mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • Rusted screws, metal spikes and plastic rubbish: the horrific sexual violence used against Tigray’s women
  • News: Eritrean leaders orchestrated industrial-scale looting operations in Tigray, alongside atrocities: new report
  • Fostering Peace and Promoting Development in Ethiopia and Eritrea
  • ብንጹር ስነ-ሓሳብ፡ ዓሚቕ ገምጋም ስራሕ፡ ዘይምራሕን ዘይግራሕን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ውጽኢቱ ደምበርበር ክኸውን ግድን’ዩ
  • Eritrean Blue Revolution Front Political Charter
  • Can Eritrea Be a Force for Stability After Its Dictator’s Fall?
  • ዘይናትካ ናተይ ምባል ‘ምበር፡ ምኽንያታዊ ሕቶ ምቕራብሲ ኣየባእስን።
  • Brigade N’Hamedu: Formal Launch of The Eritrean Blue Revolution Front (EBRF)
  • Eritrea: Adopt a strong resolution extending the Special Rapporteur’s mandate
  • جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  • መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ

We have 162 guests and no members online

ሓተታ

ኣብ ምቛም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘይበቕዑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ተጥርኒፎም ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽኡ ምጽባይ ክውንነታዊ ኣይኮነን።

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 10 October 2020

ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ተኸታቲለ ነይረ። ነቲ ብስሉን ዘይብሱልን ሕቶታት፡ እንታይ ማለቱ’ዩ ብዘየብል፡ ብዓቕሊ፡ ብህድኣት፡ ብምጡን ቃላት ብግልጺ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣድኒቐዮ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ኣቀራርባኡ ግን ብሓቂ መሲጡኒ። ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ንጹህ ሕልና ዝመንጨወ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊ ብስለት ዝጎደሎ’ዩ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መን’ዩ? ከመይ’ከ ክፍታሕ ይኽእል? ናብ ዝብል ዘድሃበ ኣይነበረን። ዘቤታዊ ጸገምና ቀጥታ ምስ ውድብ ህወሓት ብምትእስሳር፡ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ምቅላስ ይከኣል’ዶ ኣይከኣልን? ህወሓት (ወያነ) ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ውድባት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ሕጂ’ኸ ከመይ ክእመን ይኽእል? ብመሰረቱ’ኸ ካብ ህወሓት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢና ንጽበ? ....ወዘተ ዝብል ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ርትዓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝጎደሎ ካብ ባሕሪ ጥርጠራ ዝተቐድሐ ሕቶታት’ዩ ነይሩ።

Read more: ኣብ ምቛም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘይበቕዑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ሓደ ውድብ ተጥርኒፎም ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽኡ ምጽባይ ክውንነታዊ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 10 October 2020

ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘይስገሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ’ዮም። ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ መጥመሪ ከምዘይብሉ ዕንጸይቲ’ዩ። ከመይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዘይብሉ። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይብሉ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ካበይ ተበጊሱ ናበይን ብኸመይን ከም ዝይኸድ ኣይፈልጥን። መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ መንገዲ ገዲፉ፡ ኣብዘይመሰረታዊ ጉዳይ ሕድሕዱ እናተመናጨተ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረትን ምብትታንን’ዩ ዝወርድ። ስለዚ ህዝቢ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ኣወንታዊ ጎኒ ይሃልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተወዲቑ ኩሉ’ዩ ዝስእን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ምሕደራኡን ንቑሕን ብቑዕን ጎኒ ሃልይዎ፡ ዘተኣሳስሮ መለለዪ ማሕበራዊ ክብርታት ዘይብሉ ድኹም እንተኾይኑ’ውን ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ምውዳቕ ‘ምበር ንቕድሚት ናይ ምስጓም ዕድል የብሉን። ስለዚ ከኣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎም፡ ክልተ ዝመስሉ ግን፡ ሓደ ብዘይትሓደ ናይ ምቕጽል ዕድል ዘይብሎም ተመጋገብቲ መትንታት’ዮም።

