ህግደፋዊያን ሕጂ ውን ክይትቅስኑ
ደላይ ፍትሒ ይሕርቅም ኣሎ ኣስናኑ
ተላዒልዩ ብደገን ብውሽጥን ሐሪኑ’’
ህግደፋዊያን ኣምለኽቲ ሸፋቱ
ርስቶም ተገዲፎም እኳ ዘይሐተቱ
ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖ ዘይጥምቱ
ብሰንኩም ህዝቢ ኤርትራ ተኻላቢቱ’’
__
ብሰንክኹም መንእሰይ ይብደል
ኣብ ጀርመን እወ ኣለኩም መሰል
ህዝቢ ኤርትራ ብሐዊ ክቕምሰል
ኣታ ሎምስ በዚሑ ዘይትብሉ ያኣክል
ቆጽሊ ዘይወደቖ ዶ ንህዝቢ ይውክል’’
__
ትማሊ ጸረ ደቀባት ምስ ወያነ ሻዕብያ
ሎሚ ምስ ኣኽረርቲ ኢትዮጵያ ጉያ
ዳግማይ ክተርግጹ ንህዝቢ ኤርትረያ
ክሕደትኩም ኣይመሃረትኩምን ድያ’’
__
ኤርትራዊ ንኾንቱ እንዳ ፈሰሰ ደሙ
ኣቱም ሰባት ማዓስ ኢኹም ትልብሙ
ካብቶም ሕድሪ ሰማእታትና ዘይጠለሙ
ካባና ሰጊርኩም ንጀርመናዊ ክተጸልሙ’’
__
__
ገለን ደቁ ይምንዛዕ ገለ ደቁ ሐቔፉ
በቶም ንኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ዘድንቑ
ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ንስእሉ ዝሐቖፉ
ኣብ ጊሰን ጸሊም ታሪኾም ተጻሒፉ’’
__
ዘይወግሕ መሲልዎ ዓሻ ይሕንቅቕ
ምስ መጽነቲ ዓደቦ ኮይኑ ይስሕቅ
ህግደፍ የፍርስ እንበር መዓስ ይነድቕ
ንሕልና ዘይብሎምድስ ኩሉ ጽቡቕ’’
__
ዓገብ ክንዲ እንታይ ንግበር ጥራይ ወረ__
ኣብ ውግእ ክትማረኽ ክትማርኽ ዝነበረ
ብረቶም ናብ ህግደፍ ከቕንዕዎ ደቂ ኤረ
ብሐደ ድምጺ ንለውጢ ንጸውዕ እንበረ’’
__
ክሳብ ማዓስዩ ተባህለ እንዳበልካ ፍረ ኣልቦ ድራማ
ኣበይ ተማሂሮም ሕክምና ንቅርጸት ከብዲ ማሕጎማ
ህግደፍን ህወሐትን ብጽግናን ሐደዩ ናታቶም ዕላማ’’
__
ንለውጢ ብደገ ብውሽጢ ብኤርትራዊያን
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክሰፍን መታን
ምውርዛይ ገዲፍና ንጻሕተርቲ ውግእ ንኾንን
ኤረና ባሕራን ርስታን ንደቀባታ ክትከውን’’
__
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 10 10 2022።