ሰባት ካብ ማሙቕ ቤቶም፡ መረበቶም፡ ከባቢኦምን ሃገሮምን ክፈናቐሉ ኣርሒቖም ክስደዱ ዝግደዱ ናይ ግድን ክረኽብዎ ዝነበሮም ብባህሪያዊ ድዩ ወይስ ብሰብ ዝሰርሖ ምኽንያት ምስ

ዝስእኑ፡ ህይወት ንምድሓን ንምስግጋር ኢሎም ዝወስድዎ ኣማራጺ’ዩ። እቲ ኣብ መርበቶም ከባቢኦም ሃገሮም ክረኽብዎ ዝነበሮም ግን ዘይረኸብዎ ጉዳይ ብትሕዝቶኡ መሰረታዊ ወይ ዘይመሰረታዊ ክኸውን ይኽእል። ብመልክዑ’ውን ዓይነት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። በቲ በለ በቲ ግን፡ ደቂ-ሰባት ዝፈናቐሉ ዝስደዱ ብፍታው ዘይኮነ ብግዴታ’ዩ። ብህይወት ንምንባር ዘድልዮም ማለት ኩሉ ሕልናዊ ኮነ ነገራዊ (ነዋታዊ) ጠለባት ተመሊስሎም እናሃለወ ዝፈናቐሉ ኮነ ኣርሒቖም ዝስደዱ ሰባት የለውን። ዘድሊ ጠለባት ኣብ ሃገሮም እናሃለወ ስደት ዝናፍቑ፡ ብርሃጽ ካልኦት ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ኣለው እንተተባሂሉ ድማ ትንግርቲ’ዩ ዝኸውን። ናይ ጥዕና ዘይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ዝፈጠሮ ድማ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ ኤርትራዊ ስደት ግዱድ’ዩ።

ተርእዮ ስደት ብኤርትራውያን ዘይተጀመረን ቅድሚ ኤርትራውያን ነዊሕ ሰረት ዘለዎን’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለምን መሰሓሓቢ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን መንግስታትን ካብ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ቅድሚት ከም ዝስርዑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ዝስደዱ ዘለው ከኣ ተገዲዶም ‘ምበር፡ ናይ ኣተሓሳስባ ጉድለት ስለ ዘለዎም ወይ ምስ ምሉእ ጥዕናኦም እናሃለው ብረሃጽ ካልኦት ብምጽወታ እናተተኹበሎም ክነብሩ ምርጫኦም ስለ ዝኾነ ኣይኮነን።

ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ቅድሚ 1991 ይኹን ድሕሪኡ ፖለቲካዊ ዓፈና’ዩ። ስእነተ ሰላም’ዩ። ቁጠባዊ ምዝመዛ’ዩ። ኣድላዊ ምሕደራ ዝወለዶ ….ወዘተ’ዩ። ዕላምኡ ከኣ ጠቕሊልካ ካብ ማሙቕ ገዛኻ፣ መረበትካ፣ ከባቢኻ፣ ሃገርካ፣ ቋንቋ፣ ባህልኻን ኣይሃማኖትካን ተፈላሊኻ፡ ታሪኽካ ደምሲስካ ብታሪኽ ካልኦት ንምንባር ዝዓለመ ኣይኮነን። ከባቢኻ ሃገርካ ባህልኻን ሃይማኖትካን እናናፈቕካ፡ ዕረ እናጠዓመካ ንግዝይኡ ህይወት ንምስግጋር ተባሂሉ ዝውሰድ ግዱድ ምርጫ’ዩ።

ጠንቂ ናይ’ቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ስደትን ሳዕቤናት ስደትን ተሓተቲ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ በብመድረኹ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእትን’ዮም ኔይሮም። ድሕሪ 1991 ንዝተኸስተ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ዘባህርር ዋሕዚ ስደት ጠንቅን ተሓታትን ድማ ዘቤታዊ ጸላኢና እንኮ-ሰባዊ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ቅድሚ 1991 ኣብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ወገናት ዝበጽሕ ዝነበረ ፍሉይ መጥቃዕቲ ዝፈጠሮ ኣብ ገለ ከባቢታት ክሳብ ገዛኻ ዓጺኻ ጠቕሊልካ ምፍንቓልን ስደትን ተርእዮ’ኳ እንተነበረ፡ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ግን ኣይተራእየን። ናይ ሎሚ ሃገር ከደን’ዩ። እምበር’ዶ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ክንቅጽል ኢና ዝብል ስኽፍታ ዝፈጠረ ዘስደምም ማዕበል ስደት’ዩ። ዘስደምም ማዕበል ስደት፡ ካብ ዘስደምም ሕሱም ጨካን ምሕደራት ከም ዝውለድ ድማ ኣይንዘንግዕ።

