ENCDCኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ደውታ፣ ነቲ ዘጋጠሞ ቅልውላው ሰጊሩ ኣብ መንጎ ኣካላቱ ዝኾኑ ሓይልታት ብዝነበረ ዘይምኽኑይ ምስሕሓባትን ካልእ ወድዓዊ ምኽንያታትን ዝተፈጥረ ቅልውላው ኣሊዩ፣ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተመርኲሱ፣ ኣብ ትሕቲ “ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ነጻነትናን ልዑላውነትና ንምዕቃብን፣ ሓድነት ህዝብና ንምዕዛዝን፣ ህልውን መጻእን ዕድልና ባዕልና ንምቊጽጻርን ዝብል ጭርሖ፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ሚያዝያ 16 ክሳብ 21 2019 ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ኣሰላሲሉ።

 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ብቃል ኣቦ መንበር መሪሕነት ባይቶን ብቓል’ታ ብኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቚመት ቲም ሓባራዊት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶን ተኸፊቱ። ኣብቲ ዝተዋህበ ቃላት፣ ንኩሎም’ቶም ባይቶ ኣቝሞም ዘለዉ ኣካላት ከምኡው’ን ሓፋሽ ህዝብና፣ ንኹሉ መሰናኽላትን በዳሂ ኩነታትን ሰጊሮም ካልኣሃገራዊ ጉባኤ ከካይዱ ምብቅዖም እመጊሶም። ብምቕጻል፣ መራሕትን ወከልትን ዕዱማት መሓዙት ተቓውሞ- ፖለቲካዊ ውድባትን፣ በርጌሳውን ህዝባውን ጥርናፈታትን ምንቅስቓሳትን ብተኸታታሊ፣ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዝሓዘለ ምሕዝነታዊ ቃል ኣቕሪቦም። ከምኡ’ውን ጉባኤ ካብ ዝተፈልላለዩ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታትን፣ ማእከላት ዜና ሓበሬታን፣ ንጡፋት ኤርትራውያን፣ ገዳይም ተጋደልቲ ዝርከብዎም ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን ምሕዝነታዊ መልእኽትታት ተቐቢሉ።

 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ኤሃባደለ ኣብ 2011 ኣብ ከተማ ሃዋሳ (ኢትዮጵያ) ካብ ዝምሰረት ኣትሒዙ ዘጋጥምዎ ኩነታት ዘብርህ ሰፊሕ መግለጺ ዝሓዘለ፣ ብቲም ሓባራዊ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ጸብጻብ ሰፊሕ ክትዕን ገምጋምን ተኻይድሉ።

 ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ማሕበረ-ኮማትን ሃገራውያን ባእታትን ብዝተወከሉ ዝቖመ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብ መስርሕ ዓውደ ቃልሲ ተቓውሞ ደምበ ዓቢ ሃገራዊ ውጽኢት ዝሓዘለ ዕዮ ከም ዝነበረን ዘሎን ጉባኤ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ግን ባይቶና ብሰንኪ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት፣ ተወጢኑ ዝነበረ ዕላማታት ከም’ቲ ተነቢሩ ዝነበረ ትጽቢታት ክትግበር ኣይተኻእለን። ግዜን ዓቅምን ሓይልታትና ኣብ ከንቶ ፖለቲካዊ ምትህልላኽን ምስሕሓባትን ብምጥፍኡ፣ ጉባኤ ንፖለቲካዊ መሪሕነታት ነቐፌትኡ መዝጊቡ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፣ ነቶም ዘጋጠሙ መስናኽላት ሰጊራ ናብ ጉባኤ ንምብጻሕ ዓቢ ጻዕሪ ዝገበረ ቲም ሓባራዊ መሪሕነት ጉባኤ መጒሱ። ኤሃባዲለ ንጸግማቱ በዲሁ ናብ ዝሰፍሐ ሃገራዊ ዕዮ ዘሰጋግረና ሓዲሽ መድረኽ ክኸፍት ምዃኑ ጉባኤኛታት ኣረጋጊጾም። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓሞ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ኣብ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ብፍላይ፣ ዝገበረቶ ገንዘባውን ሎጂስቲካውን ሓገዛትን ምትሕብባርን ካልኣይ ጉባኤ ክብ ዝበለ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ

 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ብደረጃ ሃገርና ኤርትራ ይኹን፣ ብደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ሃዋሁ ኣብ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣብ ዘለናህሞት’ ተኻይዱ። ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት 30 ዓመታት ብሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ምልካውያን ስርዓታት፣ ኣብ ኩሉ መዳያ ህይወቱ ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ቅልውላውን ጭቆናን ተሸኺሉ፣ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ኣብ ዘይብሉን፣ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገ-መንግስትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ቦኺሩሉ ኣብ ዘሎ ኩነታት እቲ ዝተሓተ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላቱ ተነፊግዎ፣ ኣብ ሻቕሎት ይነብር ኣሎ። ኣብ መዳይ ዞባዊ ምዕባሌታት፣ ብሰንኪ’ቲ ተሃዋሲ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ፣ ኤርትራ ሃገርና ዓውዲ ዞባውን ኣህጉራውን ውድድራት ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋንዚ ግን ንልዑላውነታን፣ ጸጥታን ሰላምን ህዝባን፣ ኣብ ሓደጋ ዘጻጠሐ ደረጃን ኩነታትን ትርከብ ኣላ።

