Eritrean Revolutinary Democratic Front ማዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ካብ ጽባሕ ሓርነት ጀሚርና፡ በብዓመቱ እነሆ ንመበል 29 ጊዜ ነኽብራ ኣሎና፡፡ ውድብና ሰደግኤ ን20 ሰነ፡ ከም ማዓልቲ ሰማእታት ተቐቢሉ ከኽብራ እንከሎ፡ ምስ'ዛ ዕለት'ዚኣ ፉሉይ ምትእስሳር ስለዘሎዎ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር፡ እቲ ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝብታትና ዝተኻየደ ናጽነታዊ ተጋድሎና፡ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝተዋስኡሉ ምዃኑ ዘይሰሓት ኮይኑ፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ግን፡ ሜዳ ኤርትራ ብላዕለዋይነት መሪሕነት ህግሓኤ ተመሪሑ፤ ሓርነት ሃገርና ድማ፡ በዚ ውድብ'ዚ ዝተዛዘመ ምንባሩ ማንም ዝኽሕዶ ኣይኮነን፤ ስለዝኾነ'ውን ዋና ጸሓፊ ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ዝተሸመ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ንዝኽርን ክብርን ስዉኣትና፡ 20 ሰነ፡ ማዓልቲ ሰማእታት ክትከውን ብምእዋጁ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ውድብናን ተመሳሳሊ ርእይይቶ ዝነበሮም ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ከም ዓብይ ፖሎቲካዊ ኣጀንዳ ርእዮም፡ ናብ ሰሓቦ ጉተቶ ክኣትዉ ምርጭኦም ስለዘይነበረ፡ ከም ዕለተ ሰማእታት ክትዝከርን ክትክበርን ዝተቐበልዋ እያ። እቶም ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ፡ ክብርቲ ሂወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ ተቓለስቲ፡ ዝኽሮም ኣብ ነብሲ ወከፍ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ኤርትራዊ ልቢ ዝሰፈረ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፤ ይኹን'ምበር፡ ነቲ ዝወደቑሉ ክቡር ዕላማ ብሓባር ክንዝክሮ፡ ዝተጓጸፍናዮ ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነትን ዓቂብና፡ ነቶም ዝተኾለፉ ዕላማታት ተሓንጊጥና፡ ክነዐውት ድሉዋት ምዃና፡ ቃልና ነሐድሰላ ዕለት ሰማእታት ምስያም፡ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘሎዎ፡ ዘይንስሕቶ እዩ።

