Meinungen & Beiträge

ኣቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ወዲ ማይ ኣድከሞም፣ዕጫ ናይ ኣቦና ኣጦንዮስ ናይ ኣቦና ሸኽ ሙሳ ዕጫኹም ኮይና ዶ ንሳ።

10 October 2025 Administrator ትግ

ነቦና ሸኽ ወዲ ማይ ኣድኮሞም ኣራንሺ ዝኸበቦ

ብሲኒት ልሳን ዉጹዓት ክንከውን ህዝብና ይላቦ፣

 

ነቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባና ከም ኣቦና ሸኽ ሙሳ

መምህር ዉጹዓት ተጨውዮም ብዘይ ገለ ኣበሳ

ዕጫኹም ከም ኣቦና ኣንጦንዮስ ኮይና ዶ ንሳ፣

_
![]()
_

ኣንጊሁ ኣብ በዓትታ ሳሕል ዝገበለ

መን ስልጣን ሂቡኒ ኢሉ ዘሽካዕለለ

ፋሽሽታዊ ኣረሜን ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ

  በየናይ መዔቀኒዩ መንግስቲ ዝተባህለ፣

 

ነቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ክነእዊየሎም

ኣይግድን ኣመንቲ ምስልምና ንበይኖም

ኣብ ቅርዓት ዓገብ ክብሉ ምውዓሎም

ኣስላም ክስታን ሐንቲ ትኹን ቃሎም

 

እዚ የዋህ ህዝቢ መሰሉ ዘይረኸበ

ትማሊ ብኣንድነታዊያን ዝተበደለ

ሎሚ ብውላዶም መከራ ዝጸገበ፣

 

እዚ የዋህ ህዝቢ ሕጊ ዝሐረሞ

ብጃንዳ ህግደፍ ወትሩ ምስ ሐሰሞ

ግብሪ ኣልቦ ኮይኑ ደንበ ተቃውሞ፣

 

መልሐስ ነዊሐ ኢድና ምስ ለመሰ

መሰል ሸኻትናን ካህናትናን ዝገሃሰ

ደም ኑጽሃት ብተደጋጋሚ ዘፍሰሰ፣

 

ኣስላምና ክስታና ሐድነትና ንሐሉ

ንዉጹዕ ህዝብና ብስኒት ክነእዊየሉ

ነዚ ኣረሜም ጉጅለ ክነድማዓሉ፣

 

ኦረብና ጽንዓት ሃቦም ነቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን

ናይ ሐርነት ንፋስ ከተምፍሱ ዕድመን ጥዕናን

ህዝብና ሐራ ክከውን ካብዚ ሕጊ ኣልቦ ሸጣን፣

ብደገን ብውሽጥን የድሊየናሎ ብኣጋ ምውሳን፣

 

ነስላምና ክስታና ብማዕረ ዘጽንተና ዘሎ

መራሒ ጭፍራ ህግደፍ መደበሩ ዓዲ ሃሎ

ከም ቀደምና በሐደ ድምጺ ያኣክል ንበሎ፣

 

ንሸኻትን ንካህናትን ጨውዩ

መሳጊድና ቤተ ክርስትያና ዓጽዩ

ዕምሩ ኣናዊሑ እንበር ኣይንብርንዩ፣

 

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ  ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብበርሀ  ኣባል ተሐኤ ካብ ሃገር ጀርመን።