ካብ ኣጋ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2025 ጀሚሩ፡ ደሃይ ኣጥፊኦም ካብ ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ግዳያት፡ ውሑዳት ከምዝተለቁ ይዝረብ ኣሎ። ደሃይ ዘይነበሮም ሰባት ናብ ቤተሰቦም ምጽንባሮም የሐጉስ። እንቋዕ ከኣ ብርሃን ጸሓይ ንምርኣይ በቓዕኩም ምባል ንቡር’ዩ። ከም’ቲ ድምጻዊ ነፍስሄር ኪሮስ ኣለማየሁ “ ምቕና ኩሉ ንምርኣይ” ክብል ዝገለጾ ብህይወት ምቕናይ ጸጋ ስለ ዝኾነ እንቋዕ ትቕኒ ትንፋስ ረኸብኩም ክበሃል ኣብ ቦትኡ’ዩ።
ብካልእ መልክዑ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ማዕከናት ዜና ዝጥቀምሉ ቃላት ብሕግን ብተግባርን ብልክዕ ነቲ ፍጻሜ ዝገልጽ ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ጭውያን ማእሰርትን ዘሎ ፍልልይ መሰረታዊ’ዩ። እዞም ተፈቲሖም ዝበሃሉ ዘለው ዜጋታት ካብ መጀመርታ ተጨውዮም ድዮም ወይስ ተኣሲሮም ነይሮም ብብሩህ ምምላስ የድሊ። እዞም ሰባት ብጭቡጥ ጥፍኣት ብወግዒ ብሕጊ ኣይተኣስሩን። ተጨውዮም’ዮም ተወሲዶም። ስለዚ ከኣ ብዘቤታዊ ገዛእ ተጨውዮም ምስተወስዱ ደሃይ ዘይነበሮም ዜጋታት ተለቒቖም ተባሂሉ’ዩ ክግለጽ ዘለዎ። ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዝርከቡ ማዕከናት ዜና፡ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ፈቲሑ ዝብል ዘመሓላልፍዎ ዜናዊ ጸብጻብ ‘ምበኣር ክእረም ይግባእ። ኣሲርዎም ዝነበረ ፈቲሑ ዝብል ብኣካል ኣብ ቀይዲ ምንባሮም ደኣምበር ብዓይኒ ሕጊ ብኸመይ ከም ዝተወስዱ ኣየርእን። እንታይ ምኽንያት ገይሩ? ሕጋዊ መስርሕ ሕጊ ተኸቲሉ ካብ ቤት ፍርዲ ናይ መእሰሪ ፍቓድ ኣውጺኡ ድዩ ኣሲርዎም? ኣብ ሕጋዊ መጋባእያ ኸ ኣቕሪብዎም’ዶ? ባዕሎም ድዩ ጠበቓ ገይሮም ንዝቐረበሎም ክሲ ክከላኸሉ ዘይኽእሎም መሰል ነይርዎም’ዶ? ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን ናይ ምርኻብን ምዝራብን ነጻነት ከ ነይርዎም’ዶ ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኣይምልስን። ነዚ ሕቶታት’ዚ ዘይምልስ ከኣ ጭውያ ‘ምበር ማእሰርቲ ኣይበሃልን።
ዘቤታዊ ገዛኢ ዓለም ትምረሓሉ መስርሕ ሕጊ ኣይኽተልን። ፊን ኣብ ዘበሎ ግዜ ብሃንደበት ብዓመጽ ብተናጸልን ብጃምላን ጨውዩ’ዩ ዝቕይድ። እዚ ተግባር’ዚ ሕዱር መለለይኡ’ዩ። ካብ ዝወሰዶም ብዙሓት ሰባት ንፖለቲካዊ መኸሰብ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምድንጋር ንውሱናት ከም ዝለቐቐ ይዝረብ ኣሎ። ንሱ ባዕሉ በዚ ምኽንያት’ዚ ንኽድዚ ዓመት ኣብ እከለ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ እሱራት ፈቲሐ ኣይበለን። ብጭውያ ወሲዱዎም ምኽንያት መጭወይኦምን መልቀቒኦምን ብንጹር ከይሓበረ ድማ ለቒቕዎም። ጭውያ ብዝኾነ መጎት ይምጻእ ርትዓዊ መእመኒ ወይ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ቅሉዕ ገበን’ዩ። ብዘየማትእ ዘቤታዊ ጸላኢ ኤርትራ ሕጊ ከኽብር ኢለየ ጨውየዮም ኢሉ ኣብ ቅድሚ ፍትሓዊ ዳይና ቀሪቡ ከረድኣሉ ዝኽእል ሓይሊ ሓሳብ የብሉን። ምጭዋይ ምስቓይ ምቕታል ኣገዲድካ ተኸታሊኻ ክኸውን ምግባር ግን ብተግባር ዝንበብ ዘይተጻሕፈ ሕጋዊ ፖሊሲኡ’ዩ። እዚ ከኣ ንሓደ መንግስቲ መንግስቲ ዘብልዎ መለክዒታት ከምዘየማልእ የመልክት።