ውድብና ሰደግኤ፡ ፖሎቲካዊ ባህርያትን ተግባራትን ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ካብ ወጋሕትኡ ተገንዚቡዎ ዝሓደረ እዩ፤ በዚ ጉጅለ'ዚ ተመሪሑ ዝዕወት ናጽነታዊ ገድሊ፡ መወዳእትኡ ፍጹም ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ህዝብን ጽግዕተኛ ስርዓት ከም ዝትክል ገምጊሙ፡ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ እናካየደ ዝመጸ እዩ። ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ዝምራሕ ህግሓኤ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፖሎቲካዊ ውድባትና ብዘካየዶ ኩሉ-መዳያዊ መጥቃዕቲ፡ ልዕልነቱ ምስ ኣረጋገጸ፡ ''ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብን ሓደ መሪሕነትን ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን'' ብምባል ኣዊጁ፤ እዚ ጉጅለ'ዚ ኣብ ሓራ ኤርትራ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር ብሒቱ ክገዝእ ካብ ምሕላን ወጻኢ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ከምዘይክእል ዘይሰሓት ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ምስ ኩሎም ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ባህርያቱ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ዘካይዶ ተጋድሎን ዝኸፍሎ መስዋእትን፡ ውድብና፡ ዝግበኦ ክብሪ ሂቡዎ እዩ፤ ምስ ህግሓኤ ዘየድሊ ደም ምፍሳስ ከይክሰት፡ ዕድመ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝናውሓሉ ዕድል ከይፍጠር፡ ልዑል ጥንቃቐ እናገበረ ዝተቓለሰን መስዋእቲ ዝኸፈለን ውድብ እዩ። ምስ ኩሉ'ቲ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ውድቡን ዘዋህለሎ ትዕዝብትን ገምጋምን፡ ሃገርና ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ዓ.ም. ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝብታትናን፡ ብመሪሕነት ህግሓኤን ሓራ ምስ ኮነት ድማ፡ ብዕሊ ሰውራዊ ደገፉን ሓጎሱን ገሊጹ። ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልዑላውነትን ብመንገዲ ሪፈረንደም ሕጋዊ መዛዘሚ ክረክብ ዝተታሕዘ ኣንፈት ድማ፡ ኣብ ኣህጉራውን ዓለማውን መዳይ፡ ሃገራዊ ናጽነትናን ልዑላውነትናን፡ ዝረኽቦ ተቐባልነት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ደጊፉ፡፡ ካብ ጸቢብ ውድባዊ ሒሳባት ርሒቑ፡ ነቶም ብመሪሕነት ህግሓኤ ተሓንጺጾም ዝትግበሩ ዝነበሩ ጸረ ዲሞክራሲ ዝኾኑ፡ ኣግላልን ባሓትን ተግባራት ተጻዊሩ፡ መስርሕ ሪፈረንደም ብዓወት ንምዝዛም ማዓንጥኡ ኣስጢሙ ተቓሊሱ። ስለዝኾነ'ውን ውድብና ሰደግኤ ን20 ሰነ፡ ከም ማዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ተቐቢሉ በብዓመቱ ከኽብራን ክዝክራን እንከሎ፡ ጀጋኑ ስዉኣትና፡ እታ ሓንትን መተካእታ ዘይብላን ሂወቶም፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሮም ምኽፋሎም፡ ዘለዎ ዓሚቕ ክብርን ኣድናቖትን ንምግላጽ እዩ፤ ጀጋኑ ስዉኣትና ዝኸፈሉዎ ክቡር ዋጋ፡ ምስ'ቲ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዝንጸባረቕ ዝነበረን ዝቐጸለን ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስያውን ባህርያትን ተግባራትን ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ኣተኣሳሲሩ ስለ ዘይርእዮ እዩ።

ውድብና ሰደግኤ፡ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝኸፈሉዎ ረዚን ዋጋ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ጥራሕ ከም ዘይነበረ ኣጸቢቑ ይርዳእ፡፡ ኩሎም ሰብኣዊ፣ ዲሞክራስያዊ፣ ናይ ብሄራት፣ ሃይማኖታትን ጾታን መሰልን ማዕርነትን ዝኽበረላ፣ ማሕበረ ቁጠባዊ መነባብሮ ህዝብታትና ደረጃ ብደረጃ እናተማሓየሸ ዝኸደላ፣ ቅኑዕ ስርዓተ ምሕደራን ፍትሕን ዝጎናጸፉላ፣ ምስ ጎረባብቲ ይኹን ማሕበረ ሰብ ዓለምን መንግስታትን፡ ኣብ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ጥዑይ ዝምድና መስሪቶም ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾኑላ፡ ህዝባዊት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ምንባሩ ይኣምን፤ ይኹን'ምበር፡ እዞም ኩሎም ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት፡ ብርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ተጠሊሞም፡ ብፍጹም ጸረ-ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ፋሽስታዊ ስርዓት ክንግዛእ ብምጽናሕናን ብምህላውናን፡ ንኽብሪ፣ ጅግንነትን ተወፋይነትን ሰማእታትና ዘህስስ ክኸውን ከምዘይግባእ ይኣምን። እኳ ደኣስ ጀጋኑና፡ ካብ'ቲ ሃልሃል ዝብል ፍቕሪ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሮምን ህዝቦምን ተበጊሶም፡ ዝበጀዉዋ ክብርቲ ሂወቶም፡ ወትሩ ክዝከሩን ክኽበሩን፡ ነቶም ዝተጓናጸፍናዮም ዓወታት ዓቂብና፡ ዝተኾለፉ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታትና ንምዕዋት፡ ሰውራዊ ቃልና በብዓመቱ እነሐድሰላ ናይ ዝኽሪ ዕለት ክትህልወና ግቡእ'ዩ ኢሉ ይኣምን። በዚ መንጽር፡ ብመን ተሰየመት ብዘየገድስ፡ 20 ሰነ፡ ንኹሎም ጀጋኑ ሰማእታትና ንምዝካር፡ በብዓመቱ እናኽበራ መጺኡን ኣሎን። ኣብ ትሕቲ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ብናይ ህዝብታትና ሓባራዊ ዕግበት ዝውሰን፡ ኩሎም ጀጋኑ ሰማእታትና ብድምቀትን ብኽብርን ዝዝከሩላ ታሪኻዊት ዕለት ክትህልወና፡ ውድብና ሰደግኤ ይኣምን። ምእንቲ'ዚ ድማ፡ ከም'ቲ ሕሉፍ ኣበርቲዑ ምቅላሱ ክቕጽል እዩ።

