ዓስቢ ስውኣትና ብሓርነት ህብዝታት ኤርትራ ጥራሕ’ዩ ዝድበስ፡

ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣዊ ክብርሮምን መሰሎምን ክብሉ ኣንጻር ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንከባቢ ሓደ ክ/ዘመን ዝኣክል እምቢ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢሎም ከም ዝተቓለሱ ምሉእ ዓለም ዝምስክሮ

ሓቂ’ዩ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ረብሓታቶም ከረጋጋጹ ዝጓየዩ ርእሰ ሓያላን ሓይልታት ማለት መጀመርያ ናይ ኣመሪካ ቀጺሉ ከኣ ናይ ሶቬት ሕብረት ኢድ-ኣእታውነት፡ ንስርዓት ሃ/ስላሴን ደርግን ናይ ስልጠና፡ ዕጥቅን ስንቅን ገንዘባውን ነዋታውን ኩለ-መዳያዊ ደገፋት ብምምዋል፡ ኣንጻር ፍትሓዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓይሎም ከጠናኽሩ ክኢሎም። ከም ውጽኢቱ ከኣ ናይ ኢድ ኣእታውነት ስርዓታቶም ከሐይሉ፡ ንሶምን መጋበርያታቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበናት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ስርዓት ሃ/ስላሴን መወልቱን ህዝብታት ኤርትራ ኣብ 40ታት ነጻን ልኡላዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ክትህልዎም ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ቃልሲ ንዝገብርዎ ዝነበሩ ተጋድሎ ብምብርዓን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ንምእታው ነቶም ንሓርነቶም ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ንምቕንጻል ሸፋቱ እናዋፈሩ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሽርሕታትን ግፍዕታትን ቀሊል ኣይነበረን።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሸን ምስተቖርነት’ውን እቲ ብሰላማዊ መንገዲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕፋን ብትሕተ ባይታ ትንቀሳቐስ ንዝነበረት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ንምቕንጻል ዘውረድዎ ግፍዒ ከቢድ ነይሩ። ፍትሓዊ ነጻነታዊ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ክረጋገጽ ኣብ ዘይከኣለሉ፡ እቲ ቃልሲ ኣብ ዓመጻዊ ኣገባብ ክሰጋገር ግድን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ግፍዒታት ስርዓት ሃይለስላሴ ብምኡ መጠን ነቲ ሓርነታዊ ሰውራ ንምድምሳስን ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእትን ከም ዕላማ ሒዙ፡ “ዓሳ ክመውት ባሕሪ ኣንጽፍ “ ዝብል ኣረሜናዊ ሸርሒ ኣዋዲዱ ን13 ዓመታት ዝኣክል፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርፍ፣ ዓድታቱ ከቃጽል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ከይተረፈ፡ ህጻናት ደቂ-ኣንስትዮን አረግቶትን ካህናትን ሸኻትን፤ ብሓዊ ብምቅጻል፡ ብጥይት ብተመልከተለይ ብምርሽራሽ ደም ኣሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ክውሕጅ ኮይኑ’ዩ። ዓድታት ኣብ ከም በዓል ዓዲ ኢብርሂም፣ ዑና፣ በሰግዲራ፣ ኦም ሓጀር፣ እምበረኒ፣ ሃዘሞ፣ መደካ፣ ዓዲ ሹማ፣ መለብሶ፡ ድግሳ …ከቢድ ግፍዒታት ካብ ዝተፈጸመለን ዓድታት ገለ ከም ኣብነት ዝጠቀሳ’የን።

