DFfEUˆሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ታሪኽ ኣትሒዙ፡ ናይ ምድግጋፍ ባህሊ ዝጸንሖ ህዝቢ እዩ፡፡ ኣብ ቤተ-ሰብ ነንሕድሕዱ ይኹን ጎረባብቲ ከምኡ’ውን ጎዶቦታቱ /ከባቢታት/ ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት፡ ናይ ሕማማት ይኹን ድርቂ፡ ብዕልቕልቕ /ሓያል ውሕጅ/ ብባርዕ-ሓዊ በርቂ ወዘተ ንወገናቱ ዝጎድኡ ተርእዮ ከጋጥም እንከሎ፡ በታ ዝርካባ ዓቕሙ ብጉልበቱ፡ ንብረቱ፡ ብንዋት ይኹን ጥሪት፡ ገንዘብ ብሓሳብ ክደጋገፍ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብዚ ብዘጋጥም ሓደጋታት’ዚ ዝጉድኡ ወገናት ምድጋፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ባህርያዊ ሞት ይኹን ሓዘን፡ ሕጸ፡ መርዓ፡ ናይቲ ስድራ ናይ ሓጎሶም ሓዘኖም ይኹን ተኻፋላይ ኮይኑ፡ ብዕንጸይቲ ማይ፡ ጥሪት፡ ገንዘብን ጉልበትን ምድግጋፍ ምግባር ንቡር ባህሊ ሕብረተ-ሰብና እዩ፡፡

ኣብ ገጠራት ገዛ ኣብ ምስራሕ ይኹን ኣብ ሕርሻ ምሕራስ፡ ምጽሃይ ፡ ምዕጻድ፡ ምጉናኽ፡ መኼዳ ወዘተ ብወፈራዊ ምትሕግጋዝ ምግባር ዝተለመደ እዩ፡፡ ኣብ ከተማታት’ውን እንተኾነ፡ ድሒሩ በብከባቢኡ ዝውደብ ናብ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕራት ዝማዕበለ ይኹን ዳኣምበር፡ እቲ ንቡር ብናይ ምድንጋጽ ዝግበር ምድግጋፍ ጸኒሑ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ዝጸንሖ ናይ ምድግጋፍ ባህሊ’ዚ ኣብ ጎረቤቱ ይኹን ከባቢኡ፡ ወገን ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ከይፈለየ ዝገብሮ ምዃኑ ካኣ ሓደ ካብቲ ክምዕብልን ክቕጽልን ዘለዎ ሰብኣውነት ዝተላበሰ ዘኹርዕ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና እዩ፡፡

ገባቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ስለ ዝዓጦ፡ እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና’ዚ ከይምዕብል ካብ ሓባራዊ ረብሓ፡ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ክዐዝዝ፡ ሰባት ነዚ ጸቢብ ጠቕምታቶም ከረጋግጹ ክብሉ ክሳብ ናብ ስርቅን ሓሶትን ጉቦን ምጥፍፋእን ከድህቡ፡ እዚ ካኣ ነውሪ ዘይኮነስ ንቡር ናይ ብልጸትን ዕቤትን መግለጺ ተገይሩ ክውሰድ ኣተባዑዎ እዩ፡፡ ብብልሽውና ዝጠስጠሰ ምሕደርኡ ነዚ ከስርጽ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማት ምትእምማን ሰኢኑ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ክበታተኽን፡ ክሳብ ስድራ-ቤታት ከይተረፋ ኣብ ነንሕድሕዶም ክጠራጠሩ ኣዕናዊ ተራ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን እዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እዚ ጥዑይ ናይ ሕብረተ-ሰብና ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ’ዚ ክዳኸም ናቱ ኣሉታዊ ተራ ዝተጻወተ ይኹን ዳኣምበር፡ እዚ ሱር ዝሰደደ ባህሊ እዚ መሊኡ ክድምስሶ ዝኸኣለ ኣይኮነን፡፡

ኣብዚ ግዜ’ዚ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ሕብርን ዘረእን፡ ድኻን ሃብታምን፡ ዓቢን ንእሽቶይን ጾታን ሃይማኖትን ዶብን ከይፈለየ እናቐዘፈ ከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ዘስዕብ ዘሎ ዕዩ፡፡ እዚ ለበዳ እዚ ኣብ ሃገርና እናተስፋሕፈሐ እንተኸይዱ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ትሞተን” ዝባሃል፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቅድም’ውን እንተኾነ ብሕጽረት ማይን መብራህትን ካለኦት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ኣብ ዘይረኽብሉ ዝተጎሳቖለ ሂወት ክነብር ኣብ ዝተገደደሉ፡ እዚ ፈውሲ ዘይተረኽቦ ሕማም እዚ ተደሪቡዎ ከም ህዝቢ ናይ ህልቂት ሓደጋ ከም ዘንጸላልዎ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡

