ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብዓይኑ ሪእዩ ንዝረኣዮ እወ ሪአ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል፡ ሓሙቱ ብህግደፋዊ ራዕዲ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ንዝከታተል ግዳማዊ ተዓዛቢ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምጽብባቕ ዘረባን ምግናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው’ዮም ዝርከቡ ዘለው።

ካብ’ዚ ከቢድ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝፈጠሮ ዝርገተ ሰላም፡ ፖለቲካዊ ዓፈናን፣ ጉልበታውን ቁጠባውን ምዝመዛን ዝብገስ፡ ስደትን ናይ ስደት ኣተሓሳስባን ገዛኢ ኮይኑሉ ኣብ ዘለወሉ ኣዝዩ ቅሳነት ዘይህብ ኣሳካፊ ወቕቲ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሰላም ኣሎ፡ ጽቡቕ ምሕደራ ኣሎ፡ ልምዓት ኣሎ፡ ልዕልና ሕጊ ኣሎ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናት ከም ዘለው ዝከሓድ ኣይኮነን። ይኹን ግን እዚ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ዝብገስ ‘ምበር ናብ ሓቂ ዝቐርብ ትሕዝቶ የብሉን።

ኤርትራ ሰላም ኣላ። ህዝቢ ጽቡቕ ይነብር ይነባበር ኣሎ። ጥሜትን ድኽነትን የለን። ስራሕ ኣሎ። ድሌትካ ትዛረበሉ ትሰርሓሉ መሰል ኣሎ ኢሎም ዝከራኸሩ ዜጋታት፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ነቲ ዝብልዎ ዘለው ስለ ዝመስል ዘይኮነስ፡ ሓደ መሰረታዊ መንቀሊኦም ቅኑዕ ናይ ምሕሳብን ምምዝዛን ተኽእለኦም ብትምክሕቲ ብዝተነድቀ ኣጉል ስብከት መሪሕነት ህግደፍ ስለ ዝተሰልበ’ዩ። ብካልኣይ፡ ውሽጣዊ ጉድና ድኻምና ጎረቤት ከይሰምዖ’ሞ ከይሕጎስ ዋላ ሞት ኮይኑ ይምጻእ ንጸመም ቁስልና ኣይንሓብር ካብ ዝብል ፍጹም ፖለቲካውን ማሕበራውን ድሕረት ዝምንጩ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዝርከብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ቅልውላው ኣብ ብዙሓት ንነገራት ብፖለቲካዊ ንጽህና ዝምለከቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባራት ስርዓት ደርግ፡ ብጥልመትን ጭካኔን ዘቤታዊ ጸላኢ ህግደፍ ይድገም ዝብል ግምት ዘይነበሮም ወገናት ኣሰንቢዱ’ዩ። ከም’ዚ ክሳብ ዝኸውን ኣበይ ነይረ፡ ኣበይ ነይርና? ዝብል ቁጠዐ ፈጢሩ’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ብዙሓት ዘይኮይኑ ውሑዳት መራሕትና ‘ምበር መምርሒና ዘይፈልጡ፡ ሕልናኦም ዝደርበዩ ዜጋታት፡ “ካብ ዝብኢ በረኻ ደኣ እንቋዕ ደሓና ‘ምበር ዝብኢ ዓድናስ ይብለዓና” ዝብል ዝንቡዕ ርድኢት ተታሒዙ ኣሎ።

እቲ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ርድኢት ላዕለዋይ ኢድ ስለ ዘይሓዘ ድማ በዚ ድሑር ኣዝዩ ድሑር ዝምባሌታትን ስምዒታትን ይዕንቀፍ ኣሎ። ሓኒኑ ንቕድሚት ከይስጉም ሓቅነት ብዘይብሉ፡ ግን ከኣ ሓቂ ዘለዎ ብዝመስል ንመላኺ ጉጅለን ተበለጽቲ መጋበርያኡን ‘ምበር፡ ንሰፊሕ ሓፋሽ ብዘይጠቅም ዝተደዋወሰ ርእይቶታት ኣይ ንቕድሚት ኣይንድሕሪት ኣብ ሰንፈላል ኣትዩ ይርከብ። ፖለቲካዊ ምልኪ፡ ፖለቲካዊ ጭቆና ብባህሪኡ ናይ ውሑዳት ርእይቶን ተግባርን’ዩ። ብኣይንግዛእን ቅኑዕ ርእይቶ ብዙሓት ድማ’ዩ ክህረምን ክሰዓርን ዘለዎ።