ምስ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ኣድልዎ ኣረኣእያን ዝመበግሲኡ ጉድለታት፡ ገለ ሃገራት ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን መዓስከራት ብምኽፋት፡ ገለ ከኣ ናይ መንበሪ፡ ናይ ስራሕ ክሳብ’ውን ናይ ዜግነት መሰላት ብምፍቓድ፡ ሰብኣዊ ተደናጋጽነቶም ኣብ ዘርእይሉ ዘለው ፈታኒ ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ ኣመለኽቲ እንኮ ሰባዊ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ንዓና መሲሎም ከም ጽላሎትና ምሳና እናኸዱ፡ ብስምናን ብስም ሃገርናን እናሸቐጡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነፈጉና መሰላት ከይኣክል ኣብ ስደትና ክጻብኡና ንርኢ ኣለና። እዚ ናይ ንዕቀት ንዕቀት ናይ ድፍረት ድማ ድፍረት ምዃኑ ክስቆረና ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ሰላም የለን። ፖለቲካዊ ግፍዒ በጺሑና። ሰሪሕና ክንበልዕ ኣይከኣልናን ኢሎም ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ክንሶም፡ ተገልቢጦም፡ ነቲ ገፋዒ፡ በዳሊ፡ ቀታሊ ስማዊ ጉጅለ፡ ብጸጥታ ዝምግቡ፣ ካዝንኡ ዝመልኡ፡ ነጋሪት ኲናት ዝድስቑ፡ ኣብ ዘለውወን ሃገራት ኮነ፡ ብሕቡእ ናብ ኤርትራ ብምእታው ህዝቢ ይብረስ መራሒናን መንግስታት ይንበሩ ንዝብሉን ዘቀናጅውን ከደዓት መሳሰይቲ ናይ ኢዶም ክሳብ ዝረኽቡ ብዘይ ስኽፍታን ብዘይምሕረትን ክንገጥሞም ይግበኣና። ኣብ ሃገርና ሰላምና ዘሪጎም ኣብ ስደትና ተመሳሳሊ ስምናን ክብርናን ከበላሽው ብስቕታ ክንሓልፎም መግለጺ ስንፍና ‘ምበር ትዕግስቲ ኣይኮነን።

እዞም ኣብ ፎቖዶ ሃገራት ተዋፊሮም ንመልክዕ መላኺ ጉጅለ ዘቀናጅው፡ ዕርዱ ከይስበር ዝከላኸሉ ዘለው ኣምለኽቲ፡ ትርጉም ዘለዎ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ‘ምበር፡ ብትዕግስቲ ብሓላፍነታዊ ዜግነታውን ሕውነታውን ምኽሪ ከምዘይእረሙ ተረዲእና፡ ብመደብ ከነቃልዖም ኣለና። ንኣብነት ኣብ ሃገረ ኖርወይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ሰፊሕ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀኒዩ ኣሎ። ዝምልከቶም ኣካላት ኖርወይ ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሃዲምና ህይወትና ከነድሕን መጺእና ኢሎም ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፡ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሶም፡ መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ ኣኽቢሮም ውዒሎም። ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይራኸቡ፡ ዝተዋህቦም መደባት ይፍጽሙ፣ ብዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ይምለሱ ኣለው። ከምኡ ዝገብሩ እንተደኣ ኮይኖም ንመንግስትን ህዝብን ኖርወይ ምትላል’ዩ። ዘይሕጋዊ’ዩ። ምስ መንግስቶም ጸገም ዘይብሎም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝናፍቑ እንተደኣ ኮይኖም፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም። ከተኣልሉና ኣይግባእን። ብሕግና ከላግጹ ኣይንፈቅድን ይብሉን ስጉምቲ ንምውሳድ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልጹ ኣለው።

ንሕና እቶም ናይ ብሓቂ ግፉዓት፡ ናይ ብሓቂ ስደተኛታት፡ ናይ ብሓቂ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ነዚ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኖርወይ ዝጽናዕ ዘሎ ቀሪብና ብተግባር ክንድግፎ ኣለና። ካብ ህዝቢ ዝሕባእ ነገር ስለ ዘየለ፡ እከለ በዝን በዝን ምስ ጸላኢ ምትእስሳር ኣለዎ። ኤርትራ ኣትዩ ይምለስ ኣሎ። ካብ ሕጊ ኖርወይ ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ። ንሕና ኣብ ሃገርና ሰላም ስኢና መጺእና፡ ብሳላ ህዝብን መንግስትን ኖርወይ ንዝረኽብናዮ ሰላም ክንስእኖ ኣይንደልን። ሰላም ስለ ንደሊ ዘረግቲ ሰላም ብሕጊ ይተሓተቱልና፡ ይውጽኡልና ክንብል ኣለና። ተሓቢእና ዘይኮነ ብወግዒ ክንዋፈረሉ ኣለናን። ካልኦት ሃገራት’ውን ልክዕ ከም ኖርወይ ናብ መጽናዕትን ስጉምቲ ምውሳድን መታን ክኣትዋ ኩሉ ሽርሕታት ጉጅለ ህግደፍ ንሓብረን። ብጭብጢ ኣሰኒና ነተባብዓየን። እዞም ብህይወትናን ልኡላውነትናን ዘላግጹ ዘለው መጋበርያታት፡ ብፖለቲካዊ ብስለት፡ ብጭብጢ፡ ብተባዕ ውሳኔንን ግብራዊ ስጉምትን ‘ምበር ብስኽፍታ፡ ብሕሜታ ኣይዕገሱን’ዮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-09-2019