ፖለቲካዊ ልቦና ዘይብሉ ውድድር ንዞባዊ ሓያልነት

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምብራቓዊ ማሕበርነታዊ ደምበን ምዕራባዊ ሃጻያዊ ደምበን ዝብል ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ክልተ ከፊልዎ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ምብራቓዊ

ማሕበርነታዊ ደምበ፡ ብምዕራባዊ ሃጸያዊ ደምበ ብፖለቲካን ቁጠባን ተሳዒሩ ዝነበሮ ምትእስሳርን ጽልዋን ተበጣጢሱ ምስ ፈራረሰ፡ ዓለምና ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ትሕቲ ሓደ ልዕለ ሓያል ሃገር ወዲቑ። ርእሰ ሓያል ሃገር ነጻ ዕዳጋን ግሎቫላዜሽንን ብዝብል ንብዙሓትን ድኻታትን ግምት ዘይህብ “ ዝኸኣለ ይጒየ ዘይከኣለ ይተኣለ” ዓይነት ዕሙት መንገዲ ተኸቲሉ፡፡ እቲ ሃብታም ዝያዳ ክህብትም እቲ ድኻ ዝያዳ ክደኪ ገይሩ።   ቅኑዕ ሕልናዊ ህንጸትን ብስለትን ዘይብሉ ነዋታዊ ( ማተርያላዊ) ውህለላ ማእከሉ ዝገበረ ፖሊስን ስትራተጂን ገዛኢ ኮይኑ ጸኒሑ።

እዚ ዝኸኣለ ይጒየ ዘይከኣለ ይተኣለ ዝብል ቃና ዘለዎ ንብዙሓትን ድኻታትን ዘግለለ ዝንቡዕ ፖሊሲ ግን፡ ንዓለምና ሰላም ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ተረሓሒቓ ዝነበረት ዓለም ተቓራሪባ፡ ናብ ደረጃ ቁሸት ተቐይራ ብዙሕ ግዜ ዝስማዕ ዘረባ’ዩ። ብሓቂ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብዝፈጠሮ ዝተራቐቐ መራኸቢታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ብዘይ ብዙሕ ወጻእን ንምርኻብ ተኻኢሉ’ዩ። እዚ ኣወንታዊ ምዕባለ’ዩ። ካብ’ዚ ኩርናዕ’ዚ ጥራሕ ተበጊስካ ዓለም ተቐራሪባ ሓንቲ ኮይና ኣብ ዝብል መደምደምታ ክትበጽሕ ግን ሓይሊ ዝህብ ኣይኮነን። እቲ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክቀራረበሉ ክተሓጋገዘሉ ዝግበኦ መሰረታዊ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት መትከላት ግን መሊሱ ገፊሑ ‘ምበር ዘርኣዮ ቅርበት የለን። በተሓሳስባ ህድግለነ ስኢኑ ቀዳምነት ንዓይ ንሃገረይ ዝብል ጭርሖ ቅድሚት መጺኡ። ብተግባር ቅልጽም ዘለዎ ድሌቱ ክገብር፡ ድኹም ድማ ክቕተል ክዝረፍ ክደኪ ክነብዕ ዕለታዊ ተርእዮ ኮይኑ እነሆ።

እቲ ሓደ ቅጥዒ ብዘይብሉ ሃብቲ ኣዋህሊሉ መጉሓፊ ትርፊ ምህርቲ ስኢኑ ክሽገር፡ እቲ ካልእ ከኣ ድራር ዕለት፣ መሐከሚ፣ ቅያር ጨርቂ፣ መጽለልን ንደቁ መምሃሪ ዝኸውን መኽፈልን ስኢኑ ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ወዲቑ ኢና ብተግባር ንዕዘብ ዘለና። ብካልእ ኣዘራርባ ጎይታን ጊላን፣ በላዕን ረኣይን’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ብጉልበቶም ዝነገሱ ጎይቶትን መጉሓፊ ትርፊ ፍርያት ዝሰኣኑ ኣዝዮም ውሑዳት ሃብታምን ብሓደ ገጽ፡ ኣብ ትሕቲ ድኽነትን ዝነብሩን ብሓውሲ ጊላነት ዝሽቅሉን ብሚሊዮናት ዘይኮነ ብቢሊዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ከኣ ብፍላይ ንገዛእ ርእስና ንነብረሉ ዘለና ሕማቕ ዘመን ኢና ንርከብ ዘለና።

