ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሎምን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተሉን ፖለቲከኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ርእሰ ምትእምማን ከም ዝጎድሎም ርዱእ ነገር’ዩ። ውሽጣዊ ሞራል ኮነ ፖለቲካዊ ስንቂ ስለ ዘይብሎም ከኣ ብትሕዝቶ ዘይኮነ ብምስሉነት’ዮም ዝነብሩ። ብውሽጦም ብባዶነት መንፈስ እናተሳቐዩ ግዳማዊ ምስሎም ብሓሶት፡ ጭካኔ፡ ምጉብዕባዕ፡ ከመላኽዑ ይፍትኑ።

ብባህሪኦም ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ-ደሞክራሲ፣ ጸረ-ህዝባዊ ልምዓት ክንሶም ብቃላት ብሸብዳዕዳዕ፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት ራእይ ዘለዎም መሲሎም ክረኣዩ ይደልዩ። ሓቀኛ ህዝባዊ ራእን ስይትራተጂን ምስ ዘለዎም ናይ ካልኦት ፖለቲከኛታት ሞያተኛታት ውድባትን መንግስታትን ተሓዋዊሶም ዘይምስሎም ለቢሶም፡ ኣብዘይ መርከቦም ተሳፊሮም ክጎዓዙ ይፍትኑ። እቲ ግዳማዊ ምስሊ ንውሽጣዊ ባህሪኦም ኣይቅይሮን። እንተኾነ ግን ንሳቶም ጎረሓት እቲ ካልእ ነገራት ናይ ምግንዛብ ምትንታን ምግምጋም ዓቕሚ ዘይብሉ በሃም ገይሮም ብምቁጻር ምድንጋር ስራሕና ኢሎም ይወስድዎ። ኩሉ ግዜ መግለጺኦም፡ መሳርሒኦም ጥልመት፡ ምድንጋር፡ ስሰዐ፡ ጭካኔ’ዩ። ክጠልሙ ክኽሕዱ እንከለው ኣይስከፉን። ምድንጋር ክእለቶምን መሰረታዊ መምዘኒ ፖለቲካዊ ብቕዓቶምን’ዩ። ስሰዐ ተመኺሩ ተሓጺቡ ዘይለቅቕ መፋጥርቶም’ዩ። ጭካኔ ካብ ልክዕ ዝሓለፎ ውሽጣዊ ፍርሒ ዝምንጩ እንኮ ዋሕስ ህላወን ቀጻልነቶምን’ዩ።

ብባህሪኦም ቅንዕና ዘይብሎም ኣምስሉ ስለ ዝኾኑ፡ ገዛእ ርእሶም ኣይኣምኑን። ገዛእ ርእሱ ዘይኣምን ፖለቲከኛ፡ ውድብ ኮነ መንግስቲ ድማ ንህዝቢ ክኣምን ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ። ከም’ቲ ምስ ነብሱ ዝተባእሰ ሰብ ንካልኦት መንጎኛ ኮይኑ ክዓርቕ ዘኽእሎ ሞራል ኮነ ብቕዓት የብሉን ዝበሃል፡ ገዛእ ርእሱ ዘይኣምን ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ መንግስቲ ድማ ኣማኒ የብሉን። ስለምንታይ ልክዑ ኣይፈልጥን። ናይ ካልኦት ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ ብልክዕ ኣይፈልጥን። ባዕሉ ንባዕሉ ነብሱ ከወድስ፡ ንካልኦት ጸለሎ ቀቢኡ ከዳቕቕ ከቆናጽብ ከሳብ’ውን ብገበን ትሕቲ ሃገራውነት ክኸስስ ድሕር ኣይብልን። በቲ ዝዘርኦ ሓሶት ዝኽደኖ ዘብረቕርቕ ምስሊ፡ ቀልቢ ተዓዘብቲ ዝማረኸ፡ ስለዚ ከኣ፡ ድሙቕ ዓወት ዝሓፈሰ ገይሩ ስለ ዝትርጉሞ ድማ፡ ሰማዕትን ተመልክትን እንታይ ይብሉኒ ኢሉ ከይተሰከፈ ዝባኑ ቀሊዑ ዝተወደበ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒታት የካይድ።

ናይ’ዚ ከም’ዚ ዓይነት ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒታት ኣብነታዊ ጎብለል ከኣ፡ ስማዊ ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ። ህግደፍ ብባህሪ እንተተዘመዚኑ ጸረ-ህዝቢ’ዩ። ብደሞክራሲ እንተተመዚኑ ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ። ብሕጋዊ ተሓታትነት ዓይኒ እንተተገምጊሙ ዘይሕጋዊ ፋሉላዊ ኢደ-ወነናዊ’ዩ። ብእምነት ደረጃ እንተተ መዚኑ ዝወጽኣሉ ክሓዲ’ዩ። ብተግባር ድማ፡ ኣዝዩ ፈራሕ ግን ከኣ ብፋሽሽትነትን ዝግለጽ ጨካን’ዩ። እዚ ኩሉ መንገዲ ዕንወት ህዝብን ሃገርን’ዩ።

