ኣጋጢሙና ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስቅያት ብጌጋ ወይ ብመርገም ዝመጽአ ኣይኮነን። ኮነ ኢልካ ብዕላማ ብውጥን ብመደብ ዝተታሕዘ ጉዳይ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣምበርኪኽካ ንምግዛእ ማእከላይ ዕላማኡ ዝገበረ ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ’ዚ ብዋዛ ፈዛዛ ከም ዘይሰርሕ’ውን ክፍለጥ ይግባእ። ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝቆጻጸረሉ ሰንሰለት ኣለዎ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ማእከላይ ግዜ፡ ነዊሕ ግዜ ከዐውቶ ዝሓዞ መደባት ኣለዎ። ነዚ ጸረ-ህዝቢ መደብ’ዚ ብእምነትን ጥርናፈን ዘገልግሉ ኣምለኽትን ልኩማትን ኣለውዎ። ኩሉ ሃገራዊ ቁጠባዊ መትንታት ተቖጻጺሩ ስለዘሎ፡ እኹል መሳለጥያታት ሒዙ’ዩ። መን እንታይ ዓይነት መደብ ሒዙ ናበይ ይወፍር፡ ኣበይ ውዒሉ? እንታይ ኣሳሊጡ? እንታይ ኣየሳለጠን? ስለምንታይ? ….ዝብል ዝቆጻጸረሉ ስርዒታዊ ሰንሰለታዊ ባህሊ ኣለዎ። ብከምኡ’ዩ   እንኮ ሰባዊ ስርዓት ብህይወት ሚሊዮናት ዝጣላዕ ዘሎ።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣድኪኻ ኣርዒድካ ኣምበርኪኽካ ምግዛእ ማእከላይ ዕላማኡ ዝገበረ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ቅቡል ኣይኮነን። ብዘይካ’ዞም “ንሕና ንሱ” ዝጭርሑ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ኣምለኽቲ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተኣማመን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር ኣይቅበሎን። ስነ-ሓሳብ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ፍሉይ ዘይ ህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ርእይቶ ዘለዎም ውሑዳት፡ ኣብ ትሕቲ ቅኑዕ ኣረኣእያን ውሳኔን ብዙሓት ተሓቒፎምን ተማእዚዞምን ክኸዱ ደኣምበር፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ውልቃውን ጉጅላውን ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ርዒሞም ተንበርኪኾም ክኸዱ ኣይምህርን።

ዓለማዊ ኮነ ሰማያዊ ኣስተምህሮ፡ ንመሰልካ ንኽብረትካ ንመንነትካ ተቓለስ’ዩ ዝብል። ኣብ ትሕቲ ዘይመረጽካዮን ዘይትደልዮን ውልቀ ሰብን ጉጅለን ባርያ ኮይንካ ንበር ኣይብልን። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ ድማዩ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ውጹዓት ህዝብታት ዘካየድዎ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ቅቡልን ድጉፍን ዝኸውን። ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ቅድሚ 1991 ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ፡ ድሕሩኡ ድማ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ዘካየድዎ ገና ዘካይድዎ ዘለውን መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ምርግጋጽ ዝማእከሉ ቃልሲ ‘ውን ኣካሉ ’ዩ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ትማሊ ብግዳማዊ መግዛእቲ ተገፊዖም ‘ምበር ኣይተምበርከኹን። ኣላሽ ኣይበሉን። ተገዲዶም ኣብ ዝተናወሐ ደማዊ ኲናት ኣትዮም። ግን ብክቡር መስዋእቶም ሃገራዊ ልዑላውነቶም ክውን ዝገበሩ ህዝብታት’ዮም። ሎሚ’ውን ብፋሽሽታዊ በትሪ ጉጅለ ህግደፍ ንግረፍ ኣለና። ግን ኣላሽ ኣይበልናን። ኣይተንበርከኽናን። እምቢታ ነስምዕ ኣለና። ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ንመሰል ንለውጢ ንቃለስ ኣለና። ብኣኼባ፡ ሰሚናር፡ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢልና ንፋሽሽታዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ የቃልዕ ኣለና። ንሃገራዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘለና ድልየትን ድልውነትን ብምረት ንገልጽ ኣለና። እዚ ግድን ክንገብሮ ዘለና ስለዝኾነ ኣወንታዊ’ዩ። ክተባብዕ ዝግበኦ’ዩ። ግን ምሉእ ኣይኮነን። ሓደ ብዙሕ ግዜ በሊዑ ዝመጽአ’ዩ።። ካልኣይ ብመንጽር’ቲ ኣብ ርእሲና ዝፍጸም ዘሎ ፋሽሽታዊ ዘቤታዊ ተግባር፡ ብስጡም ውደባን ግብራዊ ባህሊ ስራሕን ዝኸይድ ኣይኮነን። ሳልሳይ፡ መቆጻጻሪ ሰንሰለቱ ኣዝዩ ዝላሕለሐ’ዩ። ሳልሳይ ክውንኖ ዝነበሮ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ስትራተጂካዊ መስመር ብከም’ቲ ዝድለ ኣይጨበጠን።