ካብ’ዚ ቀረባ ግዝያት ንነጀው፡ ትማሊ ኣብ ቦታ ልዕሊ ሓያልነት ዝወዳደሩ ዝነበሩ’ሞ ብወሳኒ መልክዑ ብውሽጣዊ ድኽመቶም ተሳዒሮም ዝወደቑ ገለ ወገናት፡ ከም እንደገና ካብ ውድቀቶም ተንሲኦም ቀላጽሞም ኣሕቢጦም ኣለና ዝብልሉ፣ ገለ ከኣ ብፍላይ ብቑጠባዊ ምዕባለ ቅድሚ ብምስጓም፡ ዝበዝሐን ዝደኸየን ህዝቢ ንዘለወን ኣህጉራትን ሃገራትን ብኣወንታ ብምጽላው ስግኣት ልዕለ ሓያል ሃገር ንምዃን ፋሕተተር ዝብልሉ ዘለው ወቕቲ’ዩ። ስለዚ ከኣ ዓለምና ከም እንደገና መን ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ ክሳብ ብዝተራቐቐ ኣጽዋር ኲናት፣ ንግድን ቴክኖሎጂን ኣብ ዘሰክፍ ውድድር ትርከብ ኣላ። ሰላማዊ ፍትሓዊ ውድድር ዝድገፍ ‘ምበር ዝጽላእ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዓለማዊ ልዕለ ሓያልነት ፍትሓውነት ብዝጎደሎ ዝበልኩኻ ግበር ዝሃብኩኻ ድማ ተቐበል እናኾነ ይኽየድ ስለ ዘሎ ግን ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ስግኣት ‘ምበር ተስፋ ክኸውን ኣይከኣለን።

ብዓለም ደረጃ ረብሓን መሰል ዝበዝሑ ህዝብታት ንጎኒ ከዲፍካ ደምበታት ፈሊኻ ዝግበር ቅጥዒ ዘይብሉ ውድድር ከይኣክል፡ ብሓይሊ ገንዘብ መን ከማና ዝብሉ ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ ሃይማኖታዊ ምስፍሕፋሕ ማእከሎም ዝገበሩ፡ ንገዛእ ርእሶም ንገለ ካብ ዓላማዊ ጽልዋን ተጽዕኖ ፈጠርቲ መንግስታት ጸግዒ ዝገበሩ፡ ገለ መንግስታት ንዞባዊ ርእሰ ሓያልነት ክቀዳደሙ ይረኣዩ ኣለው። ብላዕሊ እንተለኒ ጎይታ ብታሕቲ ኣለኒ ባርያ ዓይነት መግለጺ ሓያልነቶም ብቑጠባ ኣዝየን ኣብ ዝተዳኸማ ሃገራት ከንጸባርቑ ይፍትኑ ኣለው።

ብፍትሓውነቱ ቅቡል ብዝኾነ ኣገባብ፡ ዞባዊ ጽልዋ ከተሕድር ምፍታን ሕማቕ ኣምበምኾነን። ከረጋግጽዎ ዝደልዩ ሓያልነት ንልኡላውነትን ህዝብን ሃገራትን ግምት ዘይህብ፡ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ብሓይሊ ገንዘብ ገዚኦም፡ መቆራቖሲ ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕ ክገብርዎ ምህቃኖም’ዩ። ካብ ናይ ህዝብታት ሓርነታዊ መሰላት ምኽባርን ናይ ሃገራት ነጻነት ምሕላውን ወጻኢ ብስም ህዝብን ሃገርን ምስ ውልቀ ሰባትን ውሱናት ጉጅለታትን ተገይሩ ወይ ይግበር ኣሎ ዝበሃል ሕጋውነትን ወግዓውነትን ዘይብሉ ምስጢራዊ ስምምዕ ከይዱ ከይዱ ጉድኣት ‘ምበር ረብሓ ስለ ዘይብሉ ከይሳዕረረ ዓገብ ምባል ከም ዘድሊዮ እናበርሀ ይመጽአ ኣሎ። ምፍጣር ዞባዊ ልዕለ ሓያልነት ብናይ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ ቅቡልነት ዝረኸበን ሚዛናውነቱ ዝሓለወን እንተዘይኮኑ ውጽኢቱ ንኹሉ ጥዑም ኣይኮነን።