ብርሰትናን ዕንወትናን ድማ እነሆ ብተግባር ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ካብ 1991 ንደሓር ኣብ መሬት ኤርትራ ክረአን ክስማዕን ዘይነበሮ’ዩ። ግን ኮይኑ እነሆ። ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ከም ጽቡቕ’ዩ ዝገልጾ። ህዝብታት ኤርትራ ግድን ክሓልፍዎ ዘለዎም ገይሩ’ዩ ዝዛረብ። ነቲ ሓቂ ህዝቢ ከይነቕሓሉ ድማ፡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክሽፍኖ ይፍትን። መን ከማይ መን ከማና ኢሉ ይፍክር። ዘፈክር ህዝባዊ ባህሪ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ናይ ልምዓት ፖሊስን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ግን የብሉን። ኣፉ መሊኡ ዘዛርብ ውሽጣዊ ሞራል ዘይብሉ እናሃለወ ግን፡ ይዕዘቡኒ ይሰፍሩኒ ከይበለ ውጽኢት ስራሐይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ይብል።

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙ ናይ ወርሒ ሕዳር 2019 ማለት ካብ ዕለት 05 ክሳብ 07-11 2019 ኣብ ኣስመራ በይነ መንግስታዊ ኮሚቴ ላዕለዎት ሰብ መዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮሚሽን 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። እቲ ኣኼባ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህደት” ዝብል ቴማ ነይርዎ። ኣኼባ መበል 23 ኮይኑ፡ 300 ኣኼበኛታት ዝተሳተፍዎን ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ክካየድ ከኣ ንፈለማ ግዜኡ ምዃኑን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ስማዊ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ድማ ከፊትዎ። ኣቶ ዑስማን ኣብ መደረኡ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ንዞባዊ ውህደት ዘቀላጥፍ ፍሉይ ክእለትን ዓቕምን ኣሎ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ጎንጺ፡ ናይ ሰላም ኣየር ተስፋን ስኒትን የስተንፍስ ምህላው፡ እዚ ድማ ንዞባዊ ውህደት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ እዚ ዞባ ህይወት ነብስ ወከፍ ሰብ ክቕይር ዝኽእል ዓቢ ሃብቲ፡ ዓቕሚ ሰብን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ኣለዎ   ድሕሪ ምባል ድማ፡ እዚ ክውን ክኸውን ግን ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚታት ቅርጺ ምትሓዝ ቀንዲ ረቛሒ’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ ኤርትራ ካብ ውሽጣዊ ዓቕማ ተበጊሳ ክትሰርሓሉ ምጽናሓን ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ድማ ማሕበረ ቁጠባዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ኣንቂዳ ትሰርሕ ኣላ ክብል መዲሩ።

ስማዊ ሚኒስተር ህግደፍ ከም’ዚ ዝበለ መሰረት ዘይብሉ መልእኽቲ ከመሓላል እንከሎ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ሓድሽ ሓሶት ስለ ዘይኮነ ኣይገርመናን። እቶም ኣብ ቅድሚኦም ኮይኑ ከም’ዚ ዝበለ ፈጠራዊ መልእኽቲ ዘሕልፈሎም ዘሎ 300 ኣኼበኛታት ካብ ቀረባ ርሕቀት ኤርትራ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ካብኡ ናብ ድማ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝመጽኡን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ኮና ማሕበራዊ ኩነታት ህዝብታት ኤርትራን ጠንቁ ጽቡቕ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ዘይምእታው ግን ዝገርምን ዘሕፍርን’ዩ። እቶም ኣኼበኛታት ናብ ኤርትራ ክመጽኡ ደኣዮም ኣጋይሽ ‘ምበር ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋይሽ ኣይኮኑን።

