Nachrichten & Erklärungen
ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
ብዝተነጸረ ስነ-ሓሳብ፡ ብሕጊ፡ ብግብሪ ዝተጠርነፉ ሰባት ( ኣባላት) ዘቖምዎ ውዳቤ’ዩ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ነይሩ ወይ ኣሎ ዝበሃል። ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዝበጽሖ ዝተዋህለለ በደል ዘንቀሎ ብመጽናዕቲ ዘይኮነ ብስምዒት ዝተኣኻኸበ ብግቡእ ተናቢቡ ዘይወፈረ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ፡ ክንዲ ዝኾነ ቀልቢ ህዝቢ ዝስሕብ ግዝያዊ ንጥፈታት የርኢ፡ ክቡር መስዋእቲ …