እዚ ለበዳ ሕማም እዚ ካኣ ኣሽንኳይዶ ከም ሃገርና ዝኣመሰለት ብጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሓሳረ-መከራኣ ዝረኣየት ሃገርስ፡ እተን ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣለወን ዝበሃላ ዝለዓለ ሃብትን፡ ዘበናዊ ናይ ሕክምና መሳርሒታትን፡ ብቑዕ ዓቕሚ ሓይሊ-ሰብን ዘለወን ምዕራባውያን ሃገራት’ውን እንተኾና ክቆጻጽርኦ ተጸጊመን፡ ካብ ዜጋታተን በሚልዮናት በዚ ለበዳ እዚ ክልከፉን ብኣሽሓት ክሞቱን ይኾኑ ኣለዉ እዮም፡፡

ህዝብና ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ እዚ ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ዝለክፍ ዘሎ ለበዳ ሕማም እዚ ንዕኡ’ውን ዘይገድፎ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ከምቲ “ጎረቤትካ ጭሕሙ ክላጽስ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝባሃል ምስላ ኣቦታት፡ ንሱ’ውን ነብሱ ክከላኸል ከም ዘለዎ ብምርዳእ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘመሓላለፎ ናይ ምክልኻል መምርሒታት ብምትግባር ሕብረተ-ሰብና ከመይ ይሕገዝን ይድሕንን ብዝብል ክሻቐል እዩ ዝኾነ፡፡ ካብዚ ተበጊሱ ካኣ እቲ ናይ ምድግጋፍ ባህሊ ሕብረት-ሰብና ከመይ ዓዚዙ ተግባራዊ ይኸውን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብና ክዘራረበሉ እዩ ዝጀመረ፡፡

ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ሕብረተ-ሰብና በሰንኪ መዕነዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ዝበዝሐ ክፋሉ ንገዛእ ነብሱ ተመጽዋታይ ኮይኑ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ቤተ-ሰብ ዘመድ ተጸባያይ ብምዃኑ፡ እቲ ክደጋገፍ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ሕብረተ-ሰብና ውሱን እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ጠቕላላ እቲ ሕብረተ-ሰብ ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሞትን ሂወትን ጉዳይ እቲ ውሱን ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ተመጽዋታይ ውን እንተኾነ ካብታ ዝረኽባ ደገፍ ተኻፊልካ ናይ ምብላዕ ባህሊ ስለ ዘለዎ፡ ነፍስ-ወከፍ ከከም ዓቕሙ ምድግጋፍ ምግባር ኣይተረፈን፡፡

እቲ ስርዓት ኣዋጽኡ እናበለ ብዝገብሮ ጎስጓስ ዝእከብ ገንዘብን ጥሪትን እኳ እንተሃለወ፡ መውዓሊኡ ዘይፍለጥ ስለ ዝኾነ፡ ምትእምማን ዘየሕድረሉ ስለ ዝኾነ፡ ባዕሉ ነቶም ክሕገዙ ኣለዎም ዝብሎም ጽጉማት እቲ ስርዓት ዝገብሮ ተጽዕኖታት ተጻዊሩ ብቤተ-ሰባዊ መልክዕ ይኹን ብዝጸንሖ ማሕበራውን ቁጠባውን ምትእስሳራት ዋላ ውሱን ይኹን ምድግጋፍ ምግባሩ ኣይተረፈን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ብሃገር ደረጃ ወሪዱዎ ዘሎ ናይ ኮሮና ቫይረስ ሓደጋ እዚ ህዝብና ባዕሉ ብዘሎ ዓቕምታቱ ወዲቡ ግልጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዕ ንኩሉ ዜጋ ሌላን-ጉሌላን ከይገበረ ብማዕርነታውን ፍትሓውን መንገዲ ኣብ ኩሎም ጽጉማት ከብጽሕ ዝኽእለሉ ዕድልን ውደባን ስለ ዘይብሉ፡ ኩሉ ኣብ ምሕረት ስርዓት ህግደፍ ዝወደቐ ብምዃኑ፡ ውሱናት ሓገዛት ንይምሰል ፈይ ኣብ ዘብለሉ ንእለታ ተደሪሩ ዝሓድር፡ እዚአን ኣብ ዝተሳእናሉ ካኣ ተኾረምዩ ጠምዩ ዝሓድርን ዝሓምምን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ቀዛፊ ሕማም እዚ ንምክልኻል ካብ ስርዓት ህግደፍ ዘድሊ ሓገዝ ረኺቡ ክገላገል ተስፋ ዝገብር ኣይኮነን፡፡