ጉጅላዊ ምልኪ ተወጊዱ፡ ንሱ ዝፈጠሮ ሃገር ከደን ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ከይውገድ፡ ዕንቅፋት ዝፈጥሩን ዝፈጥረሉ ኣገባብን ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ናይ’ቶም ንሕና ደለይቲ ለውጢ’ ኢና እናበሉ፡ ብተመክሮ ገድሊ ተኣሲሮም፡ ኣካሎም ኣብ ደምበ ፈታዊ፡ ኣረኣእያኦም ኣብ ደምበ ጸላኢ ዝገበሩ ወገናት ግን ካብ ኩሉ ዘሕምም’ዩ።

ኣብ’ዚ ጉጅለ ህግደፍ ብባህርን ብተግባርን መን ምዃኑ ዝተቓለዓሉ፡ ኣይኮነን ሕቶ ህዝቢ ክምልስ፡ ማይ ቤቱ ክመርሕ ኣብ ዘይከኣለሉ መድረኽ፡ ቅዋም ይተግበር፣ እሱራት ይፈትሑ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ይቐጽል፣ ዶብና ይተሓንጸጽ ዝብል ጻውዒት ከተቕርበሉ፣ ንሕና ተቓወምቲ ኣይኮናን ሓቂ ኢና ንዛረብ ዘለና ምባል፡ ካብ ኢሳያስ ዘይቀበጸ፡ ዕትብቱ ዘይተበትከ፡ ዝተዘርገ ፖለቲካ ከይጸሪ መመሊሱ ጋም ማን እናበለ ክነብር ባይታ ዝፈጥር ኣዝዩ ሓደገኛ ኣገንዝቦ’ዩ።

ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንዘድኪ ዝበታትን ዘብርስ፡ ብመሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንዝዋገ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ቅዋም ቅዋም ኣይትበሉ፡ ቅዋምኩም መይቱ’ዩ ንዝበለካ፣ እሱራት ኣይኮነን ክፍትሑ ብስድራ ቤቶምን ብሰብኣውነት ዝግደሱ ማሕበራትን ኣመቶም ከይግበር ንዝኸልከለ፣ ዶብ ቀዳምነት ንህቦ ኣጀንዳና ኣይኮነን ዶብና ይተሓንጸጽ ማለት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንፈጥሮ ንዝመደብናዮ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት ምስማም’ዩ ክብል ንዝገለፈካ፣ ኣብ ዘይህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ከም ቃሕታኡ ብዝወስዶ ዘሎ ዕድል ሓደ ወለዶ ኣጥፊኡ ካልኣይ ወለዶ ንዘጥፍእ ዘሎ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰምየ ባርነታዊ’ዕዮ ክፈትሐልካ ምጽዋዕ፡ በሃልቱ ዳግመ ርእይቶ ገይሮም ክእርምዎ ዝግባእ ጥዕና ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ንሕና ሓቂ ኢና ንዛረብ ዘለና ንቃወም ኣይኮናን ዘለና፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ‘ምበር ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭራት ኣይኮናን ዝብል ርእይቶ ብገለ ሸነኹ ፖለቲካዊ ግርህና ዘለዎ ይመስል። በቲ ካልእ ከኣ ናይ ዘይተፋተሐ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ምድንጋጽ ከም ዘሎ የመልክት። ስለዚ ኩሉ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣረዳድኣ ክወጽእ ቅኑዕ ህዝባዊ መርገጽ ድማ ክሕዝ ኣለዎን ይግባእን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ንዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምድንጋጽ ዘይኮነ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ንህግደፍ ብምህራም’ዩ ክፍወስ ዝኽእል። ስለዚ ከኣ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ርእይቶን ተባዕ ውሳኔን ኣብ ኩሉን ካብ ኩሉ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዋሳእ ኤርትራዊ ዜጋ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 13-05-2019