Meinungen
ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢያ ትርከብ ዘላ። እዚ ኩልና ንግንዘቦ ሓቂ እኳ እንተዀነ መበገሲ ክኾነና ገለ ንጥብታት ኣልዒለ ክዛረብ ኢየ። ኣብ ሃገርና ክፉእ ኩነታት ስለዘሎ እንዲና ኣብ ስደት ንነብር ዘሎና…