ብተግባር ከኣ ህዝባዊ ልኡላውነት ተሃሪሙ፡ ሃገርና ብናይ ሰብ ደርቂ ተጠቒዓ፡ ዓቕሚ ዘለዎን ዘይብሉን ትንዕ ዝብላ ዝህድዳ፡ ገዛ ምውት መሲላ ትርከብ ኣላ። እዚ ኣሰካፊ ኩነታት’ዚ ክዕጸፍ ኣለዎ። ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ባህሪያዊ ቦታና ተመሊስና ተኣማሚና ንነብረሉ ጥጡሕ ባይታ ክንፈጥር ኣለና። ጸገምና ጸረ-ህዝቢ ባህሪ ህግደፍ ዝወለዶ ግጉይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስለዝኾነ፡ ካብ መሰረቱ ክንፍውሶ ብኩለንተናና ፖለቲካዊ ፖለቲካ ክንሽሽት ኣለና። ልምዳዊ ባህላዊ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ክንሓዋውሶ የብልናን። ፖለቲካዊ ታሪኽና ዕድመ ዝጸገበ’ዩ። ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ካብ’ቶም ቀዳሞትን ገዳይምን’ዩ። ኣተሓሕዛን ግን ኣይግድን። ክሳብ ሕጂ ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና ብድድ ኢልካ ንዝሃረመ ይህረም ዓይነት ስምዒትካ ተራግፈሉ ‘ምበር፡ ንግድምናና ዝገልጽ ኣይኮነን። ብኸመይ ኣገባብ ኣብ’ቲ ዝድለ ዓወት ንምብጻሕ ከም ዝከኣል ብግቡእ ዝተገንዘብና ኣይንመስልን።

ኣብ ክንዲ ብናትና እምነት፡ ኣረኣእያ፡ ስትራተጅን ስልትን ንምራሕ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዝፍጽሞ ኢ-ሰብኣዊ ፋሽሽታዊ ተግባራት ካብ ድቃስና ንበራበር። ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመር ብዘይወነነ ግዝያዊ ረስኒ ሆ እናበልና ኣይነድምዕ ኣይነስምዕ ንኸውን ኣለና። ከም ብፖለቲካ ዝተገፋዕና ውጹዓት ተቓለስቲ መጠን፡ መዓርፎና ካበይ ናበይ፡ ፖለቲካዊ ኣንፈትና ናበይ፡ መን ጸላኢና መን’ከ ፋታዊና ኣነጺርና፡ ንህልዊ ጸገምና ካብ መሰረቱ ዝፈትሕ ስትራተጅን ስልትን ቀሪጽና፡ ንዋሳእ የለናን። ብእምነትናን ስምምዓትናን ተገዚእና ኣብ ምቅላስ ኣይበቓዕናን ኣለና። ውሑዳት ዘይኮኑ ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ዝርከቡ ወገናት ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ብሩህ ኣይኮነን። ስጡም ውደባ የብሎምን። ሕጋዊ ተሓታትነት የብሎምን። ውድብ ሰልፊ ምንቅስቓስ ዝብል ሽፋን ይጥቀሙ። ውድባዊ ኣረኣእያ፡ ውድባዊ ኣሰራርሓ፡ ውድባዊ ተሓታትነት፡ ህዝባዊ ወገናውነት ማእከሎም ገይሮም ክኸዱ ግን ኣይረኣዩን። ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ብዙሕ ክብሉ፡ ክጽሕፉ፡ ክተኣኻኸቡ ይረኣዩ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ይቕህሙ። ካልእ ኣጀንዳ ሒዞም ከም እንደገና ኣብ መድረኽ ይቕልቀሉ። እናደገና ይካሰሱ ይብተኑ። ከም እንደገና ይተኣኻኸቡ። ርሑቕ ከይተጓዕዙ ተስፋ ቆሪጾም ሃለዋቶም የጥፍኡ። እዚ መርኣያ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ዘይተገርሐ ዝሩግ ኣካይዳ’ዩ።

እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ፈራሕ ጨካን ስለ ዝኾነ ኣብ መዓልታት ዘይኮነ ኣብ ሰዓታት ፍልልይ ብዙሕ ገበናዊ ተግባራት ክፍጽም ምርኣይን ምስማዕን ዝተለምደ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ዋሕስ ናይ’ቲ ሕግብግብ ዝብለሉ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ስነ-መጎት ሓይሊ ስለዝኾነ። ባህሪኡ፡ ኣረኣእያኡ፡ ተግባሩ ንዜጋታት ምዕፋን፡ ምስቓይ፡ ምድካይ፡ ምብርካኽ’ዩ። ስለዚ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝፍጽሞ ጭካኔ ዝመልኦ ባርባራዊ ግፍዒታት፡ ኣብ ልዕሊ መን እንታይ ተፈጺሙ? መን ፈጻሚኡ? መዓስ? ኣበይ? ብግቡእ ተፈሊጥና ሰኒድና ክንሕዞ ከነቃልዖ ሓደ ካብ ዘይተርፍ ዕማምና’ዩ።

ይኹን ግን ብስትራተጅን ስልትን ዘይምራሕ ፖለቲካ ፖለቲካ ኣይኮነን። ካብ ኣካላዊ ምትእኽኻብን ምፍንጣሕን ሓሊፉ ዘረጋግጾ ትርጉም ዘለዎ ዕላማ የብሉን። ዕለታዊ ተረኽቦታት ከም መቃለሲ ፕሮግራም ተወሲዱ ኣብኡን ኣብኡን ጥራሕ ተጸሚድካ ምስራሕ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጌጋ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ናተይ ናትና ኢልና ንኣምነሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ከየነጸርናን ከይወነንና፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት እንተተመናጨትና ነምጽኦ ለውጢ የለን። ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ዝተናወሐ ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መሪር ኣደራዕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ፡ ዝተመዝገበ ዘነይት ኣንጸባራዊ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ደጋጊምካ ብምግላጽ ዝረጋገጸ ህዝባዊ ዓወት ከም ዘየለ ክርደኣና ይግባእ።

ንኣብነት ሃይማኖታዊ እምነትን ሃይማኖታዊ መምርሕን ከም ዘለዎ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረስ’ዩ። ነቲ ካብ ቅድሚና ዝነበሩ ዝተቐበልናዮ ከም ዘለዎ ምትግባር ግዴታ’ዩ። ነቲ መምርሒ ብሓድሽ ሓሳብ ከተመሓይሾ ኮነ ክትቅይሮ ኣይፍቀድን። “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ተመለስ”ዩ ነገሩ። ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝጸንሐን ዘሎ ባህልን ልምድን’ውን ኣይተ መሓይሽ ኣይትቐይር ዝብል ወግዓዊ ሕጊ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብወሳኒ መልክዑ ግን ነቲ ቅድሚኻ ዝጸንሐ ሱር ዝሰደደ ሕብረተ-ሰብኣዊ ባህልን ልምድን ከተመሓይሽ ክትቅይር ከቢድ’ዩ። ብወሳኒ መልክዑ ከም ዘለዎ ተቐቢልካን ኣኽቢርና ክትከይድ’ዩ ተጽዕኖ ዝገብር።

