ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ሕማቕ ነገር ከጋጥሞ፡ ክፉእ ክርእን ክሰምዕን ኣይደልን። ንካልኦት’ውን ክፉእ ከጋጥሞም ኣይሰርሕን ኣይምነና ድማ። እዚ ግን ብቕንዕና ዝተዓጀበ ድሌት’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ህይወት ብሰናይ ድሌት ጥራሕ ኣይትምራሕን። ድሌት ምስ ክውንነት ተዛሚዱን ተወሃሂዱን’ዩ ክኸይድ ዘለዎ። ክትሕጎስ ስለ ዝደለኻ፡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ኣይትኽእልን። ዓወት ደሌኻ ኩሉ ግዜ ዕውት ክትከውን ኣይትኽእልን።

ሓዘንን ስዕረትን ጸሊእካ ጠቕሊልካ ካብ ሓዘንን ስዕረን ምህዳም ኣይከኣልን። ኩሉ ግዜ ሓፍ ዞቕ ኣሎ። ምውዳቕን ምትሳእን ኣሎ። ሩሕ ክሳብ ዝሃለወ፡ ምንቅስቓስ ክሳብ ዝሃለወ፡ ሓጎስን ሓዘንን ዓወትን ስዕረትን በጋጣሚታት እናተቐያየሩ ክመጽኡ ውሁብ ነገር’ዩ። ነቲ ዓወትን ሓጎስን ብመልክዑ ምሓዙ። ነቲ ዘሕዝን ክሳራን ስዕረትን ከኣ ብግቡእ ምንጩ ፈሊጥካ፡ ሰብ ዝሰርሖ እንተደኣ ኮይኑ ብመጽናዕቲ ብንቕሓትን ትብዓትን ተቓሊስካ ምውጋዱ። ባህሪያዊ እንተኾይኑ ከኣ እምብዛ ከይተረበሽካ ወይ ኣእምሮኻ ከየጨነቕካ ምቕባሉን ተፈጥሮ ናብ ረብሓኻ ንምቕያር ምምሃርን ምምርማርን’ዩ።

ዓወት ወይ ዘሐጉስ ነገር ብዘይስራሕ ኣይርከብን። ዘጉህን ዘሕዝንን ነገር ብተመሳሳሊ ካብ ንቕሓትን ቃልስን ወጻኢ ኣይወገድን። ሕጉስ ህይወት ከተሕልፍ፡ ዕንቅፋት ሓጎስ ከተለልን ክትኣልን ኣለካ። ንኣብነት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ንበዝሕ ኤርትራውያን ጉሁያት ‘ምበር ሕጉሳት ኣይኮናን። ምንጪ ጓሂና ከኣ ባህሪያዊ ዘይኮነ ሰብ ዝሰርሖ’ዩ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ፡ ዘሕጋዊ፣ ዘይ ህዝባዊ፣ ዘይ ፍትሓውን በይናዊ ፋሉላዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ። ልጓም ኣልቦ ፋሉላዊ ጸረ-ህዝቢ ምሕደራ ህግደፍ ከም’ዚ ሕጂ ብተግባር ኮይንዎ ዘሎ ከም ዝኸውን ካብ ውልደቱ ርዱእ ነይሩ። ኣብ በበይኑ መድረኻት ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጃንዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ብይመስለኒ ዘይኮነ፡ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕታዊ ፖለቲካዊ ተነታን ዝተሰረተ መረዳእታ ይቐርብ ነይሩ። “ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ” ከም ዝተባህለ፡ እግሪ ተኺሉ ከይገበለ ብኣጋ ይገራሕ ዝብል ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ከም’ቲ ዝደለ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን። ኣቐዲሞም ነገራት ካበይ ናበይ ዝተረድኡ ለባማት ዝወሓዱ፡ ብግዝያዊ ስምዒት ዝምርሑ፡ ብፖለቲካዊ ግርህና ተለኪሞም ዝኸዱ ድማ ብዙሓት ስለ ዝነበሩ ከይገበለ ንምቁጽጻሩ ኣይተኽኣለን።

