ENCDC

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ነቶም ኣድማ ገይሮም ዘለዉ ሰላማውያን ንምብታን፣ ሓይሊ ብድሕሪ ምጥቃሙ፡ ኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ውሳኔ ክምዝውስድ ክግመት ጸኒሑ’ዩ። ሚኒስትሪ ዜና ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ብዕለት

5 ሰነ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ከሎ ጌና ንምቕዳሙ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ሱዳን ኣህጉራዊ መልክዕ ከየትሕዞን፡ ነቲ ኩነታት ከየጋድዶን ኣጠንቂቑ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መግለጺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድልየታት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝፈሸለን፡ ንግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ጠንቅታት ኣብ ምፍጣር ግደ ይጻወት ምህላዉ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ወታሃደራዊ ዕልዋን፣ ዘይኣፍሪቃዊ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታውን ብምቅዋምን፡ ህልው ቅልውላው ሱዳን ብህጹጽ ንምፍታሕ፣ ድልየት ህዝቢ ሱዳን ንምኽባርን፡ ስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቋምን ተሪር መርገጺ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ኩሎም ሱዳናውያን ሓይልታት ኣብ ሓባራዊ ፍታሕ ንምብጻሕ፡ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶን ስቪላዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ረብሓ፣ ልዕሊ ኩሉ ብምቕዳም፣ ብሓባር ከዓዩ ጸዊዑ ነበረ። ከምኡ’ውን ኣቶ ሙሳ ፈኪ ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣድማ ገይሮም ዝነበሩ ሰላማውያን ንምብታን ዝተወስደ ዓመጻዊ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ቅልጡፍ ምጽራይን መርመራን ክግበርን፡ ኣብ’ቲ ፍጻሜ’ቲ ኢድ ዘለዎም ሓለፍቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቀርቡን ጸዊዕት ኣቅርቡ’ውን ነበረ።

ንሕና ከም ፈጻሚ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን ናብ ስቭላዊ ሓይሊ ብሰላማዊ መንገዲ ንምስግጋር ዘኽእል ጻዕርታቱን ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ሃልክታት ኣይገርመንና’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፣ እዚ ስርዓት’ዚ፣ ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝፍጠር ግጭታትን ዕግርግርን ተመጊቡን መዝሚዙን ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወትሩ ምስ ፈተነ ኢዩ። ንኣሕዋትና ሱዳናውያንን ኣፍሪቃውን ኣህጉራውን ማሕበረሰበን፣ ናይ’ዚ ስርዓት መግለጺ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ፡ ነቲ ህዝባዊ ሰውራ ሱዳን ዝድግፍ መርገጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ከምዘይምዃኑ ደጊምና ነረጋግጸሎም።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጎኒ ሰውራ ሓውና ህዝቢ ሱዳንን፣ ፍትሓዊ ዕላማኡን ደው ብምባል፡ ኩሎም ስቪላውን ወትሃደራውን ፖለቲካውን ሓይልታቱ፡ ትጽቢታት ህዝቢ ሱዳን ንምርግጋጽን፡ ብኩሉ መከወኒታቱ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ሕገ-መንግስታውን ዲሞክራስያውን መድረኽ ንምብጻሕን፡ መሳርዖም ጠሚሮም፣ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ዘጋጥሞም ብደሆታት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምስጋር ክጽዕቱ ይጽውዕ።

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

6 ሰነ 2019