Meinungen & Beiträge

ካብ ጌጋና ተማሂርና ዶ እወ እንተኮይኑ ተዳሊና ዶ

03 June 2019 Administrator ትግ

__

እንታይ ደኣ በበይንኻ ኣጉዶ

ንሰላማዊ ስልፊ ዲሲ ዘሰንበዶ

ንኣርዮስ ኣውሪድና ዘይንፈርዶ;;

መለይ ኣንበልብሊ

መንግስቲ እየ በሃሊ

ኣውሊዔይ ተኽሊ

ዘይወደቖ ቆጽሊ

ክንኣልዮ ብዕሊ;;

ኣብዘይ ሰምዓካ

ደብሪ ኣይትማህለል

ንጠላም በዓል ኣመል

ንሕድሪ ዝጠለመ ገበል

ደላይ ፍትሒ ኣይፋል

በዓል መሃንዘል

ኮቦራ ሒዝካ ምዝላል;;

__

በዓል ዕንሹ

ምስ ኣጣቓዓሉ

ተጠሊዑ ንሱ

ሎኽመኛ ዓላቚ ክነሱ

እንቃዓ እንቃዓ ይሕሱ;;

__

ህግደፍ መልሐሶም ዕረ

መንዩ ምስ ኣቢዪ ዝመኸረ

መንዩ ንጳጳስና ዝኣሰረ

መንዩ መሻይኽና ዝቐበረ;;

__

መራሒ ጭፍራ ንሱ

ናዓኹም ሒዙ

ንዓዲ ጀጋኑ ረሚሱ

ናይ ንሕና ንሱ

መመሊሱ ቢኢሱ

ንደለይቲ ፍትሒ

ወያነ እንዳበሉ ይኸሱ;;

__

መለሳ ቆሎ ጥጥቖ

ቆጽሊ ዘይወደቖ

ወያነ ደኣሞ

ንመራሒኹም ይቐርብዎ

ወያነስ ህግደፍ ትሕሽዎ;;

__

ዓሻ በጊዕ

ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ

ናዓኹም ሒዙ ንህዝቢ የጥፍእ

ቦታ ደቀባት በምሐራ ይትክእ;;

__

ሎኽመኛ ሰራዲ

ምስ ኣቢዪ ብጋህዲ

ሳዲስቲ ከሐዲ

ብሰንክካ ሐሲራ ዓዲ

ይጽበየካ ኣሎ ፍርዲ;;

__

በበይንኻ ጭርሖ

ኣየምጽእን ዩ መርሆ

ህዝቢ ኤርትራ ዝሐቶ

ንህግደፍ ብሲኒት ክንምክቶ;;

__

ን28 ዓመት ኢልና ምልኪ ይፍረስ

ካብ ብኣውራጃይ ኣውራጃኻ ንካሰስ

ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ግና ሐባር

ካብ ዳውን ዳውን ያኣክል ክንሰግር__

ተበገስ ምባል የድሊ ኣሎ ብተግባር;;

__

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።