ህግደፍ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልዕና ግዛኣተ ሕጊ፡ ልምዓት ራእይ ከም ዘይብሉ ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኩ ብዝረኸበ ይርከበኒ ይሰደዱን ግዳይ ዝተፈላለዩ ግፍዓዊ ተግባራት ይኾይኑ ምህላዎምን ዝፈልጡ’ዮም። ኩሎም ድማ ኣኣብ ሃገሮም ካብ’ዛ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ትርከብ ኤርትራ ዝሓይሽ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት ፖሊሲታት ከም ዘለዎም፡ ህዝቦም’ውን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዝርከብን ኣይተገንዘበን። ስማዊ ሚኒስተር እዚ ዞባ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ተስፋን ስኒትን ኣየር የስተፍስ ኣሎ። ኤርትራ ማሕበረ ቁጠባዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ኣንቂዳ ትሰርሕ ኣለና ኢሉ። ዓይኒኻ ብጨው ተሓጺብካ ሓሶት ዝበሃል ከምዚ’ዩ። ናይ ልምዓት ባህሪ የብሉን። ናይ ልምዓት ፖሊሲ የብሉን። ኤርትራ ብናይ ሰብ፣ እንስሳ፡ ኣግራብ ደርቂ’ያ ትህረም ዘላ። ከምኡ ክኸውን ዝገበረ ኸኣ ስማዊ መንግስቱ’ዩ። ንዓሰርተት ዓመታት ሰላም ናይ’ዚ ዞባ ዝዝርግ ዘሎ’ውን ንሱ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ድቀትን ውድቀትን ከኣ ብናይ ቃላት ምቅንጃው ዝሕባእ ኣይኮነን።

ፖለቲካዊ ሓሶት ናይ ፖለቲካዊ ውድቀት መግለጺ’ዩ። ውሽጣዊ ባህሪኻን ተግባርካን ባዶ ክንሱ ብግዳም ሓላፍነታውያን መንግስታት ዝብልዎን ዝገብርዎን ብቃላት ለቢስካ መን ከማይ ክትብል ንለባማት ሕፍረት’ዩ። ኣብ’ቲ መድረኽ ብናይ ሓሶት ቃላት ኣደናጊሩ ነቶም ኣጋይሽ ካብ ዝዓረፍሉ ሆቴል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰምበል ኣብጺሑ እንተዘፋንዎም’ውን ኣይምሓሰመን። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ዝቑጸር ኣዝዩ ዘመናዊ ጽርግያታት፡ ዘተኣማምን ንዘመናዊ መስኖኣዊ ሕርሻን ሓይሊ ጸዓትን ዘገልግል ዓለም ለኻዊ ደረጃታቱ ዝሓለወ ዲጋታት ንዘለዎምን ዝፈልጡን ኣጋይሽ፡ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ብዝደኸመ እሞ ኸኣ ግዱድ ጉልበታዊ ዕዮ፡ ብመኾስኮሲ ዕፉን ኣሕምልትን ዝኾነ ጭዃሮን ባዴላን ዝተሰርሐ ደቦቕቦቛ ዝኾነ መንገድን፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንመስተይ እንስሳ ዘየተኣማምን ሓጽብን ረኣዩለይ ስምዑለይ ኢሉ ከዙሮም’ውን ተዓዚብና።

ብናቱ እምነት እቶም ኣጋይሽ ሕልናኦም ሸይጦም ብግልባጥ ናይ’ቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ፡ ብተግባር ድማ ደሮና እናተኸድኑ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘብዎ መንግድን ዲጋ ዝተሰምየ ሓጽብን ኤርትራ ትለምዕ ኣላ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልምዓት ተጸሚዱ ኣሎ። ህይወት ዜጋታቱ ይቅይሩ ኣሎ ኢሎም ኣብ ዘዝኸድዎ ክምስክርሉ’ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ድንቁርና’ዩ። ምናልባት ከም’ዚ ዓይነት ናይ ሓሶት መቓልሕ ዘራብሑ፡ ካብ ሞያዊ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ፍጮ ዝወጽኡ ንኸብዶም ዝሓደሩ ጋዜጠኛታት ክረከቡ ይኽእሉ። እዞም ኣብ ኣኼባ ዝቐነዩ ኣጋይሽ ግን፡ ዘለዎም ትዕዝብቲ ንውሽጦም ገይሮም፡ ንዝተግብረሎም እንግዶት ከመስግኑን ከመጉሱን ናይ ግድን’ዩ። ዲፕሎማስያዊ ቋንቋ ዝበሃል ካብ ምጥቃም ወጻኢ፡ ኣቀባብላኹም ጽቡቕ ኣይኮነን። እዚ ደኣ መዓስ ጽርጊያን ዲጋን ኮይኑ፡ ነዚ ከተርእዩና ዲኹም ኣምጺእኩምና ክብልዎም ኣይኽእሉን። ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ንከምዚኦም ዝበሉ ኣጋይሽ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሎም ምፍታኑ ግን፡ ጋሻ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ይዕዘብ ምዃኑ ዘይምርዳኡ ባዶነቱ የመልክት።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 08-11-2019