻሕ ከም ዝካኣል እምነቱ እናገለጸ፡ ከም ናይ ኩሉ ግዜ እምነቱ ሎሚ‘ውን ንዘተ ድልዊ ምዃኑ ይገልጽ፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ ሓድነት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ንቑሕን ሓላፍነታውን ኣገባብ ቃልሲ ብምክድ ክረጋገጽ ምስ ዝካኣል፡ ብዝሰመረን ዝሰጠመን ሓይልታት ዝካየድ ቃልሲ ንህዝባዊ ቃልስና ዝጠቅም ዓወትና ዘቀላጥፍን ስለ ዝኾነ፡ ሓድነት ካብ ናይ ወድባት ጉዳይ ተገይሩ ምርኣይ፡ ጉዳይ ህዝብታትናን ሃገርናን ቃልሶምን ገይርና ብምርኣይ፡ ኣብ ሞንጎ ተቓለስቲ ሓይልታትና ሓቀኛ ሓድነትን ምሕዝነትን ንክረጋገጽ ብዘለና ዓቕምን ተወፋይነትን እናተቓለስና ድኽመታትን ጸገማትን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ንምፍታሕ ከም ግቡእናን ዕማምናን ወሲድና ክንቃለስ ኣለና ንብል፡፡

                                         

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                     26 ግንቦት 2024