ቀዳማይ፡- ንኹሎም ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ናይ ተበዲልና ድምጽን መልክዕ ውደባን ዘኽብር ኣረኣእያ ዝምልከት፡-
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና፡ ንኹሎም ብብሄርና፣ ሃይማኖትና፣ ጾታና፣ ደርብና፣ ከባቢና ስለዝተገፋዕና መሰልና ከነውሕስ ብዝመስለና ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ንቃለስ ኣለና ንዝብሉ ወገናት ብጸጋ ተቐቢሉ፡ ሓቢሩን ተኸባቢሩ ክቃለስ ድልዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ኣሎ። እዚ ፈታውን ጸላእን፣ ቀዳማይን ካልኣይ ግርጭት፣ ከመይነት ኣመኻኽትኡን ብርሑቕን ቀረባን (ብስትራተጂን ስልትን) ኣነጺሩ ሓቢሩን ተኸባቢሩ ክቃለስ ቅሩብ ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ። እዚ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ቃልሲ ዝብጻሕ ፖለቲካዊ ሃብቲ’ምበር፡ ብድድ ኢልካ ብኣዋጅ ዝውነን ኣረኣእያ ኣይኮነን።
እንተኾነ እዚ ቅኑዕን ቅቡልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመት ብደረጃ’ቲ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ወጽዓን ክሰርጽ ዝነበሮ ህዝባዊ ንቕሓትን ኣድማዒ ስራሕ ኣይሰርሐን። ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ‘ምበር፡ ኣብ ህዝቢ ኣይተዘርአን።ኣብ ህዝቢ ብንቕሓት ስለ ዘይተወነነ ድማ እነሆ ፖለቲካ ኤርትራ መራግሒ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ጫፋት ኮይኑ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ዛጊት መትከላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ዓጢቑ፡ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ውድብ ኣይተፈጥረን። ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ክንሱ፡ ካብ እዝንን እምነትን ህዝቢ ርሒቑ ይርከብ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ? እንታይ’ዩ እቲ ጠንቂ ብትኹረት ክሕሰበሉን ክእረምን ይግባእ።
ካልኣይ፡- ናይ ርሑቕን ቀረባን (ስትራተጂን ስልትን) ፖለቲካዊ ውጥንን ኣፈጻጽምኡን ዝምልከት፡-
ኣብ ፖለቲካ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማታት ኣነጺርካ ምቕማጥ ፈጺሙ ዘይስገር መሰረታዊ ረቛሒ’ዩ። ናይ ርሑቕ (ስትራተጂ) ገዛኢ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ቀረባ (ስልታዊ) ከኣ ካብ ስትራተጂ ዝቕዳሕ ብኡ ድማ ዝግዛእ ሜላ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ህላወን ኣገዳስነት ናይ ክልቲኡ ሜላታት ኣሚንካን ኣኽቢርካን ምቅላስ ከኣ የድሊ። ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ሓቢርና ንሰርሓሉ ሰፊሕ ግንባር መስሪትና ንቃለስ ዝብል ጻውዒት ቅኑዕ’ዩ። ግን ከኣ ነጻነት ፖለቲካዊ ውድባት ብሓሳብን ብተግባርን ዘኽብር ‘ምበር ዝዳፋእ ክኸውን የብሉን። ህዝብና ይበታተን ስለ ዘሎ፡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክምረሓሉን ክበጽሖን ዘለዎ ናይ ርሑቕ (ስትራተጂካዊ) ውጥን ሎሚ ንህዝቢ ክንምህረሉን ክንውድበሉን የብልናን ማለት ግን፡ ነገራት መሊሱ ዝደዋውስ ’ምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን።
ናይ ብሄር ውደባ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፣ ጾታዊ ማዕርነት፣ ሕቶ መሬት፣ ቁጠባዊ ፖሊሲ፣ ከመይነት ምምሕዳራዊ ቅርጻ ሃገር ….ወዘተ ዝኣመሰለ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ጽባሕ ‘ምበር ሎሚ ክንሰርሓሉ የብልናን። ብይጽነሓለይ ክውንዘፍ ኣለዎ ዝብል፡ ኣብ ጽባሕ ከመይ ከም ንበጽሕ ኣየርእን። ምኽንያቱ ኣብ ጽባሕ ከም ንበጽሕ ዘርእየና እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና’ዩ። ንዕኡ ገዲፍካን ብኡ ከይተዛረብካን ህዝቢ ዘድሕን ለውጢ ምምጻእ ይከኣል’ዩ ዝብል ኣረኣእያ፡ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ተመሳሳሊ ግጉይ ፖለቲካዊ ርድኢት ምድጋም’ዩ ዝኸውን’ሞ እንተዝእረም።
