መሽሮ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ ኢሰያስ ኣማሳሚሱ‘‘ ከም ባድመ‘‘ ንዓሰብ ከረክበኩም ሐሲቡ‘‘ሐሳቡ መዓስ ሰሚሩሉ‘‘ ጀጋኑ ምክልኻል ሐይልታት‘‘ጅግና ወዲ ዓሊ ሕጃይን‘‘ ብጾቱን ምስ ኣትከሉ‘‘ሽዑ እዩ ዕላማ ክልተ ጎራሐት ተበሊሉ።

ሕጂ ውን ኤርትራ ብዘይ ህዝባ ባዲማ መዓስ ተሪፋ‘‘ኣለና እኳ‘‘ ሰብ ዘይብላ ዶ መሲሉኩም‘‘ንኤርትራ ህግደፋዊያን ጥራይ ኣይኮኑን ሰባ‘‘ደለይቲ ፍትሒ ግብሪ ኣልቦ ኣብዚሕና ዘረባ‘‘ይዳናደን ኣሎ ንዓሰብ ከረክባ።

ውዲት ካብ ኣዲስ ንመቐለ‘‘ መዝሙር ሰላም ምስ ፈሸለ‘‘ ብጉልባብ ዶብ ኣርተፊሻል ዝነቀለ‘‘ኣቢዪ ብክልተ ጎራሕት‘‘ ምስ ተወከለ‘‘ደጋጊሙ እንድዩ ዓሰብ ዓሰብ ዝጨደረ‘‘ ተጋሩ ይፈታትኑና ኣለዉ‘‘ኤርትራዊያን ኣይንተሃመል‘‘ንኣቢዪ ወኪሎም ኣለዉ‘‘ህግደፍ ወያነ ተባኢሶም ኣይንበል።

ደቂሱ ኢልኩም ኣይተላግጹ‘‘ዝደቀሰ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ‘‘ ጅግና መሪሕ ሲኢኑ ኢሉ‘‘ጻድቃን እንተ በለ ቱታ‘‘ኤርትራ ንጹርዩ ዶባታ‘‘ባጽዕ ዓሰብ ኣዶሊስ ወደባታ‘‘ ብኣሉላዊያን ሲኢና ሩፍታ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ጭካንዩ ኣብ ርስቱ‘‘ ብመረቱ ዝመጾ መዓስ ይፈቱ‘‘ኤሊት ተጋሩ‘‘ ኲናት ኣይትጻሕትሩ።

ባሕሪ ባሕሪ ኣይተብዝሑ‘‘ምክልኻል ሐይልታት‘‘ ክንዲ ሕሽ ይጽበሎ ጓሳ‘‘ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ይጽበሎ ዓሳ‘‘ህዝቢ ተዳኺሙ ኢልኩም ንዓሰብ ክትሕዙ‘‘ተጋሩ ጭራ ነብሪ ኣይትሐዙ‘‘ነቲ ሕማም ቀደሙ ዝደገሶ‘‘ከም ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ ይምልዕሶ‘‘ ኣሉላዊያን ኣይተብዙሑ ልቕሶ‘‘ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሐረነ መንዩ ንድሕሪት ዝመልሶ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።