ጭውያ ብዝተፈላለዩ ምስ ሕጊ፡ ሞራልን ስነ-ምግባርን ዝተጋጨው ናይ ዓመጽ ጉጅለታት ክፍጸም ምርኣይን ምስማዕን ሓድሽ ኣይኮነን።ብተራ ገበነኛታት ዝፍጸም ጭዋያ ዋላ እቲ ተግባር ብመጠን ዘብጸሖ ጉድኣት ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ሞት ዘፍርዶ እንተኾነ፡ ብጀካ ከም ሰብ ዝተሰከሞ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ስለ ዘይብሉ ብሕጋዊ ተሓታትነቱን ሞራላዊ መለኪዕኡን ዝተሓተ’ዩ። ጉጅለ ገበነኛታት ብሕጊ ብጥሕሰት ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ኣይሕተትን። ምኽንያቱ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሽፋን ሰባት ብምጭዋይ ገንዘባውን ነገራውን ረብሓ ንምርካብ ዓሊሙ ዝወፈረ’ዩ። ንነብሱ ከም መንግስቲ ዝፈልጥ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ብዝገዝእ ትካል ዝፍጸም ጭውያ ግን ንክትሰምዖ ዘሰንብድ ዘይንቡር ናይ ገበን ገበን’ዩ።
ስለዚ ከኣ እዞም ግዳያት ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ኣብ ቀይዲ እንተዘውዕሎም ነይሩ ኣሲርዎም ምተባህለ። ንሳቶም ከኣ እሱራት ምተባህሉ። ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ እንተዝፈትሖም ከኣ ብተመሳሳሊ ፈቲሑ ተባሂሉ ምተገልጸ። እሱራት ተፈቲሖም ኢልካ ዜናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ ከኣ ልክዕ ምኾነ። ባህርን ተግባርን ስማዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ግን ምስ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝቃዶ ኣይኮነን። በዚ ህልዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ካብ ቅድሚ 1991 ምስተጨውዩ ደሃዮም ዘይፍለጥ ሰባት ከም ዘለው ይፍለጥ። ድሕሪ 1991 ክሳብ ሎሚ ተጨውዮም ምስ ተወስዱ ብህይወት ኣለው የለውን ዘይፍለጡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ግዳያት ኣለው። እዞም ድሕሪ 18-20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዝበሃሉ ዘለው ድማ ኣካል ናይ’ቶም ገና ደሃዮም ዘይፍለጡ ጭውያት ዝነበሩ’ዮም። እንታይ ስለ ዝገበሩ ተጨውዮም ጨዋይ ጥራሕ’ዩ ዝፈልጥ። ግዳያት ኮነ ቤተሰብ ብሕግን ብወግዕን ዝፈልጥዎ የለን።
ብኸመይ ከ ሕጂ ተለቒቖም? ገበን ስለ ዝፈጸሙ’ሞ ገበን ብምፍጻሞም ስለ ዝኣመኑ? ብሕጊ ተፈሪዶም ፍርዶም ስለ ዝወድኡ? ምሕረት ስለ ዝተገብረሎም? ኣበየናይ መጋባእያን መን ብዝበሃል ዳኛ ሕጋዊ ውሳኔ? ወይ ድማ ብናይ መን ፖለቲካዊ ኣካል ውሳኔ ፍጹም ዝተገልጸ ነገር የለን። ብጭውያ ጠፊኦም ጸኒሖም ሕጋዊ መስርሕ ብዘይተኸተለ ኣገባብ ብጭውያ ተለቒቖም። እቲ ክውን ሓቂ እዚ ክንሱ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ፈቲሑ እናበልካ ምጽብጻብ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ንሓቂ ምዝባዕ’ዩ። ንገበነኛ ሓራ ምውጻእ ወይ ምሽላም’ዩ። ንግዳያት ከኣ መሊስካ ምብዳል’ዩ። መግለጺ ናይ’ዚ ዘይንቡር ክስተት’ዚ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብነጋዶ ሰብ ኣብ ሃገራት ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ሲናን ካልእን ተጨውዮም ዝነበሩ ሰባት ብሓይሊ ገንዘብ ክልቀቑ እንከለው ዝቃላሕ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ብዘቤታዊ ጸላኢ ተጨውዮም ምስተወዱ ደሃይ ዘይነበሮም ዜጋታት ተለቒቖም ተባሂሉ’ዩ ክሕበር ዘለዎ።