 

ህዝብና፣ ብሰንኪ ገባቲ መርሖ ስርዓት ህግደፍ፣ ንጃምላዊ ምእሳርን መጭወይት ምስዋርን ግዳይ ናይ ኩሉ ዓይነት ሽበራን ተሳጢሑ ኣስካሕካሒ ህይወት የሕልፍ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ፣ ሃገሩ ራሕሪሑ ሰላም ንምርካብ ብዓሰርታት ኣሽሓት ክስደድን፣ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ከኣ፣ ኣደዳ መቕዘፍትን ማእሰርትን፣ ስቅያትን፣ ክፍሊ ኣካላቱ ክሸይጥን ኮይኑ ምህላዉ ጉባኤ ብቱዂረት ርእዩ። ኤርትራ ሃገርና፣ ንኤርትራዊ ዜጋ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ክነሳ፣ ንናይ ግዳም ሓይልታት ግን ከም ድላዮም ዝዕንድሩላን፣ ልዑላውነታ ብዝፈታትን መንገዲ ክዋስኡላን ንርኢ ኣሎና

 ሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብና

ኣሕዋትን መሓዙት ሃገርናን፣

 ሓደ ካብቶም ንህዝብና ዘሻቕሉ ዘለዉ ጉዳያት፡ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ርኽክባት እዩ። ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝጸንሐን ዕስራ ዓመታት ዝወሰደን ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ብምኽታሙ ጉባኤና እና’ሞገስ፡ እንተኾነ ግን እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ዘይንጹርን ህዝቢ ዘግለለን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቀዋሚ ስምምዓትን ውዑላትን ከእትዎ ዘኽእል ሕጋዊ ሮቛሒታት ዘየማልእ ምዃኑ ጉባኤ ገምጊሙ። ስለዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዑላት ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ካልኣይ ጉባኤ ብምጽዋዕ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝእለየሉ እዋን እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት ንህዝብና ቀያዲ ከም ዘይከውን ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ብጉዳይ ዶብ ብዝምልከት፣ ብመሰረት ናይ መጨረሽታን ቀያድን ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍጸም ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺጉዳይ ወደባት ኤርትራን፣ ዞባዊ ማያት ሃገርናን ምትንካፍ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታትንን ንሃገራዊ ጸጥታና ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብምዃኑ፣ ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ክብል ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤሃበደለ ኣዘኻኺሩ።

 ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ

ሓፋሽ ህዝብና፣

 ኣብዚ መደረኽ’ዚ ንምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ሃገርን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና፣ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንምዕዛዝ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ልሉይን ዓቢ ተራን ክጻወት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት፣ ከምኡ’ውን ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ናይ መንእሰያትን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን፣ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብሓባር ክቃለሱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ጉባኤ ኣስሚሩሉ። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ካልኣይ ጉባኤና ወጻኢ ካብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ምስ ዘለዉ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታትን፣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብሽርክነት ንምቅላስ ዝሕግዙ፣ ኣገደስቲ ውሳኔታት መደባትን ኣመሓላሊፉ። ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትና፣ መንፈስ ምንጽጻግን ኮንቶ ዝኾነ ውድድራት ተወጊዱ፣ ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈስ ክሰፍን ጉባኤ ተማሕጺኑ። ነቶም ዝተቐራረበ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት’ውን ዝምድንኦም ኣቲሪሮም ኣብ ፍጹም ሓድነት ዝመጽሉ መንገዲ ከነድዩ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከተባብዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 

ተቓላሳይ ሓፋሽ ህዝብና

ኣብ ትሕቲ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ተመሳሳሊ ምንቅስቓሳትን፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣመጒሱ። ሓድሽ መሪሕነት ኤሃባደለ ምስ ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምትሕግጋዝ፣ ነዚ ናዕቢ’ዚ ናብ ዝላዓለ ጥርዚ ንምብጽሑ ክሰርሕ ጉባኤ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።  