ብፍላይ ከኣ ካብ 1966-67 ዓ/ም ንነጀው ኣብ መላእ ኤርትራ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ተኣዊጁ ወተሃደራት ጸላኢ ንንጹሃን ዜጋታት ወንበዴን ተሓጋገዝቲ ወንበዴን’ዮም ብምባል ክኣስሩ፡ ክቕትሉን ክዘርፉን ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣብ ብዙሓት ገጠራት ኤርትራ፡ ሰብ፡ ንብረትን ጥሪት ኣብሪሶም’ዮም። ብዕድል ካብ’ዚ ጨካን ባርባሪዊ ግፍዓዊ ተግባር’ዚ ዝተረፋ ስድራ-ቤታት ከኣ፡ ህወተን ከድሕና ገዛእን ዓጽየን ብኣሽሓት ንሱዳን ዝተሰዳሉ ኩነታት’ዩ ነይሩ።

ጸላኢ ትኹረቱ ኣብ ንጹሃት ዜጋታት ጥራሕ ዘነጻጸረ ኣይነበረን። እተን ምንጪ ቁጠባኡ ዝኾና ጤለ በጊዕ፡ ኣግማልን ከብትን ዳህሳስ ብዝገበሩ ወተሃደራት ክራሰያ፡ ብጥይት ክረግፋ ብደብዳብ ናይ ነፈርቲ ኣብ ሰፈረን እንከለዋ ብኣልማም ክቃጸላን’ዩ ዝግበር ዝነበረ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ’ውን እንተኾነ ብተመሳሳሊ ነዚ ናይ ብርሰት ተልእኾ ብዝኸፍአ መልክዑ ቀጺልዎ ‘ምበር ኣይነከዮን። ኣብ በዓል ሕርጊጎ፣ ወኪ ድባ፣ ሽዕብ፣ ሃብረንጋቓ፣ ዳምባ ..ወዘተ ገለ ካብ’ተን ጃምላዊ ህልቂት ዘጋጠመን ገጠራት ኤርትራ’የን። እዚ ህልቂት’ዚ ግን ኣብ ገጠራት ኤርትራ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ኣብ ከተማታት ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ ጃምላዊ ህልቂት ይፈጸም ነይሩ’ዩ። ካብ 1974 ንደሓር ብተደጋጋሚ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ህልቂት፣ ኣብ ኣቑርደት ደቀምሓረ መንደፈራን ..ወዘተ ዘጋጠሙ ቅንጸላታትን ብናይ ነፈርቲ ደብዳብ ዝተሰውኡ ዜጋታትን ብዙሓት’ዮም።

እዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝወረደ ግፍዕታትን ዝተኸፈለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ዝተናወሐ ሓርነታዊ ኲናት ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ምስ እንርኢ ጥራሕ ‘ኳ ናብ ከባቢ 100 ሽሕ ኣቢሉ ዝገማገም’ዩ መይቱ። እዚ ብዘይካቲ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝተሰወአን ብሰንክቲ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ጸረ-ደሞክራስያዊ ቀንጻሊ ተግባራት መሪሕነት ሰውራ ኤርትራ ብግፍዒ ዝተሰውኡን ኣብ ጸብጻብ ከየእተኻ ክረአ እንከሎ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝተናወሐ ሓርነታዊ ኲናት ዘጋጠመ መስዋእቲ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሕ ስድራ ቤታት ኤርትራ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ገለ ስድራ ቤታት ካብ 3-5 ኣባላት ስድራ ከፊለን’የን። ገለ ከኣ ስድራ ምሉእ ዝተሰውእሉን’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራ እዚ ኩሉ ሰፍ ዘይብል ከቢድ ናይ ህይወት ሰብ ጥሪት ንብረትን፣ ምፍንቓልን ስደትን ወዘተ መስዋእቲ ክኸፍሉ እንከለው ዓስቢ መስዋእቶም ሓራ ዝኾነ ህዝብን ሃገርን ክርእዩ’ዩ ነይሩ ትጽቢቶም። ሰብኣውን ደምክራስያውን መሰል ዜጋታታ ዝተኸብረላ፡ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ጾታዊ፣ ማዕርነት ዜጋታታ ዝተሕለወላ፡ ሃገራዊ ሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ብፍትሓዊ ኣገባብ ዝመቓረሓላ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገርትን ዓለምን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ብሰላማዊ መነባብሮ ትመሓደረሉ፡ ኮታስ ኣብ ኩሉ ዓውደ መዳይ ቁጠባዊ ማሕበራው ምዕባሌታት ዝተረጋገጸላ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ዝተናገፈት ብሕጊ ትመሓደር ብልጽግቲ ሃገር ክሪኡ’ዩ ነይሩ ትጽቢቶም።