መለበሚ ዝኸውን ፍልጠት ግን፡ ኣብ ክፍሊ ኣቲኻ ብስሩዕ ዝርከብ ትምህርቲ ጥራሕ ኣይኮነን። ብግቡእ እንተተጠቒምካሉ ዕድመ ትምህርቲ’ዩ። ተመክሮ ትምህርቲ’ዩ። ብዓይኒኻ ትሪኦ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ወይ ቀረባ ቤተሰብካ፡ ጎረቤትካን ዝተፈጸመ ዘይምኽንያታዊ፡ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ተግባር ትምህርቲ’ዩ። ምኽሪ ዓበይትን ለባማትን ምስማዕ ትምህርቲ’ዩ። ካብ ዘጋጠመካ መከራ ምምሃር ትምህርቲ’ዩ። ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ብጣልያን ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝተገዛእና ካብኡ ክንወስዶ ንኽእል ትምህርቲ ኣሎ። ብኣፍልጦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝጸናሕናሉ ግዜ ነይሩ። ካብኡ ክንወስዶ ንኽእል ትምህርቲ ኣሎ። ብዘይድሌትና ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ክንቁረን ተገይሩ። ከም እንደገና እቲ ፈደሬሽን ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ብዝኾነ ዓመጻዊ ኣገባብ ፍሪሱ። ካብ ክልቲኡ ክንወስዶ ንኽእል ትምህርቲ ኣሎ። ካብ’ቲ 30 ዓመት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝነበረ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታትን ክንወስዶ ንኽእል ዓቢ ተመክሮ ኣለና።

ኤርትራ ብመግዛእቲ ጥልያን ከም ሃገር ካብ ዝተፈልጠትሉ 1890፡ ክሳብ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ብሓይሊ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ዝወጽኣሉ 1991፡ ብ1993 ድማ ብህዝበ ውሳኔ (ረፈረንደም) ልኡላውነት ኤርትራ ብወግዕን ብሕግን ክውን ዝኾነሉ ዝነበረ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ብወለዶታት እናተተኻኻእና ግን ከኣ ኣላሽ ከይበልና መጺእና። ኣላሽ ዘይምባልና ሓደ ካብ’ቲ ከም ህዝቢ ንኾርዓሉ ታሪኽና’ዩ።

ይኹን ግን መጀመርያ ናብ ውሽጣዊ ኩነታትና ኣብ ክንዲ ንጥምት፡ ዓብላሊ ትኹረትና ብቐጥታን ተዘዋዋርን ካብ ግዳም ናብ ዝመጽኣና ተጻባእን ጸላእን ምግባርን ግን ሓደ ካብ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ስንብራት ክውሰድ ይግባእ። ብፖለቲካ ቋንቋ ነቲ ውሽጣውን ግዳማውን ግርጭት ቀዳማይን ካልኣይ ኢልካ ምስራዕ ቅኑዕ’ዩ። ውሽጣዊ ኩነታትና ከይገምገምና መጻኢ ኣንፈትና ከየነጸርና፡ ንምኽሪ ለበማት ዕሽሽ ኢልና፡ ኣብ ዘይመረጽናዮም ውልቀ ሰባት እምነት ኣሕዲርና ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ግዳም ምግባር ብርግጽ ዋጋ ኣኽፊሉናን የኽፈለና ኣሎን። ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭት ኢልካ ምቕማጥ ቅኑዕ ኣገባብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣብዘሓ ዝነበረ ርድኢት ብወሳኒ መልክዑ ፖለቲካዊ ግርህነት ዝዓብለሎ ርድኢት ምንባሩ ብንጹር ክቕመጥ ኣለዎ።

እቲ ፖለቲካዊ ግርህነት ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭት ኢልካ ኣብ ምቕማጥ ኣይኮነን። እቲ ንሎሚን ጽባሕን ክንመሃረሉ ዘለና መሰረታዊ ጉድለት፡ ምሉእ ግልጽነት ዝሰፈኖ ውሽጣዊ ውድባዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ምህላውን ዘይምህላውን፣ ኣበይ ረጊጽካ ኣለኻ? ካበይ ናበይ ንብጻሕ ትደሊ ኣለኻ? ኣብ ክብርን ወሳንነትን ህዝቢ ዘለካ ኣጠማምታ ከየነጸርካ ናብ ግዳማዊ መግዛእትን ዓንገልቱ ጥራሕ ምጥማት’ዩ። ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ፡ ከመይ ኣፍልጦ ሂብካ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሓድሮ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራምካ ብመንጽር ነዊሕን ሓጺርን ግዜ፡ ማሕበራዊ መሰረት ፖለቲካዊ ፕሮግራምካ፡ ንቕሓት፡ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ወገንነትን ተወፋይነትን መሪሕነታዊ ኣካል ብግቡእ ከይተናበበ ይኸይድ ምንባሩ’ዩ።