ከምዚ ስለ ዘኾነ ካኣ እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰባት በታ ዘላቶም ዓቕሚ ነዚ ኮሮና ቫረስ ከውርዶ ንዝኽእል ብደሆታት ንምምካት ንጽጉማት ብዝተፈላለየ መልክዕ ብውሽጥን ብወጻእን እናተሓባበሩ ብዓቕሞም ዝደጋገፉ ዘለዉ፡፡ እዚ ምስቲ ኩሉ ናይቲ ስርዓት ሽግርን ተጽዕኖታትን ዘጋጥሞም ተጻዊሮም ዝገብርዎ ቅዱስ መድግጋፍ ይኹን ዳኣምበር፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ብዘለዎ ናጽነት ናይ ምጽሓፍ፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ ምንቅስቓስ ወዘተ ዕድላት እዚ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ሕማም እዚ ምስ ተኸስተ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ንልኡላዊት ሃገረ-ኤርትራ ብስም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከውድቖ ምስ ረኣየ፡ ቆፍኡ ከም ዝተሃርመ ንህቢ ብሓደ ግዜ ተላዒሉ ተቓውምኡ ዘስመዐ፡ ንኮሮና ቫይረስ’ውን ንምምካት ኩሉ ፍልልያቱ ካላኣዊ ቦታ ኣትሒዙ ህዝብና ንምድሓን ብፍናን ዝተላዕለን ዝነጥፍ ዘሎን፡፡

ዝተፈላለዩ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት፡ ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባት፡ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ምሁራን፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ስነ-ጥበባውያን፡ ሓካይም፡ ውልቀ-ገበርቲ ሰናይ ዜጋታትን ወዘተ ኩሉ በብዓቕሙ ብሓሳብ ይኹን ብተግባር ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ተሳትፎ ዝነኣድ እዩ፡፡ ነዚ ታሳትፍኡ እዚ ኣብ ባይታ ኣብ ጭቡጥ ነገራዊ ሓይሊ ምቕያሩ ከተግብርዎ ጻዕርታት ንዘካይዱ ኣካላት መደባቶም ኣብ ተግባር ንክውዕል ዝተፈላለዩ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ-ብዙሓን ብሓፈሻ፡ ሳት-ላይት ተሌ-ቪዠን ዝውንኑ ኣሕዋት ኤርትራውያን ካኣ ብፍላይ፡ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ቀጻሊ ናይ ምልዕዓላት ወፍርን ኣስተምሁሮታን ብጣዕሚ ዝድነቕን ዝተባባዕን እዩ፡፡

እቲ ዝርካቡ ሓገዛት ግልጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣብቲ ተረዳኣይ ሕብረተ-ሰብና ክበጽሕ፡ ብፍላይ’ውን እቲ ኣብ ስደት ከርተት ዝብል ዘሎ፡ በዚ ለበዳ ሕማም እዚ ብቀሊሉ ክጥቃዕ ዝኽእል ኣብ መደበራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ሊበያ ወዘተ ተዓቚቡ ዘሎ፤ ኩሉ በብዓቕሙ ዘዋጸኦን ዝልእኮን ዘሎ ሓገዛት ነዚ ጸገማት’ዚ ኣብ ምቅላል ኣገዳሲ ተራ ክጻወት እዩ፡፡

ነዚ ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ቀዛፊ ሕማም’ዚ ንመክልኻል፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋዲዶም ደገፋቶም ናብቲ ተሓጋዛይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና ክበጽሕ ለይትን ቀትርን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣሕዋት ኤርትራውያን ሞጎሳ ዝግኦም ኮይኖም፤ እቶም ነዚ ሓገዛት እዚ ተቐቢሎም ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ተሰዲዶም ንዘለው ስደተኛታት ኣሕዋት ኤርትራውያን ምስቲ ኩሉ ናይቲ ሕማም ክብደት ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ዝዕድሉ ዘለዉ ኤርትራወያን ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ይኹኑ ናይ ወጻኢ ማሕበራት ንዝገብርዎ ጻዕርታት ምስጋና ዝግበኦም እዩ ንብል፡፡

እዚ ሓገዛት እዚ ኮሮና ቫይረስ መሊኡ ክሳብ ዝጠፍእ ቀጻልነት ዘለዎ ክኸውን፡ ካብዚ ሓሊፉ ካኣ እዚ ውደባ እዚ ነቲ ካብ ኮሮና ቫይረስ ዝኸፍአ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ክነውግድ’ውን ከም ተሞኩሮ ተጠናኺሩ ክቕጽልን፤ ህዝብና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንባህርያዊ ሓደጋ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ካብ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ህግደፍ ተገላጊሉ ራህዋን ሰላምን ዝረኽበላ፡ ብቅዋም ዝመሓደረላ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክህልዎ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ምርብራብ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ እዋናዊ ሃገራዊ ዋኒንና ስለ ዝኾነ፡ ኩሉና ኤርትራውያን ካልኣዊ ፍልልያትና ካልኣዊ ቦታ ኣትሒዝና ህዝብን ሃገርን ከነድሕን ንድርብ ጸላእትና ህግደፍን ኮሮና ቫይረስን ክንስዕር ሓድነትና ኣራጋጊጽና ንቃለስ ንብል፡፡

ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስያዊግንባር ሓድነት ኤርትራ፡

ዓውት ንሓርነታዊ ቃልስና!

         26/05/2020