ገመለይ ከይትብገስ ዕንቅፋት በዚሕዋ

እንተ ተበጊሳ ንሳ እያ ተምጽእ ራህዋ;;

(ሐቂ ዶ ክንዛረብ)

ክሰርቀኒ ዝራኣኽዎ

ክመልሰለይ ነይ ኣምኖ

ደቂ ዓድና ዕዋኖ

ኣብ ኢድካ ከሎ ዶ ልማኖ

ዓወት የለን ብድፈኖ ድፈኖ

ንመን ብያኣክል ክንልምኖ;;

ኣብዚ ዝሐለፈ 28 ዓመት

ናይ ጃንዳ ህግደፍ ባርነት

ጸረ ገበተ እንታይ ዘይተባህለ

ንህልቀት ላፒዱዛ

ኤርትራዊያን ኣይኮኑን ዝበለ

ናይ ኢሰያስ ማፍያዊ ጉጅለ

ወኪል ህዝብና ኣይኮነን ተኣለ;;

ሕጂ ውን ተኣለ

ሕራነ ናይ 2010 ኣበይ ኣሎ

ደላይ ፍትሒ ናይ ስዊስ ኮማንዶ

ኣብ ጀርመን ጊሰን ዝዓረዶ

ፊት ንፊት ዘይኮነ ብማዕዶ

ናይ ኢስራኤል ንህግደፍ ዝርዓዶ;;

(ሐቂ ዶ ክንዛረብ)

ደቅና ከም መንእሰያት

ተቓውሞ ንባርት

ንገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት

ብእግሪ ጉዕዛ ን7መዓልትታት

ካብ ከተማ ሽቱትጋት

ንከተማ ንፍራንክፈርት;;

ሕጂ ውን ተኣለ

እታ ናይ ትማሊ ዋህዮ መሊሳ በሊሐ

ማዕጾና ጋህ ኣቢልናዮ ንምፍልላይ ሰሪሐ

ብባዶ 3; ተተኪኣ ኣጽፋራ ኣብሊሐ

ኣነ ኣነ ትብል ኣላ መልሐሳ ኣንዊሐ;;

(ሐቂ ዶ ክንዛረብ)

ህግደፍ ምስ ኮኑ ዋናታታ

እታ ዓባይ ዳዕሮ ተዘሚታ

ነጻነትና ጸልሚታ

ካብ ትዝመት 28 ዓመታ;;

ሕጂ ውን ተኣለ

ገረብ ብሐኽላ

ኤርትራ ኣርባዕተ ፊደላ

ቅያሕትን ጸለምትን ዝወደቁላ

እታ ናይ 91 ነጻነት ተጨውያ ዘላ

ብልእላውነት ሃገር ላግጺ የለን ኢላ

ካብ ህግደፍ ኣጋላግሉኒ ትብል ኣላ;;

(ሐቂ ዶ ክንዛረብ)

ከብዲ ኣደ ጉራ ምራ

ሐደራ ካብ ኣንነት ንኹን ሐራ

ን2019 ናብ ሐርነት ክንቅይራ

ንደለይቲ ፍትሒ ሐደራ ሐደራ

ንጸላኢና ነለልዮ ደቂ ኤርትራ;;

ሕጂ ውን ተኣለ

ሕድሪ ሰማእታትና ክትግበር

ያኣክል ናብ ኣርክብ ክትቅየር

ንድሕነት ህዝቢ ንድሕነት ሃገር

ናብ ግብራዊ ስራሕ ክንሳጋገር;;

ቁስሊ ዶ ይሐዊ ብዘይ ፈውሲ

እንተ ነለልዮ ንፈላላዩ መባኣሲ

ንሐርነት ንፍትሒ ንዲሞክራሲ

28 ዓመት ኣይምወሰደን ቃልሲ;;

ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ

እቲ ናይ ኣስራተ ካሳ ጉጅለ

እቲ ካብ ጎቦታት ዓላ ዝነቐለ

ነቲ ኣብ ጎታት ሳሕል ዝገበለ

ንነጻነትና ዝጨወየ ሐበርና ንእለ;;

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።