ውሽጥኻ ብግቡእ ፈትሽኻ ፈሊጥካን ተፋሊጥካን ብንቕሓን ብሓላፍነት ንግርጭታት ቀዳማይን ኣካልኣይን ኢልካ ምቕማጥ እወ ብስለት’ዩ። ገዛኻ ሓሚዱ እናሃለወ ካንሸሎ ( ገበላ) ከተጽሪ ምፍታን ግን ካብ ርስሓትን ደሮናን ሓራ ዝገብረካ ኣይኮነን። ንዘይመረጽካዮ፡ ዘየኽብረካን ብሓይሊ ዝበልኩኻ ግበር ኣምየን ኢልካ ተገዛእ፡ ምሉእ ሃምኻን ቀልብኻን ናብ ደገ ጥራሕ ጠምት ንዝብለካ ምእማን ግን ብርግጽ ክእረም ዘለዎ ፖለቲካዊ ግርህነት’ዩ ዘርኢ። እዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ኣእምሮ ዘንቅሕን ዘስፍሕን ኣስተምሃሪ መስርሕ ብግቡእ ስለ ዘይተጠቐምናሉ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ብህዝባዊ ውሳኔ ኣረጋጊጽና ማዕረ ካልኦት ልኡላውያን ሃገራት ምስተሰራዕና’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ክንሓስብ ክንመሓደር ኣይከኣልናን። ገበታ ባዕላዊ ውሽጣዊ ጸገማት እናሃለወ፡ ጠንቂ ኩሉ ሽግርና ካብ ደገ ከም ዝብገስ ነብስና ኣታሊልና፡ እቲ ጃንዳ ኣብ ዝኣጎዶ ዘይፍትሓዊ ኲናት ኣቲና፡ ህይወት ክንግብር፡ ደምና ክንክዑ፡ ንብረትናን ጥሪትናን ከነባኽን፡ ንዘየኽብረና ድማ ከነኽብር ኢና ተራኢና። ገና ሕጂ’ውን መሊእና ዝለበምናን ዝተፋታሕናን ኣይኮነን። ኣተሓሳስባና ተዘሪጉ ነቲ ዝመጻእናዮ ግጉይ ኣገባብ ኣቀላልሳ ብዓሚቕ ገምጋም ኣሪምና ናብ መንገዲ ዓወት ኣብ ንምርሸሉ ባይታ የለናን።

30 ዓመት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ዘቤታዊ ጸላኢ ንነብር ኣለና። 30 ዓመት ሰብኣዊ ክብርናን ነገራዊ ሃብትናን ኣብ ዝተሃርመሉ ባርነት። ካብ’ቲ ቅድሚ 1993 ዝፈጸምናዮ ጉድለትን ዝሓለፍናዮ መከራን ተማሂርና ቀዳምነት ንህዝባዊ ልኡላውነት ሂብና ክንዋሳእ ይግባእ ነይሩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ዝተሓልፈን ገና ንነብረሉ ዘለናን ኲናትን ስደትን ማእሰርትን ራስያን ዝመለለይኡ ክፉእ እንኮ-ሰባዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ካበይ ምንጩ መን በዓል ቤቱ ኣለሊና ክንብገስ ነይሩና። ከምኡ ግን ኣይገበርናን። መሪር ስቓይን መከራን ኣጋጢሙና ‘ምበር፡ ካብ’ቲ ስቓይን መከራ ብግቡእ ኣይተመሃርናን። ካብ ብዓይኒ ዝረአ ዝበልኩኻ ስማዕን ተግብርን ፋሽሽታዊ በትሪ፡ ምኽሪ ለባማትን ተመክሮን ክትመሃር ድልዊ ዘይምኻን ፈውሲ ክትረኽበሉ ዘጸግም ባዕላዊ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ። ብዝኾነ ፖለቲካዊ መዕቀኒ፡ ፈሊጡ መደባት ኣውጺኡ ህዝቢ ንዝንዕቕ፡ ህዝቢ ዝፈላሊ፡ ንብረት ዜጋታት ዝራሲ፡ ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያት ዝኣሰር፡ ዘሳቒ፡ ዝቐትል መራሒ ኮነ ጉጅለኡ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ‘ምበር ፈታዊ ክኸውን ከቶ ኣይክእልን።

ተማሂርናን ምስ ዘመናዊ መራኸቢታት ሌላ ኣለናን ዝብሉ ገለ ኤርትራውያን ንቐታሊ ፈታዊ ኢሎም ክገልጹ፡ ከምልኹ፡ ኣብኡ ዘይኣመንካ እመን ኢሎም ክምህሩ እንክትሰምዕ ትግረም። ማይ ቤቱ ከይሃምም፡ ንፋስ ከይኣትዎ፡ ከይረቅቕ፡ ጠቕሊሉ ከይመውት ኣብ ጎኒኻ ኣለና በርትዕ ርእስኻ ኣይተድንን ክብልዎ ሰሚዕካ ብኤርትራውነትካ ትሓፍር። እዚኦም ኣይኮነን ኤርትራዊ ኣስተሓኮ ሰባዊ ክብረት የብሎምን። ኣብ ሓደ ሰብ ጥራሕ’ዮም ዝተኣማመኑ። ካብ’ዚ ውዱቕ ሕልና’ዚ ተበጊሶም ድማ’ዮም ሃገር እናበሉ ንግኡዝ ነገር ልዕሊ ሰብኣዊ ክብረት ሰሪዖም ከይተሰከፉ ዝነብሑ ዘለው። ፖለቲካዊ እንዶ ንዝሓጽሮም ግሩሃት ከኣ ይልክሙ የደናገሩ ኣለው።

