ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝመንቀሊኡ ዝኸረረ፡ ኣብ ደማዊ ወግእ (ኲናት)ዝበጽሐ ባእሲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ብርግጽ መንቀሊኡ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ወይ ምኽንያታዊ ድዩ ዘይምኽንያታዊ ዝብል ሕቶን መልስን ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን መንግስታት ተጻብኦታት፣ ምስሕሓባት፣

ደማዊ ውግኣት (ኲናት)፣ ተኻይዱን ዛጊት’ውን ክካየድ ንዕዘብ ኣለናን ኢና። ናይተን ብምኽንያታዊ ድዩ ዘይምኽኒያታዊ ኣብ ግጭት ዝኣተዋ ሃገራት ዜጋታት ብዝተደናገረ ውዴታ ድዩ፡ ብሓይሊ ተደፊኦም ብግዴታ ንድሌትን ፖሊስን ሃንደስቱ ወይ መንግስትኹም’የ ዝበሎም ትካል ክፍጽሙ፡ ብጉልበት፣ ብገንዘብ፣ ብፍልጠት፣ ብዓይነት፣ ክሳብ’ውን ብህይወት ክግብሩ ምርኣይ’ውን ሓድሽ ኣይኮነን። ህዝቢ ከም ህዝቢ በቲ ዝተፈጥረ ተጻብኦታት ድዩ ውግእ ብኣሉታ ክጽሎ፡ ደጋፊ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መንግስቲ፡ ብኣንጻሩ ጸላኢ ናይ’ቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ህዝብን መንግስትን መሲሉ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ ድማ የለን ክበሃል ኣይከኣልን። ብተግባር ኣሎ’ዩ።

ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ወገናት ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው መበገሲኡ ክትፈልጥ፡ ፈሊጥካ ድማ ፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ርእይቶ ክትህዝብ ወይ ክትዳኒ ግን፡ ካብ ስምዒት ሓራ ዝኾነ ቅኑዕ ሕልና ምውናን የድሊ። ንኣብነት ብትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝሰኸረ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ርትዓዊ ዝኾነ ዳንነት ክህብ ኣይክእልን። ብጸቢብ ኣረኣእያ ዝዓወረ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ’ውን ጠንቅን ሳዕቤንን፣ ብዱልን በዳልን፣ ትማልን ሎምን፣ ሎምን ጽባሕን ብግቡእ ኣንቢቡን ኣጠዓዒሙን ፍትሓዊ ብይን ክህብ ትጽቢት ኣይግበርን። ካብ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ጥሜትን ዕርቃንን፣ ጸሓውን ቁርን ርሒቖም ኣብ ማእከል ኮይኖም፡ ሓይሊ ሚዛን እናረኣዩ ዘዳምቑ መጋበርያታት ወይ ደላሎ ፖለቲካ ከኣ’ሞ፡ ፍትሓዊ ርእይቶ ዝበሃል ፈጺሙ ኣብ ጥቓኦም ዝቐርብ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ነገራዊ ረብሓ ደኣምበር ፍትሓዊ ሕልናዊ ዕግበት ዝበሃል ረዚን ስነ-ምግባራዊ መልእኽቲ ኣይርደኦምን።