ሳልሳይ፡- ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ዘይምቕባል ዝምልከት፡-
ንስለ ውጹዕ ህዝቢ ኢና ንቃለስ ዘለና እናበልካ፡ ሓለፋ ህዝቢ ከም ዘለካ ብጉልባብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ንርእይቶ ውጹዓት ዘይምስማዕ ነይሩን ኣሎን። ዜጋታት በቲ ዝያዳ ዝስመዖም እሞ ዘተኣኻኽቦም መልክዕ ውደባ ንመሰሎም ኣንጻር ዘቤታዊ መግዛእቲ ንዝኽተልዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ኣብ ክንዲ ቀሪብካ ምትብባዕ፡ ካብ ትሕዝቶኡን ሸቶኡን ወጻኢ ባዕልኻ ብዝመሃዝካዮ ክትገልጾን ከተጸልሞ ምፍታን ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ።
ንስኻ ንዘይትደልዮ ኩሉ፡ እዚ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን’ዩ። ድሑርን በታንን’ዩ። ኤርትራ ብናይ ክንዲ’ዚ ዓመት ቃልስን መስዋእትን ዝመጸት ሃገር ስለ ዝኾነት ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣይትቕበልን ኣይተፍቅድን። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ’ዩ። ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝፍጸም ዘሎ ፋሽሽታዊ ተግባራት ከኣ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ሓደ’ዩ። መፍትሒኡ ድማ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ከይተፈላለኻ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተሳፊርካ ብሓባር ምቅላስ ጥራሕ’ዩ ዝብል ድፍን ዝበለ፡ ኣይሕግዝ ኣይሕገዝ፣ ከይሰርሐ ውልቃውን ጉጅላውን ስልጣን ዘመዕዱ ድሑር ኣረኣእያ ሓደ ካብ’ቶም ክእረሙ ዘለዎም ዕንቅፋት ናይ ለውጢ’ዩ።
ራብዓይ፡- ዘቤታዊ ጸላኢ ብዝኾነ መንገዲ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ኣረኣእያ ዝምልከት፡-
ብርግጽ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ውድቀት ዘቤታዊ ገዛኢ ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ። ንኣወጋግድኡ ዝምልከት ግን፡ ሕነ ምፍዳይ ብዝመስል ብዝኾነ መንገዲ ይወገድ ዘይኮነ፡ ብዝተጸንዐ፣ ዝተተንተነ፣ ናይ ኣረኣእያ ንጹርነት፣ ናይ ውደባ ስጥመት፣ ናይ ኣፈጻጽማ ኣድማዕነት ተቐሚጥሉ ብቐዳምነት ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡን ፖሊሲኡን ብዘወግድ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ድማ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ብኤርትራዊ ውጥን ብኤርትራዊ ኣመራርሓን ክውገድ ኣለዎ ብዝብል ተነጺሩ ክቕመጥ ኣለዎ።
ዘቤታዊ ጸላኢ ብዝኾነ መንገዲ ክውገድ ኣለዎ ማለት ግን፡ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ናይ ፖሊሲ፣ ናይ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን መሰረታዊ ለውጢ ጠለብ ኣየመልክትን። እዚ ምረት ዝወለዶ ህውኽ ኣረኣእያ’ዚ ስዒቡ ክመጽእ ንዝኽእል ሕማም ደሓር ብግቡእ ዝተገንዘበ’ውን ኣይመስልን። ብዝኾነ መንገዲ ክብል እንከሎ፡ ዋላ ከም’ቲ ኣብ ዒራቕ፣ ሊብያ፣ ሶርያ፣ ቬኑዝዌላ፣ ኢራን …ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ብግዳማዊ ሓይሊ ማለቱ ድዩ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ዝድርኽ ዘይብሩህ ብምዃኑ፡ ክንጸርን ብፖለቲካዊ ንቕሓት ክግራሕ ዘለዎን ኣረኣእያ’ዩ።
ሓምሻይ፡- ኣብ ድሑር ስምዒታት ክሕብኡ ዝደልዩ ብዝምልከት፡-
ሀ. እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኣብ ሓጺር ግዜ ከይውገድ፡ ብገንዘብ፣ ብጸጥታ፣ ብፕሮፖጋንዳ፣ ዝከላኸልሉ ዘለው ደቂ-ሓደ ኣውራጃ’ዮም። ስለዚ ከኣ ማሕበራዊ መሰረት ዘቤታዊ ጸላኢ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ’ዮም ዝብል ዘረባ ይስማዕ’ዩ። ናብ ሓቂ ዝቐረበ ርትዓዊ ፖለቲካዊ መረዳእታ ግን የብሉን።