ዞባዊ ልዕለ ሓያልነት መሰልን ረብሓን ህዝብታት ጎሲኻ ልኡላውነት ሃገራት ድማ እናተደፈርካ ምስ ውሱን መሪሕነታዊ ጉጅለ ተመሳጢርካ ከተረጋግጽ ምሕላን ከቢድ ሳዕቤን ከምዘኸትል ጸገም ዝፈጥሩ ዘለው ወገናት ደው ኢሎም ደጋጊሞም ክሓስብሉ፡ ንሶም ዝተፈጥርሉ ሕብረተ-ሰብ ድማ ዓው ኢሉ ዓገብ ክብልን ክዓጽፎን ይግባእ። ሃገራት ናይ ነበርተን ህዝብታት ‘ምበር ናይ ውሱናት ወሰንቲ መሪሕነተን ንብረት ኣይኮናን። ካብ ግዝኣትካ ሰጊርካ ናይ ካልኦት ልኡላዊ ክብረት ምትንኻፍ፡ ሰላምን ጸጥታን ምዝራግ ዓሰብትን ዕሱባትን ኣቕልል ኣቢሎም ክግልጽዎ ከም ዝፍትኑ ተራ ነገር ኣይኮነን። ኣብ መድረኹ ገበን’ዩ። ታሪኻዊ ስንብራቱ ከኣ ብቐሊል ዘይሓዊ ቁስሊ’ዩ።

ሃብቲ ንበዓል ቤቱ ዕንጋሎት እንተተኻኢሉ ከኣ ንጽጉም ጎረቤት ኣብ ቅኑዕ ደገፍ ክውዕል ዘለዎ ደኣምበር፡ ውልቀ ሰባት ዓሲብካ ልኡላውነት ሃገራት ናብ መፈተኒ ኣጽዋርን ኲናትን መሰጋገሪ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣገልግሎት ክውዕል ምሕላን ንኹሉ ዘይጥዑም ከቢድ ዕዳ ጽባሕ’ዩ። ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋብ ክኒዮ ተመጻዳቒ ዲፕሎማስያዊ ቃላት ኣዝዩ ከፊሕ ምዃኑ ኣየተሓትትን። ይኹን ግን ሃብታም ሃብቱ ሒዙ፡ ድኻ ድኽነቱ ሒዙ ልኡላዊ ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ተኸቢሩ ዝኸደሉ ዓለማዊ ሕጊ እናሃለወ፡ ትርፊ ሃብቲ ስለ ዝረኸብካን ክኒዮ ዶብካ ኣገልገልቲ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ስለ ዝረኽብካ ኣብ’ቲ ዘይናትካ ድሌተይ ክገብር’የ ምባል ብፖለቲካ ኮነ ብሕጊ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ብወገን ዝድፈር ዘሎ ህዝብን መሬትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብወገን’ቲ ዘይናቱ ዝዳፈር ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ህዝቢ’ውን ንቑሕ መኸተን ቅልጡፍ እርማትን ዘድልዮ ዝንቡዕ ኣካይዳ’ዩ።

ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ንኣብነት ኣብ’ቲ ንነጻነት ሃገሮምን መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ ክብሮምን ዝተኻየደ ዝተናወሐ ደማዊ ኲናት መን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶኦም ኮይኑ፡ ብሓሳብን ነዋትን ደጊፍዎም ተሓባቢርዎም ሕርሕራይ ገይሮም ዝፈልጡን ግቡእ ክብሪ ድማ ዘለዎም ህዝብታት’ዮም። ገለ ካብ’ዞም ንጉጅለ ህግደፍ ብገንዘብን ዓይነትን ሸሚቶም ልኡላውነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝዳፈሩ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ቁጠባዊ ምንጭታትን ኤርትራ ሃሰያታት ዘውርዱ ዘለውን መንግስታት ዓቐኑ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ክትከውን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ነቲ ሰውራ ዝድግፉ ዝነበሩ’ዮም። ህዝብታት ኤርትራ ድማ ነዚ ሰናይ ውዕሎ’ዚ ዘኽብር ‘ምበር ዝኽሕድ ሕልናን ባህልን የብሎምን።