ውድብና ሰደግኤ፡ 20 ሰነ ከም ማዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተሰየመትሉ እዋን፡ ምስ ክብርን ጅግንነትን ስዉኣትናን ዝወደቑሎም ዕላማታትን ፈጺሙ ዘይኸይድ፡ ፋሽስታዊ ኣዋጅ ከምዝተቓልሐ ይዝክር፤ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ 20 ሰነ ከም ማዓልቲ ሰማእታት ክስይማ እንከሎ፡ ኣብ ጀጋኑ ሰማእታትና ዘለዎ ኣኽብሮት ጥራሕ ንምጽብራቕ ከምዘይነበረ ይግንዘብ። እዛ ዕለት'ዚኣ ከም ማዓልቲ ሰማእታት ክስይማ እንከሎ፡ ህግሓኤ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ብሓፈሻ፡ ኣብ'ቶም ዘካየዶም መረርቲ ውግኣት ዝኸፈሎ መስዋእቲ ድማ ብፍላይ፡ ኣዕዚዙ ዝርእዮ ዕለት ብምህላዉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ'ዚ ዕለተ ዝኽሪ ኣጸጊዑ፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሓይሊ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር፡ ንበይኑ ብሒቱ ክገዝእ ዘሎዎ ጥሙሕ፡ ብቕሉዕ ክእውጅ ስለዝወሰነ እዩ። እዛ ዕለት'ዚኣ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ናይ ሜዳ ባሓቲ ፖሊሲኡ ዳግም ብምሕዳስ፡ ''ድሕሪ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን እዩ፤ ብሽም ውድባት ምጥቛስ ከም ከቢድ ወንጀል ዝቑጸር እዩ፤ . . . .'' ብምባል፡ ካብ'ቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ብ12 መስከረም 1974 ዓ.ም. ብወታደራዊ ዕልዋ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸረ ዘጋውሖ፡ ብትሕዝቶ ዘይፍለ ኣዋጅ፡ ዝተቃልሓላ ምዃና ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ'ዛ ብሽም መዓልቲ ሰማእታት ዝተሰየመት ዕለት፡ መጻኢት ኤርትራ ናይ ርእይቶ ብዙሕነት ዘይተተኣናግድ፣ ናይ ሰልፍታት ነጻ ምንቅስቓስ ብፍጹም ዘይተፍቅድ፡ ብናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ገባሪ ሓዳጊ ስርዓተ ኣገዛዝኣ ዝምእዘዝ ፍጹም ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ፋሽስታዊ ስርዓት ከምዝጥጥዕ ብኣዋጅ ዝተገለጸላ እያ። እዛ ዕለት'ዚኣ፡ ህዝብታትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ብምውጸኦም ዝፈጠረሎም ታሕጓስን ተስፋ ብሩህ መጻእን ከምዝብርዕን ብጋህዲ ዘዳመጹላ፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ምዃኑ ክግንዘቡ ዝጀመሩላ ዕለት'ውን እያ። 20 ሰነ፡ ብሓደ ወገን፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ብመስዋእትነቶም ሓራ ኤርትራ ጋህዲ ስለዝገበሩ፡ በብዓመቱ ብኽብሪ ዝዝከሩላ ዕለት ክትከውን ዝተወሰነትላ ክትከውን እንከላ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብሽም ጊዝያዊ መንግስቲ ብሒቱ ዝሓዘ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑ ሰማእታትና፡ ንስልጣን ባዕዳውያን መንግስታት ተኪኡ፡ ብዘይገደብ ክገዝእ ወዲኡ ምህላዉ ብተግባር ዘግሃደላ፡ ኣብ ህዝብታትና ዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝተንጸባረቐላ ዕለት እያ።