ዘቤታዊ ገዛእ ከፋፊልካ ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ’ዩ ዝኽተል። እዚ ማለት ግን ኣብ ኩሉን ከከም ኩነታቱን እናተገላበጠ ንመናውሒ ስልጣኑ ዝጥቀመሉ ‘ምበር፡ ኣብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ብጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያኦም፣ ውድባዊ ድሕረ ባይታኦም፣ ውልቃውን ጉጅላውን ገንዘባውን ነገራውን ረብሓኦም፡ ፖለቲካዊ በሃምነቶም፡ ከይወድቕ ዝከላኸልሉ መጋበርያታት ኣብ ኩሉ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ከም ዘለው ምርዳእ የድሊ። ስለዚ እቲ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ከም ዝኾነ ዝቐርብ ክሲ ብጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓት ክምኽነየሉ እንተዘይኮይኑ መሰረት የብሉን።
ብመሰረቱ ድማ ማሕበራዊ መሰረት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስልጣን ብዝተቐመጡ ውልቀ ኣገልገልቲ ዝምዘን ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብፍሉይ ናታይ ኢሉ ክቕበሎ ዝገብር ታሪኻውን ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ፣ ንገዛእ ርእሱ ካብ መቑሕ ድኽነት ወጺኡ፡ ንመንግስቲ ከም መንግስቲ ደው ከብል ዝኽእል ገንዘባውን ነገራውን ደገፍ ዝገብረሉ ጭቡጥ ኩነታት ምስ ዝህሉ’ዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ግን ንእንኮ-ሰባዊ ገዛእ ብፍሉይ ክድግፍ ዝገብር ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ዘለዎ ኣውራጃ የለን፡፡ ከምኡ’ውን ኣይኮነን ብሓደ ኣውራጃ፡ ብደረጃ ሃገር’ውን ንሓደ ጸረ-ህዝቢ ገዛኢ ክስከም ዝኽእል ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ከም ዘየለ ምርዳእ የድሊ።
እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ደው ኢሉ ዘሎ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ፡ ኣብ ዘይፖለቲካዊ ብቕዓትናን ዘይውሕደትናን’ዩ። ብዓይኒ ቁጠባ ከኣ፡ ኣብ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኤርትራ፣ ራስያ ገንዘብን ንብረትን ኤርትራውያን፣ ሽያጥ መሬት፡ መዓድናዊ ጸጋታት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ተለኣኣኺ ናይ ዓለማውን ዞባውን ጽልዋ ዘለዎም ሓይልታት ኮይኑ ዝረኽቦ እቶት ዝተመሰረተ’ዩ።እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ክንሱ፡ ነቶም ኣብ ጎኒኻ ኮይኖም ዝቃለሱ፡ ብዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ዝእሰሩ፡ ዝጭወዩ ዝቕተሉ፡ ብደረጃ ህዝቢ ብስም መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ካብ መሬቶም ዝንቀሉ፡ ብጃምላ ዝእሰሩ፡ ዝስደዱ ዘለው ውጹዓት ወገናት ግምት ዘይህብ፡ ሓለውቲ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ደቂ-ሓደ ኣውራጃ እናበልካ ምኽሳስ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ኣወንታዊ ተራ ስለ ዘይብሉ ክእረም ኣለዎ።
ለ. ተቓወምቲ ህግ/ህግደፍ ደቂ-እከለ ኣውራጃ’ዮም ዝብል ነዊሕ ሱር ዘለዎ ጎስጓሳት ዝምልከት፡-
ብርግጽ በዓል ቤት ናይ’ዚ ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ ገዛኢ’ዩ። ብዝኾነ እዞም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ደቂ-ሓደ ኣውራጃኦም’ዮም ዝብሉ ወገናት፡ ከም ሰባት ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ንባብን መርገጽን ዘይብሎም፡ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ብኣስካሪ ፕሮፖጋንዳ ጸላኢ ዝተሰልቡ’ዮም። ምኽንያቱ፡ ብናታቶም ኣገላልጻ ኣብ ኤርትራ ክትቃወም ዘገድድ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ ዓፈና የለን’ዮም ዝብሉ ዘለው። እዚኦም ትእዛዝ ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዘለዎ ካብ ምቕባልን ምትግባርን ወጻኢ፡ ኣይኮነን ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ኣባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይኣምኑ ዕሙታት ኣምለኽቲ ምዃኖም ኣገንዝበኦም ኣማቲ’ዩ።