እዚ ዕድላት’ዚ ግን ብሰንኪ ገበቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ግጉይን ኣዕናውን ፖለቲካዊ ምሕደራ ተኾሊፉ’ዩ ኣይሰመረን። ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዜጋታትን ህብዝታትን ኤርትራ ዝደኸምሉ” ክቡር ናይ ደምን ህይወትን ዋጋ ዝኸፈልሉ ቅኑዕ ዕላማን ባህግን ንሕድሪ ስውኣት ጠለሙ፡ ኣብ ረብሓ ውሑዳት ገዛእቲ ደርብታትን መጋበርያታቶም ክውዕል ገይሩ። ስለዚ ከኣ’ዮም ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ዘይተጸበይዎ ዓርዑት ዘቤታዊ መግዛእቲ ተቖሪኖም ሓሰረ መከራኦም እናረኣዩ ንብረሰትን ምብትታን ተሳጢሖም ይርከቡ። ትጽቢት መብዛሕቲኦም ደለይቲ ፍትሒ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ ናይ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምውዳብ፣ ምንቅስቓስ ..ወዘተ ሓርነታዊ መሰላት ክረጋገጸሎም ደኣምበር፡ ሸቖጥቆጥ እናበሉ ኣብ ትሕቲ ጨካን ዓፋኒ ስርዓት ህግደፍ ንዘለኣለም ከም ጊላ ናቱ መሳርሒ ክኾኑ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ጉልበትን ኣእምሮን ስራሓት ብነጻ ክሽቅሉ፡ ኣብ ዘዝወለዖ ዘይፍትሓዊ ኲናት ክጥበሱን ክከላበቱ ትጽቢቶም ኣይነበረን።

ኣካይዳ ናይ ስርዓት ህግደፍ ግን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡፡ ብሓይሊ ብረት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየበ እቲ ምእሰርትን ቅንጸላን ብዝገደደ መልክዑ ክቕጽል ገይሩ። ስለዚ ከኣ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰላምን ምዕባለን ክረጋገጽ ዝኸኣኣለ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነቶም ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት’ ብምውጋድ ፍትሒ ንምንጋስን ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝብታትን እናጨፍጨፈ ደገፍቶም’ዮም ንዘበሎም ከኣ፡ ብዓፈናን ጭፍጨፋ ንብዙሓት ዜጋታት ዘህለቐን ዛጊት’ውን ዘህልቕ ዘሎን ጸረ-ህዝቢ ስርዓት’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ፍትሓዊ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ከቕርቡ ዝፈተኑ ምንቅስቓሳት ከም ናይ ሓርነት ውጉኣት፣ ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ፣ ጉጅለ 15 ኩሎም ብሓይሊ ብረት ክእሰሩ፣ ክቕንጸሉን ብኡ ኣቢልካ ሕቶኦም ክብርዕን ዝተፈተነን። ናይ 1993 ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስን፣  ጅግና ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ( ወዲ ዓሊ) ዝተሰወኣሉ ዘይዕወት ምንቅስቓስ 2013 ክእሰሩን ክቕንጸሉን ዝተገብረ ፍትሓዊ ሕቶም ከም ገበን ስለ ዝተቖጽረ’ዩ። ስለዚ እዞም ኩሎም ፍትሓዊ ሕቶ ብምልዓሎም ጥራሕ በዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ብጭካነ ዝተቐትሉ ዜጋታት መስዋእቲ ኽ ምስ ምእንታይ’ዩ ዝቑጸር? እንታይ ኮይኑ’ዩ ምስ ዝኽሪ ሰማእታት ዘይዝከር? እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘባርዖ ኣዕናዊ ዘፍትሓዊ ኲናት ኣብኡ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ንብረትን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈናቐለሉ ኣዕናዊ ኲናት’ዩ ነይሩ። እዚ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለና ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ስርዓት ህግደፍ ንምምላእ እንተዘይኮይኑ ንህዝብታት ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝጠቅም ኣይነበሮን። ነዚ ብምረት ክንዝክሮን ነቲ ጠንቅን ተሓታትን ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ብንቕሓትን ብጽንዓትን ክንቃለስን’ዩ ዝህልወና።