ሎሚ 20 ሰነ፡ ንመበል 29 ዓመት ክነኽብር እንከሎና፡ ኣብ ፍሉይ፡ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያውን ሃገራውን ኩነታት ኮይና ኢና። ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ህዋን ዝጀመረ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ከም ለበዳ ናብ መላእ ዓለም ተስፋሕፊሑ፡ ፖሎቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ቅልውላው ዓለምና፡ ሰማይ ዝዓረገሉ እዋን እዩ። ዓለምና ብቴክኖሎጂ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዝተባርዐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ምዕቡላት ሃገራት ኮይኑ፡ ብሕማምን መቕዘፍትን ዜጋታቶም ርዒዶምን ተሶኲኖምን፡ ህዝቦም ኣብ ውሻጠ ማይ-ቤቱ ክውሸብ ዝኣወጁሉ እዋን እዩ። ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ነዚ ሕማም'ዚ ዝፍውስ መድሃኒት ይትረፍ፡ መከላኸሊ ዝኸውን ምፍብራኽ ተሳኢኑዎም፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ሰማይ ዓሪጉ፡ መነባብሮ ዜጋታቶም ኣዝዩ ዝተሃሰየሉ እዋን ጸኒሑ እዩ። እዚ ለበዳ'ዚ፡ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ'ውን ሓደግኡ ገዚፉ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ንርከብ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዓሚቕ ቁጠባዊ ድኽነት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ማሕበራውን ባህላውን ዝምድናታት ህዝብታት፡ ነዚ ለበዳ'ዚ ኣብ ምክልኻል ዝኸበደ ብደሆ ዝኾነሉ ኣስጋኢ እዋን እዩ። እዚ ለበዳ'ዚ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ህዝብታትና ኣብ ሞንጎ ክልተ በሊሕ መላጸ ዝተቐርቀሩሉ ኩነታት ተፈጢሩ ጸኒሑ። ብሓደ ወገን፡ ህዝብን ሃገርን ብዘይ ቅዋም እናመርሐ ንሓደጋ ዕንወትን ብርሰትን ዘቃልዖም ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ፡ ምስ ሓይልታት ትምክሕቲ ኢትዮጵያ ተማሳጢሩ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርድ ውዲት ኣብ ዝኣልመሉ እዋን፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ፡ ደሃዩ ኣጥፊኡ ብምቕናዩ፡ ''እዚ ሰብኣይ፡ ሓሚሙ፡ ኣይፋል ሞይቱ''፡ ብዝብሉ ተባራሪ ወረታት፡ ህዝብታትና ብመጻኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ከቢድ ሸቐልቀል ዝወደቑሉ እዋን እዩ። በቲ ካልእ ድማ፡ መሓውራት ጸጥታን ድሕንነትን እቲ ስርዓት፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ መዝሚዞም፡ ብዘይ እኹል ቀረብ፡ ምግቢ፣ ማይን መከላኸሊ ናውትን፡ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ብምእዛዝ፡ ብኸቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገም ክቕጻዕ ዝተበየነሉ እዋን እዩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ከውሊ ተጠቒሞም፡ ግናይ ምስሎም ንምሕባእ ይኹን ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝሓልሙ መራሕቲ ብሓደ ወገን፡ ጥዕናን ድሕንነትን ህዝቦም ብቐዳምነት ዘገድሶም ድማ፡ እዚ ለበዳ'ዚ ዘስዕቦ ሓደጋ ንምዕጻፍ ምስ ህዝቦም ተናቢቦም፡ ናብ ሰፊሕ ወፈራ ምክልኻል ዝተዋፈሩ መራሕቲ ድማ፡ በቲ ካልእ ወገን ዝተራእዩሉ እዋን እዩ።