ስለዚ ‘ምበኣር ሃይማኖታዊ እምነት፡ ባህልን ልምድን ብወሳኒ መልክዑ ካብ ቅድሜና ዝነበረ ወለዶ ዝተረከብናዮ ከም ዘለዎ ሒዝና ምቕጻል ስለ ዝኾነ፡ ብመንጽር’ቲ ካልእ ከቢድ ድኻም መጽናዕትን ምርምርን ኣይሓትትን። ባህልን ልምድን ቀዳሞት ከም ዘለዎ ሒዝካ ምኻድ ኣወንታዊ’ዩ ጉድለት የብሉን ማለት ግን ኣይኮነን። ነቲ ዝተረከብካዮ ባህልን ልምድን ተማሂርካ፡ ተመራሚርካ ደረጃ ብደረጃ ዝመሓየሽ ከተመሓይሽ ዝቕየር ክትቅይር እንተዘይክኢልካ ኩሉ ሸነኻዊ ዕቤት ምርግጋጽ ኣይከኣልን። ኣብ ዘለኻዮ ኪድ (ጋም-ማን)’ዩ ዝኸውን። ስለምንታይ’ሲ ነቲ ካብ ቀዳሞት ዝወረስካዮ ከም ዘለዎ ደኣኻ ትቕበሎን ተቐጽሎን ዘለኻ ‘ምበር፡ ብሓድሽ ሓሳብ ተማዕብሎ የለኻ። ሓድሽ ማዕባሊ ሓሳብ ዘየመንጩ ዜጋ ወይ ሕብረተ-ሰብ ከኣ ንስነ-ፍልጠት ጓና’ዩ ማለት’ዩ። መሰረታዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ጸገም ኤርትራ ድማ፡ ምስ ሃይማኖት፡ ባህልን ልምድን ዝመሳሰል ምዃኑ’ዩ።

ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ክበሃል እንከሎ፡ ምሕደራ ማለት’ዩ። ልምዳዊ ዘይኮነ ስነ-ፍልጠታዊ ምሕደራ። ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ኣብ ህይወትን ቀጻልነትን ህዝብታት ዘለዎ ግደ ዓቢ’ዩ። መሰረት ኩሉ መዳያዊ ርግኣትን ሓድነትን ህዝብታት ድማ ኣብኡ’ዩ። ስለዚ ከኣ ሽግር ፈታሒ ዝኾነ ፖለቲካዊ ልማዳዊ ዘይኮነ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ክኸውን ይግባእ። ኩሉ ግዜ ሓድሽ ማዕባሊ ሓሳባት ዘመንጩ ክኸውን ኣለዎ። ሓድሽ ሓሳብ ከምጽኡ ወይ ከመንጭው ዘለዎም ከኣ ብቐንዱ ዝተማህሩ ሰባት’ዮም። ዝተማህሩ ሰባት ካብ ልምዳዊ ኣተሓሳስባ ወጺኦም፡ እንታይ እንተገበርና፡ ብኸመይ ዝበለ ኣንፈት እንተተጎዓዝና፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት ነረጋግጽ ክፈላሰፉ ክመራመሩ ኣለዎም። ቅድሚት ተሰሊፎም ንህዝቦም ክምህሩ ከንቅሑ ክውድቡ ኣለዎም። ሓፋሽ ኣቐዲሙ ካብ ዝፈልጦ ዝተፈልየ ሓሳባት ባህልን ኣሰራርሓ ከተኣታቱ ክጽዕሩ ኣለዎም። ደሞክራስያውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብተግባር ኣብ ባይታ ወሪዶም፡ ቅድሚኡ ዘይነበረ ሓሳባት ብምምጻእ መንገዲ ዓወትን ዕቤትን እነሆ ኢሎም መሪሓዊ ተራ ክጻወቱ ይግባእ። ዝሓሸ ሓሳብ ዘይቅበልን ሓድሽ ሓሳብ ዘየመንጩን ሕብረተ-ሰብ ክንዲ ዝኾነ ይወጻዕ፡ በቲ ወጽዓ ድማ የማርር፡ ለውጢ ይድለ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን። ኣብ ጋም-ማን’ዩ ዝነብር። ጭቡጥ ኣተሃላልዋናን ኣካይዳናን ከኣ ምስክር’ዩ።

