ሐቂ ዶ ክንዛረብ

ታሪኽ ጀጋኑ ክምዝገብ

ተዓዛቢ ምዃን ዓገብ‘‘

ኣብ ሰራዊት ሐርነት

ዝተፈጸመ ውዲት

ድሕሪ ነጻነት

ን28 ዓመት

ውጽኢቱ ባርነት

ሕጂ ድማ ንውድባት

ዳግማይ ጥልመት‘‘

ሐሰኻ ደንበ ናብ ዝለምለመሉ

ደለይቲ ፍትሒ እንዳ መሰሉ

ንዝተወደቡ ውድባት ፋሕ ከብሉ

ማዕረ ጃንዳ ህግደፍ ሰሪሖምሉ‘‘

መንዩ ሐቀኛ

መንዩ ተሐታቲ

ካብ ናእሽቱ ካብ ዓበይቲ

ክብቱኑ ዝብሉ ናብቲ ናብቲ‘‘

ኤርትራዊ ህዝባዊ ሕቶ

መንዩ መዓስ ንስሕቶ

ዓይኑ ከይከፍት ዝዓገቶ‘‘

መንዩ ሐቀኛ

ንህግደፍ ከይንምክት ሐቢርና

ኣብ ምምራሕ ዘለዉ ካድራትና

ዶ እቶም ኣብ ዕላማና ሕድርና

ዘይጸናዕና ሐዲሽ ሐዲሽ ዝፈተና‘‘

ክንዲ ፍታሕ ምንዳይ

ምስ ብጾትካ ምኹራይ

ዲል ኣይንሃቦ ንኣባይ

ንጠቕሚ መንዩ ምፍልላይ

መንዩ በዳሊ የድሊ ምምማይ‘‘

ክንዲ ስኒት ምርባሕ

ክሳብ ማዓስ ፋሕ ፋሕ

ንዝደኸምናሉ ምፍንጣሕ‘‘

መንዩ ሐቀኛ

ናትካ ኣቐሚጥካስ

ክሳብ ማዓስ

ንውድባት ምኽሳስ‘‘

ማዕጾ ውድባት ክዕጾ

ድራማኹም እንታይ ክወጾ

ንባይቶ ከይሰርሕ ንዓንቅጾ‘‘

መንዩ ሐቂ ዘለዎ ፍረድዎ

ንህዝቢ ኤርትራ ከይርህዎ

ኣብ ጽገና ጠቕሚ ዘለዎ‘‘

ሸዓብ ኤርትራ ሸዓብ ሞት ሐረ

ያኣክል ኢሉ ዝሐረነ ዝነደረ

ኣብ ኣስመራ ዝሐድር ሐረረ

ጅግና ንድለ በዓል ቁምጣ ስረ‘‘

መንዩ ሐድነትና ዝብክል

ደጊም ያኣክል ምትላል

ንውድባት ካብ ንውንጅል

ኣብ ጽላል ብዙሐት ክነትክል

እዚ እዩ ጭርሖ ናይ ያኣክል‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።