ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር መንግስቲ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ቀዳማይ፡ ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ራዕድን ስኽፍታን ካብ ናብ ዝንቀሳቐስሉ፣ ሓሳቦም ዝለዋወጥሉ፣ ዘፍርይሉ፡ ናይ ፍርያቶም ወነንትን ተጠቀምትን ዝኾንሉ፣ ብነጻነት ወፊሮም ናብ ቤቶም ብሰላም ዝምለስሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ’ዩ። ካልኣይ፡ ኣብ ሃገራዊ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ይምልከተኒ ይግባኣኒ’ዩ ኢሎም፡ ብሓሳብን ብተግባርን ዝሳተፍሉ፡ ሰብኣዊ መሰሎም

ዘኽብርሉ፣ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብዘፍቅዶ መሰረት፡ ብደሞክራስያዊ ምርጫን ብናይ መርጻ ካርድን ዝደልይዎ ኣብ ስልጣን ዘደይብሉ፡ ዘይደልይዎ ዝቃወምሉ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ህዝባዊ ልኡላዊ ስልጣን ክውን ንምግባርን’ዩ።

ሳልሳይ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ካብ ዝርከብ ሃገራዊ ሃብቲ (ጸጋታት) ብሕግን ብፍትሓዊ ኣገባብን ተጠቀምቲ ዝኾንሉ፡ ሃገራዊ ልምዓታዊ ገስጋስ ብቐጻልነት ዝዓብየሉ፡ ንጹር ኣሳታፊ ፖሊሲ ቀሪጹ ክሰርሕን ከስርሕን’ዩ። ራብዓይ፡ ብዓመጽ ኣነ ብዝበልኩኻ ኪድ ዘይኮነ ብሕጊ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ሃገር ለኸ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ምኽባር’ዩ። ሓምሻይ፡ ከም መግለጺ ውሽጣዊ ሃገራዊ ሰላምን ስኒትን ከኣ፡ ምስ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝርከቡ ኮነ ኣብ ርሑቅ ርሕቀትና ዝርከቡ ህዝብታትን መንግስታትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተመሰረተ ዝምድና ንምግባር’ዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ፖለቲካዊ ጽልዋ ህዝብን ሃገርን ብኣወንታ ምስፋሕን ቅቡልነት ክረክብ ምግባርን’ዩ።

ሓንቲ ሃገር፡ ዜጋታት ኣፎም መሊኦም መንግስቲ ኣለና ክብሉ ዝኽእሉ ‘ምበኣር፡ ነዚ መዕቀኒታት’ዚ ኣማሊኡ፡ ህዝብን ሕግን ኣኽቢሩ ዝሰርሕን ዘስርሕ መንግስቲ ምስ ዝህሉ’ዩ። ነዚ ዘየማልእ መንግስቲ፡ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ኣይኮነን። ነዚ መንግስተይ መንግስትና ኢሎም ዝቕበሉ ዜጋታት ከኣ፡ ንነብሶም ኣይኾኑ፡ ንህዝቢ ኣይኾኑ፡ ንሃገር ኣይጠቕሙ፡ ናትና ዝብልዎ መንነት ዘይብሎም ኣመለኽቲ ውልቀ ሰባት’ዮም። ምኽንያቱ ዜጋታት ንመንግስቲ ክቆጻጸሩን ግስጹን ‘ምበር፡ ንዘይመረጽዎ ጨፍጫፊ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ናይ ሕጋውነት ኣፍልጦ ሂቦም፡ ክምእዘዝዎን ከምልኽዎን ብቐሊል ዘይሕለፍ ገበን’ዩ።