ስለዚ ጠንቂ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ዝተፈጥረ ግርጭት ወይ ደማዊ ኲናት ንምፍላጥ፡ መጀመርያ ካብ ዜግነታዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወገንነትን ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓን ሓራ ዝኾነ ነጻ ሰብ ኮይንካ ምርካብ የድሊ። ብካልኣይ ኣብ ርትዓዊ ሚዛን ምሃብ ዘብጸሓካ ጥሉል መጽናዕታዊ ጭብጢ ንምርካብ፡ ታሪኽ ተንከፍ ሰነዳት ምግልባጥ፡ ምንባብ፡ ሚዛናዊ ርእይቶ ዘለዎም ሰብ ጸጋ ዕድመን ኣብ’ቲ ዝተፈጥረ ጉዳይ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተዋሳእቲ ዝነበሩን ሰባት ንምርካብን ረኺብካ ሓበሬታ ንምውሳድን ብዘይ ምስልካይ ኩለ-መዳያዊ ስራሕ ይሓትት። ካብ’ዚ ወጻኢ ጠንቂ መን’ዩ ብግቡእ ከፈለጥካ “ቅድሚ ምራኽ መስከብ” ከም ዝተባህለ ኣብ’ቲ ካልእ ህዝቢ ዝተፈጸመ ግፍዒ ግምት ከይሃብካ፡ ኣባኻ ዝበጽሐ በደል ጥራሕ ብምቑጻርን ብምጉላህን ሳዕቤት ቅድሚ ጠንቂ ሰሪዕካ ፍትሒ ይደሊ ኣለኹ ምባል ተቐባልነት ዘይብሉ ፍረ ኣልቦ ድኻም’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ ብፍላይ፡ ብታሪኽ፣ መበቆል ወይ ትውልዲ፣ ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ ክትፈላልዮም ዘይትኽእልን፡ ካብ ፖለቲካዊ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ (ካርታ) ዝቐረበ ደማውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምትእስሳር ዘለዎም ህዝብታት ምዃኖም ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ይምስክር። ገለ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐዩ ጠላማትን፣ ንኸብዶም ዝሓደሩ ሕልና ኣልቦ ደላሎ ፖለቲካን ብዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብኢደ ወነኖም ብዝተቖጻጸርዎ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ሃገራዊ ቁጠባዊ መትንታት፣ መራኸቢ ብዙሓን …ወዘተ ተጠቒሞም ዝፍንውዎ ድሑርን ሕሱርን ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት፡ ኣብ ህዝብታት ክፈጥሮ ዝኽእል ግዝያዊ ድንግርግር ከይሰንጋዕና፡ እቲ ባህሪያዊ ዝምድና ብፖለቲካዊ ተጽዕኖ ከም ዘይብተኽ ምርዳእን ምቕባልን ኣገዳሲ’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብዓይኒ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ልኡላውነት እንተተወሲዱ ብርግጽ ክልተ ነናቶም ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሕጋዊ ልኡላውነት ዘለዎም ህዝብታት’ዮም። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ትግራይ ድማ ኣብ ክሊ ልኡላዊት ሃገረ ኢትዮጵያ ትርከብ ክልል’ያ። ብመሰረት’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ደማውን ስነ- ኣእምሮኣውን ምትእስሳር ግን ብርግጽ ሓደ’ዮም።

ዶብ ምኽንያት ዝገበረ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተኻይዱ ክበሃል እንከሎ’ኮ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን’ዩ ተኻይዱ። ብሳዕቤን እቲ ኲናት ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ዝበጽሖም ክልቲኦም ህዝብታት’ዮም። ክልቲኦም ህዝብታት ግን ኣብ ተጻብኦን ምብጋስን ኲናትን ኢድ ኣይነበሮምን። ስለዚ ከኣ ጠንቂ ኣይኮኑን። ተሓታቲ ድማ ኣይኮኑን። ግዳያት’ዮም። ጠንቂ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ብመደብ ዘይምኽንያታዊ ኲናት ክውላዕ ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝብታት ዘውረዶ ሰብኣውን ነገራውን ዕንወት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝተባእሰ ኣምሲሉ፡ ዶብ ብተተኮስትን ተኲስካ ቅተል መምርሒ ዝተዋህቦም ወተሃደራትን ንልዕሊ 20 ዓመት ዓጽዩ፡ ክዘርኦ ዝጸንሐን ዛጊት ዝቕጽለሉ ዘሎን ኣብ ተራ ጽልኢ ዝተሰረተ ፈጠራዊ ወፍሪ ድማ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ መንገዲ ዕንወት’ዩ።

እቲ ንሱ ኮነ ኢሉ ዝዘርኦን ርቡሕ ናይ ጽልኢ ምህርቲ ክሓፍሰሉ ኣንቂዱ ዝተበገሰሉ መደብ ግን፡ ብዙሕ ደኺምሉ ክንሱ ብተግባርን ከም ድሌቱ ኣይተዓወተሉን። ኣብ ትሕቲ ፍጹም መላኺ ጃንዳዊ ውዲታዊ ጉጅለ ዝወደቑ ውጹዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን ህይወቶም ከድሕኑ ናብ ኣሕዋቶም መጺኦም ክዕቆቡ’ዮም ተራእዮም። ዘይብተኸ ሕውነታዊ ዝምድና ዘለዎም ህዝብታት’ዮም ዘበለኑ’ውን እቲ ሓቂ ከምኡ ምዃኑ ርዱእ ስለ ዝኾነ’ዩ።

እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይኣለሞ ውዲት የለን። ዘየሰርሖ መጻወዲያ የለን። ዘይተዛረቦ ሕሱር ቃላት የለን። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክጠራጠር ክተፋነን ንሕና ወይ ንሳቶም ክበሃሃል ሓንሳብን ንሓዋሩ ዶባቱ ተዓጻጽዩ ተፈላለዩ ክነብር ዘይገበሮ ነገር ፍጹም የለን። ኣብ ክንዲ ውጥን ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ሒዙ ዝወፍር፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘቀሓሕር መደባት ከም ዕለታዊ መንግስታዊ ዋኒን ወሲዱ’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ብመንጽር ድሌቱን ጻዕሩን እንተመዚና ግን ከሲሩ ‘ምበር ኣይከሰበን።

