ENCDC

ብድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ዝተገብረ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፣ ብጉባኤን ብማእከላይ መሪሕነትን ዝተወስዱ ውሳኔታትን ዝተሓንጸጹ መደብ ዕዮን ንምትግባር፣ እዋናዊ ትልምታት ንምስራዕ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምፍላም ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብኣጋጣሚ እቲ ብነዊሕን መሪርን ቃልስን ሰፍ ዘይብል

መስዋእትን ዝተረጋጋጸ ነጻነት፣ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ኣብ ነብዕለሉ ዘሎና እዋን፣ ንተቓላሳይ ህዝብና ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ቀጺሉ፣ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን፣ ፖለቲካውን ስቪላውን ሓይልታት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊት ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ፡ ንተዓዋትነት 2 ሃገራዊ ባይቶ ዘካይድዎ ዘዂርዕን ዘሐብንን ዓቢ ገድላዊ ግደ ደጊሙ ኣመጒሰ።

2 ኣኼባ ፈጻሚ ቤ/ጽ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ይወዳደብ ዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ብዝምልከት ድማ ብፍላይ ኣመልኪቱ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካየደ። እዚ ህዝባዊ ምንቕስቃስ’ዚ፡ ናብ’ቲ ኩሉ ሃገራዊ ዘማዕድዎ ዕላማ ንምብ ጻሕ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ልዑል ገድላዊ ግደኡ ብምብርካት፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕናዕ፡ ምስ ኩሎም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት ቐጻሊ ምውህሃድ ንምክያድ፡ 2ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝወሰኖ ውሳኔ፣ መሪሕነት ኤሃባዲለ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዓቢ ጻዕሪ ከካይድ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ከምኡ’ውን ኩሎ ክፍልታት ሃገራዊ ባይቶ ዕማም ህልው መድረኽ ብዝጠልቦ ተጋድሎ ህዝብና ክብ ንምባል ብ2 ሃገራዊ ጉባኤ ዝተወስዱ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ንምትግባር ከይተሓለሉ ክጽዕቱ ምዃኖም ኣረጋገጸ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ መንጎ ኣባላቱ ናይ ዕማማት ምምቕቓል ኣካየደ። ናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈቱን ትካላቱን ምምሕዳራት ኣቊመ። ውጥን ዕዮ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ውን ተለመ። ከምኡ’ውን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾና ፖለቲካውን ስቪላውን ሓይልታት ብምትሕብባር፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ጨንፈራትን ዞባታት ሃገራዊ ባይቶ ንምቛምን፣ ህዝቢ ንምልዕዓልን ንምውዳብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊን፣ ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ኣድማዒ ስራሓት ንምክያድ ዝተወስዱ ውሳኔታት 2 ሃገራዊ ጉባኤ ንምግላጽ ክጽዕት ወሲኑ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት፣ ህዝባዊ ቃልሲ ንምብራኽን ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ጨናፍር ብምጥርናፍ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምምሕዳራቶም ከም ዝመርጹ ንምግባር፣ ብፈጻሚ ቤ/ጽ፣ ካብ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ይኹኑ ወጻኢ ካብኡ፣ ነዚ ዕማም’ዚ ንምስላጥ ተጋደልቲ መዲቡ ኣሎ።

ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዞባና ዝኽሰቱ ዘሎዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ብትኲረት ተመልከተ። ዝምልከቶም ኣካላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብምውህሃድ፣ ብዕቱብነት ክከታተሎዎን፡ ኣብ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋንን፣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዞናና ሃናጺ ምትሕግጋዝ ንምርግጋጽን፣ ኣብ ኤርትራ ምቋም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ቀንዲ ውሕሰነት ኢዩ ዝብል ዕግበትን ራእይን ኤሃባዲለ ምዃኑ ንምግላጽን፣ ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤሃባዲለ ጽዑቕ ርኽክባት ንምካያድ ዘኽእሉ መደባት ሰሪዑ።

ኣብ ሱዳን ተበጊሱ ዘሎ ሰውራ ኣመልኪቱ፣ ንሓው ህዝቢ ሱዳን ምሕዝነታዊ ደጋፊ መርገጹ ብምግላጽ፡ ምርግጋጽ ሓርነትን፣ ፍትሒን፣ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ዝኾኑ ዕላማታቱ ንክጒናጸፍ ፈጻሚ ቤ/ጽ ትምኒቱ ገለጸ። ሓርነትን፣ ፍትሒን፣ ሰብኣዊ ክብርን ዘይከፋፈሉ መትከላት ስለዝኹኑ፡ ህዝቢና ንምዕዋቶም ዝቃለሰሎም ዘሎ ዕላማታት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ፈታዊኦም ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨካን ገባቲ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያት ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤሃባዲለ ኣዘኻኸሮም። ኣብ ርእሲኡ ካኣ ከም’ቲ ሰውራ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ 1964 ኣብ ጎኒ’ቲ ህዝብና ጸረ ኢትዮጵያዊ ኣረሜናዊ መግዛእቲ ዘካይዶ ዝነበረ ፍትሓዊ ቃልሲ ጠጠው ዝበለ፡ ሎሚ’ውን ሰውራ ሱዳን ኣብ ጎኒ እቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ደው ክብል ጸዊዑ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና፣ ተጋድሎኡ ክብ ከብልን፡ ዕላማታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከዓስልን ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንምቅልጣፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝኽሪ መበል 28 ዓመተ ናጽነት ኤርትራ ብክብ ዝበለ ገድላዊ ሕራነ ዘጸምበለ ሓፋሽ ህዝቢና ኣሞጒሱ።

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞራስያዊ ለውጢ

30 ንቦት 2019