መጸዋዕታ ንህዝቢ ኤርትራ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ካብ ባርነት ህግደፍ ክንወጽእ ሐራ’’

 

ትርጉሙ ኣይበርሃልኩምን ግዲ

ኣብ ሐጎስ ሐዘን ኣብ ከተማ ዓዲ

ብሾሞንተ ምቕራብ ኣብ መኣዲ’’

 

ከየዝንግዕዃ ንጋዶ

ናይ ትማሊ ኮማንዶ

ኣብ ጊሰን ዓኢዱ

ሎሚ

ብርገድ ንሐመዱ

ወትሩ ዓወት ዝልማዱ’’

 

ኣስተወል ኤርትራዊ

ጸረ ኢሰያስ ፋሽታዊ

ካብ 82 ጀሚርና ክነእዊ

ኣይተረኸብን መርሃዊ’’

 

ንክታሪኽ ገዲፍና ካብ ሎሚ

ብርገድ ንሐመዱ ኮይኑሎ ዓዳሚ

ህግደፍ ከይመስለኩም ከም ዓሚ’’

 

ንሐደ ዕላማ ኣነ ኣነ ይኣክል

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ክንቀል

ብደገን ብውሽጥን ንንቀል’’

 

ኣብ ባይታ ዓደባና ክወርዱ

ስለያ ህግደፍ ቶም ደም ዝለመዱ

ቀፊዶም ብቅዋም ብሕጊ ክፍረዱ’’

 

ሕራኔና ከምቲ ዝቀደመ

መንእሰይ ከይ ኣደመ

ንፋስ ኣትይዎ ከይቀሃመ’’

 

ስኒት ብዝቀልጠፈ

ቃልስና ከምቲ ዝሐለፈ

ጭርሖ ኮይኑ ከይተረፈ’’

ሕጂ ሐደ ድምጺ ነድምጽ

ዘዋሃህድ ክንድሽሕ ክንመርጽ

ንፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ዘቃብጽ’’

 

መዓልትን ከልብን ከይጸዋካዮ ይመጽእ

ህዝብና ኤርትራ

ኣብ ገጠትን ከተማ ግዳም ዘውጽእ

ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሕራ ክንወጽእ’’

 

ትኽስ ድሙ መዘንግዒ ኣናጹ

ንቦሐጎታትና ኢዶም ዝቖሮጹ

ተጋሩ ክሳብ ማዓስ

ኣሕዋ ኢና እንዳበሉ ከላግጹ’’

 

ብውሽጢ ገበብል ብደገ ኣትማን

ቆላን ከበሳን ኣስላም ምስ ክስታን

ሃገርን ህዝብን ንምድሐን ምውሳን’’

 

ትፈልጡ ዶ ኣቦሐጎታትኩም

ኣሉላን ውበን እንታይ ከምዝገበሩ

ደባሕ ንኤሊት መረብ ምላሽ ተጋሩ

ባሕሪ ዋናታት ኣለዉዎ ኣይትጽዓሩ

ፈተውቲ ትመሲልኩም ኣይትግዓሩ’’

 

ንኤርትራ ምስ መርሕዎ ደቀባታ

ናታ ኣይትህብ ኣይትደልን ዘይናታ

ብስኒት ትነብር ምስ ኩሎም ጎሮባብታ’’