ኣብ ዓለም ብባህላዊ ኣገባብ ዘመሓድሩ መሳፍንቲ ተራእዮም’ዮም። ብዘርኢ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብምቅብባል ብንግስነት ዘመሓድሩ ነይሮምን ኣለውን’ዮም። ብገለ ሸነኹ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባር ኣንፈት ዘለዎም መለኽትን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ምሉእ ንምሉእ ጨፍሊቖም፡ ፍጹም ምልካዊ ምሕደራ ዘረጋገጹ፡ ፈራሓት ግን ከኣ ጨካናት መለኽቲ ስርዓታት ነይሮም ኣለውን። ጉልባቡ ዝቐልዐ ፋሽሽታዊ ስርዓት’ውን ርኢና ኢና። ፋሽሽታዊ ስርዓት ከም ስርዓት ኣይሃሉ ‘ምበር፡ ከም ኣረኣእያ ሕጂ’ውን ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘሻቕል ተርእዮታት የለን ማለት ኣይኮነን። ተሓታትነት ዘለዎም ኣብነታውያን ሕጋውያን ህዝባውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት ድማ ነይሮም ኣለውን’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ኣብ መወዳእታ ተገሊጹ ዘሎ ተሓታትነት፡ ሕጋውነትን ቅቡልነትን ዘለዎ ኣብነታዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ፡ እቶም ካልኦት ኣብ መንጎኦም ዘሎ መልከዓዊ ወይ ናይ ገለ ደረጃታት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሎም ብኣብዘሓ ህዝብታት ጽሉኣት ‘ምበር ቅቡላት ኣይኮኑን። ስለምንታይ? ህዝባውያን ደሞክራስያውያን ስርዓታት ስለ ዘይኮይኑ። ስለዚ ከኣ ብህዝባዊ ቃልሲ ክወገዱ ዘለዎም ዓመጽትን ኣግለልትን ስርዓታት’ዮም።

ካብ’ዚ ክውሰድ ዝከኣል ትምህርቲ እንተሃለወ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ በትረ ስልጣን ስለ ዝተቖጻጸረ፡ ህዝባዊ፣ ሕጋዊ፣ ደሞክራስያዊ ባህርን ተግባርን ዘይብሉ፡ ናይ ሓቀኛ መንግስቲ መስፈሪ ዘየማልእ ስማዊ መንግስቲ ምዃኑ’ዩ።

በዚ መንጽር ንኤርትራ ዘመሓድር ዘይኮነ ዝገዝእ ዘሎ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ብኢደ ወነኑ ካብ ምቁጽጻሩን፡ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ካብ ምርካቡን ወጻኢ፡ በረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ኮነ ተግባሩ፡ እወ ናይ ህዝቢ መንግስቲ’ዩ ከብሎ ዝኽእል መግለጺ ወይ መርተዖ የብሉን። ባዕሉ ብእምነት ክሕደት ብሓይሊ ብረት ብዝደየቦ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣነ መንግስቲ’የ፡ ዝበልክኹም ስምዑኒ ሰጥ ለበጥ ኢልኩም ተማእዘዙኒ ስለ ዝበለ፡ ንዜጋታት ምርዓድ፣ ምስቓይ፣ ምቕታል፣ ንብረትን ጥሪትን ምዝራፍ፣ ማሕበራውን ባህላውን ክብረታት ምብራዝ፡ ምዝራግ፤ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምስሊ ኣብ ምዕያን ስትራተጂካዊ መምርሒኡ ገይሩ ኣብ ገበናዊ ተግባር ይነጥፍ ስለ ዘሎ፡ መንግስተይ መንግስትና ክበሃል፡ ሰብኣዊ ሓርነታዊ መሰልካ ብፍቃድካ ከም ምቕንጣጥን ባርነት ድማ ብፍቓድካ ካብ ምቅባልን ወጻኢ ካልእ መግለጺ ክረከበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም መንግስትና ትብሉ፡ ኣይትሙተና ትብሉ፡ እቶም ማእከላይ መርገጽ ዝሓዝኩም ወገናት ዝእመን መረዳእታ እንተለኩም ከኣ ኣረድኡ።