Read more: ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።

ትግራይ ኣብነታዊ መሪሕ ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ሕራነን ዓወትን።

Details
Written by: ኣሮን በርሀ
Published: 18 September 2020

ህርኩት ህዝቢ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ብሰንኪ ብቁዕ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካብ፡ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ቁጠባዊ ምንጪታቱ ተመንዚዑ ብለባሙ ናብ ዓሻ ተቖጺሩ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ገዛእ ርእሱ መሲሉ ዘይኮነ ተመሳሳሉ ክሓድር ተፈሪዱ ጸኒሑ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምቁጽጻር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ዘይኮነ፡ ብትምህርትን ስራሕን ዝምክት ጠንቂ ምዕባሌ ክንሱ፡ ኣብ ትግራይ ግን ፈጺሙ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ዘይብዳህ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ብመርገም ከም ዝመጽአ ክሳብ ዝመስል፡ ህዝቢ ዕድለዩ ኢሉ ክቕበሎን ተሰኪምዎ ክነብር ተፈሪዱ። ኣቦ ድሕረትን ድኽነትን ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይቅዋማዊ ኣድላዊ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።

Read more: ትግራይ ኣብነታዊ መሪሕ ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ሕራነን ዓወትን።

ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 07 September 2020

ምልክነት (ፋሽሽትነት) ልዕልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሳዕሪሩ፡ ኩለ-መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ዝተጣሕሰላ ሃገር፡ ጸቢብ ግዝያዊ ረብሓ ምድላይ ወይ ናይ ኣገንዝቦ ጸገም እንተዘይሃልዩ ኣብ ኣለሻ ፍትሒ ክእቶ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘይብሉ፡ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ፡ ነገራት ናይ ምግምጋም፡ ምምዝዛን ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ዝተነፍጎ መሰላት ንምርካብ ኣማራጺታት ከናዲ፡ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደሉ ብሓሳብ፡ ብተግባር፡ ብገንዘብ ይኹን ብነዋት ኣብ’ቲ ቃልሲ ናቱ ተሳትፎ ክገብር ውዴታ ዘይኮነ፡ ካብ ጥዑይ ሕልና ዝምንጩ ርእሰ ግዴታ’ዩ።

Read more: ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።

ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.

Details
Written by: ብርሃነ ሃንጀማ
Published: 07 September 2020

እዛ ዕለት'ዚኣ ክዝክራ እንከሎኹ፡ ብሕልና ናብ'ቶም ክልተ ብሉጻት መራሕትና ዕዝር እብል። ኩሉ'ቲ ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ጅግንነታዊ ዕዮ፡ ብልሒ ኣማራርሓ፡ ኣብነትነት እዝክር። ንቕኑዕ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምስ ወሰኑ፡ ንቕድሚት'ምበር ንድሕሪት ግልጽ-ምልጽ ከይበሉ፡ በጃ ህዝቦም ዝኾኑ መራሕቲ ደምሓኤ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር፣ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ም/ኣቦ-መንበርን ናይ ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ።

Read more: ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.

ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።

Details
Written by: ዛራ ማና
Published: 27 August 2020

ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኮነ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ፍትሓውነት ጸገም የብሉን። መሰልካ ንምኽባር ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ምቅላስ ፍትሓዊ’ዩ። ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ’ውን ከምኡ ቅቡልን ንፍትሓውን’ዩ። ስለዚ ናይ ዝቐደመ ኮነ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ሕቶ ፍትሓውነቱ ድንግርግር ዘብል ነገር የለን። እቲ ፍትሓዊ ሕቶ በየናይ ፖለቲካዊ -ስነ-ሓሳብ ክምራሕ ከም ዘለዎ ግን፡ ቅድሚ 1991 ብሩህ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።

Read more: ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።

  1. ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።
  2. ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና፡ ብንጹር ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብቑዘማን ጣሕመሽመሽን ኣይፍወስን።
  3. ስልጡን ኣተሓሳስባ ከይወነንካ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምቅድዳም
  4. ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ድማ ካልእ ሓቂ’ዩ፤
  5. ትማሊ ብስዉር‘‘ሎሚ ብጋህዲ‘‘ሕማም ኮሮና ዶ ክንብሎ‘‘ ሕማም መንሽሮ
  6. ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ድማ ካልእ ሓቂ’ዩ፤
  7. ብኣጋ ዘይተገርሐ ፖለቲካዊ ባህሊ፡-
  8. ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ትማልን ሎምን

Page 2 of 17

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10

Designed by pickjoomla.com