ደላዪ ፍትሒ እየ እንዳበለ ንደላይ ፍትሒ ዝጸልእ‘‘
_ንተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፖሎኛ_
ዋላ ምሳኹም እንተ ዘይወዓልና
ንደለይቲ ፍትሒ ኣጆኹም ኣጆና‘‘
_ውሽጡ ሑሩር ብግጥመይ ክላቦ_
ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ ዓለም ጸበቦ
ሐማደኤ ሕልና ኣልቦ
ትንፋስ ከይህብኦ ንጸረ ዓደቦ‘‘
_ሐማደኤ ህግደፍ ቀሲነን ከየብዕለኦ_
ንጸረ ህዝቢ ኤርትራ ትንፋስ ከህብኦ
ንፖሎኛ ንቕሎ ዋዕራታት መን ክጻብኦ
ከም ወትሩ ንኢዩበል ሐማደኤ ከፍሽልኦ‘‘
__
ኤርትራ ንኤርትራዊያን ጭሪሔን
ነተን ዝተቃለሳ ንመሰልን ንሐርነተን
ሐማደኤ ንውቀ መላኺ ኣምሊኸን
ንዋዕሮታት ጠሊመን ኪሒደን‘‘
__
ንመርፍእ ማሕረሻ ይማባጻዓላ
ሐማደኤ ቪቫ ህግደፍ እንዳበላ
ኣብ ፓለኛ ኢዮበል ከብዕላ
ናይ ኣርባዓ ዓመት ክጽንብላ‘‘
__
ሐማድኤ ትማሊ እወ ንነጻነት
ኣደ ስውኣት ደም እንዳ ነብዔት
ሎሚ እወ ንምልኪ እወ ንባርነት‘‘
__
ቪቫ ደቂ ኤረይ ደለይቲ ፍትሒ
ናይ ጉጅለ ህግደፍ መሳርሒ
ኣብ ዓዲ ፍትሒ ኮንካ ፍርሒ
ዕሽነት ዶ ክንብሎ በለጽ ጉርሒ‘‘
__
ደቂ ዋዕሮታት ደም እንዳ ነብዓ
ነተን ዝተቓለሳ ንድርብ ወጽዓ
ንዋዕሮታት ሕድረን ዘይረሳዓ
ንስዉኣት ብጾተን ዝተማባጻዓ
ንምርያም ሰናዪት ኣስተር ዝረሳዓ‘‘
__
ላንጋ ላንጋ ተላዓል
ካብ ኣብ ጸለመ ምውዓል
ብሐደ ድምጺ ብሐደ ቃል
የድሊ ኣሎ ያኣክል ምባል‘‘
__
ንተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሐደራ
ንመኣዲ ሾሞንተ ደቂ ኤርትራ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ
ንስነ ጥበባዊያን ድያስፖራ ኣውራ
ካብ ጽገናዊያን ክትኮኑ ክትኮና ሐራ‘‘
__
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።
__