ትማሊ ብስዉር‘‘ሎሚ ብጋህዲ‘‘ሕማም ኮሮና ዶ ክንብሎ‘‘ ሕማም መንሽሮ‘‘ህዝቢ መዓንጥኡ ሐሪሩ‘‘ምስ ጃንድኡ ኣዲስ ኣበባ ይዕንድሩ‘‘ብሰማይን ብምድርን‘‘እንዳ ፈሰሲ ሐዊ‘‘ኤርትራዊ በጃ ህዝቡ ተበጃዊ‘‘መራሒ ጃንዳ ህግደፍ‘‘ ዓሎቕ ዝልማዲ ሐሳዊ።

ዓንዲትን መርሃዊን‘‘ኣሰር ኣቦታቶም ኣደታቶም‘‘ልሳን ህዝቦም‘‘ድምጾም ዝጥዕም ነጎዳ‘‘ኤርትራና መንዩ ንሱ‘‘ ሰዓረዩ ሽመይ ዝብሉ ወሊዳ‘‘ኤርትራ ንኤርትራዊያን እዩ ጭርሖና‘‘ ወይለኹም ጃንዳ።

ጋህዲ‘‘ራኢ ጀጋኑና ክኸውን ጋህዲ‘‘ከዳዓት ክቐርቡ ናብ ፍርዲ‘‘ከይሃደሙ ነእትዎም ናብ ቀይዲ‘‘ፍትሒ ኣልቦ መስ ኮነ መራሒ‘‘ንሕና ንበኪ‘‘ንሱ ይስሕቕ‘‘ገንዘብ ገዲፉስ ይቋጻጸር ብሑቕ‘‘ንዛረብ ኣለና እንበር‘‘ኣይተበገስና ናብ ስራሕ‘‘ክሳብ ማዓስ ብኣፈሙዝ ክንምራሕ‘‘ግሉጽነት ይሃሉ ያኣክል ምጉርራሕ።

ካብ ግብሪ ዘረባ በዚሑ‘‘ብዘረባ ኣይወድቕን ጉሒላ‘‘ብግብሪ እንበር‘‘ተር ከም ዓተር‘‘ን29 ዓመት‘‘እቲ ሐደ ነቲ ሐደ ክጽበ‘‘ካብ ሳራሕ በዂሩ ተቃውሞ ደንበ‘‘ን2020 ብዘረባ ከይንሕልፋ‘‘ካብ ቆንጠጠፈ, ዶ ጋባ‘‘ግብሪ ይቐድሞ ንዘረባ።

ንተሐኤ ምክሳሩ ተወጺዑ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ጸረ መግዛእቲ ጸኒዑ‘‘ንተቃለስቲ ደቁ ኣጻናኒዑ‘‘ድሕሪ ነጻነት‘‘ ብማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ተገፊዑ‘‘ ን29 ዓመት ደም ነቢዑ‘‘ባይታና ምስ ኮነ ፌስቡክ ፖልቶክ‘‘ ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ‘‘ ኣቢሎምና ተኸኽ።ንሱን ጃንዱኡን ጸረ ህዝቢ‘‘ግብሪ ጎዲሉ ኩሉ‘‘ምስ ኮነ ተዛራቢ‘‘ንህዝቢ ኣጥምዩ ንኸልቢ‘‘ነዓዘ ኢሉ ስጋ ይድርቢ።

ተጽግበኒ ቅጫ,ኣብ ሞቁሎኣ,ከላ እፈልጣ‘‘ታሪኽ ኣይምሕርንዩ‘‘ካብ ተመኩሮይ‘‘ተበጊሰ ክምዚ ክብል‘‘እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት ቀዳዊና ይግበሮ‘‘ካብ ሐድሽ ሜላ ሚሂዝካ ኮለል‘‘ንዝጎዶሎ መሊእና‘‘ንኹልና ክውክል‘‘ ኣብ ጽላል‘‘ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነትክል።

ማስጣ ቲ ካብ ማሙቕ ገዝኡ ዘውጸኦ‘‘ንጸረ ህዝቢ መቃብሩ ክተፍኦ‘‘ሕጂ ውን‘‘ ዳግማይ ሐዊ ኣጒዱ ከጥፍኦ‘‘ ብሰማይን ብምድርን ይቃራረብ እንሆ‘‘ብሰራዊ ኢትዮጵያ‘‘ ኣራግጽ ከየጥፍኦ‘‘ንልእላውነት ሃገርና‘‘ናብ ሐደጋ ከየውድቖ‘‘ ብኣጋ ክንብድሆ‘‘ኤረና ኣለና‘‘ይኹን ጭርሖና።

ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ‘‘ምስ ተገሰመ‘‘ብዓወት ደለይቲ ፍትሒ‘‘ምስ ተዛዘመ‘‘ቆጽሊ ዝወደቖ ወደባት ምስ ተሸመ‘‘ ኣርባዕተ ነጥቢ‘‘ናይ ሐርነት ቃልስና‘‘ኣኽተመ ኣኽተመ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።