ዜጋታት ኤርትራ ዕድል ዘይገበሩ ብተመልከተለይ ብጥይት ተሃሪሞም ክቕዘፉ እንከለው፡ ንስክላ ኣምሊጦም ናብ መሬት ትግራይ ዝሰገሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለው ወለዶምን መቕርቦምን ብምእሳር፡ ብጉልበትን ብገንዘብን ብምቕጻዕ ኣሳቕይዎም’ዩ። ንክልቲኦም ህዝብታት ዘራኽብ መስመራት መንገድታት ብምዕጻው ብቐንዱ ነቶም ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝሳቐዩ ዘለው ህዝብታት ኤርትራ ከም ዝሃሰዮም ርዱእ’ዩ። ብካልኣይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብግቡእ ከየስተማቕር ዓንቂፍዎ። ኣብ ጉዳይ ልምዓቱ ከይተኩር በት በትን ኣብ ስግኣት ክነብር ገይርዎ። ኣብ ከባቢኡ ብዝሰፈሩ ሽሾ ወተሃደራት ማሕበራዊ ህይወቱ ክናወጽእ ገይሩ።

ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምፍታሕን ርክብ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስን ዝተዓጽወ መንገዲታት ክኸፈት ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ክጽዕሩ ጸኒሖም። ይጽዕሩ’ውን ኣለው። “ፈሊጡ ዝደቀሰ ነቅኒቅካዮ ነይሰምዕ” ከም ዝተባህለ ግን ንጻውዒት ሰላም ዶባና ከይተጠረረ ልኡላውነትና ከይተኸብረ ብዝብል ጉልባብ ክነጽጎ ጸኒሑ። ንሰላም ዝተሓሰመሉ፡ ከምኡ ዘግብር ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን። ንህዝብታት ኤርትራ ቀፊዱ ብምሓዝ፡ ኣድኪዩን ኣርዒዱን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተኸተሎ ሓላፍነት ኣልቦ ድኹም ሜላ’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ 20 ሰነ 2018 ብሃንደበት ንጻውዒት ሰላም ተቐቢለ ኣለኹ ዝበለሉ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ፡ ኣይከሰርናን፡ ሕጂ እዋናዊ ዛዕባና ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ዘይኮነ፡ ካብኡ ዝቐደመን ዝገዘፈን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዘለው ልዕሊ 480 ሚሊዮን ዝኾኑ ህዝብታት ሰላም ምውሓስን ብቁጠባ ምትእስሳርን’ዩ ክብል ዝገለጾን እኹል መረጋገጺ’ዩ። ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዮም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ ግን ነቲ “ብቋሕ ሰብ” ዝምሰል ሓንሳብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተኸፍተሞ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ድማ ዝተዓጽወ መራኸቢ መንገድታት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ናብ ትግራይ ክግዕዙ ተራእዮም። ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ በጺሖም ቤተሰቦም ዝሪኡን ተሓኪሞም ዝምለሱን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ። መሬት ኤርትራ ብዋሕዲ ሰብ ብጽምዋ ክብላዕ፡ መሬት ትግራይ ኢትዮጵያ ከኣ ብብዝሒ ኤርትራውያን መሬት ኤርትራ መሲሉ ይርከብ።

ኣብ’ቲ ቀንዲ ዘበገሰኒ ጉዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ከተኩር። እቶም ጠቕሊሎም ካብ ኤርትራ ዝገዓዙ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮይኑስ፡ ካብ ኤርትራ ተሓቢኦም ዝሰግሩን ተሓኪሞም ዝምለሱን ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ኣብ ዛላንበሳ፡ ዓዲ ግራት፡ ሽረ፣ ኣኽሱም፡ ዓድዋ፡ ሆስፒታል መቐለን መወከሲ ሆስፒታል ዓይደርን ኤርትራውያን ብደረጃ ሕማሞም ልክዕ ከም ደቂ ሃገር፡ ገለ ደቂሶም ገለ ድማ እናተመላለሱ ነጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ተዓዚበ። ኣብተን ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ኣለይቲ ሕሙማት፣ ተክኒሻናት፣ ዝለዓሉ ደኳትር’ውን ብምቕሉል ኣተሓሕዛ ሞያዊ ኣገልግሎት ክህቡ ብዓይነት ርእየ ብልቢ ተመሲጠን ኣመስጊነን።