ምስ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዝተኣሳሰረ፡ ህሉው ኩነታት ሃገርና ክንዕዘብ እንከሎና፡ ህዝብታትና ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ተሸሚሞም ምህላዎም ንርዳእ። ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ዘለዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ርእሰ ፋሽሽት ኢሳያስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝበጽሑዎ ምስጢራዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖሎቲካዊ ዑቕባ መሰሎም ተገፊፉ፡ ውሕስነት ዘይረኸቡሉ እዋን'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ነባራት ስደተኛታትና'ውን ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣሎና። እዚ ድማ፡ ምስ'ቲ በብእዋኑ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተኣሳሲሩ፡ ሂወት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንርከብ።

ስለዚ 20 ሰነ ማዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ክንዝክር እንከሎና፡ ኣብ እንግድዓና ዝተደራረበ ሓላፍነት ኣብ ዝተሸከምናሉ እዋን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ብሓደ ወገን፡ እታ ብጅግንነታዊ መስዋእቲ ዝተጓናጸፍናያ ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገርና፡ ብውዲት ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ሓይልታት ትምክሕቲ ኢትዮጵያን ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ንምምካትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና እነረጋግጽሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ከቢድ ሓላፍነት ዝተሸከምናሉ እዋን እዩ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብታትና ይኹን ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናትና፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ፖሎቲካዊ ሸርሕታትን ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ሓደጋ ንምክልኻል፡ ከም ኤርትራውያን ዓቕምና ክነበርክት፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይኹን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን መንግስታትን ድማ፡ ቱኽረት ክህቡዎም፡ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና፡ ድምጽና ክነስምዕ እንጥለበሉ እዋን እዩ። ስለዚ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትና ኣብ እነኽብረሉ እዋን፡ ኣብ ዝባና ተጸፍጺፉ ዘሎ ድርብርብ ሓላፍነት ንምፍጻም፡ ቃል እንኣትወላ፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኣዋዲድና ክንዋፈር ድሉዋት እንኾነላ ናይ ዝኽሪ ዕለት ክትከውን ይህልዋ። ውድብና ሰደግኤ፡ ከም ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ)፡ ምስ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ካብኡ ዝጥለብ ከበርክት ድሉው ምህላዉ፡ ኣብ'ዛ ንዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተሰየመት ታሪኻዊ ዕለት 20 ሰነ ደጊሙ የረጋግጽ።

20 ሰነ፡ ማዓልቲ ሰማእታት ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ከም ዓለም-ለኻዊ ማዓልቲ ስደተኛታት ክትክበር ተወሲኑ ጸኒሑ ኣሎ። ውድብና ሰደግኤ፡ ነዛ ዕለት'ዚኣ ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ኩሎም ስደተኛታት ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም፡ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ፡ ወሪዱዎም ዘሎ ፖሎቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ጸጥታውን ጸገማት ኣብ ምቅላል፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ መንግስታት፣ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ሰብኣውያን ትካላትን፡ ሓገዞም ከበርክቱ መጸዋዕትኡ የማሓላልፍ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ!!

ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰል ስደተኛታት ይከበር!

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

20 ሰነ 2020 ዓ.ም.