ሎሚ ኣብ መሬትና ብዘይስኽፍታን ስግኣትን ረሓ ኮይና ብነጻነት ህይወትና ንመርሓሉ፡ ካብን ናብን ንንቀሳቐሰሉ፡ ጸጥታዊ ርግኣትን ውሑስ ሃገራዊ ሰላምን ኣሎ ድዩ? ኣብ ሃገራዊ ሓበራዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ጉዳያት ከም ሰብ ቤት ከም ዜጋታት ይግባእኒ ይምልከተኒ’ዩ ኢልና ብሓሳብን ብተግባርን ንዋስኣሉ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ኣሎ ድዩ? ሰብኣዊ መሰልና ተሓልዩ፡ ህዝባዊ ልኡላውነትና ዝተኸብረሉ፡ ደሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና፡ ብናይ መረጻ ካርድ ዘደየብናዮን ብቐጥታን ብወከልትና ኣቢልናን ንቆጻጸሮ መንግስቲ ኣለና ድዩ? ከምኡ ክንገብር ዘፍቅድ ናትና እንብሎ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም’ከ ኣለና ድዩ? እቶም መንግስተይ መንግስትና እናበሉ ንፍጹም መላኺ ጉጅለ ዝረርው ዘለው በሃማት ዝምልስዎ ሕቶ’ዩ።

ካብ 1991 ክሳብ ሎሚ 2019 ህዝብታት ኤርትራ ዝተዋረድሉ፡ ኤርትራ ድማ ከም ሃገር ቅድም ክብል ዝነበራ ዝሰኣነትሉ፡ ዝፈረሰትሉ፡ ገዛ ምውት መሲላ ዝሓመድረትሉ ኩነታት ደይኮነን ዘሎ? ጽርግያታት፣ መዓልቦ ነፈርቲ፣ ወደባት፣ ትርጉም ዘለዎ ዲጋታት፣ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ቀረብ ጸዓት፣ ማሕበራዊ ትካላት፡ ማለት ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ስፖርት ሜዳ ….ወዘተ ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝሓለፈ ሞያተኛታትን ህዝብን ኣሳቲፉ ብውጥንን ብመደብን ዘይሰርሕን ዘይጽግንን መንግስቲ፡ መንግስተይ መንግስትና ኢልካ ክትጣበቐሉ ንሰማዒኡ ዘደንጹ’ዩ። እዚ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት’ዚ ናይ ምግባር ዕማም ናይ መንግስቲ’ዩ። ነዚ ዘይገብር እንተኾይኑ ግን መንግስቲ ኣይኮነን። ገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ሰሪዑ፡ ብከፋፊልካ፡ ኣድኪኻን ኣርዒድካን ግዛእ ድሑርን ኣዕናውን ፖሊሲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብኸመይ ወይ በየናይ መምዘኒ መንግስተይ መንግስትና ይበሃል?

ብነጻነት ልኡላውነት ሃገር ሽፋን፡ ውልቃውን ጉጅላውን ስልጣኑ ንምድልዳል ምስ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝርከቡ ሃገራትን መንግስታት ኣብ ዘይንፈልጦ ጽልእን ኲናት ጸሚዱና ዘሎ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ጉልበት ዜጋታት ብባርነት ዝምዝምዝ፡ ዕድል ሓደ ወለዶ ምሉእ ዘበላሸወ፡ ስድራ ቤታት በታቲኑ፡ ሃገር ከም ሃገር ናብ ዑና ንዝቐየረ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ፡ መንግስተይ መንግስትና ኢልካ ምቕባል ናይ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ምልክት ኣይኮነን። ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ከይሓምም ምጽላይ፡ ከይሰዓር ዕድመ ክረክብ ብገንዘብን ጸጥታዊ ሓበሬታን ምምጋብ ምትብባዕ፡ መሰሎም ንምኽባር ንዝቃለሱ፡ ብሰንጠቕ ንዝቃወምዎ ግፉዓት ወገናት ምጽላእ ምዂናን ምልኣት ሰብኣዊ ክብረት ዘጉድል ርኡይ ፖለቲካዊ በሃምነት’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 25-10-2019