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና፣ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኑ ብምርዳእ፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ገባቲ ስርዓት ንምውዳቕ ቃልስታቱ ከኻዕብት ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ሰራዊት ኤርትራ፣ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ግዝኣተ ሕግን ንምስፋን ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንምዕዋት፣ ዕዙዝ ተራ ንኽህልዎ ጉባኤ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። መትከላትን ዕላማታትን ፖለቲካዊ መልእኽትን ኤሃባደለ፣ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ፣ ኩሉ ናይ ዜና ማዕከናትን ማሕበራዊ መራኸብን (ሶሻል መድያ) ሓድሽ መሪሕነት ብግቡእ ክጥቀም ጉባኤ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሰብኣውን ማሕበራውን ሓደገኛ ጥልቀታት ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ፣ ጉባኤኛታት ብትዂረት ርእዮም። ካብ ሱሳታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ስቅያት ስደተኛታትና፣ ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጹ መደምደታ ክግበረሉ ዝነበረ ትጽቢት በኒኑ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ክቕጽል ይርከብ። ኤርትራ ሎሚ፣ ህዝባ ክሰደዱ ዝግደዱላ ሃገር ኮይና፣ ካብ’ተን ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ቦታ ትሰራዕ ሃገር ኮይና’ላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላት፣ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወት ግቡእ ቆላሕታ ብምግባር፣ ንኽሰደዱ ዘገደዶም ምኽንያት ተቐይሩ ሃገሮም ክሳብ ዝምለሱ፣ መነባብሮኦምን ጸጥትኦምን፣ ከምኡ’ውን ናይ ትምህርቲ መሰሎምን ክንክን ጥዕንኦምን ብዝምልከት ንምምሕያሽ ሓገዞም ከበርክቱ ጉባኤ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

 ኣብዚ መዳይ’ዚ ሱዳንን ኢትዮጵያን የመንን ንነዊሕ ዓመታት ኤርትራውያን ሰደተኛታ ኣዕቊበን ንዝለገሰኦ ዝተፈላለየ ሓገዛት ብምምጓስ፣ ክሳብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታ ዝፍጠር፣ ሓገዛቶም ንኸየቋርጽ ጉባኤ ተማሕጺኑ። ከምኡ’ውን ጉዳይ ሰደተኛታት ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ኣካላት ክሳብ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ምትሕብባር ክቕጽልዎን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ፣ ስተደኛታትና ዘሕልፍዎ ዘለዎ ዘሕዝን ኩነታት ንምእላይ ክጽዕቱ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ጸዊዑ።

 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ጎድኒ ሰውራ ህዝቢ ሱዳን ደው ከም ዝብል ብምግላጽ፣ ካብ ዝሓለፈ ተመክሮታቱ ተማሂሩ፣ ሓቀኛ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ተሳትፎ ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምቛም ክወት ድማ ትምኒቱ ገሊጹ። ኣብ ሃገራት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ርግኣትን ጸጥታን ሰላምን ክሰፍን ዘለዎ ባህጊ ጉባኤ ገሊጹ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ጎድኒ ሓው ህዝቢ የመን ደው ከም ዝብል ብምርግጋጽ፣ ኩሎም የመናውያን ሓይልታት፣ ላዕለዋይ ጠቕሚ ሃገሮም ኣቀዲሞም፣ በቲ ዝተበጽሐ ስምምዓት ተቐይዶም፣ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ግርጭት ደው ከብሉ ጉባኤ ጸዊዑ። ኣብ ጉዳይ ጎነጽ የመን፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ ሻራዊ መርገጽ፣ ናይ ህዝብና መርገጽ ከም ዘየንጻባርቕን ንኣሕዋትና የመናውያን ጉባኤ ኣረጋጊጹ።

 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብና፣ ንሃገራዊ ባይቶ ዘበርከቶ ፍናናውን ገንዘባውን ሓገዛት ኣብ ምዕዋት ካልኣይ ጉባኤ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ብምርግጋጽ፣ ጉባኤ ልዑል መጎሱ ኣቕሪቡ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ ሃገራዊ ባይቶ ልሉይ ሃገራዊ ግደኡ ንኽጻወት ደገፉን ምትብባዑን ከይፍለየና ጉባኤ ተላቢዩ።

 ጉባኤ ኣብ መደምደምታ ዕዩኡ፣ ኣብ’ቶ ዝቐረቡ ሰነዳትን ጸብጻባትን ብቑዕ ምይይጣትን ክትዓትን ወድዓዊ ሚዛን ብምቕማጥ ፖለቲካዊ ቻርተርን ሕገ-ህንጻን፣ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ብምጽዳቕ፡ እዋናዊ መደብ ዕዮ ሓንጺጹ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፣ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ዝሰፈኖ መስርሕ ተኸቲሉ ብዲሞራስያዊ ኣገባብ 61 ኣባላት ዝቚመ ማእከላይ መሪሕነት መሪ ስራሓቱ ዛዚሙ።

ዕድመ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራ ሃገርና ሓራን ነጻን ኮይና ትንበር።

ዓወት ንቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ዲሚክራስያዊ ለውጢ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና።

ምያዝያ 22, 2019