እንተኾነ ግን፡ ናይ ትማሊ ደገፍቲ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ጎይቶት ጉጅለ ህግደፍ ተጻባእቲ መሰልን ረብሓን ህዝብታት ኤርትራ ይኹኑ ከም ዘለው ብጭብጢ ንዕዘቦ ዘለና’ዩ። መንግስታት ደሞክራስያውያን ይኹን መለኽቲ፣ ሕጋውያን ይኹን ኢ-ሕጋውያን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ሓላፍቲ፡ ህዝብታት ግን ብባህሪያዊ መስርሕ ብወለዶታት እናተተኻኽኡ እናተደላላዩን እናተደጋገፉን ዝቕጽሉ ስለ ዝኾኑ፡ ንዞባዊ ርእሰ ሓያልነት ዝቀደደሙ ዘለው ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኤርትራ ዝርከቡ ገለ መንግስታት ፖሊሲኦምን ኣካይዳኦም ደው ኢሎም ክሓስብሉ ሓላፍነታዊ ምኽሪ ክወሃቦም ኣለዎን ይግባእን።

ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብሰንኪ ኣስታት ን30 ዓመታት ዘጋጠሞም ሕሱም ጠላም ከፋፋሊ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ኩነታቶም ኣብ ጽቡቕ ከም ዘየለው ገሃድ’ዩ። ኣብ ሕማቕ ስለ ዘለው ድማ ከም’ቲ ናይ ትማሊ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ፡ ሎሚ ከኣ ኣንጻር ደመኛ ዘቤታዊ ጸላኢኦም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተጸሚዶም ይርከቡ ኣለው። ታሪኽ መለኽቲ ታሪኽ ስዕረትን ውርደትን ታሪኽ ህዝብታት ድማ ታሪኽ ዓወትን ክብረትን ብምዃኑ ድማ፡ ህዝብታት ኤርትራ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብዓወት ክጽንበሉ’ዮም። ምስ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝርከቡ ህዝብታትን ሃገራትን ከኣ ብዘይጥርጥር ብሓንሳብ ክነብሩ’ዮም። ሎሚ ዝወነንዎ ዘይተኣደነ ሃብቲ፡ ግዝያዊ ዝናን ክብርን ‘ምበር ናይ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ እንታይ ኣበሳ ኣለዎ ዘየመዛዝኑ ገለ መንግስታት፡ ንክብርን መሰል ህዝብታት ኤርትራ ጎስዮም ምስ ጸላኢኦም ተመሓዝዮም ዝፍጽምዎ ዘለው ግፍዒ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ንተግባሮም ዝምጥን ቀጥታዊ ግብረ መልሲ ኣይወሃቦም ‘ምበር መዓልቱ ምስ ኣኸለ ክምለሰሉ ይስነድ ከም ዘሎ ምዝኽኻሮም ኣገዳሲ’ዩ።

መሬት ኤርትራ ኤርትራውያን ብሰላም ሰሪሖም ኣስተርህዮም ክነብርሉ ዘለዎም ግዝኣት ኤርትራውያን ምበር፡ መፈተኒ ኣጽዋር ኲናት፡ መሰለጠንን መሰጋገርን ብገንዘብ ዝሓበጡ ሃይማኖታውያን ተነሓናሕቲ ኣይኮነን። ክኸውን ድማ የብሉን። ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሃሃገሮም ብሰላም እናነበሩ፡ ጨካን ግን ከኣ ውዱቕ መንግስቲ ንዘጋጠማ ኤርትራ ከም ጽቡቕ ዕድል ተጠቒሞም፡ መንግስታዊ ጉጅለ ዓሲቦም ኣብ ግዝኣት ኤርትራ እዛ እምባይ መን ይወርሳ ክበሃሉ፡ ምንቅስቃስ ዜጋታትና ክድርቱ፡ ክኣስሩን ክቐትሉን ክኒዮ ምድፋር ልኡላውነት ሃገር ብደረቅ ገበን ዘተሓታት ተግባር ብምዃኑ፡ ደጋጊምካ ዓገብ ክበሃሉ ይግባእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 21-06-2019