ኣብዚ ደቂስካ ትሐዊ ዶ‘‘መመኽነይታ ሪኺቦም ነጋዶ‘‘ ሆስፒታል ግራር ባጽዕ‘‘ትካል ናይ ጃንዳ ህግደፍ ከይኮነ‘‘ ነዚ ሆስፒታል ዘይፈልጦ እንተሎ‘‘እቶም ንፈልጦ ክንገልጾ‘‘ የፍራሐካ ነሩ ንኽትረግጾ‘‘ያኣክል ምትላል‘‘ናብ ህዝቢ ዘይውዕ ገንዘብ ሐግዙና ምባል።

ወለኹም ኣቱም ንማፍያዊ ጉጅለ ትድግፉ‘‘ መራሒኹም ኮሮና ቫይርስ‘‘ናይ ህዝብና‘‘መንግስቲ ኣሎና ትብሉና‘‘ ክንደይ ጅግና‘‘ኣብ ግራር ወዲቑ‘‘ ህግደፍ የፍርሱ እንበር መዓስ ይነድቁ‘‘ገንዘብ ይወስዱ እንበር‘‘መዓስ ይፍውሱ‘‘ምስ ዝወጸ የውጻኣና‘‘ሆስፒታል ግራርዩ ምስክርና።

ሕቶና ሕቶ ሐርነትን ፍትሕን እንበር‘‘ሕቶ ንሐግዝ ዶ ኣይንሐግዝ ኣይኮነን‘‘ህዝቢ ኤርትራ መዓስ ገንዘብ ጥራይ‘‘ሂወቱ ወፍዩ‘‘ኣቱም ደድሕሪ ገንዘብ ትጎዩ‘‘ህግደፍ ትቐትሉ እንበር‘‘ህግደፍ ዶ ተሕውዩ‘‘ኣብ 66 ዝፈረየ ኮሮና ቫይርስ‘‘ን54 ዓመት ደምና ዘፋስስ‘‘ኢሰያስ ካብ መዓስ ንህዝቢ ይፍውስ‘‘ ዝሐመመ ዶ ኣብዚ ይድቅስ።

ህግደፍ ውሕ ውሕ ዝብሉ‘‘ ኣኽላባት ዝዝርግሕ‘‘ኢሰያስ ከሎ ዶ ህዝቢ ኤርትራ ከይረብሕ‘‘መንዩ ካብዚ ጉጅለ ክፍወስ ዝጽበ‘‘ኡሱራት ክፈትሕ‘‘ዑሱባት ህግደፍ ግወግሕዩ ክወግሕ።

ካብ ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍስ ተሪፉ ህዝብና‘‘ብጀካ ዝዓኑ እንበር ዝህነጽ ነይረኤና‘‘በቲ ኣብ ቀራንዮስ ዝፈሰሰ ደም መድሐኒና‘‘ምሕረቱ የውርደልና‘‘ርሑስ በዓል ፋሲካን ትንሳኤ ይግበረልና‘‘ ሰላም ወሰናይ ኣሜን ኣሜን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።