በሃማትን  ዛጊት ኣለው’ዮም።

  እዞም ከምዚ ዝገብሩ  ሰባት፡ ብሓቂ ብንቕሓት ብምሉእ ሕልናዊ ዕግበት ስለ ዝተሓጎሱ’ዮም ከም ዝገብሩ ዘለው  ክትብል ብርግጽ ናብ’ቲ ናቶም ደረጃ ምውራድ ከስምዕ ይኽእል’ዩ። ግን ከኣ ሰባት እንድዮም ዝሓስብ ዘመዛዝን ኣእምሮ ኣለዎም እንድዩ ስለምንታይ ካብ’ቲ ዝሓለፍዎ መስገደል ትምህርቲ ዘይወስዱ? ኣብ’ቲ ብተነጻጻሪ እፎይ ዝብልሉ ቦታ ብምብጻሖም ተመስገን ኢሎም ናይ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሰብ ዘይሓስቡ/ባ? ብሰንኪ መን ተሰዲዶም እቲ ኣብ ዓዲ ዝገደፍዎ ህዝቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ እናፈለጡ ኣብ ዳስ ጸላኢ ከይዶም ክስዕስዑ ምርኣይ ግን የተዓዛዝብ። ኣተሓሳስባኦም ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ድማ ይድርኸካ።  

 ስለምንታይ? እንስሳ ከብደን ምስ ጸገባየን ከም መግለጺ ሓጎሰን ዝዕንድራ። ንድሕሪት ተመሊሰን ታሪኽ ኣይዝክራን። ንቕድሚት ኣርሒቐን ኣይጥምታን። ተፈጥሮ ዝዓደለን ኣተሓሳስባአን ኣብ ዕለታዊ መግቢ ምስ ምርካብን ዘይምርካብን ዝተደረተ’ዩ። ብርግጽ ወዲ-ሰብ ኣካል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ። ኮይኑ ግን ካብ ናይ እንስሳ ዝተፈልየ ነገራት ናይ ምምዝዛን ተኽእሎ ዝተዓደለ ፍጡር’ዩ። እንታይ ምስ ረኸበ፡ መዓስ፡  ኣበይ፡ ብኸመይ፡ ምስ መን ኮይኑ ይሕጎስ ይስዕስዕ፣ እንታይ ምስ ኮነን ምስ ሰኣነንከ ይትክዝ፡ ይሓዝን፡ ፈልዩ ዝፈልጥ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ሕጋውን ባህላውን ዘይስገር ደረት ዘለዎ ፍጡር’ዩ። በዚ መዕቀኒ’ዚ እዞም ብጻውዒት ጸላኢ፡ ገንዘብ ከፊሎም ኣብ ኣዳራሽ ጸላኢ ተረኺቦም ዝስዕስዑ ኤርትራውያን ኣብ ነገራት ዘለዎም ኣገንዝቦ ከመይ’ዩ? በቲ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ሕልና ድዮም ዝምርሑ ወይስ  ልክዕ ከም ናይ እንስሳ ብኸብዲ ምምላእን ጨርቂ ምቕያርን?

 እንሆ ድማ ብፖለቲካዊ ድንቁርናኡን ኣጉል ትዕቢቱን ንህዝቢ ከም ህዝቢ ብኹሉ መልከዓት በታቲኑ  ኣብ   ምድኻም ብመደብ ዝነጥፍ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ሎሚ’ውን ከም’ቲ ዝሓለፈ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮም ተቐባልነት ባዕሎም ዝድምስሱ ዘለው እሙናት መቀናጀውቲ ሓደ ሰብ ዝኾኑ ጉጅለ ስነ-ጥበብ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ልኢኹ ኣብ ኣዳራሻይ ተረኺብኩም ሕፍረተይ ሸፉኑለይ መቕተሊ ህዝብኹም ዝኾነ ገንዘብ ኣበርክቱለይ ዝብል ጻውዒት የግብር ኣሎ። እዚ ጻውዒት’ዚ ልክዑ ዝሓለፎ ንዕቀት’ዩ። ኣብ’ዛ መድረኽ እዚኣ ነዚ ሰሚዖም ኣብ ኣዳራሹ ከይዶም ገንዘብ ከፊሎም ዝስዕስዑ ሰባት ሰብኣዊ ሚዛኖም ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ የውርዱዎ ከም ዘለው ክርድኡ ይግባእ።

  ምኽንያቱ ሲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ክብሩ ዝተዋረደሉ፡ ብናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ስኽፍታ ዝኣተወሉ ተኣፋፊ መድረኽ’ዩ ዝርከብ።ብመን ብእንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ። ስለዚ ብተግባር እዚ ብስም ህዝብን ሃገርን ድዩ፡ ብ2% ክፍሊትን ወጋሕ ትበል ለይቲ ሳዕሳዒትን ዝእከብ ገንዘብ ኣብ ኲናት ብርሰትን ‘ምበር ኣብ ምስፋን ሰላምን ልምዓትን ከም ዘይውዕል ዝሓለፈ ተመክሮን ትሕተ ቅርጻ ኤርትራ ዘለዎ ኩነታትን መረጋገጺ’ዩ። ነዚ ጭቡጥ ሓቂ’ዚ ሰጊርካ ዕድመ ጸላኢ ኣኽቢርካ ኣብ ኣዳራሹ ተረኺብካ ገንዘብ ከፊልካ ዝርከብ ሓጎስ እንታይ ዓይነት ሓጎስ’ዩ? ብሕልና ወይስ ብኸብዲ ዝግዛእ ሓጎስ  ከሎ ጌና ኣመዛዚንካ ምውሳን የድሊ።

 ብስም ሃገርን ስውኣትን ዘደናገሩ፡ ባዕሎም ካብ ፍቕሪ ህዝቢ ናብ ኣምልኾን ምቅንጃውን ሓደ ሰብን ነገራዊ ረብሓን ዝቐየሩ፡ በተሓሳስባኦም ዝኣረጉ ስማውያን  ነባራት ስነ-ጥበባውያን ንወጋሕ ትበል ለይቲ ዝተገብረ ጻውዒት ኣኽቢርካ ምኻድ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ነቶም ንስለ ክብረት ሰብን ወሳንነት ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣንን መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም “ዓወት ንሓፋሽ” እና ጨርሑ ዝወደቑ ሰማእታት፣ ብተመሳሳሊ ንቕሓትን ውሳኔን ፍርቂ ኣካሎም ዝኸፈሉ ወጉኣት ሓርነት፣ ዕድመ ንእስነቶም ዘብለዩን ዝመነኑን ሓርብርኛታት፣ ብቀንዱ ከኣ ንህዝቢ ምኽሓድ’ዩ። ብንጹር ናይ ካልእ ኣየገድሰንን ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ መግለጺ ውዱቕ ኣተሓሳስባ’ዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ሓዘንን ድኽነትን ‘ምበር ኣብ ሓጎስን ሳዕስዒትን የለን። ብውሽጥን ብደገን ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወሉ ወቕቲ፡ ኣብ ዳስ ዘቤታዊ ጸላኢ ከይድካ ሳዕስዒት ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ? ብቐዳምነት ንዋናታቱ ዝግደፍ መልሲ’ዩ።

                                                          ክብሮም ከሰተ

                                                            29 ታሕሳስ 2025