ምኽንያቱ ብህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዝምረሓ፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ልኡላውነት ህዝብን ኣብ ዝተረጋገጸለን፡ ብህዝባዊ መረጻ ኣብ ስልጣን ብዝደየቡ ሕጋዊ ተሓታት ዘለዎም መንግስታት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ሰባት ይኽበድ ይፍኮስ ብመጠን ዝፈጸምዎ ጉድለት ሰብኣዊ መሰሎም ከይተዳፋእካ ብሕግን ብወግዕን ክሕተቱ፡ ክፍረዱን ክፍትሑን ንቡር’ዩ። ብዘይ ሕጊ ጨዊኻ ምውሳድ፡ ብዘይፍርዲ ምድጓን ብዘይ ሕጊ ፊን ኣብ ዘበለካ ምፍታሕ ኣይፍቀድን። ብገይጋ እንተኣሲርካ ከኣ ናይ ሞራል ድዩ ናይ ዝበጽሐ ኣካላዊ ጉድኣት ካሕሳ ክትከፍል ናይ ግድን’ዩ። ኩሉ ነገር ብሕግን ብሕግን ጥራሕ’ዩ ዝስራሕ። ኣኽበርቲ ሕጊ ልዕልና ሕጊ ምኽባር ማእከላይ ዕላምኦም ብምግባር፡ ሰባት ካብ ዝተፈቕደ ሕጊ ከይወጽኡ ይከታተሉ፡ እንተወጺኦም ከኣ መስርሕ ሕጊ ተኸቲሎም ይኸሱ፡ ይፈርዱን ይፈትሑን ‘ምበር፡ ደስ ከም ዝበሎ ኣይጨውዩን። ኣይቐትሉን። ኣይፈትሑን። ሕጋዊ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ሕጊ ብዝሃቦ ‘ምበር ደስ ከም ዝበሎ ኣይገብርን። ደስ ዝበሎ ዝገብር ሽፋታ’ዩ። ደስ ዝበሎም ዝገብሩ ጉጅለ ነጋዶ ሰብ’ዮም። ተግባራት እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ተግባራት ሽፍታን ጉጅለ ነጋዶ ሰብን’ዩ። ስለዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ፈቲሑ ክበሃል ኣይግባእን።
ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ብጉጅለ ነጋዶ ሰብ ተበዲሎም ክንሶም ገንዘብ ከፊሎም ብዘትረፍዎ ህይወት ተመስገን ዝብልሉ ምኽንያት፡ ንጉጅለ ነጋዶ ሰብ ብሕግን ብተግባርን ክፋረድሉ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም’ዮም። ንዓመታት ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ግዳያትን ቤተሰቦምን ብተመሳሳሊ ውሽጦም ብሕርሩ ተመስገን እንቋዕ እዚኣ ተረኽበት ከም ዝብሉ ኣየጠራጥርን። ስለምንታይ? ዘቤታዊ ገዛኢ ከይበደልካ ብሃንደበት ጨውዩ ዘጥፍእ፣ ኣካል ዘጉድል፣ ከይፈተኻ ኣድንቐኒ ተማእዘዘኒ ዝብል ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ስለዝኾነ። ከም ሓርበኛ ቢት ወደድ ኣብራሃ ካልኣይ ጭውያ ከየጋጥሞም ውሕስነት ስለዘይብሎም ከም’ቲ ድምጻዊ ነብስሄር ኣብራሃም ኣፈወርቂ “ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ኩሉ ጸይረ ፍሽኽታ ኣመለይ” ዝበሎ ኩሉ ቁስሎም ኣብ ውሽጦም ሒዞም ክሳብ ዝደልዎም ብስቕታ ክቕጽሉ ናይ ግድን’ዩ።
እንተ እዞም ኣካል ደምበ ተቓውሞን ኮይኖም፣ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈነን ሃገራት ሰብኣዊ መሰሎም ተኸቢርሎም እናነበሩ፡ እቶም ግዳያት ዘሕለፍዎን ተሰኪመሞ ዘለው ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ኣብ ግምት ከየእተው፡ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ፈቲሑ ኢሎም ከም ዜና ዓወት ዘቃልሑ ዘለው ገለ ማዕከናት ዜና ግን ምጭዋይን ምልቓቕን ምእሳርን ምፍታሕን ብዓይኒ ሕጊ ናይ ትሕዝቶ ፍልልይ ከም ዘለዎ ክግንዘቡ ይግባእ።
ክብሮም ከስተ
12 ጥሪ 2026
