ንአስታት ሸሞንተ ወርሒ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ አንጸላልዩ ዝነበረ ናይ ጥፍአት ደመና፡ ብሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምቕንጣጡ፡ ሓራ ብምውጽኦም በዚ አጋጣሚ ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ትግራይን እንዃዕ ሓጎሰኩም ንብል።

ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ: ብወረርትን ዓመጽትን ዝወረዶም ግፍዕታት ዓለም ብዓለማ ዘደንገጸ ኩሉ ኣረሜናዊ ተግባራት ተጻዊሮም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብተአምራዊ ቅልጣፈ ንህዝቦምን ዓዶምን ሓራ ኣውጺኦም። በዚ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ንምእማኑ ብዘጸግም ንውጹዓት ዓለምና መርኣያ ንምዃን በቒዖም።

እዚ ኩሉ ግፍዕታት ብስም "ምኽባር ሕጊ" አርባዕተ መንግስታት ሓቢረን ንኣዋርሕ ዝኣክል ብኣልማማ ምጽናት ህዝቢ፣ ነውራም ዓመጽ አብ ልዕሊ ደቀንስትዮን፡ ዝምታ ንብረት መንግስትን ህዝብን ትግራይ፣ ዓለም ብዓለማ ዝኾነነቶ ተግባራት ተጻእዊሮም ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ብልዑል ወተሃደራዊ ሳይንስ ኣብ ሓጺር ግዜ ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ንጸላእቶም በታቲኖም ንምእማኑ ዘደንጹ ልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ሰራዊት ብምምራኽ፡ ንገሃነማዊ ትርኢት ዓመጽቲ ኣብኒኑ እንሆ ንህዝቡ ሓራ ብምውጻእ ናብ ሙሉእ ዓወት ይጉዓዝ አሎ።

ኩሎም እቶም ፈተውቲ ዲሞክራሲን ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ጸልማት እዋናት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብ ትግራይ ደው ምባሎምን፡ ብምቕጻል ነዞም ዓመጽትን ጎበጥትን ብሕጊ ክዳነዩ ንምግባር ጀሚሪሞ ዘሎዉ ተበግሶ ንንእድ።

ናይዚ ዓወት ምስጢር ከአ ህዝብን ውድባትን ትግራይ ፍልልያቶም ወጊኖም ከም ሓደ አካል ብሙዃን፡ ንረብሓ ትግራይን ትግራዋይን ደው ብምባል ጸኒዖም ብምቅላሶ ተአምርታዊ ዓወት ኣመዝጊቦም።

ንሕናከ፡ ካብዚ እንታይ ንምሃር? ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንሳላሳ ዓመት ዝአክል ጸረ ዓማጽን ፋሽሽታዊ ስርዓትን ዘካየድናዮ ቃልሲ ዕዉት ዘይሙኻኑ ዘማትእ አይኾነን። በዚ ከአ ክሳብ ክንደይ ወርቃዊ ግዜ ብምጥፋእ መኸራ ህዝብና አብ ምንዋሕ እጃምና ዝንኣኣስ ከም ዘይኮነ ንኩላትና ርዱእ’ዩ። በዚ ከአ ኩለን ፓለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ሃገራውያን ምንቅስቃስን ንኡስ ፍልልያተን ወጊነን ብቀንዱ ጸረ ቀዳማይ ጸላኢ ደው ብምባል ዕድመ አረሜናዊ ስርዓት ንምሕጻር፡ እዋኑ ሕጂ ምዃኑ ብምእማን፡ ህጹጽ ተበግሶ ብምውሳድ ዕድመ ጸላኢ ንምሕጻር ሕጂውን ኣይረፈደን።

ዓወት ንውጽዓት አህዛብ

ውድቀት ንዓመጽትን ወረርትን

መግለጺ ደግሓኤ ቁ. 004

ሓምለ 3/ 2021