ብሰንኪ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ስርዓት፡ ከም ጥሙር ህዝቢ ንቕጽል’ዶ ኣይንቕጽልን ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና። እቶም ብዙሓትን ግፉዓትን ድማ በብዘለናዮ ናይ ቃንዛ ኣውያት ነስምዕ ኣለና። ካብ ፖለቲካዊ ጭቆናን ቃንዛን ዘውጸኣና ህዝባዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመርን ብቑዑን ውፉይን ፖለቲካዊ መሪሕነታዊ ሕቶ ግን ኣይመለስናን። ሓሳብና ስለዝተዘርገ ከመይ ከም ዝእርነብ ዛጊት ብግቡእ ኣይተረደኣናን። ወይ ክንርዳእ ድልውነት የብልናን።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝስማዕ ድማጺ፡ ዝዝርጋሕ ጽሑፋት መብዛሕቲኡ ነበርና ገበርና ሕሉፍ ታሪኽ ዘዘንቱ’ዩ። ካብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ስነ-ፍልጠታዊ መጎት ርሒቑ፡ ኣብ ተራ ጽልኢ ጥሒሉ ዝቑዝም’ዩ። ብድሌት ‘ምበር ብክውንነት ኣይግዛእን። ክብሎ ዝደሊ ‘ምበር ኣብ ከም ኤርትራ ዝበለት ሕብረ ብሄራዊት ሃገር፡ ዝነበረን ዘሎን ንቕድሚት ድማ ክኸውን ዘለዎን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ብሓላፍነት ዝተገንዘበ ኣይኮነን። ኣብ ባይታ ንዘሎ ሕብረ ውድባዊ ክውንነት ተቐቢሉ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልውነት የብሉን። ርእይቶይ እምነተይ ንዝብሎ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ‘ምበር፡ ህዝቢ ዘሳተፈ ቅሉዕን ደሞክራስያውን መድረኻት ከፊቱ ክብልን ክበሃልን ንቕሓትን ድፍረትን ዘይወነነ ልምዳዊ ኣካይዳ’ዩ። ልምዳዊ ኣካይዳ ከኣ ጋማ-ማን’ዩ። ሓድሽ ሓሳብ ሓድሽ ኣረኣእያ ዓጢቕካ ናብ ዝማዕበለ መድረኽ ክትሰጋገር ዘተባብዕ ኣይኮነን።

ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝበሃልን ዝዝርጋሕ ጽሑፋትን ልቢ ኢልና እንተተኸታቲልናዮን እንተተገምጊምናዮን እቲ ዝበዝሕ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ኣብ ትማሊ ዝነብር’ዩ። 30 ዓመት ተዋጊእና። ኣሽሓት ሓረበኛታት ከፊልና። ብወያነ ተውሪርና። ኮሚሽን ዶብ ዝበየነልና ቁሸት ባድማ ዛጊት ኣይተረከብናን። ቅድሚ ኩሉ ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ። ( ድሕነትን ክብረትን ህዝቢ ኣብ ጸብጻብ ዘየእቱ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ምስ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ዝመሳሰል ዕሸላዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ) ቅዋም 1997 ይተግበር። እሱራት ይፈትሑ። ደለይቲ ፍትሒ ‘ምበር ተቓወምቲ ኣይኮናን። ጸገምና ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናትና’ዩ። ሃገራዊ ድሕነት ናትና’ዩ …ወዘተ ዝብል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ዝተጠናነገ ድምጽን ርእይቶን ሒዝካ ኣበይ ክብጻሕ? ብኸመይ ዓወት ክመጽእ? ነዚ ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም መምርሒኻ ብምግባር ሃገራዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከተምጽእ ምሕሳብ ብውሕዱ የዋህነት’ዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ሃገራዊ ጸገም መን’ዩ? እቲ ሕቶ’ኸ ናብ መን ይቐርብ ኣሎ ዘይምርዳእ’ውን ሓደ ክእረም ዘለዎ መሰረታዊ ዝርገተ ፖለቲካ ዝወለዶ ጌጋ’ዩ።