ንገለ ተሓኪሞም ዝተፈወሱን ገና ሕክምናኦም ዝከታተሉ ዝነበሩን ኤርትራውያን ረኺበ’ውን ብዛዕባ’ዚ ዝገበረልኩም ዘሎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንታይ ርእይቶኹም ክብል ተወኪሰዮም ነይረ። ዝሃቡኒ መልሲ ብሓጺሩ፡ ሓካይም እንታይ ሕማምካ ‘ምበር ካበይ መጺእካ ኢሎም ኣይሓቱን።ብሓቂ ብሞያዊ ስነ-ምግባር ዝተሃንጹ’ዮም። ኣብ ኤርትራ እንከለና ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን ንሰምዖ ዝነበርናን ኣብ’ዚ ምስ መጻእና ንዕዘቦ ዘለናን ፈጺሙ ኣይራኸብን። ብዘይ ስኽፍታን ትርጉም ዘይብሉ ገንዘባዊ ወጻእን ንዓመታት ተሰኪምናዮ ካብ ዝነበርና ሕማም ተፈዊስና። እንቋዕ ከማና ኣይኮኑ፡ እንቋዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጽሑ ኢልና ካብ ምምስጋን ወጻኢ እንታይ ክንብል ኢሎምኒ።

ኣነ ድማ ሓቅኹም ትካላት ጥዕና ትግራይን ሰብ ሞያ ሕክምና ትግራይን ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብተግባር የሽርፍዎ ኣለው። ልዑል ምስገናን መጎሳን ከኣ ይግበኦም። ብዓብይኡ ኸኣ ነዚ ዝፈቐደ መንግስትን ህዝብት ትግራይ የቐኒየልና። ሞሳ ንኸፍለሉ፡ ከም ህዝብታት ተኣማሚናን ተደጋጊፍናን ሰላምና ነውሓሰሉ፡ ኣብ ልዕሊ ስትራተጂካዊ ጸላኢና ድኽነት ንዘምተሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ በርትዑ ምባል የድሊ ኢለዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዕዝይና ገለ ኣባላት ጸጥታን ምምሕዳር ኣራን ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ከማርሩ ምጽናሖም ዝዝከር’ዩ። ብፍላይ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣራ ክሳብ ሽረ፡ እንዳባጉናን መዓስከር ስደተኛታትን ዝተዘርግሑ ኣባላት ጸጥታ፡ ስለያንን ምምሕዳርን ተወለደቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ተሸጊሩ ዝመጽኦም ኤርትራዊ ዜጋ፡ ክፍጽምዎ ብዝጸንሑን ዘለውን ዓይነተ ብዙሕ ግዕዝይና፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክብል እንከሎ፡ ብኣፎም ዝምድና ይብሉ፡ ብተግባር ከኣ ብስምናን ነብስናን ይነግዱ። ንሕና’ኮ ሻዕብያ ኣይኮነናን። ሻዕብያ እንተበዲልዎም ንዕኡ ይተሓሳሰብዎ። ንዓና ምብዳል ግን ህዝቢ ምብዳል’ዩ። ከብድና ብጥምዩን ዝባና ብዕርቑን ካብ መዓስከር ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ክሳብ 4-5 ሚኢቲ ዶላር ብላዕ ኣኽፊሉና ኣለው። ብገንዘብና ኣባይቶም ይሃንጹ ኣለው። ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምጥያስ ዝረኸብናዮ ዕድል ገለ ንቤተሰቦም ገለ ኸኣ ብገንዘብ ይሸጥዎ ኣለው …ወዘተ ዝብል ሰፊሕ መረረ ነይሩን ዛጊት’ውን ኣሎን’ዩ።

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከመሃሩ ፈቒድናሎም ኢሎም ከብቅዑ፡ ዝተደኸምናሉ ኦርጂናል ሰርቲፊኬት ኣይህቡናን። ስለዚ ዝዝረብን ዝትግበርን በበይኑ’ዩ ዝብል መረረ’ውን ከምኡ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ነዚ ተግባራት ግዕዝያና መንግስቲ ክልል ትግራይ ሃስስ ክብሎ ይግባእ። እንተተ ትካላት ጥዕና፡ ሓካይምን ትግራይ ግን ደጊመ ደጋጊመ ስለቲ ብዓይነይ ዝረኣኽዎን ካብ ኤርትራውያን ተጠቀምቲ ዝረኸብክዎ ሓቀኛ ምስክርነትን ክብሪ ምስገና ይብጻሕኩም እብሎም። ኤርትራውያን ድማ እቲ ዝበጽሖም በደል ብብላዕ ብዝተጨማለቑ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ደኣምበር ብህዝብን መንግስትን ትግራይ ከምዘይኮነ ተገንዝቦም፡ ነቲ ኣወንታዊ ሸነኹ ከተባብዑ፡ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ከኣ፡ ተመን ካብ ሳዕሪ ፈልዮም ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኮይኖም ክቃለስዎ ኣለዎምን ይግባእን እብል።

                                           ሮቤል በርሀ ካብ ናዝሬት

                                             20 ጥሪ 2020