ባህጊ ስውኣትና ንሶም ብኽብሪ ወዲቖም ህዝብና ምሉእ ሓርነታዊ መሰል ክጎናጸፍ ‘ምበር፡ ከም’ዚ ሕጂ ኮይናዮ ዘለና ንዳግማይ ሓሳረ መከራ ክንሳጣሕ ኣይነበረን። ስርዓት ህግደፍ ግን ከም በዓል ጽቡቕና፡ ዓመት መጽአ፡ ብስም ስዋኣት ክምሕልን ክጥሕልን’ዩ ዝረአ። ናይ ሎሚ ዘመን ከኣ “ስውኣትና ሓበን ህላወና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ይዝክሮ ኣለኹ እንተበለ፡ “ውኻርያስ ጻድቕ ክትመሰል ዝዋውዕ ትኣስር” ከም ዝበሃል ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ’ዩ ዝኸውን። ኩሉ ግዜ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ጸቢብ ረብሓታቱ ከውዕሎም ደኣምበር ማእከሉ ረብሓ ህዝብታት ኤርትራ ገይሩ ክዝክሮም ከዳዕ ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን። ቅድሚ 28 ዓመታት ንዝጠለሞም ስውኣትና ዓመት መጽአ መብጸዓኦም ከኽብር’የ እንተበለ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት መን’ዩ ዝኣምኖ።

ስውኣትና ዝኸብሩን ንዘለኣለም እናተዘከሩ ዝነብሩን እቲ ዝወደቕሉ ክቡር ህዝባዊ ዕላማ ኣብ ፍጻሜ በጺሑ ብግዝኣተ ሕጊ ትመሓደር ሓራ፡ ልኡላዊትን ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ እንተተረጋጊጹ ጥራሕ’ዮም ዝቐስኑ። እዚ ረዚን ሕቶ’ዚ ከይተረጋገጸ ስርዓት ህግደፍ “ስውኣትና ሓበን ህላወና” ብዝብል ቴማ ከደናግር እንተፈተነ ኣብ ትሕቲ ጨካን መግዛእቱ ሓሰራ መካራኦም ዝሪኡ ዘለው ህዝብታት ኤርትራ   ህያው ምስክር’ዩ። ብፍላይ ከኣ ሕጂ እቲ 28 ዓመታት ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ምስ’ቲ ግልጽነት ዘይብሉ ምስ ኢትዮጵያ ገይረዮ ዝብሎ ስምምዕ ተደሚርዎ ህዝብታት ኤርትራ መሊኦም እምነቶም ካብኡ ክስሕቡን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ብውሽጥን ብደገን ተቓውሞታት ክጎሃሃር ዝገበረ ወድዕነት ተፈጢሩ፡ መሊእካ ንምውጋዱ ዝተበታተነ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ቀላጽሙ ኣወሃሂዱ ናብ ዘይተርፍ ህዝባዊ ዓወት ይምርሽ ብምህላው፡ ዓስቢ ስዋኣትና መልሲ ዝረኽበሉ ናይ ህዝብና ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብሕግን ብተግባርን ምሉእ ንምሉእ ዝረጋገጸሉ ወቕቲ ኣብ ቀረባ ርሕትና ምህላውን ዘመልክት’ዩ።

                                ዓወን ንሓርነታዊ ቅ ቃልስና!

                             ዓስቢ ስውኣትና ብምሉእ ሓርነት ህዝብና ጥራሕ ይረጋገጽ!

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 20-06-2019