ብርድኢቶም ኤርትራ ድምጺ ጥይት ዘይስመዓላ ኣብነታዊ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓታዊ ገስጋስ፡ ጽኑዕ ህዝባዊ ሕግን ግሉጽ መንግስታዊ ምምሕደራን ዘለዋ ሃገር’ያ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ተበዲለ ምባል፡ ንመሰለይ ኢልካ ምቅላስ ገበንዩ። ዝቃወሙ ዘለው ድሑራትን ደቂ-ሓደ ኣውራጃውያን ’ዮም። እዚ ብኣረኣእያ ዝንቡዕ። ንዘየለ ሕግን ዘየመረጾ መንግስትን ዝከላኸልን ዘቆናጁን፡ ኣብ ህዝቢ ንዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝኽሕድ፡ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ድማ ዝንዕቕ ዕንቅፋት ናይ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ክግራሕ ይግባእ።
ሐ. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደጋፊ ሓደ ሃይማኖት’ዩ ዝብል ኣረኣእያ ዝምልከት፡-
ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ከም’ቲ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ዘየለ፡ ሃይማኖታዊ ነጻነት የለን። ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብተንን ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ልጓም ኣልቦ ግፍዓዊ ተግባራት ብሩህ ስለ ዝኾነ ሓደ ክልተ እናበልካ ምዝርዛር ግዜ ምብኻን’ዩ ዝኸውን። ናይ እምነት ነጻነት ተነፊገ ኢልካ ንመሰልካ ምቅዋም ግን ቅቡል’ዩ። መግለጺ ብስለትን ትብዓትን ድማ’ዩ።
ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ሕርሕራይ ገይርካ እናፈለጥካ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ከም ትካላት ዝፍጽሞ ቅሉዕ ገበናት እናረአኻን እናሰማዕካን ናይ ሓደ ወገን ደጋፊ’ዩ ምባል ግን ቅኑዕ መልእኽቲ ኣይኮነን። ጭቡጥ መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእል ድሑርን ዘራጊቶን ኣረኣእያ’ዩ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ፡ ንበዳልን ብዱልን ብማዕረ ሰሪዑ ዝሃርም፡ ውጹዓት ተኸባቢሮም፡ ተናቢቦም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ከይቃለሱ ዘሰኻኽፍ፡ ነቲ ብነዊሕ መስርሕ ቃልሲ እናደልደለ ዝመጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ዝጎድእ፡ ንዘቤታዊ ጸላኢ ጥራሕ ዘገልግል ብምዃኑ፡ ካብ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ብዝደሓነ ሓላፍነታዊ መንገዲ ክእረም ይግባእ።
መ. ምፍንጫልን፡ ምስ ሓድሽ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ተጸንቢርካ ብኣቋራጭ ክትዕወት ምምናይ ዝምልከት፡-
ብርግጽ ጸረ-ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ከም ዝነውሐ ኣይካትዕን። ብምንውሑ ከኣ ኣብ ገለ ወገናት ምስልቻው ፈጢሩ። ኣቐዲምካ ኣብ ዝሓዝካዮ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰቢትካ ኣብ ክንዲ ምቕጻል፡ ገለ ውድብካ ኣፍሪስካ ናይ ትሕዝቶ ለውጢ ዘይብሉ ማሕተም ምቕያር፣ ገለ ድማ ውድብ እናሃለዎም መምስ ዝመጸ ማዕበላዊ ምንቅስቓሳት ተጸቢሮም ብኣቋራጭ ክዕወቱ ክነጥፉ ይረኣዩ።
ሓደ ሰብ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ክኸውን እንከሎ ብኣካል ዘይኮነስ ኣብ ዕላማ ኣሚኑ’ዩ ዝውደብ። ኣብ ዕላማ ምእማን ማለት ከኣ ኣብ ፕሮግራም፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን መሰረታዊ መትከላት ናይ’ቲ ውድብ ምእማን ማለት’ዩ። ናይ ለውጢ ግዜ ስለ ዝነውሐ ኢልካ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ክትቃለሰሉ ዝጸናሕካ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መትከላት ኣፍሪስካ፡ “መለሳ ቆሎ ጥጥቖ” ዓይነት ውድብ ዘብለካ ማሕተም ምቕያር፣ ወይ ከኣ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ኣብ ክልተ ውድባት ክትህሉ ምፍታን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጌጋ’ዩ። ስለምንታይ?
ካብ ዘለናዮ ድኹም ኩነታት ክንወጽእ፡ ነናትና ጉድለታት ኣለሊና ንኣርም።