ንዘቤታዊ ጸላኢ ከም ፈታዊ፡ ንግዳማዊ ፈታዊ ከም ጸላኢ ኣምሲሎም ብግልባጡ ይምህሩ የደናግሩ። ብተግባር ንዝበዝሑ ኤርትራውያን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ ጸላኢኦም። ነቶም ተማሂርናን ምስ ዘመናዊ መራኸቢታት ተላሊናን ዝብሉ ውሑዳት ህግደፍ ፈታዊ’ዩ። መራሒ ህግደፍ ሕጋዊ መራሒ ሃገር’ዩ ኢሎም ንቐባሪ ከርድኡ ከመጣጠሩ ንዕዘብ ኣለና። ፈታዊ ዝበልሉ ምኽንያት ግን ብፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ሕጋዊ ስልጣንን ኣሰራርሓን፣ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያኡ ልምዓታዊ መደባቱ፣ ግሉጽነቱ፣ ተሓታትነቱ፣ ስትራተጂኡን ፖሊሲኡን መሰረት ገይሮም ከረድኡ ኣይኽእሉን። ስለዘይብሉ ካበይ ከምጽኡ። ነቶም ብጸላእነት ዝኸስዎም ዘጸልምዎም ግዳማውያን ሓይልታት ብተመሳሳሊ በዚ ስትራተጂ’ዚ፡ ፖሊሊ’ዚ መግለጽን ተግባርን’ዚ ጸላእትን ተጻባእትን ህዝብታት ኤርትራ’ዮም ዝብል ጭብጣዊ መረዳእታ ከቕርቡ ኣይረኣዩን። ስለ ዘየለ ካበይ ከምጽኡ። ንዘቤታዊ ጸላኢ ፈታዊ ኢሎም ክረርው ከመጉሱ እንከለው ኮነ፡ ንግዳማውያን ፈተውቲ ተጻባእቲ ጸላእቲ ኢሎም ከጸልሙ ክኸሱ እንከለው ጭብጢ ሓቲትካዮም፡ መሰረት ዘይብሉ ውሽጣዊ ስምዒቶም ብነድሪ ካብ ምምላስን ኣካላዊ ትንዕታ ካብ ምርኣይን ወጻኢ ዘቕርብዎ ትርጉም ዘለዎ መረዳእታ የለን።

ጭቡጥ ፖለቲካዊ መረዳእታ ዘይብሉ፡ ፈታውን ጸላእን ዘጨብጥ ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ከኣ ኣተሃላልዋና ሓባሪ’ዩ። ንጸላኢ ህዝብን ሃገርን ከም ፈታዊ ክሕብሕቦ፡ ንፈታዊ ህዝብን ሃገርን ከኣ ብጸላእነት ክኸስስ ‘ምበር፡ ናብ ዝበዝሑን ዝተወጽዑን ወገናት ዝወገነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ኣይቅበልን። ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ መልክዕ ውደባ ትሕቲ ሃገራውነት ስለ ዝኾነ ኣይንቕበሎን። ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስን ኣብ ዙርያኡ ዘለው ውሱናት ሓላፍትን ኣልጊስካ ከም ውድብ ከም መንግስትን ክቕጽል ኣለዎ ይብል።

ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ውድባቶምን ክጽንበሩና የብሎምን። ብኣካል ስለ ዝኣረጉ ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽኡ ስለዘይከኣሉ ስለ ዝፈሸሉ ጸግዖም ክሕዙ ኣለዎም …ወዘተ ዝብል ብሃውሪ ዝምራሕ ፖለቲካ ሒዝካ፡ ሃገር ከደን ፖለቲካዊ ለውጢ ከመጽእ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ሰብ ዝሰርሖ’ዩ። ካብ ህዝባዊ ርእይቶን ስጡም ውደባን ሒዝካ ምቅላስ ወጻኢ ድማ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ መስመርና ከይነጸረ፡ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ከይተኸበረ፡ ህዝባዊ ልኡላውነት ኮነ፡ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ከተኽብር ምፍታሕን ኣብ ከውሒ እኽሊ በቲንካ ርቡሕ ምህርቲ ክትረከብ ከም ምጽባይ ዝውሰድ ከንቱ ምልሕሓጽዩ’ሞ ብተግባር ኣብ እንግድዓና ካብ ዝወረደ መከራ ንመሃር። ተመኺርና ድማ ንስማዕ።

                                               ካብ ዛራ ማና