ብዝኾነ ህዝቢ ስለ ዝኾና፡ ሃገር ስለ ዝኾና፡ ኣብ’ዚ ስልጡን ዘመን ድማ ንነብር ስለ ዘለና ካብ ገጢሙና ዘሎ መሪር ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጭቆና ሓራ ክንወጽእ ብዘይካ ቃልሲ ካልእ ፍታሕ የለን። ነካይዶ ቃልሲ ከኣ፡ ትርጉም ዘለዎ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ዘእትወና፡ ኣብ ድሙቕ ማህደር ታሪኽ ዘስፍረና ቃልሲ ክኸውን ኣለዎ። እግርናን ዕድሜናን ንቕድሚት እናኸደ ኣተሓሳስባ ንድሕሪት ክኸይድ የብሉን። ዝሓለፈ ታሪኽን ተመክሮን ከም መወከሲ ወሲድና፡ ናትና ኣወንታዊ ታሪኽን ተመክሮን ደኣ ክንስንድ ኣለና ‘ምበር፡ ድሕሪት ተመሊስና ኣብ ታሪኽ ክነብር የብልናን። ከም ውጹዓት ደቂ ሃገር ዝተበታተነ ኣተሃላልዋና ኣላፊና ንሰርሓሉ ባይታ ክንፈጥር ኣለና። ከምኡ ክንገርብ ከኣ ሽፍንፍን ዘይብሉ ብፕሮግራም፡ ስትራተጅን ስልትን ዝተቐርጸ ዕላማ ክህልወና ኣለዎ። ንሕዞ ዕላማ ህዝባውን ደሞክራስያውን ክኸውን ይኽእል ዘይክኸውን ይኽእልን። ቅኑዕ ድዩ ኣይቅኑዑን ህዝቢ ክነፍዮ ንህዝቢ ንግደፈሉ። ግን ብሩህ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ግዜ ግዜ ሓድሽ ሓሳባት ኣመንጨውትን ምስ ሓድሽ ሓሳብ ሰጎምትን ክንከውን ኣለና።

ብፕሮግራም ደረጃ ኣነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ንምዕዋት’የ ዝቃለስ ዘለኹ። ማሕበራዊ መሰረት ከኣ እከለን እንከለን’ዮም። ኣነ ሊቨራላዊ ስርዓት ንምንጋስ’የ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣነ ሶሻል ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ’የ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣነ ስሩት ባህላዊ ክብርታት ኤርትራ ንምዕቃብ’ዩ ዕላማይ ….ወዘተን ካልእ ስነ-ሓሳብ ሒዝና ብወግዒ ክንዋሳእ ኣለና። ስለምንታይ’ሲ ህዝቢ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ደርባዊ ወገንነቱ ዘነጸረ ፖለቲካዊ መስመር’ዩ ዝመሃር። መሪጹ ኣብ ዝምእመኦ ዝዓስል። ከምኡ ምስ ዝግበር ድማ’ዩ ጉጅለ ህግደፍ ክውገድ፡ ስቓይና ድማ ክሓጽር ዝኽእል። ሓድሽ ሓሳብ ኣብዘይብሉ፡ በረኣእያ ብመስመር ኣብዘይትካትዓሉ፡ ኣካላዊ ሓድነት ግን ወጊድ ክበሃል ኣለዎ። ስለዚ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ወጊድ ኢልና፡ ሓድሽ ሓሳብ ነመንጩ፡ ብሓሳብ ንካታዕ፡ ኣብ ሓሳብ ንወደብ።

                                               ካብ ዛራ ማና

                                               15-04-2020